ጽንብል በዓል መስቀል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምስሊ

Published

ዓመታዊ በዓል መስቀል ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ይጽንበል ኣሎ።

ኣብቲ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሜዳ 'መስቀል ኣደባባይ' ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ዲፕሎማሰኛታትን ተሳቲፎም።

ብርክት ዝበለ ህዝቢ'ውን ነቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ንምርኣይ ናብቲ ቦታ ከምዝወሓዘ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እዞም ዝስዕቡ ምሩጻት ስእልታት እቲ በዓል በኸመይ ይጽንበል ከምዘሎ ዘርእዩ እዮም።

ብካህናት ዝተኸበበ ዳሜራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
መግለጺ ስእሊ, በቶም ሃይማኖታዊ ኣልባሳት ዝወቀቡ ካህናት ዝተኸበበ ዳሜራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ 'መስቀል ኣደባባይ'
ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ማትያስ
መግለጺ ስእሊ, ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ ስነስርዓት
ዕንባባ ገልገለ-መስቀለ
መግለጺ ስእሊ, ዕንባባ ገልገለ-መስቀለ
ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ እትርከቦም ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብቲ ጽንብል ተረኺቦም ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ እትርከቦም ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብቲ ጽንብል ተረኺቦም ነይሮም
ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝርከቦም ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ኣብቲ ስነስርዓት
መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝርከቦም ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ኣብቲ ስነስርዓት
ኣብ ዙርያ ዳሜራ ዝተኣከቡ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖትን ህዝብን
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዙርያ ዳሜራ ዝተኣከቡ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖትን ህዝብን
ካህናት ኦርዶክስ ኣብ ሜዳ 'መስቀል ኣደባባይ' ቅዳሰን ውዳሰን እናስምዑ
መግለጺ ስእሊ, ካህናት ኦርዶክስ ኣብ ሜዳ 'መስቀል ኣደባባይ' ቅዳሰን ውዳሰን እናስምዑ
መራሕቲ ሃይማኖት