ጽንብል በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም - ብስእሊ

ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ፡
መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ድሒሮም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ንክልተ ሰዓት ዝቐጸለ ጽንብል ተሳቲፎም እዮም
Published

ኣብተን ጐርጐሪዮሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዝኽተላ ሃገራት፡ ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍ ዘስፈሮ፡ ዝኽሪ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ - ዓርቢ - ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ - ሰንበት - ዝተንስኣሉ መዓልቲ ትንሳኤ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ጽንብል ይዝከር ኣሎ። ብዙሓት ድማ ቀዳም ምሸት ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተረኺቦም ሽምዓ ብምብራህ፡ ጸሎትን ውዳሰን ነቲ ዕለት ይጽንብልዎ።

ኣብ ዝኽሪ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘይተሳተፉሉ እዋን ኣብ ዛዕባ ዳግማይ ስክፍታ ተፈጢሩ ነይሩ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝኽሪ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘይተሳተፉሉ እዋን ኣብ ዛዕባ ዳግማይ ስክፍታ ተፈጢሩ ነይሩ።
እቶም ጳጳስ ነዊሕ ስብከት ኣንቢቦም
መግለጺ ስእሊ, እቶም ጳጳስ ነዊሕ ስብከት ኣንቢቦም፡ ቅድሚ ሰንበት ንግሆ መልእኽቲ ፋሲካ ቅድሚ ምሕላፎም ድማ ብርክት ዝበሉ ጥምቀታት ኣካይዶም
ኣብ ፊሊፒንስ ኣመንቲ ነቲ ሃይማኖታዊ ሰልፊ ንምርኣይ ኣብ ሓደ መደያይቦ ብጻዕቂ ይረኣዩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፊሊፒንስ ኣመንቲ ነቲ ሃይማኖታዊ ሰልፊ ንምርኣይ ኣብ ሓደ መደያይቦ ብጻዕቂ ይረኣዩ
ህጻናት ማኒላ
መግለጺ ስእሊ, ህጻናት ማኒላ - ርእሰ ከተማ ፊሊፒንስ - ቅድሚ'ቲ ብለይቲ ዝካየድ ጽንብል "ክዳን መልኣኽቲ" ተኸዲኖም
ኣብ ናይሮቢ ኪበራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ኣመንቲ ቤተክርስትያን ፎርት የሱስ -  ሓቢሮም ሽምዓ ወሊዖም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይሮቢ ኪበራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ኣመንቲ ቤተክርስትያን ፎርት የሱስ - ሓቢሮም ሽምዓ ወሊዖም
ኣብኡ ዝነበሩ ካህናት ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያን ሓዊ ብምውላዕ ነቲ ስነስርዓት መሪሖምዎ
መግለጺ ስእሊ, ኣብኡ ዝነበሩ ካህናት ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያን ሓዊ ብምውላዕ ነቲ ስነስርዓት መሪሖምዎ፤ ድሒሩ እቲ ስነስርዓት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስታን ቀጺሉ
ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ካቴድራል ቅድስቲ ስላሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰንበት ፋሲካ ኣገልግሎት፡ ዝተሳተፈት ሓንቲ ሰበይቲ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ካቴድራል ቅድስቲ ስላሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰንበት ፋሲካ ኣገልግሎት፡ ዝተሳተፈት ሓንቲ ሰበይቲ
ሓደ ካቶሊካዊ ካህን ኣብ ካቱዋፒቲያ ሲሪላንካ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰባስቲያን ንሓንቲ ኣደ ቅዱስ ቁርባን እናሃቡ
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካቶሊካዊ ካህን ኣብ ካቱዋፒቲያ ሲሪላንካ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰባስቲያን ንሓንቲ ኣደ ቅዱስ ቁርባን እናሃቡ
ኣብ ዒራቕ ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ኣብ እዋን ጽምብል መስቀል ክስዕም ንቕድሚት ወጺኡ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዒራቕ ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ኣብ እዋን ጽምብል መስቀል ክስዕም ንቕድሚት ወጺኡ ይርአ
ንህይወት የሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኣብ ካስትል ፕራግ - ቸክ ሪፓብሊክ - ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ፋሲካ
መግለጺ ስእሊ, ንህይወት የሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኣብ ካስትል ፕራግ - ቸክ ሪፓብሊክ - ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ፋሲካ