ካቶሊክ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ተልእኾኡ፣ ጽልዋኡን መሰናኽላቱን

ካቴድራል ኣስመራ - ካቶሊክ ቤተክርስትያን ዓዲግራት
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ጽልዋን ኣበርክቶን ምስዮናውያን ካቶሊክ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራን ትግራይን ዓቢ እዩ።

እቲ ትካል ኣብ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ልምዓትን ንጥፈታት ግብረ ሰናይን ርኡይ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ትካላት ምስዮናውያን ንምእመናን ካቶሊክ ጥራሕ ዘይኰነስ ንኹሉ ብዘይኣፈላላይ ኣገልግሎት ስለዘቕርባ እውን ምስጉናት እየን።

ሚስዮናውያን ካቶሊክ ካብ ዘመን ሃጸይ ዘርአያዕቆብ ጀሚሮም (ኣስታት 15 ክፍለ-ዘመን ምዃኑ'ዩ) ሓሓሊፎም ወፍርታቶም ከካይዱ ፍሕትሕት ይብሉ'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ዝሓሸ መድርኽ ንክበጽሑ፡ ኣብ መፋርቕ 19 ክፍለ-ዘመን ምዃኑ'ዩ፡ ብዙሕ ጻዕርን መሰናኽላትን ኣሕሊፎም'ዮም።

ክርስትና ብ4ይ ክፍለ-ዘመን፡ ብዘመን ግዝኣት ኣኽሱም - ወይከኣ ንጉስ ኤዛና ኣብ ስልጣን ዝነበርሉ ዘመን - ከም ዝኣተወ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ዛንታ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ ኣትኵሮና ኣብ ተራ ናይ'ቲ ብእየሱሳውያን (Societas Jesu - ጀስዊትስ) ዝፍለጥ ስርዓት (ኣባል ማሕበር እየሱስን ኣካል ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያንን) ኰይኑ ኣብ ስርሓት ገለ ቀዳሞት እየሱሳውያን ሚስዮናውያን ከተኩር እዩ።

ንምዃኑ፡ ዛንታ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ብማሕበር እየሱሳውያን ኣቢልና ክንገልጾ ካብ መረጽና ምስ ክልተ ነገስታት ኢትዮጵያ ኣተኣሳሲርና ከነዘንትዎ ናይ ግድን ይኸውን - ንጉስ ሱሰንዮስን ንጉስ ፋሲለደስን።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ

ዞባና ምስ ምዕራባዊ ክርስትና ኣብ ዘመን ምምጻእ ሚስዮናውያን ኣይኰነን ክፋለጥ ዝጀመረ። ናብ ዘመን መስቀላዊ-ዘመተ (crusaders) ተመሊስና'ውን እንተ ርአና - ቅድሚ ካቶሊካውያን ኣብ ዞባና ንምብጻሕ ተገደስነት ምርኣዮም - ምርኻብ ኣባላት ቤት-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ምስ ኣባላት ምዕራባዊ ክርስትና (ኣብ ቅድስቲ መሬት ማለት'ዩ) ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ሃይማኖት ተሰኒዱ ንረኽቦ።

ቅድሚ ናብ እየሱሳውያን ምስጋርና ዓንድታትን ቅርጽን ዕላማን ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ምግላጽ የድሊ።

ብዙሓት ተመራመርቲ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝብልዎ፡ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ወይ ከኣ ሮማዊ ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሃይማኖት ክርስትና እቲ ዝዓበየ ኰይኑ ኣብ ምሉእ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን እተጠመቑ ኣባላት ዘለዎ ኣዝዩ ዓብዪን ኣድማዕን ትካል'ዩ።

ሓደ ካብ'ቶም ጥንታውያን ትካላት ኰይኑ ድማ ኣብ ታሪኽን ምዕባለ ምዕራባዊ ስልጣነን ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ቤተ-ክርስትያን'ዩ።

ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ትሕቲኡ ኸኣ ናይ ባዕሎም ምሉእ መሰል ዘለዎም 24 ዝኣኽሉ ኣባላት ኣብያተ ክርስትያናት ኣለዎ። ካብኦም እቲ ቀንዲ ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተል ኰይኑ እቶም ዝተረፉ ድማ ናይ ምብራቓዊ ስርዓት ዝኽተሉ እዮም። እዚኦም ከኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተዘርግሑ 3,500 ሰበኻታትን ኤጳርቅያናትን ዘለዎም'ዮም።

ውሽጣዊ ክፋል ቤተክርስትያን ካቶሊክ ዓዲግራት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጳጳስ ኣቡን ናይ ሮማ ብምዃኖም ቀንዲ ካህን ናይቲ ቤተ-ክርስትያን'ዮም። እቶም ናይ ምብራቓዊ ስርዓት ዝኽተሉ ኣብያተ ክርስትያናት ከኣ ዋላ'ኳ ካብ ናይ ላቲን ስርዓት ፍሉይ ዝዀነ ስነ-ሃይማኖታውን ስነ-ኣምልኾኣውን ታሪኻውን መለዮታት ይሃልዎም ምስ ሓድሕዶምን ምስ ስርዓት ላቲንን ብሰረተ-እምነት ፍጹም ምውህሃድ ኣለዎም።

ብዙሓት ሰባት ዘይፈልጥዎ፡ ኣብ ሰነዳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ዞባና ዝተኣሳስሩ ድንቂ ዝዀኑ ታሪኻት ኣለዉ። ድንቅነቶም ንምግላጽ ክጥዕመልና ካብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ብሕርያ ዝተወስዱ ክልተ ኣብነታት ክንጠቅስ ንኽእል።

ታሪኽ ናይ'ቶም ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ኣቡን - ኣቡን ጦብያ ጊዮርጊስ ገብረ እግዚኣቢሄር - ብ1755 ኣብ ደብረማርያም / ደምብያ ተወሊዶም ኣብ ካይሮ ብ1801 ዝዓረፉ ኣቡን ከም ዝነበሩ ተሰኒዱ ኣሎ። ታሪኾም ምስ እነንብብ ብኣድናቖት "ለካ ብቕዓት ዝነበሮም ካህናት ካብ ቀደም ጀሚሮም ነይሮምና'ዮም" ዘብል'ዩ።

ከም ካልኣይ ኣብነት ዛንታ ሚስዮናዊ ፐድሮ ፓኤዝ ክቐርብ ይኽእል። ንሶም ብ1564 ኣብ ሃገረ-እስጳኛ ተወሊዶም – ብ1622 ኣብ `ጐርጎራ (ጥቓ ቀላይ ጻና) ዝሞቱ፡ ኣብ ምምስራትን ኣብ ህይወት ኣመንቲ ካቶሊክ ዞባናን ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ካህን ነበሩ።

ንሃጸይ ሱሰንዮስ ብቀረባ ዘማኽሩ ዝነበሩን እምነቶም ንክልውጡ ድማ ዝደረኹን እየሱሳዊ (ኣባል ደንበ ጀስዊት) ነበሩ።

ንእግረ-መንገድና ንምውካእ፡ ደንበ-ጀስዊት ኣባል ደንበ ሮማዊ ካቶሊክ ኰይኑ ኣብ ምምሃር፡ ሰበኻ ሃዋርያነት ከምኡ'ውን ኣብ ስርሓት ግብረ-ሰናይ ዝነጥፍ ማሕበር'ዩ። ዋላ'ኳ ብ16 ክፍለዘመን ኣብ ሃይማኖት ካቶሊክ ዝሳዕረሩ ጌጋታት ንምጽጋን ዝተኻየደ ምንቅስቓስ (Reformation) ዝቃወም ማሕበር ይንበር፡ ኣብ ስርዓት ቤተ-ክርስትያን ተሓድሶታት ኣብ ምትእትታው ወሳኒ ተራ ነይሩዎ'ዩ። ኣብ ዞባና ድማ ብድብድቡ ማለት'ዩ ብዙሕ ዘበርከተ ማሕበር'ዩ።

ንምዃኑ መልክዕ ካቶሊክነት ኣብ ዞባና ከመይ ይመስል?

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣካል ናይ'ቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ካቶሊካዊ ስርዓት ኰይነን ብመንፈሳዊ መሪሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮማ እየን ዝምርሓ።

ይዅን'ምበር፡ ዝኽተልኦ ስርዓት ምብራቓዊ ስርዓት'ዩ። እቲ ቅዳሴን ኣስተምህሮን ስርዓተ-ኣምልኾን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝሰረተ ኰይኑ፡ ምስ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተኣሳሲሩ ንክጐዓዝ ናይ ባዕሉ ሓድሓደ ምቅይያራት ዘተኣታተወ ስርዓት'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ስለዚ ኣብ ገለ-ገለ ሸነኻቱ ይፈላለ'ምበር ኣብ ቡራኬን 'ሊጡርግያ'ን ኣይፈላለዩን'ዮም። ኣብ ዞባና ኣብ ናይ ላቲን ስርዓት ዝምርኰሳ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊክ እውን ኣለዋ። ምስራጽ ካቶሊክነት ኣብ ዞባና ንምርዳእ ብዛንታ ፍሬሞና ንጀምር።

ፍሬሞና

ፍሬሞና ኣብ ትግራይ፡ ጥቓ ዓድዋ እትርከብ፡ ብኽልቲኡ ሸነኻ ብግምብታት ዝማዕረገት ንእሽቶ ከተማ ነበረት። ኣንድሩው ማርቲነዝ ዝተባህለ ኣብ ሃምቡርግ ዩኒቨርሲቲ (ጀርመን) ኰይኑ ኣብ ስርሓት እየሱሳውያን (ጀስዊትስ) ዘተኵር ተመራማሪ ከም ዝብሎ፡ ፍሬሞና መደበር እየሱሳውያን'ያ ነይራ።

ንቕድም፡ ምስ ክልተ እየሱሳውያን ሚስዮናውያን - ፍራንሲስኮ ኣልቫረዝን ኣንድረ ደ-ኦቬዶን - ዘፋልጥ ሓጺር መእተዊ እንሆ።

ኣብ ኤርትራ ሃይማኖት ካቶሊክ ብፖርቹጋል ዝመበቈሎም ሚስዮናዊ ኣባ ፍራንሲስኮ ኣልቫረዝ ተኣታትዩ ይብል ተመራማሪ ታሪኽ ዳን ኮኔል፡ መዝገበ-ቃላት ታሪኽ ኤርትራ ዘርእስቱ ዓቢ መጽሓፍ ዝጸሓፈ። ኣልቫረዝ፡ ብዘመነ ሃጸይ ልብነ ድንግል፡ ካብ 1520 ጀሚሮም ንሽድሽተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ከም ዝጸንሑ ዳን ኮኔል የዘንቱ።

ካቴድራል ኤርትራ

ብተወሳኺ ዶክተር ማይክል ክላይነር ዝስሙ ጀርማናዊ ተመራማሪ ከም ዘዘንትዎ፡ ምብጻሕ ኣልቫረዝ ኣብ ኤርትራ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሕሉ እዋን ሓደ ነዊሕ ጸብጻብ ከቕርቡ ብምኽኣሎም'ዩ ይብል።

ይዅን'ምበር ኣልቫረዝ ኣብ ኤርትራ ዝነበርሉ እዋን ሃይማኖቶም ናብ እምነት ካቶሊክ ዝቐየሩ ምእመናን ዳርጋ ኣይነበሩን ይብል ዳን ኮኔል። ህዝቢ-ዞባና ኣብ ሃይማኖት ካቶሊክ ምእታው ዝጀመረሉ ብዘመን ሚስዮናዊ ኣንድረ ደ-ኦቬዶ ከም ዝነበረ ይጠቅስ።

ፖርቹጋላዊ ኣንድረ ደ-ኦቬዶ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነጠፉ ሚስዮናውያን'ዮም ነይሮም። ንሶም፡ ምስ ሓሙሻይ ርእሶም፡ ካብ ሊስቦን (ርእሰ-ከተማ ፖርቹጋል) ተበጊሶም ብሚያዝያ 1557 - ቀቅድሚ ዖጥማናውያን (ቱርኪ) ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ኣብ ሕርጊጎ በጽሑ። እቲ ዘመን'ቲ ሃጸይ ገላውዴዎስ ካብ 1540 ክሳብ ጊዜ ሞቶም (1559) ንኢትዮጵያ ዝገዝእሉ እዋን ነበረ፣ ።

ኣጋ ዘመን ሃጸይ ገላውዴዎስ ምብቅዑ፡ እቶም ቀዳማይ ኣቡን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀስዊት - ጂዋዎ ኣልበርቶ ባረቶ - ካብ'ዛ ዓለም ምስ ተሰናበቱ ኣቡነ ደ-ኦቬዶ ተክእዎም።

ሚስዮናዊ ደ-ኦቬዶ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሃጸይ ገላውዴዎስ እናነበሩ ስነ-ሃይማኖታዊ ክትዓትን ኣስተምህሮን የካይዱ ነበሩ። ድሓር ግን ኣብ ጌጋታት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ዘተኵር ጽሑፍ ብምቕራቦም ዘይምቅዳው ሰዓበ ይብሉ ተመራመርቲ ታሪኽ።

ኰይኑ ድማ ማሕበር እየሱሳውያን በቲ ዝተላዕለ ዘይምቅዳው ኣብ ሽግር ክኣትዉ ጀመሩ። ሽዑ'ዮም ሚስዮናዊ ደ-ኦቬዶ ምስ ጕጅልኦም ንትግራይ ክግዕዙ ዝተገደዱ። ኣብ ትግራይ ከኣ ባሕሪ-ነጋሲ ይስሓቕ ተቐበልዎም፣ ኣብ ፍሬሞና መደበሮም ንክተኽሉ ኸኣ ኣፍቀዱሎም ይበሃል።

መቸም ታሪኽ ባሕሪ-ነጋሲ ይስሓቕ፡ እንትርፎ ርእሲ ከተምኦም ኣብ ድባርዋ ከም ዝነበረ፡ ብኸባቢኦም ይፍርሑ ከም ዝነበሩ፡ ኣንጻር ንጉስ ሜናስ ከም ዝተላዕሉ ... ብዘይንጹር መርትዖታት ዝተሰነዩ ዛንታት ኮታ... ካብኡ ሓሊፍና ኣርጊጽካ ክንትርኾ ኣሸጋሪ'ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኾም ሓደ ሓደ ሃጓፋት ስለ ዘሎ።

ማእከል ማሕበር እየሱሳውያን (ኣብ ኤውሮጳ) በቲ ደ-ኦቬዶን ብጾቶምን ዘጓነፎም ሽግር ምስ ሰምዑ ኣብ ጸገም ከም ዝኣተዉ ተረድኦም፤ ንዕላምኦም ኣወጊዶም ዓዲ ክልዉጡ ትእዛዝ ለኣኹሎም።

ደ-ኦቬዶ ግን ነቲ ትእዛዝ ነጸጉዎ። ብኣጋጣሚ ኸኣ ኣብ ዕላማኦም ከይበጽሑ ብ1577 ኣብ ፍሬሞና ዓረፉ፣ ኣብኡ ኸኣ ተቐብሩ። ብህዝቢ ፍትው ስለ ዝነበሩ ኸኣ መቓብሮም ብደቀባት ካቶሊካውያን ከም ንግደት ከም ዝብጻሕ ይዝንቶ።

ድሕሪ ሞት ደ-ኦቬዶ ሃጸይ ሰርጸድንግል ኣብ ዙፋን ዝመጹሉ ዘመን ነበረ፤ ካብ 1563-1597 ከኣ ንኢትዮጵያ ዝገዝኡ ንጉስ ነበሩ። ሃጸይ ሰርጸድንግል ዝና ዝነበሮም ንጉስ'ዮም። ንዖጥማናውያን (ቱርኪ) ብትሪ ይገጥሙዎም ነበሩ፣ ኣብ ዱባርዋን ሕርጊጎን ከኣ ከም ዘዳኸሙዎም ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ምዝጉብ'ዩ።

ሃጸይ ሱሰንዮስ፡ ወዲ-ወዶም ንሃጸይ ልብነ ድንግል፡ ኣብ ዙፋን ምስ መጹ ኵነታት ሚስዮናውያን ተለወጠ።

ሃጸይ ሱሰንዮስን ሚስዮናዊ ፐድሮ ፓኤዝን

ልዕል ኢልና ኣብ መእተዊና ንእስጳኛዊ ፐድሮ ፓኤዝ ከም ዝጠቐስናዮም፡ ንሶም ንሃጸይ ሱሰንዮስ ኣብ ሃይማኖት ካቶሊክ ከእትዉ ዝኸኣሉ ሚስዮናዊ ነበሩ። ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ኣዝዮም ህርኩት ሚስዮናዊ፡ ፐድሮ ፓኤዝ ከም ዝነበሩ ብዙሓት ተመራመርቲ ታሪኽ ይሰማምዑ።

ፐድሮ ፓኤዝ ሒደት ዓመታት ቅድሚ ሃጸይ ሱሰንዮስ ስልጣን ምምጽኦም ጀሚሮም (1603–1623) ጽቡቕ ዝምድና ፈጢሮም ይንቀሳቐሱ ነበሩ ይብሉ ሰነዳት ታሪኽ።

ኣብ ዉሽጢ ዕስራ ዓመት ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሃይማኖቶም ከም ዝልወጡ ገይሮም'ዮም። ኣብ ጐርጎራ ንሃጸይ ሱሰንዮንስ ዓቢ ቤተ መንግስቲ ከስርሕሎም'ውን ከም ዝኸኣሉ ይዝንተወሎም። ሃጸይ ሱሰንዮንስ ካብ 1607 ክሳብ 1632 ንኢትዮጵያ ዝገዝኡ መራሒ'ዮም።

መጽሓፍ

ፐድሮ ፓኤዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ንቋንቋታት ግዕዝን ኣምሓርኛን ክመልክዎም ከም ዝኸኣሉ ይዝንተወሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ባዕሎም ትምህርቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ኣዳልዮም ንህዝቢ ከም ዘቕረቡ፡ ምስኡ ኸኣ 'ተዎሎግያዊ ጌጋታት' ኢሎም ዝኣመኑሎም ናይ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ - ድሓር ኣብ ምጉት ዘእተዎም - ከም ዘቕረቡ ይዝንቶ።

ፐድሮ ፓኤዝ ክልተ ቅጺ ዘለዎ ኣገዳሲ መጽሓፍ (Pedro Paez's History of Ethiopia, 1622) ዘቕረቡ ካህን ነበሩ።

እቶም ቅጽታት ኣገደስቲ ዝዀንሉ ምኽንያት ናይ ቀዳማይ-ኢድ (ማይ ዘይጠዓመ) ጸብጻብ ብዛዕባ መዓልታዊ ህይወት ሚስዮናውያን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስለ ዘዘንትዉ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ፖለቲካ፡ ሃይማኖት ኣተኣሳሲሮም ግሩም ስእሊ ከቕርቡ ብምኽኣሎም፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ናይ ኤውሮጳ ቋንቋታት ከኣ ተተርጒሞም ብምቕራቦም'ዩ።

ብድሕሪ ፐድሮ ፓኤዝ ዝመጽኡ ሚስዮናዊ ግን (ኣልፎንሶ መንደስ ዝተባህሉ) ኣይግድን ነበሩ ይብሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ። ምኽንያቱ ንሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኣትሒቶም ይርእዩ ስለ ዝነበሩ ይበሃል። ብእኡ ዝሰዓበ ሰበብ ከኣ ኣብ ሞንጎ ካቶሊክን ተዋህዶን ግጭት ከም ዝተላዕለ ይዝንቶ።

ሽዑ ንጉስ ፋሲለደስ፡ ወዶም ንንጉስ ሱሰንዮስ፡ ካብ 1632 ክሳብ 1667 ኣብ ዙፋን ዝነበሩን ዘመነ ጎንደር ከኣ ዘተኣታተዉን፡ ምስ እየሱሳውያን (በቲ ዝተላዕለ ግጭት) ስለ ዘይተሳነዩ ካብ ኢትዮጵያ ኣባረርዎም።

ካብ ኢትዮጵያ ወጺኦም ድማ ኣብ ኤርትራ ንሓጺር እዋን ተዓቝቡ። በቲ ዘመን'ቲ ባሕሪ ነጋሲ ዮሃንስ ኣባይ ኣብ ኤርትራ ይገዝኡ ነበሩ።

ንጉስ ፋሲለደስ ነቶም ዑቝበኛታት ንከረክብዎም ንባሕሪ ነጋሲ ኣዘዝዎም፣ እንተዀነ ግን ባሕሪ ነጋሲ ነቶም ዘዕቈብዎም እየሱሳውያን ንንጉስ ፋሲለደስ ከረክቡ ፍቓደኛ ኣይነበሩን።

ምኽንያቱ በቶም ዑቝበኛታት ኣቢሎም ምስ ኤውሮጳውያን ዝምድና ክምስርቱ ስለ ዝደለዩ ነበረ ይበሃል። መደቦም ስለ ዘይሰለጠ ኸኣ፡ ባሕሪ-ነጋሲ ብ1634 ነቶም ዑቝበኛታት ንቱርካዊ ፓሻ ኣብ ምጽዋዕ ኣረከቡዎም።

ኣብ መወዳእታ እቶም ዑቝበኛታት ካብ ምጽዋዕ ከም ዝጥረዙ ተገብረ፤ ምስ ተጠረዙ ኸኣ ብዙሕ ሽግር ኣጓነፎም ይብሉ ናይ ታሪኽ ሰነዳት።

ብድሕሪ ፐድሮ ፓኤዝ፡ ኣልፎንሶ መንደስ - ልዕል ኢልና ስሞም ዝረቘሕናዮም ሚስዮናዊ - ምስ ደቀባት ዘየሳኒ ጌጋታት ምስ ፈጸሙ እቲ ኹሉ ፐድሮ ፓኤዝ ብጻዕሮም ዝመስረትዎን ምስ ሰበ-ስልጣን ዝተኸልዎም ርክባትን ተዀልፈ።

በቲ ሰበብ'ቲ ኸኣ ስርሓት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ተዀሊፉ ጥራይ ዘይኰነስ ንነዊሕ ዘመን ኣቕሽሽቲ ካቶሊክ ካብ ዞባና ከም ዝእገዱ ተገብረ።

ከም ሓቁ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ምትእጕጓል፡ ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክምለሱ ዝፈተኑ እየሱሳውያን (I7-18 ክፍለ-ዘመናት) ይህደኑ ነይሮም'ዮም።

ብ1837 ገጾም'ዮም ሚስዮን ካቶሊክ ብላዛሪስትስ ተመሪሑ - ከም ጁዘፐ ሳፐቶ፡ ጁስቲኖ ደ-ጃኮቢስ ዳግማይ ነብሶም ዝሰርዑ። ንሕጂ ዛንታና ኣብዚ ንድምድሞ።