ቀጥታ , ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ የመን እገዳ ኣናዊሑ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ዝተመርጹ ውልቀሰባትን ዜጋታትን የመን ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ ጕዕዞን ፋይናንስን ንሓደ ዓመት ኣናዊሑዎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዓለምለኻዊ ምቍራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት፡ እንታይ እዩ ተፈጢሩ?

    ዓለምለኻዊ ምቍራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት፡ እንታይ እዩ ተፈጢሩ?

    ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ከቢድ ምቍራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት፡ ንሓያሎ ተጠቀምቲ ዝተሓላለኸ ጸገም ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ምቍራጽ፡ ንኢመይልን ፍርያት ኪነታዊ-ብልሕን ዝሓቘፈ ምሉእ ኣገልግሎታት ኣሰናኺሉ ይርከብ።

    ጸገማት ኢንተርነት ዝከታተል መርበብ 'ዳውንዲተክተር' ከም ዘመልከቶ፡ ሓሙስ ኣስታት ሰዓት 18:00 (ሰዓት ግሪንዊች)፡ ኣብ ኣውትሉክ (Outlook) ዝተራእየ ጸገም ዝጠቐሱ ተጠቀምቲ ኣብ መላእ ዓለም 140,000 በጺሖም ነይሮም።

    ማይክሮሶፍት እቲ ምቍራጽ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዘይኰነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ይዅን'ምበር፡ ንምዕራዩ ዝተገብረ ጻዕርታት ዛጊት ዓቢ ውጽኢት ኣይረኸበን። ብዛዕባ'ቶም ዝተጸልዉ ኣገልግሎታትን መሰረታዊ ጠንቅን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ እዩ፤

    ኣየኖት ኣገልግሎታት ተጸልዮም?

  2. ኤርትራ፡ ስነስርዓት ቀብሪ ኣቡነ ሉቃስ ተፈጺሙ

    ኣብ ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ዝተኻየድ ስነስርዓት ጸሎት ዝተሳተፉ ቤተክህነት ንሬሳ ኣቡነ ሉቃስ ከቢቦም ይራኣዩ

    ስነስርዓት ቀብሪ ዋና ኣመሓዳሪ ቤትጽሕፈት ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ገዳም ደብረሊባኖስ ከምዝተፈጸመ ሎሚ ዝወጸ ጸብጻብ መንግስታዊ ማዕከናት ሓቢሩ።

    ኣባል ሲኖዶስ እታ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ ሉቃስ፡ ሊቀጳጳስ ዞባ ደቡብ (ዓዲ-ቐይሕ) ኮይኖም'ውን ዘገልግሉ ዝነበሩ'ዮም።

    ብረቡዕ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ቤተክርስትያን ወግዓዊ ጸሎተ-ፍትሓት ድሕሪ ምክያዱ፡ ብሓሙስ ኣብ ኣብ ሃም ኣብ ዝርከብ ፍሉጥ ደብሪ ከምዝተቐብሩ እቲ ብዓርቢ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር።

    ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ህግደፍን፡ ከምኡ'ውን ዲፕሎማሰኛታት ናይ ሓዘን መግለጺኦም ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ኣብ ዝተኸፈተ መዝገብ ከምዘስፈሩ'ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

    ኣብ ኣጻድፍ ዝተደኮነ ገዳም ደብረ-ሊባኖስ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ጸዓዱ ላንድክሮዘር መካይን ደው ኢለን ይራኣያ

    እቶም ሃይማኖታዊ መራሒ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ'ዮም ኣብ መበል 94 ዓመቶም ብሕማም ዓሪፎም።

    "ንሕዝቦምን ሃገሮምን ደኺመ ከዕርፍ ከይበሉ ብትግሃትን ፍቕሪን ድኅሪ ምግልጋሎም ብዝኃደሮም ሕማም ኣብ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ዘድሊ ጽዑቅ ሕክምናዊ ረዲኤት ክንክንን ክግበረሎም ድኅሪ ምጽናሕ ሰንበት ናብ ሰኑይ ዘውግሕ ፍርቂ ለይቲ ዕለት ፴ ጥቅምት ፳፻፲ወ፱ ዓ.ም.ግ (09/11/2026 ዓ.ም.ፈ) ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ሆስፒታል ብሰላም ዓሪፎም" ይብል ብስም ሲኖዶስ እታ ቤተክርስትያን ዝወጸ መግለጺ።

    "ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብዕረፍቲ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዝተሰምዖ መሪር ኃዘን" ብማሕበራዊ መራኸቢታት ናይታ ቤተክርስትያን ገሊጹ ነይሩ።

  3. ፖቸቲኖ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኮይኑ

    ማሪስዮ ፓቸቲኖ

    ማሪስዮ ፖቸቲኖ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምዝኾነ እታ እታ እንግሊዛዊት ክለብ ሎሚ ብወግዒ ኣፍሊጣ።

    ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ፖቸቲኖ ነቲ ትማሊ ዝተባረረ ማይክል ካሪክ ብምትካእ'ዩ ተቖጺሩ ዘሎ።

    እቲ ኣርጀንቲናዊ፡ ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ነዊሕ ተመኲሮ ዘለዎ'ዩ።

    ውሩይ ኣሰልጣኒኣ ኣለክስ ፈርጉሰን ካብ ዝሰናበት ኣትሒዙ እናንቆልቆለት ዝመጸት ዩናይትድ ድሕሪ 2014 ጥራይ መበል 13 ኣሰልጣኒ'ያ ትቖጽር ዘላ።

    ፖቸቲኖ ሓደ ካብ ኣድነቕቲ ፈርጉሰን ብምዃኑ ኣብ ትንሳኤ እታ ክለብ ውጽኢታዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። እንተኾነ ከም ብዓል ጆሰ ሞሪኖ ዝበሉ ዓበይቲ ኣሰልጠንቲ ከይተዓወቱ ብምብራሮም ተስፋታት ደገፍቲ እታ ጋንታ ማህሚኑ'ዩ ጸኒሑ።

    ኣለክስ ፈርጉሰን ምስ ማሪስዮ ፖቸቲኖ

    ብፍላይ ዛጊት ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ተደጋጋሚ ስዕረት ስለዘጓነፋ፡ ንካሪክ ለኪማ ናብ ባይታ ተነቚታ ኣብ መስርዕ ናይተን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ናብ ታሕተዋይ ዲቪዢን ዝወርዳ ሰለስተ ክለባት ትርከብ።

    ክሳብ ሎሚ ካብ ዘካየደቶ 10 ግጥማት 8 ነጥቢ ጥራይ ሒዛ'ያ ኣብ መበል 18 ('ረለጌሽን ዞን')ተሰሪዓ ዘላ።

  4. ኣብ ዶብ ኦሮምያን ሶማልን ኣብ ዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ሓድጊ ሰማይ ብረት ዝሓዘ ዕጡቕ

    ኣብ ምብራቕ ኦሮምያ ኣብ ዝርከብ ወረዳ ሚእሶ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 12 ድማ ቈሲሎም።

    እቲ መጥቃዕቲ 9 መጋቢት 2026 ብሓይልታት ጸጥታ ክልል ሶማል ከም ዝተፈጸመ ነበርትን ሓላፊ ማእከል ጥዕናን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    ሓላፊ ማእከል ጥዕና ወልታነ ኣቶ ዳባባ መስፍን ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ብተዅሲ ተወጊኦም ናብቲ ማእከል ጥዕና ካብ ዝተወስዱ 22 ሰባት እቶም 10 ናብቲ ቦታ ቅድሚ ምብጻሖም ህይወቶም ከም ዝሓለፈን እቶም 12 ድማ ቀዳማይ ረድኤት ተገይሩሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተለኣኩ ኣረጋጊጾም።

    ነበርቲ እቲ ከባቢ ብወገኖም፡ እቲ ግጭት ምስ ዶብዊ ባእሲ ዝተተሓሓዘ ምዃኑን ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ብኸቢድ ኣጽዋር መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉን ነበርቲ ከም ዝተመዛበሉን ሓቢሮም።

    ሕጂ ግና ሓይልታት ጸጥታ ኦሮምያ ናብቲ ከባቢ ብምእታዎም ኵነታት ህዱእ ምዃኑ ይግለጽ።

    ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ መግለጺ ካብ ሰበስልጣን ወረዳ ሚእሶን ክልል ሶማልን ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ዛጊት ኣይሰለጠን።

    ኣብ መንጎ ኦሮምያን ክልል ሶማልን ዝለዓል ናይ ዶብ ግጭታት፡ ቀጻሊ ስግኣት ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ተወሳኺ፤

  5. ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ የመን ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ኣናዊሑ

    ዕጡቓት ሑቲ

    ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ የመን ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ብምሉእ ድምጺ ንሓደ ዓመት ኣናዊሑዎ።

    እቲ ውሳነ፡ ክሳብ 14 ሕዳር 2027 ኣብ ልዕሊ ፍሉያት ዜጋታት የመን፡ እገዳ ጕዕዞን ፋይናንስን ንምግባር የኽእል።

    እቲ ውሳነ ገሊኦም ኣብ የመን ዝርከቡ ውልቀሰባት ኣብ ዝርዝር እገዳ ምክታቱ ብምግላጽ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ብባሕርን ዶብን ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ’ውን ንንግዳዊ መራኽብ ዘንበሮ ስግኣት ኰኒኑዎ ኣሎ።

    ብደገፍ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝቐረበ እዚ ውሳነ፡ ነቲ እገዳ ክትትል ንምግባርን ጸብጻብ ንምቕራብን ሓላፍነት ዝተዋህቦ ጕጅለ ክኢላታት የመን፡ ግዜ ስርሑ ክሳዕ 15 ታሕሳስ 2027 ተናዊሑ ኣሎ።

    ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ሑታትን ኣብ ሓምለ ዝተወልዐ ውግእ ብምሕያሉ፡ 12,000 ሰባት ሞይቶም ወይ ቈሲሎም። እዚ ግጭት፡ ካብ ምያዝያ 2022 ኣትሒዙ ንዝጸንሐ ተዛማዲ ሰላም ኣፍሪስዎ ኣሎ።

    ግጭትን ካብ መረበቶም ምምዝባልን ብዝቐጸለሉ እዋን፡ ዳግም ዝተወልዐ ዘይምርግጋእ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝያዳ ኣጋዲድዎ ኣሎ።

    ሑቲ ንሰዓናን ብዝሒ ዘለዎም ከባቢታትን ካብ መስከረም 2014 ኣትሒዙ ካብ ዝቈጻጸር፡ የመን ኣብ ውግእ ትርከብ። ኣብ መጋቢት 2015 ድማ፡ ንመንግስቲ የመን ንምድጋፍ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ዓረብ ኣብቲ ግጭት ጣልቃ ኣትዩ።

    ተወሳኺ፤

  6. መርከብ ውግእ ሩስያ ኣብ ወሽመጥ ፊንላንድ ብናይ ዩክሬን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተሃሪማ

    መርከብ ውግእ ሩስያ ኣብ ወሽመጥ ፊንላንድ ብናይ ዩክሬን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተሃሪማ

    ሰበስልጣን ፊንላንድ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ወሽመጥ ፊንላንድ ሓንቲ መርከብ ውግእ ሩስያ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ኣረጋጊጾም። ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ግን ብዙሕ ዝርዝራት ኣይሃቡን።

    ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክሬን ኤስቢዩ፡ ንመርከብ ናሮ-ፎሚንስክ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዕላማ ከምዝገበራ ኣረጋጊጹ።

    እዚ ንፈለማ እዋን እዩ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ንመርከብ ሩስያ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ዕንወት ክተብጽሕ።

    ፊንላንድ ሓንቲ ካብተን ቐረባ መሓዙት ኪየቭ ኮይና፡ ሰበስልጣን ፊንላንድ እዚ ፍጻመ ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ሩስያ ብቀጻሊ እትኽተሎ ኲናት ምዃኑ ገሊጻ።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ፊንላንድ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ውሑድ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተሃበ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ፊንላንድ ቁሩብ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጸቢብ ቦታ ዝተፈጸመ እዩ ዝመስል።

    ምሉእ ትሕዝቶኡ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ፤

  7. ቀጥታዊ ፈነወ 13 ሕዳር 2026 ተጀሚሩ ኣሎ።

    ሓጺር ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ውሽጢ ሃገርን ዓለምለኻውን ዜናታት ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና። ምሳና ክትጸንሑ ንዕድም።

    ሰናይ መዓልቲ ፈተውቲ ቢቢሲ ትግርኛ

  8. ዋና ኣካያዲ ኒቪድያ ኣብቲ ልዕሊ 4 ትሪልዮን ዝግመት ትካል ካብ ዝጸንሖ መዝነት ወሪዱ

    ጀንሰን ሃውንግ

    ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ጾታዊ ዝምድና መስሪቱ ዝጸንሐ ዋና ኣካያዲ ዓርሞሸሽ ትካል ተክኖሎጂ ኒቪድያ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

    ጀንሰን ሃውንግ፡ ምስ ሓንቲ ኣብ ትካሉ ትሰርሕ ሓላፊት ጾታዊ ዝምድና ነይሩዎ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ ናይቲ ትካል ብርክታት ከንቆልቊል ጀሚሩ'ሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት'ውን ምስ ካልእ ንስለያ ቻይና ምስጢራት ተክኖሎጂ ኣሕሊፋ ተባሂላ ትኽሰስ ዘላ ናይ ካልእ ትካል ሓላፊት ጾታዊ ዝምድና ከምዝነበሮ ሃውንግ ተኣሚኑ ነይሩ።

    ትካል ኒቪድያን ፈደራላዊ ቢሮ መርመራ ኣመሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    ቦርድ ናይቲ ትካል ድሕሪ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ እቲ ፕረዚደንትን ዋና ኣካያዲን ናይቲ ኩባንያ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሃውንግ ሎሚ ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

    ምክትሉ ኮይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ኮለት ክረስ ግዝያዊት ዋና ኣካያዲት ኮይና ተመዚዛ ኣላ።

    ድሕሪ'ቲ ዜና፡ ዕዳጋ ብርክታት ናይቲ 4.5 ትሪልዮን ዶላርት ዝግመት ትካል ብ10 ሚእታዊት ወሪዱ ኣሎ።

    ነቲ ናይ ስለያ ክስታት ዝነጸገት ቻይና፡ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ምስምስ ብምግባር ተክኖሎጂታት ናብ ቻይና ከይሽየጥ ዝገትእ ውሳነ ከይትወስድ ኣጠንቂቓ ኣላ።

  9. ኣዲስ ኣበባ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ምስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዘራሪቡ

    ኤርቪን ማሲንጋ ምስ ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ሰላምታ እናተለዋወጡ

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርትያን እታ ሃገር ተራኺቡ ተዘራሪቡ።

    ብመሰረት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ምስ ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ዝተራኸበ ኣምባሳደር ኢርቪ ማሲንጋ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናጽነት እምነት ተዘራሪቡ።

    "ምስ ቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናጽነት እምነት፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ እምነታት ዘሎ ስኒት፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ሰባት ብሰላም ከምልኹ ተመያይጥና" ይብል እቲ መግለጺ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እታ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቊጠዐ ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ኣመሪካ ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣርሲ ኣብ ልዕሊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጹሃት ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት፡ መርመራ ክካየድን እቶም ፈጸምቲ ገበን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲታ ምንባራ ይዝከር።

    ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብቀዳም ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ኣብ ኣርሲ ብደይ መደይ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዝምልከቱ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ነይሩ።

    ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ እታ ቤተክርስትያን ትገልጽ።

  10. ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኣሰልጣኒ ማይክል ካሪክ ተባሪሩ

    ካሪክ

    ዋና ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምዝተባረረ እታ እንግሊዛዊት ክለብ ኣፍሊጣ።

    ማይክል ካሪክ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ብሰንኪ ዘጋጠሞ ተደጋጋሚ ስዕረት'ዩ ክሰናበት ተገዲዱ ዘሎ።

    ክለብ ማንቸስተር ሎሚ ኣብ ዘውጽኣቶ ወግዓዊ መግለጺ "ዘለና ጥሙሕ ንምዕዋት ለውጢ ከምዘድሊ እታ ክለብ ናብዚ ኣዝዩ ከቢድ መደምደምታ በጺሓ ኣላ" ኢላ።

    "ማይክል ካሪክ ወትሩ ብሃር ማንቸስተር ዩናይትድ ኮይኑ ክቕጽል'ዩ። ልክዕ ከምቲ ተጻዋታይ እንከሎ ዝገበሮ፡ ናብታ ክለብ ምስ ተመልሰ'ውን ብልዑል ተወፋይነትን ሞያነትን እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።"

    "ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ዘርኣዮ መሪሕነትን ዓወትን ብጽቡቕ ክዝከር ክነብር'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

    ካሪክ ኣኣካል ናይታ ኣብ ዘመነ ፈርጉሰን ንፕሪምየር ሊግ ንዓመታት ዓብሊላቶ ዝነበረትን ብርክት ዝበለ ዋንጫታት ዝዓተረትን ጋንታ ዩናይትድ ምንባሩ ይፍለጥ።

    ስዕረት ዘድነኖም ተጻወትቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ግጥም

    ካሪክ ነታ ድሕሪ ምስንባት ውሩይ ኣሰልጣኒ ኣለክስ ፈርጉሰን እናተረመሰት ዝመጸት ክለብ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ብምዃን ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ክትዛዝምን ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ክትምለስን ብምኽኣሉ'ዩ ዋና ኣሰልጣኒ ክኸውን ኣብዚ ዝሓለፈ ክረምቲ ንክልተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ ነይሩ።

    እንተኾነ ብኣንጻር እቲ ዝተገብረሉ ትጽቢት፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ተደጋጋሚ ስዕረት ተሰኪማ፡ ናብ ባይታ ተነቚታ ኣብ መስርዕ ናይተን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ናብ ታሕተዋይ ዲቪዢን ዝወርዳ ሰለስተ ክለባት ትርከብ። ዛጊት ካብ ዘካየደቶም 10 ግጥማት 8 ነጥቢ ጥራይ ሒዛ'ያ ኣብ መበል 18 ('ረለጌሽን ዞን')ተሰሪዓ ዘላ።

    ሓድሽ ኣሰልጣኒ ክትቆጽር መደብ ከምዘለዋ'ውን ማንቸስተር ዩናይትድ ኣፍሊጣ'ላ። ኣሰልጣኒ ለንደናዊት ክለብ ቶተንሃም ሆትስፐርስ፡ ከምኡ'ውን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ዝኾነን ኣርጀንቲናዊ ማውሪሲዮ ፐቸቲኖ ክትክኦ ከምዝኽእል ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ከም ጆሰ ሞሪኖ፡ ሉዊስ ቫንጋል፡ ዴቪድ ሞየስን ኤሪክ ተን ሃግን ዝበሉ ፍሉጣት ኣሰልጠንቲ'ኳ እንተቖጸረን ናብ ናይ ቀደም ክብራ ግን ቅልቅል'ውን ክትብል ኣይክኣለትን።

    ኣብዚ ንዩናይትድ ናይ ቅልውላው ዓመታት፡ ፕሪምየርሊግ ብገሮቤታ ማንቸስተር ሲቲ፡ ሊቨርፑል፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣርሰናል ተዓብሊሉ'ዩ ዝቕጽል ዘሎ።

  11. 'ጉዳይ ወደብ ዓሰብ መሳርሒ ድርድር ክኸውን የብሉን` - ሰነተራት ኣመሪካ ንማርኮ ሩብዮ

    ማርኮ ሩብዮ

    ሓሙሽተ ደሞክራስያውያን ሰነተራት ኣመሪካ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝዀነ ዓሰብ ብሓይሊ ንምቍጽጻር እትገብሮ ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብኣመሪካ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብንጹር ከፍልጥ ጸዊዖም።

    እቶም ሰነተራት ሰሉስ ናብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ፡ ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ፡ ነዚ ንምቍጽጻር ህጹጽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክግበር ሓቲቶም።

    ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዎም ድሌት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዕሊ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

  12. ወጥሪ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናበይ ከምርሕ ይኽእል - ኣብ ዶባትከ መን'ዩ ዘሎ?

    መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን

    ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝዋሰንኦ ኣስታት 750 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ መሬታዊ ዶብ'ዩ ዘለወን።

    እዚ ዶብ ኣብ ባይታ ብግቡእ ስለ ዘይተመልከተ ከኣ ብዙሕ ግዜ ንሓድሕደን "ይግብኣኒ እዩ!" ብዝብልኦ መሬት ክሰሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ።

    ኣብዚ እዋን ግን እቲ ዝያዳ ዘሰሓሕበንን ሱዳን ንኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ከይዳ ክትከሳ ዘብጽሐን ጉዳይ መበገሲኡ እቲ ዘይተመልከተ ዶብ ኣይኰነን።

    መንግስቲ ሱዳን፡ "ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ስቪላዊ ትካላትን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን መጥቃዕቲ ፈጺመን፡" ብዝብል ክሲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣቕሪቡ'ሎ።

  13. ኤርትራ ኣንጻር ጊኒ፡ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ዝውስን ወሳኒ ግጥም

    ዓሊ ሱሌማን ኣንጻር ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ እናተጻወተ

    ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ናይ ምሕላፍ ተስፋኣ ህያው ንምግባርን ቀዳማይ ዓወታ ንምጭባጥን፡ ሎሚ ሓሙስ 12 ሕዳር ኣብ ኮናክሪ ምስ ጊኒ ኣብ ዝካየድ ወሳኒ መበል ሳልሳይ ጸወታኣ ናብ ሜዳ ክትወርድ እያ።

    እዚ ኣብ ስታድየም ‘28 ሰፕተምበር’ ዝካየድ ግጥም ንኤርትራ ዕድላ ዝውስን ክኸውን እዩ። ምኽንያቱ፡ ኬንያ ሓንቲ ካብተን ኣአንገድቲ እቲ ውድድር ብምዃና ኣቐዲማ ቦታኣ ኣረጋጊጻ እያ።

    በዚ ድማ ካብ ምድብ ‘ዲ’ ናብቲ ናይ መወዳእታ ውድድር እትሓልፍ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ብምዃና፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ጊኒን ደቡብ ኣፍሪቃን ዘሎ ናይ ምሕላፍ ቅልስ ኣመና ኣሐዪልዎ ይርከብ።

    ኤርትራ ኣብ መኽፈቲ ግጥማ ብመንገዲ ናሆም ግርማይ ነታባይ ብዘመዝገበታ ሸቶ ምስ ኬንያ 1 ብ 1 ተፈላልያ ዘተባብዕ ምጅማር እኳ እንተ ነበራ፡ ኣብ ካልኣይ ጸወታኣ ግና ኣብ ካይሮ ብደቡብ ኣፍሪቃ 5 ብ 0 ብዝዀነ ገፊሕ ውጽኢት ተሳዒራ እያ።

    ሕጂ ድማ ካብ ክልተ ጸወታታት ዘመዝገበታ ሓንቲ ነጥቢ ሒዛ፡ ነቲ ስዕረት ንምሕካኽን ተስፋኣ ንምሕዳስን ብ24 ተጻወትቲ ተዓጂባ ናብዚ ግጥም ክትቀርብ እያ።

    ኣብዚ ምድብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ6 ነጥቢ ክትመርሕ እንከላ፡ ጊኒ ብ3 ነጥቢ ትስዕብ፣ ኤርትራን ኬንያን ድማ ብተመሳሳሊ ሓሓደ ነጥቢ ኣለወን።

    ኤርትራ ናይ ሎሚ ግጥማ ምስ ወድአት፡ እቲ ኣብ ሃገራ ከተካይዶ ዝነበራ ናይ መልሲ ግጥም ሰኑይ 16 ሕዳር ኣብ ካይሮ ንጊኒ ከተአንግዳ እያ።

    ኤርትራ ትሕተ-ቕርጺ መጻወቲ ሜዳኣ ትሕቲ ብቕዓት ስለ ዝዀነ፡ ድሕሪ 4 መስከረም 2019 ኣብ ቅድሚ ህዝባ ክትጻወት ኣይበቕዐትን።

    በቲ ካልእ ወገን፡ ብፓውሎ ዱዋርተ እትስልጠን ዘላ ጊኒንኬንያ 1 ን 0 ብምስዓር ናብ ካልኣይ ደረጃ ደይባ እኳ እንተላ፡ ኣንጻር ኤርትራ ኣብ ዝህልዋ ክልተ ጸወታታት ግና ከም ሰርሁ ጊራሲ፡ ላሚን ድያቢ-ፋዲጋን ኢላይክስ ሞሪባን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ተጻወትታ ኣይክህልዉን እዮም።

    ተወሳኺ፤

  14. 25 ዓመታት ኣብ ጸልማት ንዝተዋሕጡ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ዝቐረበ ጻውዒት

    ካብ መንጎ ዝተኣሰሩ ዘርእይ ኣሳእል

    ንመወዳእታ ግዜ ምስ ኣቦኣ ገጽ-ንገጽ ዝተረኣእዩ ገና ጓል ክልተ ወርሒ ዕሸል ከላ እዩ፤ ብሰንኪ ዕድመኣ ግን ብድሕረኡ ክትርእዮ ዕድል ናይ ዘይረኸበት ኣቦኣ ዝኽሪ ክትዓቍር ኣይከኣለትን።

    በይሉል፡ ጓል እቲ ብ'ተጋዳላይ ሰኣላይ' ዝፍለጥ መስራቲ ተለቪዥን ኤርትራን ጋዜጠኛን ስዩም ጸሃየ እያ።

    ኣብ መስከረም 2001 ድሕሪ ምእሳሩ፡ እታ ንመወዳእታ ግዜ ንሕንሳስ ልደ ጓሉ ዝረኣየላ ኣጋጣሚ ከተዘንቱ እንከላ፡ "ኣደይ ንሓደ ካብቶም ሓለውቲ ማእሰርቲ ብምምሕጻን፡ ንሓጺር ግዜ ብመስኮት ቤት-ማእሰርቲ ተቐልቂሉ ክርእየኒ ክኢሉ ነይሩ። እታ ህሞት ናይ ፈለማን መወዳእታን ኣብ ኣብ ጥቓ ኣቦይ ዝነበርኩላ እያ፡" ብምባል ትገልጽ።

  15. ሕቡራት ሃገራት፡ ፍርዲ ግብጻዊት ጋዜጠኛ ሊና ዓታላህ ምንዋሑ ኣተሓሳሲብዎ

    ግብጻዊት ጋዜጠኛ ሊና ዓታላህ

    ሕቡራት ሃገራት፡ ቤት ፍርዲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ዋና ኣሰናዳኢት ናይቲ ናጻ ማዕከን ዜና ‘ማዳ ማስር’ ጋዜጠኛ ሊና ዓታላህ ዘካይዶ ዘሎ ዳግመ-ፍርዲ ምድንጓዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ፍትሓውነት እቲ ፍርዲ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ካይሮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ገበን ነቲ ዳግመ-ፍርዲ ን18 ሕዳር ዘመሓላለፎ፡ ጠበቓታት እታ ጋዜጠኛ፡ ‘እቲ ዳኛ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊኣ ናይ ጥፍኣተኛነት ቅድመ-ድምዳመ ዝሓዘ እዩ’ ብዝብል ብኻልእ ክትካእ ድሕሪ ምሕታቶም እዩ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሊና ‘ናይ ሓሶት ዜና ብምዝርጋሕ’ ብዘይፍላጣን ብዘይተረኽበቶን ብተመሳሳሊ ዳኛ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ ከም ዝነበረት ተፈሊጡ ኣሎ።

    ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ‘ብዘይ ፍቓድ ማዕከን ሓበሬታ ብምምራሕ’ ብዝብል ክሲ 3 ሚልዮን ፓውንድ ግብጺ ተቐጺዓ፡ እቲ ማዕከን ዜና’ውን ክዕጾ ተወሲንሉ ነይሩ።

    ወሃቢ-ቓል ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሰበስልጣን ግብጺ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ሃድንን ጸቕጥን ከብቅዑ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት መርበብ ‘ማትስዳእሽ’ (Matsda2sh) ብቕጽበት ክፍትሑ ኣተሓሳሲቡ።

    ሊና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እዚ ስጕምቲ ነተን ውሑዳት ዝተረፋ ናጻ ልሳናት ንምዕባስ ዝዓለመ ‘መፈራርሒ መልእኽቲ’ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ነፍሲ ወከፍ ጋዜጠኛ ቀጻሊ ተራ ናተይ ድዩ ኢሉ ኣብ ስግኣት ክነብር ተገዲዱ ኣሎ፡” ኢላ።

    ግብጺ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ዓለም ካብ 180 ሃገራት መበል 169 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

    ተወሳኺ፤

  16. ሃገራት ጕጅለ 7 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዞባዊ ግጭት ክምዕብል ከምዝኽእል ኣጠንቂቐን

    ሃገራት ገጅለ 7 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዞባዊ ግጭት ክምዕብል ከምዝኽእል ኣጠንቂቐን

    ሃገራት ጕጅለ 7 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዞባዊ ግጭት ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቐን።

    እተን ሃገራት ትማሊ ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝረአ ዘሎን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎን ጸጥታዊ ኵነታት ብዝምልከት ስክፍታ ገሊጸን።

    ድሕሪ ናይቲ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባላት ሃገራት 7 "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ምስ ምውሳኽ ስግረ-ዶባዊ ግጭታት ተደሚሩ ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ናይ ምስግጋር ሓደጋ ኣለዎ" ክብሉ ኣጠንቂቖም።

    ኣብቲ ኣኼባ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት G7 ማለት ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ጃፓን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ከምኡ’ውን ልዑል ወኪል ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ተረኺቦም።

    ቀንዲ ነጥብታት መግለጺ ሃገራት 7

    • ሓደጋ ዞባዊ ግጭትን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን - ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝርአ ዘሎ ወጥሪ እንተገዲዱ ንዞባዊ ምርግጋእ፡ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ከምኡ’ውን ንዓለምለኻዊ ንግዲ (ብፍላይ ኣብ ስትራተጂካዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ) ከቢድ ሳዕቤን ከምዘስዕብ ኣጠንቂቐን።
    • ጻውዒት ዓቕልን ዲፕሎማስያዊ ፍታሕን - ኵሎም ወገናት ዝለዓለ ዓቕሊ ክገብሩ፡ ንጸገማቶም ብዲፕሎማስያዊ ዘተ ክፈትሑ፡ ከምኡ’ውን ንሰላማውያን ሰባት (ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን) ክከላኸሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕ ክገብሩን ጸዊዐን።
    • ምኽባር ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን - ናይ ኵለን ሃገራት እቲ ዞባ ልዑላውነት፡ ፖለቲካዊ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክኽበር ከምዘለዎ ዳግም ኣረጋጊጸን።
    • ደገፍ ንመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን - ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቲ ወጥሪ ንምህዳእን ዘተ ንምስላጥን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ሙሉእ ደገፍ ከምዘለወን ገሊጸን።
  17. ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣስታት 6300 ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ቦምባ ምፍርራሕ ተፈጺምለን

    ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣስታት 6300 ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ቦምባ ምፍርራሕ ተፈጺምለን

    ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣስታት 6300 ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ቦምባ ምፍርራሕ ከምዝተፈጸመለን መንግስቲ ኢጣልያ ገሊጹ።

    ምኒስትሪ ምህርቲ ጁሰፐ ቫልዲታራ እቶም ፍጻመታት "ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ እምበር ሓቀኛ ሓደጋ" ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

    ቫልዲታራንቴሌቪዥን ኢጣልያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢጣልያን ኣብ ካልእ ቦታታት ኤውሮጳን ንበረራታት፡ ሱፐርማርኬታትን ሆስፒታላትን ከይተረፈ ዒላማ ዝገበረ ስግኣታት ንጹር ስትራተጂ ከምዘሎ ገሊጹ።

    ብፍሉይ ኣብ ስኮትላንድን ሰሜን ኣየርላንድን ዝርከባ ልዕሊ 700 ኣብያተ ትምህርቲ እውን ናይ ሓሶት ቦምባ ምፍርራሕ ተገይሩለን እዩ። ካብቶም ፍጻመታት ምትእስሳር ዘለዎም ድዩ የብሎምን ንጹር ኣይኮነን።

    ኣብ ኢጣልያ ከም ጥንቃቐ ብርክት ዝበሉ ህንጻታት ካብቲ ቦታ ክወጹ እንከለዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ግን ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ፍተሻ "ጭቡጥ ሓደጋ" ዝብል መርትዖ ከምዘይተረኽበ ገሊጻ።

  18. ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ወጥሪ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ይዘራረብ

    ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጓንግ ኮንግ ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት ንምዝርራብ ኣብ ኢትዮጵያን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

    እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ዘሎ ወኪል፡ ምስ ሰበሰልጣን ኢትዮጵያ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ተዘራሪቡ።

    ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ምስቲ ፍሉይ ወኪል ዘካየዶ ርክብ ጉዳይ ሶማልያ፡ ሱዳንን ኤርትራን ተላዒሉ ነይሩ።

    "ንኣዕናዊ ግደ ስርዓት ኤርትራ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ዘለዋ መርገጺ ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጀነራል ኣልቡርሃንን ዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ዘርዚረ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ጽሒፉ።

    ሰራዊት ሱዳንን ኤርትራን ንኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ "ብምዕጣቕን ብምውህሃድን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸታታሊ ናይ ሰብ-ኣልቦ ፈነርቲ መጥቃዕቲ" ኣካይዶም ክብል ናብቲ ዲፕሎማሰኛ ከምዝጠርዐ'ውን ይጠቅስ።

    ምሉእ ዛንታ፡ https://ndjeirbsjao.shop/tigrinya/articles/cmg46y21wpvvo%3C/a%3E%3C/p%3E%3C/div%3E%3C/div%3E%3C/article%3E%3C/li%3E%3Cli class="css-xxlek1">

    ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን 'ናይ ጣዕሳ ፎርም' ከይፈረሙ መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ፈቒዳ

  19. ኢትዮጵያ መበል ሓምሸይቲ ዓባይ ቍጠባ ኣፍሪቃ ኰይና፡ ኣብ ናብራ ዜጋታት ግና እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

    ኢትዮጵያ ንመለክዒ ድምር ውሽጣዊ ፍርያታ (GDP) ብምምሕያሽ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነበራ መበል ታሽዓይ ደረጃ ብሓንሳእ ናብ መበል ሓምሻይ ከም ዝደየበት ዕላዊ ገይራ ኣላ።

    ብ4 ሕዳር 2026 ምኒስትሪ ሃገራዊ ስትራተጂ ምስ ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ብምትሕብባር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ቍጠባ ብ59.2 ሚእታዊት ወሲኹ 201.42 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ (24.03 ትሪልዮን ብር) ከም ዝበጽሐ የመልክት።

    ኣብ ባጀት ዓመት 2025/26 ድማ እዚ ቍጽሪ ናብ 31.86 ትሪልዮን ብር (210.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ክብ ክብል ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

    ይዅን'ምበር፡ እዚ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ናይ 59% ወሰኽ፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን ድኽነትን ክነጻጸር እንከሎ፡ ንተራ ዜጋታት ዘደናግር ኰይኑ ይርከብ፤ ምኽንያቱ፡ ኣብ ዕዳጋታትን መነባብሮ ዜጋታትን ዝተራእየ ቅጽበታዊ ለውጢ የሎን።

    ብመሰረት እዚ ሓድሽ ምትዕርራይ፡ ኢትዮጵያ ንሞሮኮን ኬንያን ብምቕዳም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ናይጀርያን ኣልጀርያን ተኸቲላ መበል ሓምሸይቲ ዓባይ ቍጠባ ኰይና ኣላ።

    ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ድማ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን መበል ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።