ቀጥታ , ደሞክራስያውያን ክብሪ ዋጋታት ንምጕዳል ቃል ይኣትዉ፡ ሪፓብሊካውያን ምኽንያት ፍሽለቶም ይፍትሹ

ድሕሪ ዓወት መፋርቕ ዘመን መረጻ፡ ኮንግረስ ነቲ 'ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ' ምምሕዳር ትራምፕ ልጓም ክግበረሉ እዩ ክብል ላዕለዋይ መራሒ ደሞክራስያውያን ኣፍሊጡ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ሪፓብሊካውያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈጸምዎ ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ ነዚ ናይ ሕጂ ውጽኢት ከም ዝጸለወ ሓሰብቲ እቲ ሰልፊ ይገልጹ
  • ሰልፊ ዲሞክራት ኣብ ወሰንቲ ግዝኣታት ተዓዊቶም
  • ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ወሳኒ ዝዀነ ናይ ፍርቂ ዘመን መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ
  • ደሞክራሲያውያን ኣብ ሳውዝ ካሮላይና፡ ካንሳስን ተክሳስን ክዕወቱ ትጽቢት ይግበር
  • ደሞክራሲያውያን ኣብ ሳውዝ ካሮላይና መንበር ሰነት ዝተዓወቱሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣብ 1998 እዩ ነይሩ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ካብ ሃገራዊት ጋንታኡ ተሰናቢቱ

    ክሪስቲያኖ ሮናልዶ

    ድሙቕ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ካብ ዓለምለኻዊ ጸወታ ከምዝተሰናበተ ኣፍሊጡ።

    እቲ ውሩይ ፖርቱጋላዊ ኣጥቃዓይ ካብ 2003 ኣትሒዙ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ኣብ ዝተሰለፈለን 234 ግጥማት 146 ሸቶታት ምምዝጋቡ ይፍለጥ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ስልጠና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ዝቕጽል ኣንጻር ደንማርክ ዝካየድ ግጥም ሊግ ሃገራት ኣውሮጳ ከምዘይስለፍ ምስ ተነግሮ ብቚጥዐ ብኢደወነኑ ናብ ገዝኡ ብምምላሱ ኣስታት 300 ዶላርን 30 መዓልቲ እገዳን ተቐጺዑ ነይሩ።

    እቲ ወዲ 41 ዓመት፡ ካብታ ጋንታ ክሰናበት ከምዝወሰነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መግለጺ ኣውጺኡ'ሎ።

    "ንህዝቢ ፓርቱጋል፡ ቊጽሪ ሸውዓተ ማልያ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ዝመልሰላ መዓልቲ በጺሓ ኣላ" ክብል ኣብቲ ኣብ ኢንስታግራም ዘውጾ ብቪድዮ ተዛሪቡ።

    "ናተይ ናይ በይነይ ጥራይ'ያ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ፣ ግና ን23 ዓመት ክለብሳ፡ ክከላኸለላን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ሜዳታት ክወስዳን ክብሪን ሓላፍነትን ረኺበ እየ።

    "ናብ መጻኢ ዘሕልፈላ ግዜ ሎሚ ኣኺላ ኣላ። ቀሊል ውሳነ ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ገለ ውሳነታት ብኣእምሮ ጥራይ ዝግበር ኣይኮነን- ካብ ልቢ ዝነቐሉ'ውን እዮም።

    "ንህይወተይ ንሓዋሩ ዝቐየረ ኣብ ነሓሰ 2003 ዝፈለመ ጉዕዞ ኣብዚ ኣብቂዑ ኣሎ" ክብል ሮናልዶ ኣዊጁ።

    ሃገራዊት ጋንታ ፓርቱጋል ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ምስ ደንማርክን ዌልስን ዝካየዱ ግጥማት ክሳተፉ ዝተሓርዩ ተጻወትቲ ጽባሕ ከተፍልጥ ትጽቢት ይግበረላ።

  2. ሰነት ኣመሪካ፡ ደሞክራስያውያን 52 መናብር ብምዕታር ንምሉእ ኮንግረስ ተቘጻጺሮሞ

    ሰልፊ ደሞክራስያውያን ኣብ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ 52 መናብር ብምዕታር ዓብላሊ ድምጺ ምርካቡ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    እዚ ማለት፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ድሮ ዓብላሊ ድምጺ ዝረኸበሉ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወሲኽካ፡ ንኽልተኦም ኣካላት ኮንግረስ ኣመሪካ (ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ባይቶ ሰነትን) ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩዎ ኣሎ።

    ኣብዚ 100 መናብር ዘለዎ ባይቶ ሰነት፡ ዓብላሊ ድምጺ ንምሓዝ 51 መናብር ዘድሊ ኰይኑ፡ ደሞክራስያውያን ነዚ ደረት ብምስጋር ቍጽጽሮም ኣደልዲሎም ኣለዉ። ሪፓብሊካውያን 44 መናብር ክረኽቡ እንከለዉ፡ ናይቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ መናብር ውጽኢት ግን ዛጊድ ዝተፈልጠ የሎን።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ? ደሞክራስያውያን ንኽልቲኦም ባይቶታት ምቍጽጻሮም፡ ኣብ ኣመሪካ ሓደስቲ ሕግታት ንምሕጋግ፡ በጀትን ቍጠባዊ ፖሊሲታትን ንምጽዳቕ፡ ከምኡ'ውን ላዕለዎት ሹመታት ፈደራላውያን ዳያኑን ምኒስተራትን ብዘይ ዕንቅፋት ንምሕላፍ ዘኽእሎም ዓቢ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይህቦም።

    ሰነት ኣመሪካ ብሓፈሻ ከመይ ይመስል ኣሎ?
  3. ደሞክራስያውን ዓብላሊ ድምጺ ኣረጋጊጾም፣ ውጽኢት 48 መናብር ግን ገና ኣይተፈልጠን

    ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዛጊት ብዘሎ ውጽኢት፡ ሰልፊ ደሞክራሲ 240 መናብር ብምዕታር ዓብላሊ ድምጺ ምርካቡ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብዚ 435 መናብር ዘለዎ ባይቶ፡ ኣብዝሓ ወይ ዓብላሊ ድምጺ ንምሓዝ 218 መናብር ጥራይ ዘድሊ ኰይኑ፡ ደሞክራስያውያን ነዚ ደረት ብምስጋር ቍጽጽሮም ኣደልዲሎም ይርከቡ።

    እዋናዊ ቍጽሪ መናብር ከምዚ ይመስል፤

    • ደሞክራስያውያን፤ 240 መናብር (ዓብላሊ ድምጺ ረኺቦም)
    • ሪፓብሊካውያን፤ 147 መናብር
    • ገና ዘይተፈልጠ፤ 48 መናብር

    ሪፓብሊካውያን ክሳዕ ሕጂ 147 መናብር ጥራይ ክዓትሩ እንከለዉ፡ ናይቶም ዝተረፉ 48 መናብር ውጽኢት ግን ዛጊት ዝተፈልጠ የሎን።

    ባይቶ ኣመሪካ፡ ውጽኢት 48 መናብር ገና ኣይተፈጠን
  4. 'ጠንቂ ስዕረትና ኲናት እዩ' - ቫንስ ንፕረዚደንታዊ ውድድር 2028 ይሸባሸብ ድዩ ዘሎ?

    ቫንስ

    ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ብረቡዕ፡ ነቲ ሰልፉ ኣብ መፋርቕ ዘመን መረጻ ዘጋጠሞ ስዕረት ብቐጥታ ንዂናት ኢራን ብምልጋብ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ።

    እዚ ድማ ቅድሚ’ቲ ኣብ 2028 ንዋይት ሃውስ ንምሓዝ ክገብሮ ዝኽእል ናይ ፕረዚደንትነት ውድድር፡ ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ገዛእ ርእሱ ንምግላል ዝወሰዶ ስጕምቲ ተገይሩ ብሰፊሑ ተወሲዱ።

    ቫንስ ብዛዕባ ኲናት ኢራን ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ዋሽንግተን ኵሉ ዝፈልጦ ግሁድ ምስጢር እዩ። ንሱ ብግህዶ ነቲ ኲናት ብተደጋጋሚ ክድግፍ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ውልቃዊ ርክባት ግን ተቓውሞኡ ይገልጽ ከም ዝነበረ ይሕበር።

    እንተዀነ፡ እዚ ዘይምስምማዕ’ዚ ክሳዕ ሕጂ ካብ ህዝባዊ መድረኽ ተኸዊሉ እዩ ጸኒሑ።

    ቫንስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ኲናት ዘዋጽእ ነይሩ፣ ንዝመጽእ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ሴነት ዝነበረና ዓብላልነት [ስልጣን] ምስኣን ከኣ ዝግብኦ ዋጋ ነይሩ ኢልኩም ክትከራኸሩ እንተ ደሊኹም፡ ተኸራኸሩ፡" ክብል ጽሒፉ።

    ቀጺሉ፡ "እዚ ክኽፈል ዝግብኦ ዋጋ ነይሩ ኢልኩም ተዛረቡ። ብእኡ ትሰማምዑ ወይ ተቓወሙ፡ እንተ ወሓደ ንሱ ሓቀኛ ኣዘራርባ እዩ፡" ኢሉ።

    እዚ እምብዛ ዘገርም መግለጺ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ተርእዮ ዝተመዝግበ የሎን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምክትል ፕረዚደንት ምስቲ ፕረዚደንት ኣብ ሓደ ካብ ቀንዲ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጐሊሑ ዝረአ ኣገባብ ዝተፈላለየሉ ኣጋጣሚ ምዝካር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

    ኣስዒቡ ድማ ዝያዳ ዘገረመ ፍጻመ ኣጋጢሙ፤ ትራምፕ — እቲ ካብ ላዕለዎት ኣማከርቱ ፍጹም ተኣማንነት ዝጠልብ መራሒ — ውጽኢት መፋርቕ ዘመን መረጻ "ብዓቢዩ" በቲ ኲናት ዝተወሰነ ምዃኑ ምስ ቫንስ ተሰማሚዑ።

    ቀጺሉ፡ ተመሳሳሊ መረጻታት እንተ ዝህልዎ እኳ ዳግማይ "ከምኡ ምገበርኩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    እዚ ድማ ትራምፕ፡ ቫንስ ናይ ፕረዚደንትነት ጐስጓስ ንምጅማር እንተ መሪጹ፡ ካብ ምስኡ ካብ ምግጫው ክቝጠብ ወይ ሰፊሕ ናጽነት ክህቦ ከም ዝኽእል ዘመልክት ቀዳማይ ምልክት እዩ።

  5. ደሞክራስያውያን ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወቶም ኣብ ክብሪ ናብራ ከድህቡ እንከለዉ፡ ሪፓብሊካውያን ድማ ምኽንያት ስዕረቶም ይፍትሹ ኣለዉ

    ትራምፕ

    እቲ ደሞክራስያውያን ኣብ መፋርቕ ዘመን መረጻ ኣመሪካ ዘመዝገብዎ ዓቢ ዓወት ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ሳዕቤናት ገና ይጋዋሕ ኣሎ። እቶም ቀንዲ እዋናውያን ምዕባለታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

    • ደሞክራስያውያን ቀዳምነታቶም የነጽሩ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደሞክራስያውያን ንኮንግረስ ዳግም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ድሕሪ ምእታዉ፡ ክብሪ ናብራ ንምቅላል፡ ንዂናት ኢራን ንምዕጋትን ተሓታትነት ንምርግጋጽን ቀዳምነት ሂቦም ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም ኣለዉ። እንተዀነ፡ ኣብ መንጎቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ ደሞክራስያውያን ዘሎ ጐሊሑ ዝረአ ፖለቲካዊ ፍልልይ፡ ነቲ ዘተስፈውዎ መብጽዓታት ንምትግባር ዕንቅፋት ክዀኖም ከም ዝኽእል ይሕበር።

    • ሪፓብሊካውያን ኣብ ሓድሕዳዊ ምውቕቓስ ወዲቖም፤ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞም ታሪኻዊ ስዕረት፡ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ፡ ኲናት ኢራን "እቲ ቀንዲ ክንስዓር ዝገበረና ጠንቂ" ምዃኑ ብቐጥታ ኣመልኪቱ። ዶናልድ ትራምፕ እዚ ገምጋም "ብዓቢዩ ሓቂ" ምዃኑ እኳ እንተኣመነ፡ ተመሳሳሊ ኵነታት እንተ ዝፍጠር ግና ዳግማይ "ከምኡ ምገበርኩ" ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።

    እዚ ቫንስ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣመሪካ ዋሽንግተን ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ ዘሎ ኰይኑ፡ ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ንርእሱ ንምግላል ዝወሰዶ ስጕምቲ ተገይሩ ብሰፊሑ ይውሰድ ከም ዘሎ ወኪል ቢቢሲ ካብ ዋሽንግተን ገሊጹ።

    • ዋጋ ነዳዲ ወሪዱ፡ ዓበይቲ ዕዳጋታት ድማ ደይቦም፤ ዓወት ደሞክራስያውያን ስዒቡ፡ ኣብ ኵሉ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ እንተንቈልቍል፡ ዕዳጋታት ሰነዳት ብርኪ (ኣክስዮን) ብኣንጻሩ ወሲኾም ተዓጽዮም ኣለዉ። እዚ ድማ እቲ ውጽኢት መዕረፊ ኲናት፡ ተዅሲ ደው ምባል ወይ ህድኣት ከምጽእ እዩ ዝብል ትጽቢት ነጋዶ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ወኪል ቍጠባ ቢቢሲ ሓቢሩ።

    • ኣብ መዛዘሚ ውድድር ሴነት ኣዝዩ ቀራብ ቈጸራ ድምጺ ይካየድ ኣሎ፤ ኣብታ ዕርዲ ሪፓብሊካውያን ዝዀነት ሚሲሲፒን ኣዝዩ ተሪር ፖለቲካዊ ውድድር ኣብ ዝካየደላ ኣላስካን፡ ኣብ መንጎ ስልጣን ሒዞም ዝጸንሑ ሪፓብሊካውያንን መንሓንሕቶም ደሞክራስያውያንን ዘሎ ፍልልይ ኣማኢት ድምጽታት ጥራይ እዩ። ኣብዘን ክልተ ግዝኣታት እቲ ቈጸራ ድምጺ ገና ይቕጽል ኣሎ።

    • ተወሳኺ ውጽኢታት ትጽቢት ይግበረሉ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ወከልቲ ባይቶ ህዝቢ መናብርን ክልተ ናይ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ውድድራትን ገና ወግዓዊ ውጽኢት ዝተዋህበሎም የሎን። እዋናዊ ምዕባለታት ኣብ ናይ መረጻ ውጽኢት ገጽና ብቐጻሊ ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም።

  6. ሚኒሶታ፡ ኢልሃን ዑመር'ውን ልዕሊ 76% ብምርካብ ተዓዊታ

    ኢልሃን ዑመር ደው ኢላ መግለጺ እናሃበት

    ንክፍለሃገር ሚኒሶታ ወኪላ ንመበል ዳግማይ ዝተወዳደረት ሶማላዊት-ኣመሪካዊት ኢልሃን ዑመር ልዑል ድምጺ ብምርካብ ተዓዊታ።

    እታ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን ምምሕዳሩን ብምስሕሓብን ምክርኻርን እትፍለጥ ኣባል ኮንግረስ፡ 76.5% ድምጺ ብምርካብ'ያ መንበራ ኣጽኒዓ ዘላ።

    እታ ካብ 2018 ኣትሒዛ ወኪል ሚኒሶታ ኣብ ኮንግረስ ኮይና ተገልግል ዘላ ጓል 54 ዓመት፡ ንዲስትሪክት 5 (ከተማ ሚንያፖሊስ) ብምውካል'ያ ኣብቲ መረጻ ተሳቲፋ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣባላት ጸጥታ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ እዋን ወጋሕታ ናብቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ብምኻድ ፍተሻ ከምዝገበሩን፡ ኮምፒዩተር፡ ሞባይል ተለፎናትን ማህደራትን ዝርከቦ ሓያለ መርትዖ ይኸውን'ዩ ዝበልዎ ንብrታ ሒዞም ከይዶም ነይሮም።

    ሰብመዚ እታ ሃገር "ኣካል መርመራ ገበን ፈደራል" እዩ ክብሉ'ኳ እንተመጐቱ፡ እቲ ስጉም ንምፍርራሓ ዝተወስደ ምንባሩ ብምግላጽ ንምምሕዳር ትራምፕ ነቒፋ ነይራ። እቲ ጉዳይ ምስኡ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ትራምፕ፡ ንነዊሕ እዋን ናብታ ከቆናጽባ ዝስማዕ ሶማልያ ክትምለስ ኣለዋ ክብል ጸኒሑ'ዩ።

    ድሕሪ'ቲ ኣብ እዋን ወጋሕታ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ዳህሳስ፡ ምስ ብዓልቤታን ደቃን ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ከምዝተገደደት'ውን ገሊጻ ነይራ።

    "ምስዚ ዝበጽሓኒ ዘሎ ናይ ሞት ምፍርራሕ፡ ኣብቲ ገዛ ምስ ደቀይ ምጽናሕ ዘዋጽእ ኣይኮነን" ክትብል ኢልሃን ንሓደ 'ኤም-ኤስ ናው' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ተዛሪባ። ልዕሊ 10 መቕርባ ዝኾኑ ሰባት'ውን ሓበሬታ ክህቡ መጸዋዕታ ከምዝተገብረሎም ተፈሊጡ'ሎ።

    ኣብ 1981 ኣብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ዝተወለደት ኢልሃን፡ ጓል ክልተ ዓመት እንከላ ወላዲታ ብሞት ድሕሪ ምፍላያ፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሶማልያ ምስ ኣቦኣን ዓባያን ናብ ኬንያ ተሰዲዳ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ 1995 ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጋራ ኣብ ዓመተ 2000 ዜግነት ኣመሪካ ረኺባ።

    ንገለ ዓመታት ኣብ ክፍሊ ትምህርቲን ምምሕዳር ከባቢን ክትነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ 2016 ኣባል ባይቶ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ክትከውን በቒዓ።

  7. ኮሎራዶ፡ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰ'ውን ተዓዊቱ'ሎ

    ጆ ንጉሰ ምስ ብዓልቲቤቱ ኣንድርያን ጓል ናታልያን ኣብ ቅድሚ ባንዴራ ኮሎራዶ ደው ኢሎም ዓወቱ እናጸንበሉ

    ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰ ንራባዓይ ግዜ ኣባል ኮንግረስ ኮይኑ ተመሪጹ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

    ንካልኣይ ወረዳ ምርጫ ክፍለሃገር ኮሎራዶ ዝውክል ንጉሰ፡ ዛጊት ኣስታት 75% ድምጺ ብምርካብ'ዩ ዓወቱ ኣረጋጊጹ ዘሎ።

    "እንደገና ደገፍ ናይቲ ካብ ምዕራባዊ ኣጻድፍ ክሳብ ሰሜናዊ ኮሎራዶ ዘሎ ህዝቢ 2ይ ዲስትሪክት ምርካበይ ዓሚቚ ምስጋና ኣለኒ።

    "ናይ ብሓቂ፡ ነዛ ዓባይ ክፍለሃገርና ኣብ ኮንግረስ ኮይነ ምግልጋለይ ክብሪ ይስመዓኒ፡ ብሓጐስ'ውን ስራሐይ ክቕጽሎ እየ- ብሓባር- ትስፉው መጻኢ ሃገርና ንምህናጽ" ክብል ሓጐሱ ገሊጹ'ሎ።

    ኣብ ሕዳር 2018 ንፈለማ እዋን ኣባል ኮንግረስ ዝኾነ ንጉሰ፡ ነታ ክፍለሃገር ዝወከለ ፈላሚ ጸሊም ኣባል ባይቶ እዩ።

    ኣብ 2021 ምስቲ ኣብ ህንጻ ባይቶ ብደገፍቲ ትራምፕ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ጥሪ 6 ብዝተሓሓዝ ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝተኻየደ መርመራ ባይቶ ብዝተሓሓዝ ዝያዳ ተፈላጥነት ምርካቡ ይዝከር።

    ኣባል ናይታ ነቲ ኩነታት ንምጽራይ ዝተመዘዘት ሽማግለ ብምዃን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ መርመራታት መሰኻኽር መሪሕ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ነይሩ።

    እቲ ወዲ 41 ዓመት ሓደ ካብቶም ትጉሃት ኣባላት ባይቶ ተባሂሎም ኣፍልጦ ዝረኸቡ ምዃኑ'ውን ሰነዳት ኮንግረስ የመልክቱ።

    እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ዝነበረ ኣባል ባይቶ፡ ቅድሚ ናብ ዋሽንግተን ምምጽኡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣንድርያን ጓሉ ናታልያን 'ላፍያት' ኣብ እትበሃል ከተማ እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

    ወለዱ ቅድሚ 42 ዓመት ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ብስደት ናብ ኣመሪካ ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

  8. ፈለምቲ ክስተታትን ታሪኻዊ ፍጻመታትን ባይቶኣዊ መረጻ ኣመሪካ

    ኪየሻ ላንስ ቦቶም

    ኣብዚ ብገፊሕ ዓወት ሰልፊ ደሞክራሲ ዝዛዘም ዘሎን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕን ንሱ ዝመርሖ ሪፓብሊካዊ ሰልፊን ከቢድ ስዕረት ዘሰከመን ምርጫ ንፈለማ እዋን ዝተኸሰቱ ታሪኻዊ ፍጻመታት ተመዝጊቦም ኣለዉ። ንመጀመርታ ግዜ ዝተዓወቱ ኣባላት ውሑዳት ማሕበረሰባት ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ክፍለሃገራት ተራእዩ ዘይፈልጥ ውጽኢት ምርጫን ሰማያዊ ማዕበል ዝፈጠሮ ታሪኻዊ ክስተታትን ተጋሂዱ ኣሎ። ገለ ካብኦም ኣቕሪብናልኩም ኣለና፣

    ዓብዱልራሕማን መሓመድ ኢል-ሰይድ፡ ኣብ ክፍለሃገር ሚሺጋን ዝተወዳደረ ኢል-ሰይድ ፈላሚ ኣስላማይ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ኮይኑ ተመሪጹ ኣሎ።

    ኪየሻ ላንስ ቦቶም፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ፈላሚት ጸላም ጓልኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት ክፍለሃገር (ስቴት) ብምዃን ኣብ ጆርጂያ ተዓዊታ ኣላ።

    ደብ ሃላንድ፡ ፈላሚት መበቆላዊት ኣመሪካዊት (ኔቲቭ ኣመሪካን) ጓልኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት ክፍለሃገር ብምዃን ኣብ ኒው ሜክሲኮ ተዓዊታ።

    ፐጊ ፍላናጋን፡ ፈላሚት መበቆላዊት ኣመሪካዊት ኣባል ሰነት ክትከውን ብህዝቢ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ተሓርያ።

    ክሪስ ፓፓስ፡ ፈላሚ ሕደ-ጾታዊ ምዃኑ ብዕሊ ዝኣወጀ ኣባል ሰነት ክኸውን ኣብ ኒው ሃምሼር ተመሪጹ።

    ካንሳስ፡ ድሕሪ 1932 ንፈለማ እዋን ንሰልፊ ደሞክራሲ ዝውክል ኣባል ሰነት ናብ ዋሽንግተን ክትሰድድ ወሲና'ላ።

    ኦሃዮ፡ ኣሚ ኣክተን ፈላሚት ጓልኣስተይቲ ኣመሓዳሪት እታ ክፍለሃገር ኮይና።

    ቴክሳስ፡ እዛ ዘይትድፈር ደጀን ሪፓብሊካውያን ተባሂላ ትፍለጥ ክፍለሃገር'ውን ኣብዚ ምርጫ'ዚ ካብቲ ሰማያዊ ማዕበል ክትድሕን ኣይክኣለትን። ድሕሪ 38 ዓመት ደሞክራስያዊ ኣባል ሰነት መሪጻ ጥራይ ዘይኮነት፡ ነቲ ቀንዲ ደጋፊ ትራምፕ ዝኾነ ኣመሓዳሪኣ'ውን በታ ንሰልፊ ደሞክራሲ ወኪላ ዝተወዳደረት ጂና ሂኖዮሳ ተሳዒሩ ኣሎ። ቴክሳስ፡ ካብ 1995 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ሪፓብሊካውያን'ያ ጸኒሓ።

    ሃኪም ጀፍሪስ፡ እዚ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ኣብዚ ምርጫ ዘይተሳተፈን ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ከም ውጺት ናይዚ ታሪኻዊ ዓወት ባይቶኣዊ መረጻ ፈላሚ ጸሊም ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ኮይኑ ክምረጽ ትጽቢት ይግበረሉ።

    ፍሎሪዳ፡ እታ ትራምፕ ዝነብረላ ሪፓብሊካውያን ዝተዓወቱላ ክፍለሃገር'ውን ፈላሚ ጸሊም ኣመሓዳሪ ባይሮን ዶናልድስ 50% ድምጺ ብምሃብ መሪጻቶ ኣላ።

  9. ክሳብ ሕጂ ዝተገልጸ ውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ እንታይ ይመስል

    ኣብ ደቡብ ካሮሊና ታሪኽ ሰሪሓ ኣኒ ኣንድሪውስ ኣባል ሰነት ንምዃን ምስተዓወተት ማይክሮፎን ኣብ ኢዳ ሒዛ ምስ ደገፍታ እናተሓጐሰት

    ውጽኢት ናይቲ ትማሊ 3 ሕዳር ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተኻየደ ህዝበ-ውሰነ" (ረፈረንደም) ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

    ኣድመጽቲ ዜጋታት እታ ሃገር ንፖሊሲታት ምምሕዳር ትራምፕን ዝድግፎም ተወዳደርቲ ኣባላት ሪፓብሊካዊ ሰልፊን ከምዝነጸግዎም ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

    በቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ተዓብሊሉ ዝጸንሐ ታሕተዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ላዕለዋይ ባይቶን (ሰነት) ብዘየወላውል መገዲ ኣብ ትሕቲ ምቊጽጻር ሰልፊ ደሞክራሲ ኣትዩ ከምዘሎ ካብ ዝተፋለለየ ክፍለሃገራት ዝመጸ ውጽኢት ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    ዛጊት፡ 7 መናብር ሰነት ካብ ሪፓብሊካውያን ዝመንጠሉ ደሞክራስያውያን 54 መናብር ብምርካብ ነቲ ወሳኒ ላዕለዋይ ባይቶ ተቖጻጺሮሞ ኣለዉ። ኣብቲ 100 ኣባላት ዘለውዎ ዓብላሊ ድምጺ ንምርካብ ሓደ ሰልፊ 52 መናብር ክህልዎ ኣለዎ። ፕረዚደንት ናይቲ ባይቶ ዝኾነ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ጃላነት ምስ ዝፍጠር ድምጹ ክህብ መሰል ኣለዎ።

    ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ'ውን፡ ዛጊት 25 ብምምንዛዕ ልዕሊ 228 መናብር ክህልዎም ትጽቢት ይግበር።

    እዚ 'ሰማያዊ ሱናሚ' ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ዓወት ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዘይ ደገፍ ኮንግረስ (ክልቲኡ ባይቶታት) ሓድሽ ሕጊ ይኹን መዝነት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከጽድቕ ኣይክኽእልን'ዩ። ናይ ሰለምን ኲናትን ወሳነታቱ'ውን ብኮንግረስ ቀይዲ ክግበረሉ ይኽእል'ዩ።

  10. ኣመሪካ፡ ሜላት ኪሮስ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ንኮሎራዶ ዝወከለት ጸላም ጓለንስተይቲ

    መራጽቲ ደንቨር ንጓል29 ዓመት ጠበቓ ነበርን ዲሞክራስያዊ ሶሻሊስትን ሜላት ወኪል ኮሎራዶ ኮንግረስ ክትኸውን መሪጾማ።

    ኣብቲ መረጻ ንወኪል ሪፓብሊካን ክሪስቲ ፒተርሰን ብምስዓር ዝተዓወተት ሜላት ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ንኮሎራዶ ዝወከለት ጸላም ጓልኣንስተይቲ ክትኸውን በቒዓላ።

    ናብ ኮንግረስ ዝተመርጸት ካልኣይቲ ብዕድመ ዝነኣሰት ጓል ኣንስተይቲ’ውን ኮይና።

    ሜላት፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኮሎራዶ ንኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መባእታዊ ውድድር ደሞክራት፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ስልጣን ንዝሓዘት ዲያና ደጌት ብምስዓር ታሪኻዊ ዓወት መዝጊባ ነይራ።

    ምሉእ ትሕዝቶ

    ኣመሪካ፡ ሜላት ኪሮስ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ንኮሎራዶ ዝወከለት ጸላም ጓለንስተይቲ
  11. ኣመሪካውያን 'ንጹር መልእኽቲ' ሰዲዶም ኣለዉ - ኦባማ

    ኦባማ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ እቲ ሰልፉ [ዲሞክራት] ዝረኸቦ ሰፊሕ ዓወት፡ ኣመሪካውያን ለውጢ ከም ዝደልዩ ዘርኢ ጭቡጥ መርትዖ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

    ኦባማ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ "ሎሚ ምሸት፡ ህዝቢ ኣመሪካ ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ - ንሱ ድማ ካብ ዝመቓቕሎም ፖለቲካ፡ ንህዝቢ ዘሰማምዕ ፖለቲካ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዘጋጥሞም ብድሆታት ጭቡጥ ፍታሕ ዘቕርቡ መራሕቲ እዮም ዝደልዩ" ኢሉ።

    ኦባማ ኣብ ከም ምሺጋንን ጆርጅያን ዝኣመሰላ ወሰንቲ (swing) ግዝኣታት፡ ምስ ሓያሎ ደሞክራሲያውያን ሕጹያት ኰይኑ ጐስጓስ ከካይድ ጸኒሑ እዩ።

    ኣስዒቡ፡ "ሕጂ ስራሕና እጅገና ሰብሲብና፡ ስልጣን ኣብ ዝረኸብናሉ ኵሉ ቦታታት ለውጢ ምግባር፣ ተወሳኺ ዕንወት ክይወርድ ምክልኻል፡ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ዝኸውን ባይታ ምጥጣሕን እዩ" ኢሉ።

  12. እዚ ውጽኢት እዚ ንዝምድና ኣመሪካን ሩስያን እንታይ ትርጕም ኣለዎ

    ትራምፕን ፑቲንን

    ውጽኢት ናይዚ መረጻ ፍርቂ እብረ ኣብ ልዕሊ ክረምሊን - መንግስቲ ሩስያ - ሳዕቤናት ክህልዎ ዶ ይኸውን?

    ወሃብ-ቃል ፕረዚደንት ፑቲን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ብሰኑይ ከም ዝገለጾ፡ “ፕረዚደንት ትራምፕ ክሳብ መወዳእታ ዘመነ-ስልጣኑ ፕረዚደንት ኰይኑ ክቕጽልን ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ከተግብርን እዩ” ኢሉ።

    እቲ መልእኽቲ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ብዘየገድስ፡ ሞስኮ ንቡር ኣሰራርሓኣ ክትቅጽል ትጽቢት ትገብር ምህላዋ ዘመላኽት ይመስል ነይሩ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ልክዕ ነቲ ሩስያ እትደልዮ (ማለት ብቅድመ-ኵነት ሩስያ ዝተፈረመን ዝተረጋገጸን ስምምዕ ሰላም ዩክረይን) ኣየምጽአን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ንክረምሊን ሓያሎ እወታዊ ነገራት ኣፍርዩሉ እዩ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገለ ካብቲ ኣንጻር ሩስያ ዝጸንሐ እገዳታት ኣደስኪሉ፡ ነዳዲ ሩስያ ንምዕዳግ ተሰማሚዑ፣ ከምኡ’ውን ካብ ቭላድሚር ፑቲን ንላዕሊ ንቮሎድሚር ዘለንስኪ ብትሪ ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ግን፡ ጋዜጣ ኔዛቪሲማያ ናይ ሩስያ ከም ዝተነበየቶ፡ ሪፓብሊካውያን ቍጽጽር ኮንግረስ እንተ ደኣ ስኢኖም፡ ዶናልድ ትራምፕ “በቲ ደሞክራሲያውያን ዝጅምርዎ ሓያሎ መርመራታት ክጥሕል እዩ" ከምኡ'ውን "ነቲ ንሱ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ፖሊሲታት (ነቲ ብዛዕባ ሩስያ ዘሎ ሓዊሱ) ክቕጽል ኣይክእልን እዩ" ኢላ።

    ተወሳኺ፤

  13. ውጽኢት ደሞክራሲያውያን ‘ማዕበል፡ ሱናሚ ወይ ዓብላሊ ጥራይ ዘይኰነስ - ከም ነውጺ’ እዩ

    ኣመሪካውያን ሓጐሶም እናገለጹ

    እቶም ኣዝዮም ትስፉዋት ዝዀኑ ደሞክራሲያውያን እንተዀይኑ እውን እኳ፡ ክሳዕ ክንደይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ዝነበሮም ኣይመስለን።

    ገና ዘይሰማዕናዮም ጽንክር ዝበሉ ውድድራት’ኳ እንተለዉ፡ እዚ ትማሊ ምሸት ዝረአ ዘሎ ግን ተራ ደሞክራሲያዊ ማዕበል፡ ሱናሚ ወይ ዓብላሊ ጥራይ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘይኰነስ፡ ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ እዩ።

    ኣመሪካውያን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ዘሕለፎ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ነጺጎምዎ ኣለዉ።

    ትራምፕ መብዛሕትኡ ጐስጓሱ፡ መረጽቲ ንሱ ባዕሉ ኣብቲ ናይ መረጻ ወረቐት ከም ዘሎ ገይሮም ክወስድዎን ከም ዘለዎ ገይሮም ክሓስቡ ክነግሮም እዩ ግዜኡ ኣሕሊፉዎ።

    ንሱ ንርእሱ ማእከል ናይቲ ሪፓብሊካዊ ጐስጓስ ብምግባር ሓያል ጐስጓስ ኣካይዱ። ሕጂ ድማ፡ እቶም ሕጹያቱ እዮም ብመረጽቲ ዝንጸጉ ዘለዉ።

    ካብ ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ብቕዓት ናይቶም ሪፓብሊካውያን ዝተሳዕሩሎም ሕጹያት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይስማዕ ኣሎ።

    ሓደ ክዝከር ዝግባኦ ነገር ግን ኣሎ፤ ገለ ካብኦም፡ ከም ዳርሊን ግርሃም ኣብ ሳውዝ ካሮላይናን ከን ፓክስተን ኣብ ተክሳስን ዝኣመሰሉ፡ ብደገፍ ትራምፕ እዮም ኣብኡ በጺሖም። ንሱ እዩ ንሕጹይነቶም ደጊፉ ናብቲ ቦታ ከም ዝበጽሑ ዝገበሮም።

    ሕጂ ሪፓብሊካውያን ነዘን ብልምዲ ብቐሊሉ ይሕዝወን እዮም ዝበሃላ ቦታታት ምስ ሰኣንወን፡ እቲ ጌጋ ናይቶም ዝተመርጹ “ብቑዓት ዘይኰኑ ሕጹያት” ምዃኑ ምግላጽ፡ ቅሩብ ምስሉይነት እዩ።

  14. 'ጌጋ ድሕሪ ጌጋ ጥራይ' - ሪፓብሊካዊ ስትራተጂስት

    ኣመሪካውያን

    ሪፓብሊካውያን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስዕረታት ኣብ ዝግምግሙሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓደ መሪር ክውንነት ይጋህደሎም ኣሎ።

    ሞያውያን እቲ ሰልፊ፡ ነቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ዝስእኑዎ ትጽቢት’ኳ እንተጸንሖም፡ ብዙሓት ግን ነቲ ሰነት ብማዕረ ዕድል እዩ ክረአ ዝኽእል ዝብል ግምት እዩ ነይሮም።

    ሕጂ ግና መጠን ናይቲ ስዕረት መረጻ እናበርሀ ምስ መጸ፡ ብዙሓት ሪፓብሊካውያን፡ እቲ ሰልፊ ንኽልቲኡ ክፍልታት ኮንግረስ (ባይቶን ሰነትን) ቍጽጽሩ ንኽንስእን ዝገበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እዩ ብምባል ናብኡ ኣጻብዕቶም የወጣውጡ ኣለዉ።

    ኣብ ተክሳስ ንነዊሕ እዋን ሪፓብሊካዊ ሎቢስት ዝዀነ ቢል ሚለር፡ "እዚ ውድቀት ኣብ ዝባኑ እዩ፤ ኣብ ካልእ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኰነን። እዚ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝተገብረ ምሉእን ሓፈሻውን ንጽገት ዘመልክት እዩ” ይብል።

    ደሞክራሲያውያን፡እቲ ሰልፊ ንዓመታት (ወይ እውን ንዓሰርተታት ዓመታት) መረጻ ሰነት ዘይተዓወተለን ሓያሎ ግዝኣታት መናብር ሰነት ተዓዊቶም ኣለዉ። ተክሳስን ሳውዝ ካሮላይናን ኣብ ቅድሚት ናይዚ ዝርዝር ይርከባ።

    ደሞክራሲያውያን፡ኣብ እዋን ትራምፕ ናብ ቀይሕ (ሪፓብሊካውያን) ዘንቢለን ኣብ ዝነበራሉ ከም ኣይዋን ኦሃዮን ዝኣመሰላ ግዝኣታት እውን ተዓዊቶም ኣለዉ።

    ኣብ ዝተገብረ ቃለ-መሕትታት፡ ሪፓብሊካውያን፡ ትራምፕ ብሰንኪ ትሑት ደረጃ ተቐባልነት ስርሑ፡ ቅቡል ዘይኰነ ፖሊሲታቱን ነቲ መረጽቲ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ዘለዎም ስግኣት ብቐጻሊ ኣትሒቱ ምርኣዩን፡ ነቲ ሰልፊ ንድሕሪት ከም ዝጐተቶ ይገልጹ።

    ኣብ ሚነሶታ ሪፓብሊካዊ ስትራተጂስት ዝዀነ ግረግ ፐፒን፡ "ሓደ ጌጋ ድሕሪ ካልእ ጌጋ ጥራይ እዩ ነይሩ፡” ብምባል፡ “ብግልጺ ከም ዝረአ፡ ኣብ ኵለን ግዝኣታት ህዝቢ ንፖሊሲታት እቲ ፕረዚደንት ኣይፈተዎን" ይብል።

  15. ገለ ካብዞም ትንበያታት መረጻ ክሳዕ ክንደይ ታሪኻውያን እዮም?

    ትራምፕ

    ደሞክራሲያውያንኣብ ሳውዝ ካሮላይና፡ ካንሳስን ተክሳስን ኣብ ዝካየድ መረጻ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ ክዕወቱ ትጽቢት ይግበር ኣሎ። እዚአን ኵለን ኣብዚ እዋን ብሪፓብሊካውያን ዝተታሕዛ ኰይነን፡ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ ብኣታቶም ክመሓደራ ዝጸንሓ እየን።

    ካንሳስ ንመወዳእታ ግዜ ሓደ ደሞክራሲያዊ ኣብ ሰነት ዝመረጸት ቅድሚ ኣስታት 100 ዓመት - ኣብ 1932 እዩ ነይሩ።

    እዚ፡ ኣብ እዋን’ቲ ዓቢ ቍጠባዊ ቕልውላው (Great Depression) ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ደሞክራሲያዊ ፍራንክሊን ዲ ሩዝቨልት ፕረዚደንት ንምዃን ብዓቢ ፍልልይ ድምጺ ዝተዓወተላ ዓመት እያ ነይራ።

    ደሞክራሲያውያን ሕጹያት ኣብ ተክሳስ ኣብ ዝካየድ ናይ ሰነትን ኣመሓዳሪ ግዝኣትን (governor) መረጻታት ክዕወቱ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

    ክልቲኡ ካብ መጀመርታ 1990ታት ንነጀው ንፈለማ ግዜ እዩ።

    ንመወዳእታ ግዜ ኣመሓዳሪት ተክሳስ ኰይና ዝተመርጸት ደሞክራሲያዊት ኣብ 1991 ኣን ሪቻርድስ እያ ነይራ። ንሳ ንኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋላ፡ በቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ፕረዚደንት ዝዀነ ሪፓብሊካዊ ጆርጅ ደብልዩ ቡሽ ተሳዒራ እያ።

    ደሞክራሲያውያን ኣብ ሳውዝ ካሮላይና መንበር ሰነት ዝተዓወቱሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ድማ ኣብ 1998 እዩ ነይሩ፤ እዚ ታይታኒክ ኣብ ኦስካር ናይ ዝበለጸት ፊልም ሽልማት ዝወሰደትሉ ዓመት እዩ ነይሩ።

  16. ትራምፕ ውጽኢት መረጻ 'ብፀጋ ክቕበል' ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ምስ ኣብ ባይቶ ሰኔት ዘላ ሲንዲ ሃይድ-ስሚዝ
    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ምስ ኣብ ባይቶ ሰኔት ዘላ ሲንዲ ሃይድ-ስሚዝ

    ሕጂ ሕጹያት ሰልፊ ዲሞክራት ኣብ ገለ ከም ቀንዲ ትሕዝቶ ሪፓብሊካን ተገይረን ግዝኣታት ተዓዊቶም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሐትት፡ ርእይቶ ሂቡ ኣሎ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ቃለ መሕትት፡ "ነቲ ውጽኢታት ብፀጋ ክቕበል ፍጹም ድሉው ምዃኑ"ን ምስቲ ተቓዋሚ ውድብ [ሰልፊ ዲሞክራት] ሓቢሩ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑን ይዛረብ።

    “ንሕና፡ ምስኦም ሓቢርና ክንሰርሕ ብሃንቀውታ እንፅበዮ ነገር እዩ” ኢሉ።

  17. ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ወሳኒ ዝዀነ ናይ ፍርቂ ዘመን መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ

    ትራምፕ
    መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ

    ኣመሪካውያን፡ ቍጽጽር ኮንግረስ ኣብ ቃራና-መንገዲ ኣብ ዝወደቐሉን፡ በቲ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ቍጠባዊ ቅሬታታት ደገፍ ሪፓብሊካውያን እናተፈተነን ኣብ ዘለወሉን እዋን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ናይ ካልኣይ ዘመን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክቐርጽ ኣብ ዝኽእል ወሳኒ ናይ ፍርቂ እብረ መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ።

    እዚ መረጻ፡ ናብራ እናኸበረ፡ ምስ ኢራን ዝግበር ግጭት እናናውሐን፡ ናይ ደገፍ ቍጽሪ ትራምፕ እናጐደለን ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ከም ህዝበ-ውሳነ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ትራምፕ ገይሩ እዩ ዝውሰድ።

    መጽናዕትታት ርእይቶ ህዝቢ ከም ዘመልክትዎ፡ ዝቕባበ ቍጠባ፡ ዋጋ ነዳድን ወጻኢታት ገዛን፡ ነቶም ናብ መውሃቢ ድምጺ ዘምርሑ ዘለዉ መረጽቲ እቶም ቀንዲ ኣተሓሳሰብቲ ጕዳያት ኰይኖም ኣለዉ።

    ሪፓብሊካውያን፡ ቍጠባዊ ጸቕጥታት ነቲ ብልምዲ ድልዱል ዕርዲ እቲ ሰልፊ ተባሂሉ ዝሕሰብ ዝነበረ ከባቢታት ደገፉ ከም ዝጐድል ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኣብ ኮንግረስ ዘለዎም ዝበዝሐ መናብር ንምክልኻል ይቃለሱ ኣለዉ።ተወሰኽቲ ዜናታትን ሓበሬታታትን- ኣመሪካውያን መጻኢ ትራምፕ ኣብ ዝውስን መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ- ዩቱብ ቢቢሲ ትግርኛ- ቲክቶክ ቢቢሲ ትግርኛ

  18. ዲሞክራት ንባይቶ ኣመሪካ ብሓፈሻ ከምዝዕወቱሉ ዛጊት ዝተረኽቡ ድምጺታት የመልክቱ

    ደገፍቲ ሰልፊ ዲሞክራት ድሕሪ ዓወት

    ንኣብዝሓ መናብር ባይቶ ኮንግረስ ተቘፃፂሮም ዝርቡ ሰልፊ ዲሞክራት፡ ንባይት ቤት ምኽሪ ምኒስተራት [ሰነት] ኣመሪካ'ውን ክዕብልልዎ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ዝበዝሓ ሪፓብሊካን ተቘፃፂሮሙወን ዝነበራ ግዝኣታት ኣብ ዝዕወትሉ እዋን፡ ንዐኦም ገልቢጦም ይስዕሩ ከምዘለዉ መባእታዊ ውፅኢታት ከምዘርኢ - ዳህሳስ ሲቢኤስ ይሕብር።

    ብሓፈሻኡ ሰልፊ ዲሞክራት ንኽልቲኦም ኣብያተ ባይቶ ኣመሪካ ክቈጻጸርዎ ምዃኖም ይግመት።