ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ
ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
እስራኤል ኣብ መዓልቲ መረፃ ናብ ዌስት ባንክ ዘሳግሩ መስመራት ክትዓፅው እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብቲ ኣብ ዝመፅእ ሰሉስ ዝካየድ መረፃ፡ ኩሎም ብመሬት ናብ ዌስት ባንክ ዘሳግሩ መስመራት ከም ዝዕፀዉ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ።
ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት’ውን፡ ናብ ኩሎም ሰፈራታት ከይኣትዉ ክኽልከሉ እዮም።
ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ንኽልተ እስራኤላውያን ወተሃደራት ምቕታሎም ስዒቡ፡ እስራኤል ፅኑዕ ስጉምቲታት ድሕነት ትወስደሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ፡ እዞም ክልከላታት ተነቢሮም ዘለዉ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ሰራሕተኛታት ፍልስጤም መረፃ ኣብ ዝካየደሉ ዝመፅእ ሰሉስ፡ ናብ ኢንዳስትርያዊ ዞባታት ሓዊሱ ናብ መላእ ጁዳን ሰማርያን ከምኡ’ውን ሩባ ዮርዳኖስ ክኣትዉን ክወፅኡን ከም ዘይፍቀደሎምን፡ ኩሎም ብመሬት ዘሳግሩ መስመራት ከም ዝዕፀዉን ኣፍሊጡ።
እቲ ሰራዊት ወሲኹ፡ ዝበዝሑ ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ካብ ሎሚ ሰንበት ጀሚሩ ናብ ሰፈራታት እስራኤል ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎም ገሊፁ።
እንተኾነ ኢንዳስትርያዊ ዞባታትን ኣዝዮም ውሑዳት ከባቢታትን ካብዚ ናይ ሰንበት ክልከላ ወፃኢ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቅድሚ እቲ ሓማስ ብ07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሽሕ ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ንስራሕ ናብ እስራኤል ክኣትዉ ይፍቀደሎም ነይሩ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ግና ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ጥራሕ’ዮም፡ ናብ እስራኤል ኣትዮም ክሰርሑ ፍቃዶም ተመሊስሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ንኽልተ እስራኤላውያን ምቕታሎም ስዒቡ፡ ዓብይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከም ዝውሰድ ገሊፁ።
በቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ወተሃደራት እስራኤል ዝቖሰሉ እንትኾኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓት ድማ ተቐቲሎም እዮም።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ሄብሮን ዝርከቡ ኣባይትን ትካላት ንግድን የፍርስ ኣሎ፤ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ስድራቤታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ሆስፒታላት ብደይመደይ ከምዘዕነወ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ
ነታንያሁ፡ ንሻብዓይ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ክምረጽ ይኽእል ድዩ - ዝለዓሉ ሕቶታት?
ኣመሪካ፡ መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ዝሓየለሉ ዲፕሎማሰኛታታ ካብ ስዑድያ ክወጽኡ ኣዚዛ
ሑቲ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት የመን ብሚሳይል ሃሪሙ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም
ኤርትራ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጕምቲ ንኽወስድ ጸዊዓ
ምላሽ ኣስመራ ነቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ክሲ ኣዲስ ኣበባ
ኣብ ፌስቡክ ብዝሃቦ ርእይቶ ንሞት ዝተፈረደ ውልቀሰብ - ኣበይ ኣተወ?
ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እንታይ ኢሉ?
ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን፡ ኣብ ልዑላውነትን ጸጥታን ዘለወን ሓባራዊ ደገፍ ኣረጋጊጸን
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኦም ብኸመይ የዕብዩ ኣለዉ?
ኢትዮጵያ 'ንደጋዊ ኢድ ኣእታውነት' ተዓጊሳ ከምዝፀንሐት ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሰ ተዛሪቡ
መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ መፃረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዘውረዶ ዕንወት ዘረጋግጽ መርመራ
ጅቡቲ፡ ግዝኣታ መበገሲ ስርሒታት ኣንጻር ሑቲ ክኸውን ከም ዘይተፍቅድ ኣፍሊጣ
ምቍጽጻር ባብ ኣል-መንደብ ብሑቲ፡ ንቝጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ እዩ?
ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣካይዱ
ነፋሪቱ ብኢራን ዝተሃረመት ኣመሪካዊ ፓይለት ኣብ መጀመርታ ቃለ መሕተቱ እንታይ ኢሉ?
ኤርትራ፡ መንእሰያት ሓረስቶት ንምሕጋዝ 'ገደናና' ድጅታዊ መተግበሪ የዳልዉ ኣለዉ
ሑቲ፡ ኲናት ኢራን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይቐርብ ኣሎ ድዩ?
