'እንተ ወሓደ ነቲ ሓቂ ክንፈልጦ ይግባእ" - 25 ዓመታት ኣብ ጸልማት ንዝተዋሕጡ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ዝቐረበ ጻውዒት

ምንጪ ስእሊ, CPJ
ንመወዳእታ ግዜ ምስ ኣቦኣ ገጽ-ንገጽ ዝተረኣእዩ ገና ጓል ክልተ ወርሒ ዕሸል ከላ እዩ፤ ብሰንኪ ዕድመኣ ግን ብድሕረኡ ክትርእዮ ዕድል ናይ ዘይረኸበት ኣቦኣ ዝኽሪ ክትዓቍር ኣይከኣለትን።
በይሉል፡ ጓል እቲ ብ'ተጋዳላይ ሰኣላይ' ዝፍለጥ መስራቲ ተለቪዥን ኤርትራን ጋዜጠኛን ስዩም ጸሃየ እያ።
ኣብ መስከረም 2001 ድሕሪ ምእሳሩ፡ እታ ንመወዳእታ ግዜ ንሕንሳስ ልደ ጓሉ ዝረኣየላ ኣጋጣሚ ከተዘንቱ እንከላ፡ "ኣደይ ንሓደ ካብቶም ሓለውቲ ማእሰርቲ ብምምሕጻን፡ ንሓጺር ግዜ ብመስኮት ቤት-ማእሰርቲ ተቐልቂሉ ክርእየኒ ክኢሉ ነይሩ። እታ ህሞት ናይ ፈለማን መወዳእታን ኣብ ኣብ ጥቓ ኣቦይ ዝነበርኩላ እያ፡" ብምባል ትገልጽ።
ሎሚ፡ ክንደይ ክረምትን ሓጋይን ተፈራሪቑ፡ ርብዒ ዘመን ሓሊፉ፡ እቲ ኣቦኣ ዝኣተዎ ጸልማት ገና ኣይተቐንጠጠን። ሓብታ ኣቢ ስዩም ነቲ ጫፍ ዘይብሉ ናፍቖት ክትገልጾ እንከላ፡ "ሃለዋቶም ስለ ዘይንፈልጥ፡ ዘይተዛዘመ ዛንታ ኰይኑ ተሪፉ ኣሎ፡" ትብል።
እዚ ሰብኣዊ ዛንታ፡ ብሰሉስ 10 ሕዳር 2026 ኣብ ከተማ ናይሮቢ ንዝተኣንገደ ዋዕላ ኣፍሪቃውያን ምርመራዊ ጋዜጠኛታት (AIJC) ዝገዝአ ዛዕባ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ዋዕላ፡ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባቶም 'ኤርትራ 16' ብዝብል ዝፍለጡ ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታት መርትዖ ህይወት ከቕርብን ብህጹጽ ክፈትሖምን ኣትሪሩ ጸዊዑ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ሲፒጀይ ጆዲ ጊንስበርግ፡ እቲ ጻውዒት ንስለ ፍትሒ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ሰብኣውነት ሕቶ ምዃኑ`ውን ኣስሚራትሉ።
"ስድራቤታት ብዛዕባ ፍትዋቶም ንርብዒ ዘመን ዝኣክል መልሲ ተሓሪሙወን ኣሎ። እቶም 16 ጋዜጠኛታት ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ብምስዋሮም ዘይኰነስ፡ ንጋዜጠኝነት ብዝገበሩዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ክወሃቦም ይግባእ፡" ክትብል ተዛሪባ።
እቲ ትካል፡ ንትብዓትን መስዋእትን እቶም ጋዜጠኛታት ኣፍልጦ ንምሃብ፡ 'ኣህጉራዊ ሽልማት ናጽነት ፕረስ 2026' ብምብርካት ክብሪ ከም ዝሃቦም`ውን ኣዘኻኺራ።
"እታ ክትሃንጻ ዝነበረካ ስድራ የሎን"
ኣብቲ ሓያሎ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ዝነበረ ስምዒታዊ ሃዋህው ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝደየበ፡ ኤርትራዊት ጋዜጠኛን እስርቲ ፖለቲካ ዝነበረትን ይርግኣለም ፍሰሃ ናብ መድረኽ ኣብ ዝደየበትሉ እዩ።
ይርግኣለም፡ ኣብ 2009 ብሰንኪ ጽሑፋታ ተኣሲራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ንሽዱሽተ ዓመታት ዘሕለፈቶ መሪር ተመኵሮ እናዘከረት፡ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ካብቲ ቅድሚ 2001 ዝነበረ ውዕዉዕ ናይ ፕረስ ሃዋህው ኤርትራ ናብቲ ጸልማት ሸላታት ማእሰርቲ ብሕልና ወሲዳቶም።
ነቲ ብኣካል ትፈልጦን ኣብ ሞያዊ ጕዕዞኣ ኣርኣያኣን ከም ዝነበረ ዝገለጸቶ ኣማኑኤል ኣስራት ዘለዋ ክብርን ናፍቖትን`ውን ገሊጻ።
ኣብታ ናብ ኣማኑኤል ዝጸሓፈታ ደብዳበ፡ "ብኣካል ኣብ ዘይተሳተፍካሉ ስለ ዝወረደካ ስቓይ ዘይኰነስ፡ ባዕልኻ ብኣካል ተረኺብካ ንጽሑፋትካ ሽልማት ምተቐበልካ ነይርካ።… እታ ክትሃንጻ ዝነበረካ ስድራ ድማ የላን፡" ብምባል፡ ብሰንኪ እቲ ማእሰርቲ ሓያሎ ትጽቢታትን ሕልምታትን ከም ዝቐበረ ኣዘንትያ።
እዚ ሲፒጀይ ዓመታዊ ዘካይዶ ዋዕላ፡ ኣብ ሕዳር 2000 ኣብ ማፑቶ ንዝተቐትለ ሞዛምቢካዊ ጋዜጠኛ ካርሎስ ካርዶስ ንምዝካር እዩ።
ካርሎስ፡ ንዓበይቲ ብልሽውናታት መንግስቲ ብምጕርጓር ናብ ህዝቢ የቕርቦ ስለ ዝነበረ እዩ ተቐቲሉ።

ምንጪ ስእሊ, CPJ
ብወረቐት ዝተነበየ መጠንቀቕታ
ቅድሚ 25 ዓመታት፡ እዞም ጋዜጠኛታት ብዛዕባ መጻኢት ሃገሮም ብብሕታውያን ጋዜጣታት ዘስፈርዎም ጽሑፋት`ውን ኣብቲ ዋዕላ ብዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ተነቢቦም።
ኣሰናዳኢ ጋዜጣ 'መቓልሕ' ዝነበረ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ "ጭቈና ኣብ መወዳእታ ንድሌት ህዝቢ ስቕ ከብሎ ኣይክእልን እዩ፡" ክብል እንከሎ፡ ናይ ጋዜጣ 'ዘመን' ኣማኑኤል ኣስራት ድማ "ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። እቲ ኵሉ ዝሳተፎ ዘተ ብትእዛዛትን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ብዝወርድ መምርሒታትን ተተኪኡ እዩ፡" ብምባል ኣጠንቂቑ።
ብተመሳሳሊ፡ መምህርን ጋዜጠኛን ዳዊት ሃብተሚካኤል ቅድሚ ማእሰርቱ ብ2 መስከረም 2001 ኣብ ጋዜጣ 'መቓልሕ' ዘስፈሮ ጽሑፍ እውን ተነቢቡ።
ዳዊት ኣብ ጽሑፉ፡ "ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዝተወደበ ዘመተ ዝካየድ ዘሎ ይመስል። መንግስቲ ንርእይቶ ህዝቢ ኰነ ብሕታዊ ፕረስ ዝሕዘሉ ዘሎ ኣገባብ ነቲ ጉዳይ ክጻወሮ ዘይክእል ዘሎ እዩ ዝመስል። እንተዀነ፡ ናጻ ፕረስ ንርእይቶ ህዝቢ ድምጺ ይህብ ኣሎ፣ ከምኡ ብምዃኑ ድማ መስትያቱ ኰይኑ የገልግል ኣሎ፡" ክብል ነቲ እናቐረቦም ዝመጽእ ዝነበረ ማእሰርትን ዕጽዋን ኣቐዲሙ ኣውኪኡ።
ኣባል ምስንዳእ ጋዜጣ 'ቀስተ ደመና' ዝነበረ መድሃኔ ሃይለ ብ10 ሓምለ 2001 ኣብ ዘስፈሮ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ "እቲ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ብናጽነት ፕረስ ዝተሓለወሉ ህዝቢ፡ ርእይቶኡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ ንህዝባዊ ነቐፌታ ናይ ምምላስን ንተግባራቱ ናይ ምሕታትን ሓላፍነት ኣለዎ፤ እንተ ዘይኰይኑ እቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ዘሎ ጋግ እናሰፍሐ ጥራይ እዩ ዝኸይድ፡" ክብል ዘስመረሉ መጠንቀቕታ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Screenshot/CPJ
ዘይተመለሰ ሕቶን ዲፕሎማስያዊ ጕዕዞን
መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ነቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤትፍርዲ ኣየቕረቦምን።
ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ነተን ጋዜጣታት "ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘውደቓን ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ዝሰርሓን እየን፡" ብምባል ከም ዝኸሰስወን ይፍለጥ።
ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ድፍን ርብዒ ዘመን ስቕታ፡ ቤተሰብ ይዅን ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ዝጠልብዎ ዘለዉ ፍርዲ ዘይኰነስ፡ ንቡር መርትዖ ህይወት እዩ።
ኣወሃሃዲት መደባት ኣፍሪቃ ኣብ ሲፒጀይ ሙቶኪ ሙሞ፡ ብ18 መስከረም 2001 ብትእዛዝ ምኒስተር ዜና ዕጽዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ዝተፈጸመትላ ዕለት፡ "ጸላም ሰሉስ" ምንባራ ኣዘኻኺራ።
"እዚ ንናጽነት እዞም ጋዜጠኛታት፡ ንሓበሬታ፡ ንተሓታትነት፡ ከምኡ'ውን ከም መርትዖ ህይወት ንዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገር ዝግበር ቃልሲ፡ ብዛዕባኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባናን ብዛዕባ ሰብኣውነትናን እውን እዩ፤ '25 ዓመታት ኰይኑ እዩ፡ ተስፋ የሎን' ኢልና ገጽና እንተ ኣግሊስናን ሕቶታት ምሕታት እንተ ደው ኣቢልናን ድማ እዚ ብዛዕባ ደረጃ ናይ ገዛእ ርእስና ሰብኣውነት ዝዛረቦ ነገር ኣሎ፡" ክትብል ኣጠንቂቓ።

ምንጪ ስእሊ, Screenshot/CPJ
"ናይ መወዳእታ ፈትሊ" - ቃልሲ ኣንጻር ምርሳዕ
ይርግኣለም ፍሰሃ ድሕሪ እቲ ዋዕላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ነዚ ናይ ሙቶኪ ሓሳብ ብዝያዳ ብምድጋፍ፡ እቲ "ኣንጻር ምርሳዕ" ዝግበር ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ከቢድን ስምዒታውን ምዃኑ ኣካፊላ።
ንሳ ነቲ ን25 ዓመታት ዝቐጸለ ጸልማት ክትገልጽ እንከላ፡ "እዚኣቶም ሰባት እዮም፡ ንብረት ኣይኰኑን። ሰባት ኣጥፊእካ፡ 'ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣስሩ ሰባት' እናበልካ ኣብ ዝኽሪ ካብ ምውዓል ሓሊፍካ ዋላ ሓንቲ ክትገብር ዘይምኽኣልካስ፡ ኣብ ቀብሪ ምውዓል እዩ ዝመስል። እዚ ብዛዕባ ነብስናን ስንፍናናን እዩ ዝገልጽ እምበር፡ ብዛዕባ እቶም ጠፊኦም ዘለዉ ሰባት ኣይኰነን፡" ክትብል እቲ ጉዳይ ናይ ኵሉ ሰብ ሓላፍነት ምዃኑ ኣስሚራትሉ።
መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ጋዜጠኛታት ከም ዝርስዑ ምግባር ከም መፍትሒ ሽግር ገይሩ ከም ዝወስዶ ዝገለጸት ይርግኣለም፡ እቲ ቃልሲ 'ንኸይርስዑ' ጥራይ ኣብ ዝብል ደው ምባሉ ዘሕዝን ምዃኑ ኣረዲኣ።
"ከይርስዑ ኢልካ ክትሓስብ እንከለኻ፡ ልክዕ ኣብ ጸድፊ ጠልጠል ኢልካ እንከለኻ፡ እታ ናይ መወዳእታ ፈትሊ ከይትብጠስ ትሓስብ ዘለኻ እዩ ዝመስለካ። እቲ ዝኸፍአ ክፋል ናይዚ ድማ ኣብዚ 'ኣንጻር ምርሳዕ' ዝብል ደው ምባልና እዩ፡" ትብል።
ብመሰረት ይርግኣለም፡ እቶም ጋዜጠኛታት "ናይ መቕጻዕቲ ኣብነት" ኰይኖም እዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ። ዕላማ ናይቲ ማእሰርቲ ንዓታቶም ምጥፋእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ሰባት ነቲ ጕዕዞ ንኸይቅጽልዎ ንምፍራሕ ምዃኑ ትገልጽ።
እዚ ጾር እዚ ናይ ውሑዳት (ብፍላይ ስድራቤታት) ጥራይ ምስ ዝኸውን ከም ዘድክምን ናብ ተስፋ ምቝራጽ ከም ዘምርሕን ብምሕባር፡ "ኵልና ክንገብሮ እንኽእል እንተ ንገብር፡ ናይ ብዙሓት ጾር ምዀነ ነይሩ፡ ኣብቲ 'ኣንጻር ምርሳዕ' ዝግበር ቃልሲ ከኣ ኣይምወደቕናን፡" ክትብል ንዅሉ ዜጋ ድምጹ ከስምዕ ጸዊዓ።
ኣብቲ ብቪድዮ ዝቐረበ መልእኽቲ፡ ንእሽቶ ሓዉ ንጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት ዝዀነ ሮቤል ብስምዒት ዘስመሮ፡ ንዅሉ እቲ ናይ ርብዒ ዘመን ጻውዒት ዘጠቓልል እዩ፤ "ድሕሪ 25 ዓመታት፡ ስድራቤትና እንተ ወሓደ ነቲ ሓቂ ክትፈልጥ ይግባእ።"























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
