ኢትዮጵያ መበል ሓምሸይቲ ዓባይ ቍጠባ ኣፍሪቃ ኰይና፡ ኣብ ናብራ ዜጋታት ግና እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ንመለክዒ ድምር ውሽጣዊ ፍርያታ (GDP) ብምምሕያሽ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነበራ መበል ታሽዓይ ደረጃ ብሓንሳእ ናብ መበል ሓምሻይ ከም ዝደየበት ዕላዊ ገይራ ኣላ።
ብ4 ሕዳር 2026 ምኒስትሪ ሃገራዊ ስትራተጂ ምስ ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ብምትሕብባር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ቍጠባ ብ59.2 ሚእታዊት ወሲኹ 201.42 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ (24.03 ትሪልዮን ብር) ከም ዝበጽሐ የመልክት።
ኣብ ባጀት ዓመት 2025/26 ድማ እዚ ቍጽሪ ናብ 31.86 ትሪልዮን ብር (210.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ክብ ክብል ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ናይ 59% ወሰኽ፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን ድኽነትን ክነጻጸር እንከሎ፡ ንተራ ዜጋታት ዘደናግር ኰይኑ ይርከብ፤ ምኽንያቱ፡ ኣብ ዕዳጋታትን መነባብሮ ዜጋታትን ዝተራእየ ቅጽበታዊ ለውጢ የሎን።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ምትዕርራይ፡ ኢትዮጵያ ንሞሮኮን ኬንያን ብምቕዳም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ናይጀርያን ኣልጀርያን ተኸቲላ መበል ሓምሸይቲ ዓባይ ቍጠባ ኰይና ኣላ።
ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ድማ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን መበል ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
ዳግመ-ገምጋም ጂዲፒ እንታይ ማለት እዩ?
እዚ ዝተወስደ ስጕምቲ ዳግመ-ገምጋም ድምር ውሽጣዊ ፍርያት (GDP Rebasing)፡ ሃገራት ንቝጠባአን ንምዕቃን ከም መወከሲ ዝጥቀማሉ መበገሲ ዓመት ናይ ምሕዳስ መስርሕ እዩ።
እዚ ማለት፡ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ለይቲ ብተኣምር ሃብታም ኰይና ማለት ዘይኰነስ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብግቡእ ዘይተለክዐ ቍጠባዊ ምንቅስቓሳት ዘጠቓልል ሓድሽ መዐቀኒ ተጠቒማ ማለት እዩ።
እዚ ተመኵሮ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ዝተራእየ እዩ።
ንኣብነት፡ ናይጀርያ ኣብ 2014 ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሲዳ ጂዲፒኣ ዳርጋ ብዕጽፊ ብምዕባይ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ብምስጋር ኣብታ ኣህጉር ቀዳመይቲ ኰይና ነይራ። ኬንያ'ውን ኣብ 2014 መበገሲ ዓመታ ብምቕያር ተመሳሳሊ ዕቤት ኣመዝጊባ እያ።
እቲ መዐቀኒ ሕጂ ምቕያሩ ስለምንታይ ኣድለየ?
ብዓለምለኻዊ ኣሰራርሓ፡ ድምር ውሽጣዊ ፍርያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ክግምገም ይግባእ። ኢትዮጵያ ግና ነዚ ምትዕርራይ ካብ እተካይድ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ሓሊፉ እዩ።
ኣማኻሪ ወፍርን ፋይናንስን ትካል 'ፕራግማ ካፒታል' መርዕድ ፍቕረዮሃንስ ከም ዘብርሆ፡ ኣብዚ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ጕዕዞ መዋቕር ቍጠባ እታ ሃገር ብዓቢዩ ተቐይሩ እዩ።
ቅድሚ ምቍራጽ ተዅሲ ዝነበረ ኵናት ትግራይ ኣብቲ ናህሪ ዋጋታት ዘሕደሮ ጽልዋ ከም ዘሎ ኰይኑ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዘይነበሩ ሓደስቲ ምንቅስቓሳት መጺኦም እዮም። ካብ መንጎ እዚኦም፡ ምስፍሕፋሕ ድጂታላዊ ዝውውር ገንዘብ፡ ኣገልግሎት ሞባይል ባንኪንግን ናይ ሜተር ታክሲታትን ይርከብዎም።
ምኒስትሪ ሃገራዊ ስትራተጂ ብወገኑ፡ ዓመተ 2024/25 ዝተመረጸትሉ ምኽንያት፡ ተዛማዲ ማክሮ-ኢኮኖሚያዊ ምርግጋእ ዝተራእየላ፡ ቈጸራ ሕርሻን ትካላት ቍጠባን ዝተኻየደላ፡ ከምኡ'ውን መጽናዕቲ ሃልኪ ስድራቤታት ዝተሰርሓላ ዓመት ብምዃና ምዃኑ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Ministry of National Strategy
ኣብ ልቓሕን ወፍርን ዝህልዎ ጽልዋ
ክኢላ ቍጠባን ፖሊስን ቆስጠንጢኖስ በርሀተስፋ፡ እዚ ሓድሽ ምዕቃን ኣብ ልቓሕን ወፍርን እወታዊ ጽልዋታት ከም ዝህልዎ የረድእ።
ቀዳማይ፡ ዕዳ እታ ሃገር ከይተለወጠ እንከሎ ጂዲፒ ክብ ስለ ዝበለ፡ እቲ ምጣነ ዕዳን ጂዲፒን (Debt-to-GDP Ratio) ብተዛማዲ ይንኪ፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ልቓሕ ንምርካብ ዝሓሸ ናይ ዘተ ዓቕሚ ክህልዋ ይሕግዝ።
ብተወሳኺ፡ ዓበይቲ ናይ ወጻኢ ትካላት ወፍሪ ንቝጠባ እታ ሃገር ብዝሓሸ መንገዲ ንኽርእይዎ ዘተባብዕ ክኸውን እንከሎ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት (ኤጀንሲታት) ደረጃ ልቓሕ ኣብ ዝህባሉ እዋን ንዘለዋ ዓቕሚ ምኽፋል ልቓሕ እውን የመሓይሾ እዩ።
ግብርን መነባብሮ ዜጋታትን፡ እቲ ዘስግእ ገጽታ
እዚ ሓድሽ መዐቀኒ፡ መንግስቲ ካብቲ ዝዓበየ ቍጠባ ክንደይ ዝኣክል ግብሪ ይእክብ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።
ቍጠባ እታ ሃገር ካብቲ ዝነበሮ ግምት ብ59% እኳ እንተ ወሰኸ፡ መንግስቲ ዝእክቦ እቶት ግብሪ ግና ብተመሳሳሊ መጠን ኣይወሰኸን።
መርዕድ ፍቕረዮሃንስ፡ እዚ ፍልልይ ንመንግስቲ ሓደ መጠንቀቕታ ምዃኑ ይገልጽ። መንግስቲ ነዚ ጋግ ንምጽባብ፡ ኣቐዲሞም ግብሪ ኣብ ዝኸፍሉ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ተወሳኺ ጸቕጢ ከየስክም የጠንቅቕ።
ኣብ ክንድኡ፡ እቶም ካብ ወግዓዊ ስርዓት ወጻኢ ዝካየዱ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ናብ ሕጋዊ መስርሕ ንኽኣትዉ ምግባር፡ ከምኡ'ውን ትካላት እቶተን ኣዛቢዐን ከየመዝግባ ጽኑዕ ምቍጽጻር ምዝርጋሕ የድሊ።
ዕቤት ቍጠባ ኣብ ወረቐትን ኣብ ባይታን
"ድምር ውሽጣዊ ፍርያት ደረጃ ቍጠባ እታ ሃገር ከርኢ ይኽእል እዩ፡ ናይቲ ህዝቢ ቍጠባዊ ድኽነት ግና ከርኢ ኣይክእልን እዩ፡" ይብል ቆስጠንጢኖስ በርሀተስፋ።
ሓንቲ ሃገር እተመዝግቦ ዕቤት ጂዲፒ ብውሑዳት ትካላት ወይ ብውሑዳት ሃብታማት ውልቀሰባት ክመጽእ ይኽእል እዩ።
እዚ ኣብ ወረቐት ዝተቐመጠ ዕቤት ናብ ህዝቢ ወሪዱ ትርጕም ክህልዎ እንተዀይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጐደና ቍጠባዊ ለውጢ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፡ እቲ ዕቤት ኵሉ ዘሳትፍ ክኸውን፡ ሓደስቲ ዕድላት ስራሕ ክፈጥርን ናህሪ ዋጋታት ዕዳጋታት ክሃድእን ናይ ግድን እዩ።






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
