ዝኽሪ 4ይ ዓመት ህልቂት ላምፔዱሳ - ብፎቶ

ሰብ መዚ ጣልያን
መግለጺ ስእሊ, ኣሰታት 400 ዝኾኑ ነጋድያን ዝኽሪ ህልቂት ላምፔዱሳ፡ ካብ ማእከል እታ ከተማ ብመስርዕ ነቒሎም፡ ብኣፍደገ እታ ናብ ኣፍሪቃ ዘቕረበት እትበሃል፡ ፓርታ ዲ ኤውሮጳ እትስመ በሪ ሓሊፎም፡
Published
ገምገም ባሕሪ ላምፕዱሳ
መግለጺ ስእሊ, ነጋድያን ዝኽሪ ብመራክብ ተጻዒኖም ናብ ቦታ ሓደጋ ብምኻድ ዕምበባ ኣንቢሮም፡ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ከኣ ጸሎተ-ፍትሓት ኣብጺሖም።
ዘከርቲ እቲ ሓደጋ ምጥሓል ባሕሪ
መግለጺ ስእሊ, ነጋድያነ ዝኽሪ ላምፔዱሳ ኣብ ገዑዞ እግሪ
ኣስከሬን እቶም ካብ ባሕሪ ዝተኣርዩ ግዳያት
መግለጺ ስእሊ, ሬሳታት እቶም ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ካብ ባሕሪ ኣፍደገ ላምፔዱሳ ዝተኣርዩ ዜጋታት
ዝነብዕ መንእሰይ
መግለጺ ስእሊ, ንብዓት ዘይገልጾ ቃንዛ ህልቂት ላምፔዱሳ
ኣደታት ኤርትራ
መግለጺ ስእሊ, ኣደታት ኣብ መሪር ሓዘን
ኣበ መሪር ሓዘን
መግለጺ ስእሊ, ስድራ ግዳያት ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ላምፔዱሳ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ንዝሰኣኑዎም ኣሕዋቶምን ፈተውቶምን እንክዝክሩ
ኣብ ከቢድ ሓዘን
መግለጺ ስእሊ, ዓለም ምሉእ ዝነብዓሉ ዘስካሕከሕ ህልቂት ላምፔዱሳ
ካብ ጀልባ ዝወርዱ ስደተኛታት
መግለጺ ስእሊ, ብሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ካብ ኣፍ ሞት ዝደሓኑ ስደተኛታት
መዓት ውጻእ ኤርትራውያን
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ላምፐዱስያ ኣትዮም ፈላማይ ረድኤት ንምርካብ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኤርትራውያን
ኣዳል ንጉሰ
መግለጺ ስእሊ, ኣዳል ንጉሰ ምስ ኣማኢት ፍቱዋቶም ዝሰኣኑን ግዱሳትን ኣብ ራብዓይ ዓመት ዝኽሪ ላምፔዱሳ