ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ 'ፖለቲካዊ ግጭታት' ስለምንታይ ወሲኾም?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ርግኣት ዘይብላን ብውሽጣዊ ግጭታት ዝተሓመሰትን ኰይና ጸኒሓ እያ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት እታ ሃገር ዝኽሰቱ ብሄራዊ ግጭታትን ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ጕጅለታትን ዝካየድ ዘሎ ውግኣትን፡ ንሞትን ምምዝባልን ኣሽሓት ዜጋታት ጠንቂ ኰይኑ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት እቲ ግጭት ብዝገደደ ምቕጻሉ ድማ እታ ሃገር ዳግማይ ናብ ሓድሕዳዊ ውግእ ከይትኣቱ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣክለድ፡ መብዛሕትኡ እቲ መጥቃዕትታት ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ኦሮምያን እዩ ተፈጺሙ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ናይቲ ዞባ ናይ ሕግን ፖለቲካን ምሁራት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ ምጽንሑ ብምግላጽ፡ ንምስፍሕፋሕ እዚ ቅልውላው መንግስቲ ሓላፍነቱ ብግቡእ ብዘይምውጽኡ ተሓታቲ ገይሮምዎ ኣለዉ።
በቲ ኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት እናመርመረ ምዃኑ ዝገልጽ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር "ብተዛማዲ መጥቃዕትታት ነክዩ እዩ" ዝብል መርገጺ ኣንጸባሪቑ ኣሎ።
ክኢላ ሕግን ህንጸት ሰላምን ፍታሕ ግጭታትን ኣቶ ጌታቸው ገብረኪሮስ ተማረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት "መፈጸሚ ፖለቲካዊ ዕላማ ኰይኑ ኣሎ" ዝብል እምነት ኣለዎ። መንግስቲ ኰነ ዕጡቓት ሓይልታት "ብዘተ ዝፍታሕ ጸገም የሎን" ዝብል ኣረኣእያ ብምሓዞም፡ ህይወት ብዙሓት ዘጥፍኡ ግጭታት ክበዝሑ ምኽንያት ኰይኑ ከም ዘሎ የረድእ።
ኣቶ ጌታቸው፡ "ፈደራላዊ መንግስቲ ይዅን ክልላውያን መንግስታት፡ ንውግእ ከም ሓደ መፈጸሚ ፖለቲካዊ መንገዲ እዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ።
እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት'ውን ብተመሳሳሊ፡ 'ኮፍ ኢልና ብዘተ እንፈትሖ ጸገም የሎን፣ ስለዚ መሰላትናን ድሌታትናን ብውግእ ኢና ከነኽብር ዘለና' ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዞም ኣለዉ፡" ይብል።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ንቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድ ጥምረት ከም ዝመስረቱ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ውግእ ከም ዝተወልዐ ካብ ዝስማዕ ንደሓር ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ህይወት ዜጋታት ዝቐዘፉ ሓደገኛታት ግጭታትን መጥቃዕትታትን ተኸሲቶም እዮም።
ኣብዚ ሳልሳይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ 2026፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኦሮሚያ፡ ኣምሓራ፡ ደቡብ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተራእዩ ግጭታትን መጥቃዕትታትን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ኣብ ጥቅምቲ ጥራይ፡ ኣብ ክልላት ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ጋምቤላ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኦሮምያ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ኣርሲ ሮቤ፡ ሽርካ፡ መርቲ፡ ኣብ ዞባ ነበር ሆሮ ጉድሩ ወለጋን ከተማ ሞያለን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ልዕሊ 200 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲ ካብ ነበርትን መሰኻኽር ዓይንን ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ካብቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት ብብዝሒ ሰባት ዝተቐትልሉ ሓደ ክልል ኦሮሚያ ኰይኑ፡ ዳታ ኣክለድ ከም ዘመልክቶ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸሙ መብዛሕትኦም መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዘነጻጸሩ እዮም።
እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣዋርሕ መስከረምን ጥቅምትን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠሙ "ፖለቲካዊ ዕላማ" ዝነበሮም መጥቃዕትታት ብድምር 1,556 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጥራይ ድማ 863 ሰባት ዝሞቱ ኰይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም ኣስታት 300 ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ኣረዲኡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሸፊልድ ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ሕግን ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዶክተር ኣወል ቃሲም ኣሎ ብወገኑ፡ ፈደራላዊ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ናብ ውግእ ምእታዎም ሓደ ካብቲ ንምብዛሕ እዞም ግጭታት ጠንቂ ዝዀነ ምኽንያት ምዃኑ ይገልጽ።
ቅድሚ ምጅማር ውግእ ትግራይ ምትሕብባር ከም ዝመስረቱ ዘፍለጡ ዕጡቓት ጕጅለታት'ውን ኣብዚ ናይ ግጭት ምስፍሕፋሕ ተራ ክህልዎም ከም ዝኽእል ይግምት።
ዶክተር ኣወል፡ "ብዝተዋደደ ብዝመስል ኣገባብ ውግእ ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ እዚ ኣብ ከባቢታት እንርእዮ ዘለና ጸገማት ከመይ ኢሉ ተኸሲቱ ንዝብል ሕቶ፡ ሓደ ካብ መልስታቱ እቲ 'ኪዳን ንህልውና' ዝተባህለ ጥምረት ነቲ ውግእ ናይ ምሕጋዝን ናይ መንግስቲ ዓቕሚ ናይ ምምጥጣን ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ምውሳድ ይከኣል፡" ኢሉ።
ዕለት 15ን 16ን ጥቅምቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዞባ ነበር ሆሮ ጉድሩ ወለጋ (ወረዳ ኣቤ ደንጎሮ - ቱሉ)፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ኣርሲ ኣብ ወረዳታት ሽርካን ኣርሲ ሮቤን ብዕጡቓት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብድምር 118 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ኣረጋጊጹ እዩ።
መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ነዚ መጥቃዕትታት 'ኪዳን ንህልውና' ብዝተባህለ ጥምረት ዝቘሙ ዕጡቓት ከም ዝፈጸምዎ ገሊጹ ተሓተቲ ገይሩ ኣሎ።
እዚ ንህወሓት ሓዊሱ ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ዘጠቓለለ ጥምረት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምእላይ "መሰጋገሪ መንግስቲ" ናይ ምምስራት ዕላማ ዘለዎ እዩ።
መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራን ኣብ ወረዳ ኣርሲ ሽርካ መጥቃዕቲ ከም ዘካየዱ ሓቢሩ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት እቶም ዕጡቓት ጕጅለታት እዮም ዝተባህሉ 73 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብዙሓት ሰባት ዝተቐትልሉ መጥቃዕቲ ተራእዩ እዩ። ኣብቲ ክልል ኣብ ዞባ ኣሶሳ ወረዳ ቡልዲግሉ ኣብ እትርከብ ጣብያ ዳለቲ፡ ብ26 ጥቅምቲ ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 52 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኮምሽን ፖሊስ እቲ ክልል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣቶ ጌታቸው ካብቲ ኣብታ ሃገር ዝለዓል ግጭታት ረብሓ ዝረኽቡ ኣካላት መንግስቲ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ግጭታት ዝህቦ መብርሂታት "ከም ብቑዕ ምኽንያት ኣይውሰድን" ይብል።
መሰረታዊ ዝዀነ ነቲ ግጭት ምቍጽጻር ዝከኣለሉ ባይታ እንተ ዘይተፈጢሩ ድማ እቲ መጥቃዕትታት ደው ክብል ከም ዘይክእል የጠንቅቕ።
"ብዙሕ ሰብ ዘየስተብህለሉ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ዝዀነሉ ቀንዲ ሞተር፡ እቲ ቀጻልነቱ ዘረጋግጽ 'ኣብ ግጭት ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ቍጠባ' ብምህላዉ እዩ" ክብል የብርህ።
ኣስዒቡ ድማ፡ "እዚኦም ጸገማት ክሳብ ዘይተፈትሑን ነቲ ግጭት ብመሰረቱ እንቈጻጸረሉ መንገዲ ክሳብ ዘይተፈጥረን፡ እዚ ግጭታት ኣብ ቀረባ እዋን ደው ክብል እዩ ዝብል እምነት የብለይን፡" ኢሎም።
ዶክተር ኣወል ብወገኑ፡ እዚ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ግጭት "መንግስቲ ንዜጋታቱ ክከላኸል ዘይምኽኣሉ" መርኣያ ምዃኑ ይገልጽ።
"ኣብ በቦታኡ ዝረአ ዘሎ ግጭትን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ መከራን፡ መንግስቲ ብግቡእ ይከላኸለሎም ከም ዘየሎ ብንጹር ዘርኢ እዩ፤ መንግስቲ ድማ ነዚ ከም ሓደ ድኻሙ ክቕበሎ ይግባእ፡" ኢሉ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት እናመርመረ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ ኣሎ።
ኮምሽነር ትምህርትን ስልጠናን ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ በዳሳ ለሜሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ትካል ካብ ክልል ኦሮሚያ ወጻኢ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብዝምልከት መርመራ የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሆሮ ጉድሩ፡ ምብራቕ ወለጋን ኣርሲን ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስራሕ ከም እተዛዘመ'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ሃገራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ወረዳ ኣርሲ ሽርካ ብዛዕባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ 48 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ ነይሩ። ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸምዎ ድማ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ "ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ"ን "ዘይስሩዓት ዕጡቓትን" ምዃኖም ጠቒሱ።
ኮምሽነር በዳሳ ኣብ መብርሂኡ፡ "ሕጂ'ውን ተመሳሰልቲ ፍጻመታት ይኽሰቱ ኣለዉ። ናትና መርመራ'ውን ኣብ መስርሕ እዩ ዘሎ" ኢሉ።
ኣስዒቡ ድማ፡ "እቶም በብመዓልቱ ዝፍጸሙ ሓደስቲ [መጥቃዕትታት]፡ ዝፍጠሩ ኵነታት ይዅኑ ፍጻመታት ናይ ምምዝጋብ፡ ድሕሪ ምምዝጋብ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ብርሕቀት ናይ ምጽራይ ስራሕ ነካይድ ኣለና፤ ኵነታት ምስ ዝጥዕም ከኣ ብሓፈሻ ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ከምቲ ልሙድ ናይ መርመራ ስራሕና ከነካይድ ኢና፡" ክብል ኣረዲኡ።
እቲ ትካል እዚ ይበል እምበር፡ ኣብታ ሃገር "ብተዛማዲ መጥቃዕትታት ነክዩ እዩ፡" ክብል ኮምሽነር በዳሳ ተዛሪቡ።
"ጐሊሑ ስለ ዝወጽአ እዩ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ይፍጸሙ ነይሮም እዮም። ኣብ መዝገብና፡ ሓድሽ ናይ መጥቃዕቲ መጠን ወሲኹ ዘብል ኣይኰነን፡" ክብል ገሊጹ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
