ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ብምኹናን መንግስቲ ብግቡእ ክምርምሮ ጸዊዓ

 በቲ መጥቃዕቲ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ግዳያት ከምዝዀኑ ቤተ ክርስትያን ኦርተዶክሳዊት ተዋህዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ
መግለጺ ስእሊ, በቲ መጥቃዕቲ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ግዳያት ከምዝዀኑ ቤተ ክርስትያን ኦርተዶክሳዊት ተዋህዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብግቡእ ተመርሚሩ እቶም ፈጸምቲ ገበን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲታ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብቀዳም ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ኣብ ኣርሲ ብደይ መደይ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዝምልከቱ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ብናይ ቀደም ምምሕዳራዊ ድልድል ዞባ ኣርሲ ዝብሃል ዝነበረ በዚ ናይ ሕጂ ኣሰያይማ ከኣ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ዝነብሩ ነበርቲ ብዝተፈጸመ መጥቓዕትታት ልዕሊ 60 ሰባት ምቕታሎም ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዲ ቤተ ክትርስትያን ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

እታ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ መጥቃዕቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ምዃኑን ተኸተልትን ኣባላትን እታ ቤተ ክርስትያን ቀንዲ ዒላማ ምዃኖም ብምምልካት፡ መንግስቲ ቅትለት ንጹሃት ሰባት መወዳእታ ክገብረሉን መሰል ዜጋታት ናይ ህይወትን ናጽነት ኣምልኾን ክሕሉ ጸዊዓ።

ኣመሪካ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣመሪካ "ብሃይማኖት፡ ብሄር ወይ ፖለቲካ ተደሪኾም ዝፍጸሙ መጥቓዕትታት ኣትሪራ ትኹንኖ" ድሕሪ ምባል፡ ከምቲ ኣብ ኣርሲ ዝፈተጸመ "ዘስካሕኽሕ መጥቓዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ጉጅለ ደው ክብል ኣለዎ" ክትብል ድማ ተማሕጺና።

ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ ግቡእ ምርመራ ክገብርን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ኣመሪካ ጸዊዓ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ኣርሲ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ውልቀሰባት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሓዊሱ ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ድማ መጉዳእቲ በጺሕዎም።

መንግስቲ ፌደራል ነዚ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ዘሎ ቅትለታት ብዝምልከት ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበ፡ ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጥምረት ጉጅለታት ዕጡቓት ናይቲ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ብምስዓብ፡ እቲ ጉጅለ ብሄራውን ሃይማኖታውን ግጭት ንምልዕዓል ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ - ካብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠሞ ከቢድ ክሳራ ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝዓለመ ምንቅስቓስ - ከም ዝፈሸለ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት፡ ድሮ ክወስዶ ዝጀመረ ስጉምትታት ክቕጽሎ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኪዳን ንህልውና ብዝብል ዝጽዋዕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ ሃገራዊ ግንባር ሓድነት ሓርነት ዓፋር፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉልን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ጉሙዝን ዘጠቓለለ'ዩ።

ኪዳን ንህልውና ግን ዛጊት ብዛዕባ እዚ ብሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ዝቐረበሉ ክሲ ዝሃቦ መልሲ የለን።

ንዓመታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ (ሕጂ ዞባ ደቡብ ምብራቕ) ዝነበረ፡ መንነቶምን ድራኸኦምን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዘይተፈልጠ- ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብፍላይ ድማ ንሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክርስትና ዒላማ ገይሮም እዮም።

ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ሞት ብርክት ዝበሉ ነበርቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣባይትን ኣብያተ ክርስትያናትን ጉድኣት ከምዘስዓበ ይዝከር።