ኣመሪካ፡ ፍተሻ መርመርቲ ዘስግኣ ኢልሃን ዑመር ካብ ቤታ ክትወጽእ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝኾነት ሶማልያዊት-ኣመሪካዊት ኢልሃን ዑመር መንበሪ ገዝኣ ብመርመርቲ ፈደራል ድሕሪ ምፍታሹ ካብ ቤታ ጠቕሊላ ክትወጽእ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
እታ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ምምሕዳሩን ዝኾነት ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ፡ ናይ ሞት ምፍርራሕ ይገጥማ ከምዘሎ'ውን ገሊጻ'ላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባላት ጸጥታ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ እዋን ወጋሕታ ናብቲ ኣብ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ብምኻድ፡ ሞባይል ተለፎናትን ማህደራትን ዝርከቦ ሓያለ መርትዖ ይኸውን'ዩ ዝበልዎ ነገራት ሒዞም ከምዝኸዱ ተዛሪባ።
"ኣካል መርመራ ገበን ፈደራል" ምዃኑ ዝገለጹ ሰብመዚ መንግስቲ፡ እታ ንሚኒሶታ እትውክል ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምንታይ ከምዝተኸሰሰት ዛጊት ኣየነጸሩን።
ገለ ሰበስልጣን ነቲ ፈለማ ካብ ኬንያ ናብ ኣመሪካ ምስኣተወት ኣብ ዓመተ 2000 ዝረኸበቶ ዜግነት ኣመሪካ ብዓይኒ ጥርጠራ ከምዝርእይዎ ድሕሪ ምእማቶም'ዩ እቲ መርመራ ዝካየድ ዘሎ።
"ምስዚ ዝበጽሓኒ ዘሎ ናይ ሞት ምፍርራሕ፡ ኣብቲ ገዛ ምስ ደቀይ ምጽናሕ ዘዋጽእ ኣይኮነን" ክትብል ኢልሃን ንሓደ 'ኤም-ኤስ ናው' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ተዛሪባ'ላ።
ልዕሊ 10 መቕርባ ዝኾኑ ሰባት'ውን ሓበሬታ ክህቡ መጸዋዕታ ከምዝተገብረሎም ተፈሊጡ'ሎ።
ኮሚፕዩተራን ፓስፖርታን'ውን ገለ ካብቲ በቶም መርመርቲ ተታሒዙ ዘሎ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ሰዓታት ዝወሰደ ስርሒት ምጉርጓር ክትዛረብ እንከላ "ንኹላትና ኣፍሪሑና'ዩ" ብምባል ገሊጻቶ።
ንሳን ብዓልቲቤታን ኣብ ዓራቶም ደቂሶም እንከለዉ፡ እቶም መርመርቲ ሰዓት ሽዱሽተ ንጉሆ ንማዕጾ ቤታ ብሓይሊ "ክድስቕዎ" ጀሚሮም።
ኩነታት ንምፍላጥ ሰብኣይን ሰበይቲን ናብቲ ማዕጾ እናወረዱ"ንውጭጭ ኔርና" ብምባል "ዘደንጹ" ምንባሩ ትገልጽ።
ኣብቲ ብ12 ጥቅምቲ ዝነበረ ፍጻመ፡ ካብ 15 ክሳብ 25 ዝኾኑ ኣባላት ጸጥታ ንገዝኣ ከቢቦሞ ከምዝነበሩን "ክረብቶም ዝሓለዉ ምንባሮምን" ኢልሃን ተዘንቱ።
ናይ ቤትፍርዲ ፍቓድ እንተለዎም ምስሓተቶም፡ እቶም መርመርቲ ነቲ ሰነድ ከምዘርኣዩዋን'ውን ተዛሪባ።
እቲ ስጉም ንምፍርራሓ ዝተወስደ ምንባሩ ብምግላጽ ድማ ንውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ ነቒፋ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ክንጸግ ዘለዎ ብልሽውና ስልጣን" ምዃኑ ብምንቃፍ "ንሓለዋ ሕጊ ፈደራል ከም መሳርሒ ብምጥቃም ንፖለቲካዊ ጸላእትኻ ዒላማ ምግባር'ዩ" ክትብል ኮኒናቶ ነይራ።
ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ብወገኑ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ፈደራላዊ መርመራ ዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ ተሪር መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
እታ ካብ 2018 ኣትሒዛ ወኪል ሚኒሶታ ኣብ ኮንግረስ ኮይና ተገልግል ዘላ ኣባል ባይቶ ቀንዲ ዒላማ ናይቲ ናብ ሶማልያ 'ክትምለስ ኣለዋ' ዝብላ ትራምፕ ኮይና ጸኒሓ'ያ።
እቲ ፕረዚደንት ግን ኣብቲ ዝካየደላ ዘሎ መርመራ ኢድ ከምዘይብሉ ብምምጓት "ምሳይ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን" ኢሉ ኣሎ።
ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ዝፈልጦ የብለይን፡ ግና ሕማቕ ምዃና ክነግረኩም እደሊ" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።
ኢልሃን፡ ግን "ምሉእ ምትሕሓዝ ኣለዎ" ብምባል ንምጉቱ ትነጽጎ።
"ካብ 2019 ኣትሒዙ፡ ናብ [ሶማልያ] ክምለስ ከምዘለኒ፡ ክጥረዝ ከምዘለኒ ክውጭጭ ጸኒሑ'ዩ" ብምባል ከኣ ናቱ ድርኺት ከምዘለዎ ተመልክት።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
