ቀጥታ , ኣብ መላእ ኣመሪካ ተኣጊዱ ዝነበረ በረራታት ንምኽፋት ስጕምቲ ተወሲዱ

ኣብ ኣመሪካ እገዳ በረራታት እኳ እንተ ተላዕለ፡ ምምላስ ኵሎም በረራታት ግና ቀስ ብቐስ ከም ዝኸውን ተገሊጹ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኣብ ኣመሪካ እገዳ በረራታት ተላዒሉ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ 'ፖለቲካዊ ግጭታት' ስለምንታይ ወሲኾም?
  • ኣብ ትግራይ ውግእን ሰላምን የለን - እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ብሓቂ ኣብቂዑ ማለት ድዩ?

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብርሃኑ ጁላ፡ '800,000 መንእሰያት ትግራይ ግፋ ካብ ሃዲሞም'

    ብርሃኑ ጁላ

    ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ (ግፋ)፡ “ክሳብ 800 ሽሕ" ዝበጽሑ መንእሰያት ነበርቲ እታ ክልል ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ከምዝሃደሙ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቡ።

    ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ነዚ ዝበለ፡ እዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ግጭት ዳግማይ ካብ ዝለዓል ንመጀመርታ ግዜ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ተረኺቡ ኣብ ዝገበሮ መደረ እዩ።

    እቲ ሓለቓ ስታፍ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብታ ክልል ምስ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ገምጋም ከምዝገበሩን፡ ከምኡ’ውን “ናብ ገለ ኣሃዱታት እቲ ሰራዊት” ብምኻድ ወተሃደራት ከምዘዘራረበን ገሊጹ። ብምቕጻል፡ ነታ ክልል ናይ ምምሕዳር ግዝያዊ ሓላፍነት ካብ ዝተረከበ መሪሕነት መጕዚት ምምሕዳር ከምዝተመያየጠ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ካብቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. (ግዕዝ) ዝተላዕለ ደማዊ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ኣትሒዙ ዝነበሩ ፍጻመታት ኣልዒሉ።

    ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብታ ክልል ንዝተራእዩ ኵነታት፡ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተሓተትቲ ገይሩዎም ኣሎ። ነዚ ክሲ ዝነጽግ ህወሓት ብወገኑ፡ ፈደራል መንግስቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከምዝጠሓሰ ብምግላጽ እዩ ዝኸስስ።

    እቲ ካብ መስከረም ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “ብመሪሕነት ሻዕብያ፡ ብሎጂስቲክስን ቀረብን ግብጻውያን” ዝተጀመረ እዩ ዝብል ክሲ ዘስምዐ እቲ ሓለቓ ስታፍ፡ “ከም ናይ ቀደም ናብ ትግራይ ኣይንኣቱን ኢልና ደው ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል፡ ነቲ ወራሪ ሓይሊ ካብ ትግራይ ኣባሪርናዮ ኢና። ሕጂ ናብ ሻዕብያ ኸይዱ ኣሎ” ክብል ተሰሚዑ።

    ወሲኹ፡ “ሕጂ ኣብቶም ቀደም ናትና ዝነበሩ ዕርድታት ኢና ዘለና። ኲናት ክኸፍቱ ተኣዚዞም ኲናት ከፊቶም ዝተሳዕሩ ሰባት ድማ ኣብ እንዳገርግስ፡ ዓዲ ዃላ፡ መንደፈራ እዮም ዘለዉ።

    ገሊኦም እውን ኣስመራ እዮም ዘለዉ” ብምባል፡ መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝብል ክሲ ዳግማይ ኣቕሪቡ።

    ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ነዚ ናይ ሕጂ ክሲ ምላሽ እኳ እንተዘይሃቡ፡ ቅድሚ ሕጂ ‘መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሰጊሮም’ ንዝብል ክሲ ውዱቕ ገይሮምዎ ነይሮም እዮም።

    ምክትል ኣቦ-መንበር ህወሓት ኣማኑኤል ኣሰፋ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP) ኣብ ዝሃቦ ቃል “እቲ መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ ነይሩ።

    ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል እውን ብተመሳሳሊ “ሓሶት” ክብል ነቲ ክሲ ከምዝነጸጐ ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ይድግፍ እዩ ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲ እውን ተቓዊሙ እዩ።

    ሓለቓ ስታፍ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ ኣብቲ ናይ መቐለ ዘተ፡ ፈደራል መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘስምዖ 'ኲናት ተዛዚሙ' ዝብል ኣዋጅ ዳግማይ ኣቃሊሑ። ፈደራል መንግስቲ ነዚ ናይ ሕጂ “ኲናት ንምስዓር ተራ መንእሰይ ትግራይ ዓቢ” ከምዝነበረ መጕሱ።

    “እቲ መንእሰይ ኣብ ጐኒ እቲ ኲናት ኣይነበረን፤ ኣብ ጐኒ ህወሓት ኣይነበረን። እቲ ዓወት ዝቐልጠፈ በዚ ምኽንያት እዩ” ዝበለ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ ኣብታ ክልል ክካየድ ዝጸንሐ ተግባራት ወተሃደራዊ ግፋታት ነዚ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ጠቒሱ።

    “ንመንእሰይ ትግራይ እናገፈፉ ስለዘሸገሩ፡ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትግራይ ናብ ማእከል ሃገር፡ ናብ ኣደ ሃገሩ፡ ናብ ቤቱ ተሰዲዱ እዩ። ከም ዝዝክሮ ብዘሎኒ ዳታ ክሳብ 800 ሽሕ መንእሰይ ንትግራይ ገዲፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዳማ፡ ድሬዳዋ፡ ሃዋሳ፡ ኣሶሳ፡ ጋምቤላ ፋሕ ኢሉ እዩ” ኢሉ።

    ነበርቲ እታ ክልል ጐኒ ፈደራል መንግስቲ ደው ክብል እውን ጻውዒት ኣቕሪቡ። “’ደቅና እዮም’ እናተባህለ ደቅኹም ኣይተህልቑ። ህወሓት ደቅና እዮም እናበልኩም ንኽብርቲ ትዓቢ ዘላ ትግራይ ክልውጥ ዝኽእል፡ ቴክኖሎጂ ክቕበል ዝኽእል ቈልዓ ኣይተጽንቱ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

    ተወሳኺ ንባባት፤

  2. ድሕሪ መግለጺ ዋይት ሃውስ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉ - ምክትል ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ነበር

    ሓላፊ ብዓልመዚ ድሕነት መጓዓዝያ ኣመሪካ (TSA) ዝነበረ ጆን ፒስቶል

    ሓላፊ ብዓልመዚ ድሕነት መጓዓዝያ ኣመሪካ (TSA) ዝነበረ ጆን ፒስቶል፡ ኣብ መላእ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ዝተቛረጸ ንጥፈታት ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ ኣብ ዝብል "ተስፋ ከም ዘይብሉ" ገሊጹ።

    ምክትል ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ኰይኑ’ውን ዘገልገለ ፒስቶል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ገና ምላሽ ዘይተረኽበሎም ሓያሎ ሕቶታት ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

    ንሱ "ዝኣረጉ መሳርሒታት" ምህላዎም እኳ እንተ ኣመነ፡ እዚ ጸገም ስለምንታይ ሎሚ ከም ዘጋጠመ ግና ሕጂ’ውን ከም ዘይበርሀሉን እዚ ድማ ቅድሚ ብዓል ምስጋና (Thanksgiving) ብምኽሳቱ ዓቢ ሻቕላ ዘለዎ ምዃኑን ኣረዲኡ።

    ፒስቶል፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ "ስለምንታይ ሕጂ?" ዝብል ምዃኑ’ውን ኣስሚርሉ።

    እዚ ጉዳይ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት እዩ ምስ ዝብል ገምጋም ዳፊ ዝሰማማዕ እንተዀይኑ ምስ ተሓተተ ድማ ፒስቶል፡ "ብርግጽ" ክብል መሊሱ።

    ንሱ ወሲኹ፡ "ሓንቲ ነፋሪት እኳ እንተ በዂራ፡ እዚ ንዅሉ ሰብ ሕማቕ መዓልቲ እዩ፡" ኢሉ።

    ተወሳኺ፤

  3. ኣመሪካ፡ ምቍራጽ መርበብ ኤር ትራፊክ ዘስዓቦ ዕግርግር ድሕሪ ምፍታሑ በረራታት ቀስ ብቐስ ይጅምሩ ኣለዉ

    ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኮፍ መበሊ፡ ኣብ ልዕሊ ቦርሳኡ ደቂሱ

    ኣብ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ምብትታኽ መርበብ ርክብ ማእከላት ቍጽጽር በረራ (ኤር ትራፊክ) ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ተኣጊዱ ዝነበረ በረራታት፡ ፈደራላዊ ብዓል-መዚ ኣቭየሽን (FAA) ዘንበሮ ናይ ምዕጻው ስጕምቲ ብምልዓሉ ዳግምይ ይጅምር ኣሎ።

    እዚ ፍጻመ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001 ንደሓር ኣብታ ሃገር እቲ ዝነውሐ ናይ ምሉእ ሃገር ናይ በረራታት ምቍራጽ ኰይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ።

    ቀንዲ ነጥብታት፤

    • ·ዕንቅፋት ጕዕዞ፤ ልዕሊ 6,600 በረራታት ክስረዙ እንከለዉ፡ ልዕሊ 8,600 ድማ ተደናጒዮም፡ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንገደኛታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝሓድሩ ገይሩ ኣሎ። ኵሎም በረራታት ናብ ንቡር ንምምላስ ግና ግዜ ከም ዝወስድ ተገሊጹ።
    • ·መንቀሊ እቲ ሽግር፤ ምኒስተር መጓዓዝያ ሾን ዳፊ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ምቍራጽ ኣብ ራውተርታትን ስዊቻትን ኤር ትራፊክ ብዘጋጠመ ልዕሊ ዓቐን ዳታ (overload) ዝሰዓበ ቴክኒካዊ ጸገም እዩ።
    • ·ሳይበር መጥቃዕቲ ኣይኰነን፤ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ድሕነት፡ እቲ ጸገም ብናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ወይ ብኪነታዊ-ብልሒ (AI) ምኽንያት ከም ዝተኸስተ ዘርኢ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ከም ዘየሎ ገሊጹ፡ "መርትዖ ፈጺሙ የሎን፡" ኢሉ።
    • ·ሕቶ 50 ቢልዮን ዶላር፤ ምኒስተር ዳፊ ነቲ ኣዝዩ ዝኣረገ ናይ ቍጽጽር በረራታት ቴክኖሎጂ ንምሕዳስ፡ ኮንግረስ 50 ቢልዮን ዶላር ባጀት ክምድበሉ ጸዊዑ ኣሎ።
    • ·ካሕሳ የሎን፤ እቲ ብልሽት ብሰንኪ መንግስታዊ ብዓል-መዚ (FAA) ዝተኸስተ ብምዃኑ፡ ኵለን ናይ ነፈርቲ ኩባንያታት ንዝተዓገቱ መንገደኛታት ካሕሳ ናይ ምኽፋል ሕጋዊ ግዴታ የብለንን፤ እዚ ኵነታት ኣብተን ኩባንያታት ቍጠባዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ኣሎ።

    ብተወሳኺ፤

  4. ሰላም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት ክዀነልኩም እናተመነና፡ ቀጥታዊ ፈነወና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

    ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሓበሬታትን ዜናን ክነቕርበልኩም ኢና።