ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን

ምኒስተር ዑስማን ሳልሕን ዶ/ር ጊደዮን ጢሞትዮስ
Published
ንባብ: 8 ደቓይቕ

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምጽግዑ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ውሽጢ ትግራይ፡ ኣብ መንጐ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስቲን መሻርኽቱ ዝዀኑ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓትን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ፈለማ ኢዱ ከም ዝሓወስሉ'ዩ ዝንገር፡ ዋላ'ኳ ኣስመራ ብንጹር እንተዘይተኣመነትሉ ወይ እንተዘይከሓደቶን።

ብወገን ኣዲስ ኣበባ'ውን እቲ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ዶባት እታ ሃገር ጥራይ ተሓጺሩ ከምዘይተርፍን ክሳብ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስ ክውርወር ከምዝኽእል'ዩ ክቃላሕ ጸኒሑ።

ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ዘይምስምማዕ ብንቡርን ግሉጽን ዲፕሎማስያዊ ልዝብ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ንዘለዎም ዘይምቅዳው ክሳብ ዝትኮስ ኣብ ወውሽጦም ዓብዒቦሞ'ዮም ጸኒሖም- ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ'ዩ ነይሩ።

ካብ 2023 ጀሚሩ ግን፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ክረምቲ 2018 ንዓለም መስተንክር ዝዀነ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ዝፈረሙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ጋግ ብዝተፈላለየ ኣገባብ በጨቕ ክብል ጀሚሩ።

ቀንዲ ጠንቂ ግርጭታቶም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከምዝነበረ'ኳ ዝግለጽ እንተዀነ፡ ካልኦት ዝተገልጹን ዝተጐለበቡን ምኽንያታት ከምዘለዉ'ዮም ተንተንቲ ዝእምቱ።

ብፍላይ ኣቢይ ዘንቀሎ ጠለብ "ልኡላዊ ኣፍደገባሕሪ" ብወገን ኤርትራውያን "ኣዋጅ ኲናት" ምዃኑ'ዩ ክግለጽ ጸኒሑ። ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክወናጨፍ ዝጸንሐ ጽዑቕ ዳርባ ቃላት ድማ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ኣንፊ ወተሃደራዊ ረጽሚ በጺሑ ይርከብ።

እዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ቅሉዕ ግጭት ነቲ ካብ 1998 ኣትሒዙ ካብ ውግእ፡ ኲናትን ኵነተ-ኲናትን ክላቐቕ ዘይክኣለ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ነዊሕ ዶባት ዝርከብ ማሕበረሰባት ተስፋኡ ዘማህምን'ዩ።

እቲ ኲነታት ንማሕበረሰብ ዓለምን'ውን ኣስጊኡ ከምዘሎ ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት ዘመልክቶ'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ዓለምለኻዊ ስጕምቲ ዝጠልብ ጥርዓንን ስምዕታን ብምቕራብ ክካሰሱ ምጽንሖም'ውን መርኣያ ዕርገት ናይቲ ወጥሪ'ዩ።

እቲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ካልኦት ወሰንቲ ዝብሃላ ሃገራት ዝስደድ ደብዳበታትን መልእኽትታትን ግን እንታይ ትርጕምን ጽልዋን ይህልዎ? ግደ ማሕበረሰብ ዓለምከ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ናብ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ ሓይልታት ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ናብ መሬታ ከምዝኣተዉ ከሲሳ ነይራ።

ኣብቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ፡ ብ7 ጥቅምቲ ዝሰደዶ ስምዕታ፡ "መካናይዝድ ኣሃዱታት ዝርከብዎም ወተሃደራታ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣእትያ ኣላ፤ እዚ ንሰለስተ ዞባታት ትግራይ ዝሽፍን ኰይኑ ካብ 30 ክሳብ 60 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ናብ ውሽጢ ሰራዊታ ኣእትያ ኣላ" ብምባል፡ እቲ ስጕምቲ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃኑ የረድእ።

"ኣብዚ ኣሸጋሪ ህሞት ኢትዮጵያ ካብ ንነብሳ ምክልኻል ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብላን" ክብል ብምጥንቃቕ ድማ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኲናት ብምርዳእ ደገፍ ክገብረላን'ውን ኣዲስ ኣበባ ተማሕጺና።

ኤርትራ ብወገና ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ናብቲ ቤትምኽሪ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኣ ኲናት ከምዝኣወጀት'ያ ከሲሳ።

እቲ ብስም ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝተላእከ መልእኽቲ፡ "ኤርትራ - ንልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ብምጥሓስ፡ "ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን" ዘንቀደ ዘይምኽኑይ ኣጀንዳ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብተደጋጋሚ ክተፍልጥ ጸኒሓ'ያ" ኢሉ።

"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ከቢድ ዕንወት ዘስዕብን ንዞባዊ ርግኣት ዝዘርግን ኣዋጅ ኲናት ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ኣጥቢቑ ብምውጋዝ፡ ብመሰረት ምዕራፍ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ገታኢ ስጒምቲታት ክወስድ ትሓትት" ክብል'ውን ተማሕጺኑ።

ገዲም ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ዓብደላ ኣደም ከምዝብሎ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ዘሎ ምስሕሓብ ብቀጥታዊ ልዝብ ክፈትሕኦ እንተዘይክኢለን፡ ናብ ቤትምኽሪ ጸጥታ ስምዕታ ከቕርባ ግቡእ ኣለወን።

ብኣንጻሩ'ውን፡ ከምዚ ዓይነት መግለጺታት ከምቲ ባዕለን'ውን ዝእምትኦ ዘለዋ ከም ምስምስ ተጠቂመን ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝገብርኦ ስልቲ ክኸውን ዘይሕሰብ ኣይኮነን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ

እንተዀነ ይብል፡ ኣምባሳደር ዓብደላ፡ ዘይሳነ ረብሓታት ናይተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባል ሃገራት፡ ንምላሽ ናይቲ ቤትምኽሪ ዝውሰን ምዃኑ የመልክት። እገዳታት ድዩ ክገብር ወይስ ንምራፍ 7 ንምውሓስ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ?

"ኵሉ ሳዕ ካብ ጉዳይ ናብ ጉዳይ ዝፈላለ'ዩ። ኣብ ሓደ ጉዳይ ኣመሪካ ረብሓ እንድኣለዋ ኮይኑ፡ ሸለል ትብሎ፣ እንድሕር ራሻ ዝያዳ ረብሓ ኣለዋ ዀይኑ ድማ ሸለል ትብሎ፡ ኣመሪካ ዝያዳ ትደፍኣሉ ጠጠው ክብል።"

ቀንዲ ዕማም ናይቲ ኣብ ጽባሕ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተፈጠረ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ "ዓለምለኻዊ ሰላምን ጸጥታን ምውሓስ" እዩ።

ኣብ መንጐ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ዓድታት ዝፍጠር ምስሕሓብ ወይ ግጭት ናይ ምፍታሕን ምህዳእን ገለ ካብ ቀንዲ ሓላፍነታቱ'ዩ። ሓደስቲ ኣባል ሃገራትን ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ንሓፈሻዊ ባይቶ እማመ ናይ ምቕራብ ስልጣን'ውን ኣለዎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብሓሙሽተ ቀወምቲ (ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን)፡ ከምኡ'ው 10 ንክልተ ዓመት ጥራይ ብዘገልግላ ተቐየርቲ ኣባል ሃገራት ዝቖመ'ዩ።

እዘን ቀወምቲ ሃገራት ነፍሲ ወከፈን ወሳኒ (ቬቶ) ድምጺ ዘለወን ስለዝኾና፡ 14 ኣባላት ንዝተቐበልኦ እማመ፡ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ከተፍርሶ መሰል ኣለዋ።

ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጐ እተን ወሰንቲ ሃገራት ዘሎ ዓቢ ናይ ረብሓታትን ምሕዝነታትን ፍልልይ ሳሕቲ'ዩ ክትግበር ዝርአ።

እቲ ኣብ ጥሪ 1946 ፈላሚ ኣኼባኡ ዘካየደ ቤትምኽሪ ክልተ ግዜ ጥራይ'ዩ ንዓንቀጽ 7 ንምኽባር ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ቀዳማይ፡ ነቲ ብሳዳም ሑሴን ዝምራሕ ወራሪ ሰራዊት ዒራቕ ካብ ኵዌት ንምውጻእ ዝተወስደ ኰይኑ፡ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየት ነበርን ዝርከብአን ኣርባዕተ ቀወምቲ ኣባላት ነቲ ስጕምቲ ክድግፋ እንከለዋ፡ ቻይና ግን ጽምጻ ካብ ምሃብ ተዓቂባ እቲ ውሳነ ክጸድቕ ዕድል ሂባ።

ኣብ 2011፡ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ 'ሰውራ ዓረብ' ዝገጠሞ ብኮለኔል ሙዓመር ቓዛፊ ዝምራሕ ስርዓት ሊቢያ ንምግታእ ወተሃደራዊ ምትእትታው ክግበር ቤትምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ሩስያን ቻይናን ድምጸ-ተዓቅቦ ብምግባር ካብ ምዕንቃፉ ተሓዪበን።

ሩስያን ቻይናን ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳይ'ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ክወስዳ ተራእየን እየን።

ኣብ 2009 ብድርኺት ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኤርትራ ንጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ትድግፍ'ያ ብዝብል እቲ ቤትምኽሪ ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ኣንቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ ፈላሚ ውሳነ፡ ሞስኮ እቲ እገዳ ክግበር ክትድግፍ እንከላ፡ በይዢንግ ድማ ከምቲ ልሙድ መርገጺኣ ድምጻ ካብ ምሃብ ተዓቂባ፡ እቲ ውሳነ ክሓልፍ መገዲ ጸሪጋ።

ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ምስ ፈረመት ዝተላዕለ እገዳ ብምቅዋም፡ ነቲ ክሲ ብትሪ ከምትነጽጎ ይፍለጥ።

ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም
መግለጺ ስእሊ, ገዲም ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ዓብደላ ኣደም፡ "ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ዘሎ ምስሕሓብ ብቀጥታዊ ልዝብ ክፈትሕኦ እንተዘይክኢለን፡ ናብ ቤትምኽሪ ጸጥታ ስምዕታ ከቕርባ ግቡእ ኣለወን።"

ወሳኒ ድምጺን ሓያል ኢድን ዘለዋ ኣመሪካኸ እንታይ ግደ ይህልዋ?

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ክንዮ'ቲ ኣብ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ቦታ ዝኸይድ ዳርጋ መዳርግቲ ዘይብሉ ዓለምለኻዊ ጽልዋ ከምዘለዋ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ከም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበሉ ዞባታት ዘለዋ ተገዳስነትን ተራን ቀሊል ኣይኮነን።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጂቡቲን ሱዳንን ብምዃን ዝሰርሐ ዓብደላ፡ ዋሽንግተን ምስ ቀንዲ ተቐናቐንቲ ግጭት ኢትዮጵያ ርክብ ከምዝጸንሓ የብርህ።

"ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ናይ ሎሚ ኣይኮነን፣ ታሪኻዊ'ዩ። ዝምድና ናይ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝመጸ'ዩ፡ ግን ኣታዊ ወጻኢ እዩ ነይሩ፡ ጽቡቕ'ዩ ኢልካ ዝግለጽ'ውን ኣይኮነን።

"እቲ ምኽንያቱ ኸኣ እቲ ስርዓት ናይ ኤርትራ እዩ። ንጹር ዝኾነ ፖሊሲ ወይ ስትራተጂ ስለዘይብሉ ካብኡ ዝነቐለ ኩሉ ግዜ ግርጭት ነይሩ'ዩ ኣብቲ ዝምድና" ይብል።

ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ "ሓድሽ ኩነታት" ስለዝተፈጥረ ግን ኣብ መንጐ ኣስመራን ዋሽንግተንን ዝጸንሐ ዝምድና ክመሓየሽ ከምዝተራእየ እቲ ዲፕሎማሰኛ የመልክት።

"እቲ ምኽንያት ሰኲሪቲ (ጸጥታ'ዩ)፡ እምበር ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብዓይኒ ቁጠባ ሓድሽ ነገር ስለዝተራእየ ኣይኮነን" ዝብል ዓብደላ፡ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ወተሃደራዊ፡ ቊጠባዊን ጸጥታዊን ትሕዝቶ ዘጠቓልል ምዃኑ የረድእ።

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈትኦ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲን ኣብቲ ማሕንቖ ነዳዲን ጋዝን ዓለም ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተፈጠረ ኵነታትን፡ ከምኡ'ውን የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤልማንደብ ይዅን ቀይሕ ባሕሪ ብዓቢኡ ዝፈጠርዎ ጸጥታዊ ስግኣት ኣብ ምምሕያሽ ናይቲ ዝምድና ድርኺት ከምዘለዎ'ውን ይእምት።

"እዚ ኵነታት ናይ ሆርሙዝ ምስ መጸ፡ ጽልውኡ ድማ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣስፋሕፈሐ፡ ምስዚ ኣብ የመን ዘሎ ናይ ሑቲ ህላወ ዝተኣሳሰረ፡ ኣመሪካ ንኤርትራ ምሕቋፍ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺባቶ። ምኽንያቱ ስግር ናይ ኤርትራ መቐጸልታ ናይ ኢራን ዝኾነ ጸላኢ ናይ ኣመሪካ ዝብሃል ሑቲ ስለዘሎ።"

ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ናይታ ነዊሕ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ኣብ ምርግጋእ ናይቲ ኣብ ሓደጋ እናኣተወ ዝመጸ ዓለምለኻዊ ማያዊ መስመር ንግዲ ዝህልዋ ቦታ ኣቓልቦ ዋሽንግተን እናረኸበ ምምጽኡ'ዩ ዝግለጽ።

"ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ሎሚ ዳርጋ ማእከላይ ምብራቕ እዩ ኮይኑ ዘሎ፣ ምስ የመን፡ ስዑዲያ፡ ግብጺን ካልእን ዝተኣሳሰረ'ዩ ኮይኑ ዘሎ" ክብል'ዩ ዓብደላ ዝትንትኖ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ ኣብቲ ዞባ ካልእ ኲናትን ዘይምርግጋእን ክፍጠር ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸጥታዊ ረብሓ ኣመሪካ ዝቃዶ ኣይኮነን።

"ስለዚ ከምዚ [ተኽእሎ ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራን] ዝበለ ዕግርግር ክፍጠር ኣብቲ ቦታ እቲ፡ ናይ ኣመሪካ ረብሓ ኣይውክልን'ዩ፡ ካብኡ'ዩ ዝመጽእ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር ጸቕጢ።"

ዋሽንግተን ኣብዚ ቀረባ እዋን ልኡላውነትን ዶባትን ሃገራት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኽበር ኣለዎ ምባላ፡ ብቐጥታ ምስቲ ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ ዋንነት ወደብ ዓሰብ ይኹን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ምዃኑ'ውን የብርህ።

ማርኮ ሩብዮ
መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ብተሌፎን ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ ነይሩ

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ ነይሩ።

"ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራን ዶብ ካብ ምስጋር ክሕየባን ከም ዘለወን እቲ ጸሓፊ ኣስሚሩ፡" ክብል'ዩ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ ንምሕጽንታ ኣመሪካ ዕሽሽ ብምባል ናብ ኲናት ክትኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ድሩት እንተኾነ፡ ኣብቲ ሓይልታት ክልቲአን ሃገራት ተፋጢጥሉ ዘሎ ዶባት ግጭት ብዝኾነ ንእሽቶ ነገር ናይ ምውላዕ ሓደጋ ኣሎ። እንተኾነ፡ ይብል ዓብደላ "ንዑ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልኩም ፍትሕዎ ኢሎም" ከገድድዎም ትጽቢት ይገብር።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ እንተ ተፈጢሩ፡ ነታ መቐናቕንቲ ኢትዮጵያ ዝኾነት ግብጺ'ውን ብቐጥታ ዝጸሉ'ዩ።

ንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ብክልቲኡ ወገን (የመንን ኤርትራን) ኣብ ሓደጋ እንተ ኣትዩ፡ እቲ ምንጪ ቢልዮናት ኣታዊ ዝኾነ መትረብ ስወጽ'ውን ዓዲ ውዒል ክኸውን'ዩ ይብል እቲ ወኪል ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግብጺ ኰይኑ'ውን ዝሰርሐ ገዲም ዲፕሎማሰኛ።

እቲ ኣብ መዓልቲ 12% (ሓደ ሚልዮን በርሚል) ነዳዲ ዓለምን 8% ናብ ፈሳሲ ዝተቐየረ ባህርያዊ ጋዝን ዝሓልፈሉ መትረብ እንተ ተዓጽዩ፡ ከምቲ ኣብ 2021 ብሓደጋ ምሽካል መርከብ ዘጋጠሞ ንመዓልቲ ካብ 14 ክሳብ 15 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ከስዕብ ይኽእል።

ስለዚ ዋሽንግተን፡ ክንዮ ናታ'ውን ናይታ ቀንዲ መሻርኽታ ዝኾነት ካይሮ ረብሓ'ውን ስለዘገድሳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ትገብሮ ጸቕጢ ዝያዳ ከኽብዶ ይኽእል።

ግደ ኣውሮጳን ቻይናንከ?

ብወገን ኣውሮጳ'ውን፡ እቲ ኣብ ብራስለስ ዘሎ ሕብረት ይዅን ብንጽል ከም ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ዝበላ ጸለውቲ ሃገራት ዝወስድኦ መርገጺ "ካብቲ መስመር ናይ ኣመሪካ ዝፍለ ኣይኮነን" ይብል ዓብደላ።

ተመሳሳሊ ረብሓ ዘለወን ሃገራት ኣውሮጳ'ውን፡ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ምስኣተወን መራኽብ ንግዲ ግዳይ መጥቃዕቲ ሑቲ ምስኮናን፡ ብመሪሕነት ኣመሪካ ሓይልታት ባሕሪ ናብቲ ዞባ ኣዋፊረን ምንባረን ይዝከር።

እዘን ምስ ኢትዮጵያ ዓሚቚ ዝምድና ዘለወን ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳ ብእኩብን ብንጽልን፡ ዘይምርግጋእ እንተ ተፈጢሩ ዋሕዚ ስደተኛታት ከስዕበለን ምዃኑ ካብ ሶማልያ፡ ኤርትራን ሱዳንን ዘይሃሰሰ ተመኵሮ ኣለወን።

ስለዚ በዚን ካልእ ምኽንያታትን ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ሓድሽ ረጽሚ ንምግታእ ግደ ክጻወታ ከምዝኽእላ'ዩ ዝግመት። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት'ውን ነቲ ዞባ ዝከታተሉ ፍሉያት ልኡኻት ኣዋፊረን ምጽንሐን መርኣያ ተገዳስነተን'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ረብሓ ዘለዋን ምስ ኤርትራ'ውን ድሓን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝጸንሓን ቻይና'ውን ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ግጭት ክፍጠር ኣይትደሊን'ያ።

ምስ ምርድዳእ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብዝተሓሓዝ ንሞቓድሾ ብምድጋፍ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ክኽበር ጸዊዓ ዝነበረት በይዢንግ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥርታት ንምህዳእ ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ ነይራ'ያ።

ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን

ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ወኪል ሕወሓት ጌታቸው ረዳ ብመንጐኛነት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ 2022 ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ዝፈረሙሉ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ብመንጐኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ'ውን ሕጂ ፈሪሱ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዳግማይ ኲናት ምእታዎም ንጽልዋ ናይቲ ሕብረት ዝደወነ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ይኹን ኣብ መንጐ ሃገራት ንዝፍጠር ምስሕሓባትን ግጭታትን "ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ንኣፍሪቃዊ ጸገም" ዝብል መሪሕ መትከል ወሳኒ ምዃኑ ክጭደረሉ ዝጸንሐ ፖሊሲ እዩ።

ነዚ ጋህዲ ንምግባር መሪሕ ተራ ክጻወት ትጽቢት ዝግበረሉ ድማ እቲ ደጀኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ። ነዚ ንምግባር'ውን ሓደ ኮሚሽን ጉዳያት ፖለቲካ፡ ሰላምን ጸጥታን ዝተባህለ ኣካል ኣሎ።

እንተኾነ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን እቲ ንግጭታት ክፈትሕ ዝቘመ ኣካል ኣድማዕቲ ኣይኰኑን ዝብል ወቐሳ ውዒሉ ዝሓደረ'ዩ።

ኣብ ክልቲአን ሱዳን ዘሎ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ደማዊ ሓድሕዳዊ ኲናት መርኣያ ብኵራት ኣድማዒ ጽልዋ ናይቲ ኣህጉራዊ ውድብ ጌርካ ምውሳድ ዘይርትዓዊ ኣይኮነን።

ኣብ ፈለማ ጥቅምቲ፡ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ሰለስተአን ኣባል ሃገራት ዓቕሊ ክገብራን ነቲ ዞባ ናብ ዝገደደ ቅልውላው ዘእቱ ስጕምቲታት ካብ ምውሳድ ክሕየባን ዘጠንቅቕ ፈኲስን ሓፈሻዊን መግለጺ ሂቡ ነይሩ። ክንዮኡ ሓሊፉ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከካይድ ወይ ህጹጽ ኣኼባታት ከካይድ ግን ኣይተራእየን።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኻ ምስ ኣፍለጣ ይዅን፡ ኢትዮጵያ ንዅሎም ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ እንተላይ ኣብቲ ሕብረት ዝተወከሉ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ክወጹ ምስ ኣገደደት'ውን ካብቲ ሕብረት ዝተዋህበ መግለጺ ኣይነበረን።

"ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቢ ማሕበር'ዩ፡ ድምጹ ከስምዕ ይኽእል'ዩ ግና ሓይሊ ስለዘይብሉ ጸቕጢ ክገብር ኣይክልን'ዩ" ስለዚ ካብቲ ወጥሪ ክሃድእ ዘመሓላለፋ ምሕጽንታ ዝሓልፍ ግደ ክህልዎ ከምዘይክእል'ዩ ዓብደላ ዝገልጾ።

ኣብቲ ሕብረት ዝተወከሉ ዲፕሎማሰኛታታ ምስጓጐም ንሕግታትን ውዕላትን እቲ ውድብ ዝጥሕስ ምዃኑ ዝኸሰሰት ኤርትራ፡ ውክልናኣ ናብ ንቡር ክምለስ ጠሊባ ከምዘላ ይፍለጥ።

እቲ ብመገዲ ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሎሰጉን ኦባሳንጆ፡ ከምኡ'ውን ኣባላት ናይቲ ፓነል ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፉሙዚላ ንጹቃ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ'ውን ሕጂ ፈሪሱ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዳግማይ ኲናት ምእታዎም ንጽልዋ ናይቲ ሕብረት ዝደወነ ኰይኑ ኣሎ።

ኣቦመንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ንሃገሩ ብምውካል ንኤርትራ ኣብ መጋባእያታት ዓለም ዝኸስስ ዝነበረ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ነበር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ምዃኑ ይፍለጥ። ብሰንኪ ኣብ 2008 ዝተፈጥረን ናብ ረጽሚ ዝዓረገን ዶባዊ ምስሕሓብ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ጂቡቲን ኤርትራን ክሳብ ሎሚ ተበቲኹ ይርከብ።

ኣብ መንጐ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምቅዳውን ወጥርን'ውን ነቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጂቡቲ ዝኾነ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዳርጋ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኸውን ቀሲብዎ'ዩ።

"ኢጋድ ስም ጥራሕ'ዩ እምበር፡ ብመሰረቱ ተራ የብሉን። ዋላ ኣብዚ ናይ ሱዳን ርኢናዮ ኢና፡ ባዕሎም እቶም ኣባል ሃገራት ናይ ኢጋድ'ውን ክሰማምዑ ኣይክኣሉን። ስለዚ ኢጋድ ኣይትሕሰቦ" ክብል'ዩ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጂቡቲ ዝነበረ ዓብደላ ዝምጕት።

ካብ 2007 ኣትሒዛ ካብ ኢጋድ ኣባልነታ ስሒባ ዝነበረት ኤርትራ ኣብ 2023 ተመሊሳ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ታሕሳስ 2025 ዳግም ከምዝሰሓበት ይዝከር።

እቲ ብኢትዮጵያዊ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ዞባዊ ውድብ "ንኣባላት ሃገራት፡ ብፍላይ ንኤርትራ ዒላማ ንምግባር መሳርሒ" ከምዝኾነ ዝኸሰሰት ኤርትራ "ሕጋዊ ሓላፍነት" ኣይፈጸመን ክትብል'ያ ትወቅስ። ኢጋድ ብወገኑ፡ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብቲ ውድብ ካብ እትምለስ ኣብ ኣኼባታቱ ከምዘይተሳተፈት ብምጥቃስ፡ ነቲ ሓድሽ ውሳነ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ተማሕጺኑ ነይሩ።