ኢትዮጵያ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ምኽረ-ሓሳባቱ ንህዝቢ ከየግሃደ ንፓርላማ ኣረኪቡ - ስለምንታይ?

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian National Dialogue Commission/FB
ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑን ጠንቂ ግጭት ዝዀኑን ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝቘመ 'ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ'፡ እታ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ግጭታት ኣብ እትርከበሉ እዋን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ግዚኡ ዛዚሙ።
እዚ ብ24 ታሕሳስ 2014 (ግ) ብኣዋጅ ዝቘመ ኮምሽን፡ ኣብ መጀመርታ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዕድመ ስራሕ እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ስርሑ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ብዘይምዝዛሙ፡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብ11 ለካቲት 2017 (ግ) ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ፈለማ ንሓደ ዓመት ድሒሩ ድማ ንተወሳኺ 8 ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ግዚኡ ንኸናውሕ ወሲኑ።
እቲ ኮምሽን ኣብቲ ን4 ዓመትን 8 ኣዋርሕን ዝወሰደ ግዜኡ፡ ካብ ምድላው ጀሚሩ ኣጀንዳታት ናይ ምእካብ፡ ሃገራዊ ዘተ ናይ ምክያድን ምኽረ-ሓሳባት ናይ ምቕባልን ሰፊሕ ስርሓት ከም ዘካየደ እዩ ዝንገር።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣስታት 4,000 ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኸብዎ ጉባኤ ዝቐረቡ 394 ምኽረ-ሓሳባት ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ከምኡ'ውን ምስ ክልላት ዝተኣሳሰሩ ኣጀንዳታት ነቶም ክልላት ብ23 መስከረም 2019 (ግ) ኣረኪቡ እዩ።
ብብዙሕ ደገፍን ተቓውሞን ተሰንዩ ስርሑ ዘካየደ እዚ ኮምሽን፡ ቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ናይ መወዳእታ መዓልቱ ኰይኑ፡ እቶም ኮምሽነራት ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ተፋንዮም ኣለዉ።
ይዅን እምበር፡ እቶም ኮምሽነራት ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ ብመሰረት ድንጋገ እቲ ኣዋጅ ነቶም ምኽረ-ሓሳባት ንህዝቢ ናይ ዕላዊ ናይ ምግባር ሓላፍነቶም ከይፈጸሙ እዩ።
ምኽረ-ሓሳባት ንህዝቢ ዘይቀረበሉ ምኽንያት
ዋና ኮምሽነር ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ስራሕ እቶም ኮምሽነራት ብዕሊ ከም ዘብቅዐ ኣረጋጊጹ።
እንተዀነ፡ ናይ ኦዲት ስራሕትን ሰነዳት ብዲጂታል ናይ ምዕቃብን ሓላፍነት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ጥራይ ንኣስታት 3 ኣዋርሕ ኣብ ስራሖም ከም ዝጸንሑ ገሊጹ።
እቲ ኮምሽን ነቶም ምኽረ-ሓሳባት ንህዝቢ ዘየቕረበሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝተረፈ ግዜ ነዚ ንምግባርን ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብን እኹል ብዘይምንባሩ ምዃኑ እቲ ዋና ኮምሽነር ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ፡ "ነቲ ምኽረ-ሓሳባት ንህዝቢ ናይ ምቕራብ ምሉእ ሓላፍነት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ስለ ዝወሰዶ፡ በብደረጃኡ ዕላዊ ዝገብሮ ክኸውን እዩ" ኢሎም።
ኣፈጻጽማ ናይቶም ምኽረ-ሓሳባት ብዝምልከት፡ እቲ ኮምሽን ስትራተጂ ናይቲ ትግበራ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ኣዳልዩ ንቤት ምኽሪ ብምቕራብ ሓላፍነቱ ከም እተዋጽአ፤ እንተዀነ ዕድመ ናይቲ ኮምሽን ብዘይምንዋሑ ነቲ ትግበራ ንምክትታል ዝነበረ ትልሚ ክዕወት ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።
ኣከራኸርቲ ነጥብታት
ካብ ዝቐረቡ 394 ምኽረ-ሓሳባት፡ ብፍላይ ጕዳይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ሒደት ነጥብታት ብሰፊሕ ፍልልይን ዘይምርድዳእን ዝቐረቡ ብምዃኖም፡ እቲ ዘተ ናብ ካልእ ሓድሽ ግጭት ከየምርሕ ስግኣታት ፈጢሩ ነይሩ እዩ።
ፕሮፌሰር መስፍን ነዚ ብዝምልከት ክገልጽ እንከሎ፡ እዞም ሓሳባት "ናይ ውሳነ ምኽረ-ሓሳባት እምበር ናይ መወዳእታ ውሳነታት ኣይኰኑን" ኢሉ።
እዞም ምኽረ-ሓሳባት ቀጥታ ናብ ተግባር ዝወርዱ ዘይኮኑስ፡ ብሞያውያን ክኢላታት ተገምጊሞምን ንሓድነት ሃገር ዘለዎም ረብሓ ተራእዩን ብብዙሕ መስርሕ ሓሊፎም ናብ ውሳነ ዝበጽሑ ምዃኖም ኣረዲኡ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ኣባላት እቲ ኮምሽን "ኣብ ኣጀንዳታት ኢዶም ኣእትዮም፡ ንገዛኢ ሰልፊ ድማ ወገናውነት ኣርእዮም" ዝብሉ ክስታት ካብ ገለ ሰልፍታትን ተሳተፍትን ቀሪቦም ነይሮም እዮም።
ፕሮፌሰር መስፍን ነዚ ክሲ ኣመልኪቱ፡ "ኮምሽነራት ናይ ርእሶም ስምዒት ኣንጸባሪቖም ዝብል ክሲ ኣነ ንባዕለይ እውን ከረጋግጾ ዝኽእለሉ ኣገባብ የለን።
"ኣነ ብወገነይ ገለልተኝነተይ ሓልየ፡ መስርሑ ኣብ ዝዘንበለሉ እዋን ናብ ማእከል ናይ ምምጻእ ሓላፍነተይ ዓቕመይ ብዝፈቐዶ ተዋጺአ እየ" ክብል ምላሽ ሂቡ።
ዘይተሳተፉ ኣካላትን ዝተሰምዐ ቅሬታን
ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኵነታት፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ወከልቲ እቲ ክልል ከም ካልኦት ክልላት ንቡር መስርሕ ሓሊፎም ዝመጹ ብዘይምዃኖም ቅር ከም ዝብሎም እቲ ዋና ኮምሽነር ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዝቐጸሉ ውድባትን ገለ ጽልዋ ዘለዎም ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ኣብቲ መስርሕ ዘይምስታፎም ዘጕሂ ምዃኑ ጠቒሱ።
ይዅን እምበር፡ ካብ ኵሉ ብሄራትን ማሕበረሰባትን ዝተዋጽኡ 4,000 ተሳተፍቲ ብሓባር ተመያይጦም ምኽረ-ሓሳብ ምቕራቦም፡ ኣብ ኢትዮጵያ 'ዘተ' ክሰርሕ ከም ዝኽእል ዘርኣየ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ገሊጹ።
"ግጭትን ውግእን ሰልችዩና እዩ፤ ንዝመጽእ ወለዶ ዘዋጽኦ ኣብ ጠረጴዛ ብዝርርብ ፍልልያትካ ምፍታሕ እዩ" ብምባል ድማ ቀጻሊ ዓቢ ዕማም ናይ ትግበራ መድረኽ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
መንግስቲ ነቲ ናይቲ ዘተ ምኽረ-ሓሳባት ከም ዝትግብሮ ይገልጽ እኳ እንተሃለወ፡ ነቐፍቲ ወገናት ግን ገዛኢ ሰልፊ ኣብቲ መስርሕ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ብምጥቃስ፡ እቲ ዘላቒ ፍታሕ ብምኽረ-ሓሳባት እዚ ኮምሽን ዘይኮነስ ብሓቀኛ ፖለቲካዊ ዘተ ጥራይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ይምጕቱ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
