ካብ መጥቃዕቲ ሃዲሞም ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ ብድሮን ዝተቐትሉ ተመዛበልቲ ምዕራብ ኦሮሚያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ወረዳ ኪረሙ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ቈልዑን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ከም ዝቘሰሉን ቤተሰብ ግዳያትን ነበርቲ እቲ ከባቢን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓሙሽተ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዘረድእዎ፡ ብሓድሽ ምምሕዳራዊ ኣቃውማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሮምያ (ናይ ቀደም ምብራቕ ወለጋ) ኣብ እትርከብ ወረዳ ኪረሙ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ 6 ሕዳር 2026 ኣብ ዝተፈጸመ ደብዳብ ድሮን፡ ብውሕዱ 36 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
እዚ መጥቃዕቲ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ወረዳ ጊዳ ኣያና ካብ ነሓሰ 2026 ኣትሒዙ ብሰንኪ ዝተኸስተ ዘይምርግጋእ ንድሕነቶም ብምስጋእ፡ መረበቶም ገዲፎም ናብ ክልል ኣምሓራ ገጾም ብእግሮም ኣብ ጕዕዞ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።
ወረዳታት ኪረሙን ጊዳ ኣያናን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (መንግስቲ "ሸኔ" ኢሉ ዝጽውዖ)፡ ዕጡቓት ፋኖ፡ ሚሊሻታት ከባቢን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ብዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ውግእ ንነዊሕ እዋን ክሕመሳ ዝጸንሓ እየን።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ንዕጡቓት ሓይልታት ንምምካት ብሰፊሑ መጥቃዕቲ ድሮን ከካይድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን እዚ ስጕምቲ ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ይገብር ምህላዉ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም።
ምስክርነት ግዳያት፡ "ኣብ ዝባን ዝተሓዝሉ ህጻናት ከይተረፉ ተቐቲሎም"
ከም ሓበሬታ እቶም ነበርቲ፡ እቶም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት ቍጽሮም ካብ 200 ክሳብ 300 ዝግመት ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ቈልዑን ኣረጋውያንን እዮም።
ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ሓደ ካብቶም ተመዛበልቲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ከብርህ ከሎ፡ "ምሸት ብብርሃን ባትሪ እናተሓገዝና ኣብ እንጓዓዘሉ ዝነበርና እዋን፡ ድሮን ኣብ ልዕሌና ክትዝንቢ ርኢና። 'በጃኹም ነቲ ባትሪ ኣጥፍእዎ' እናተበሃሃልና ኣብ እንመኻኸረሉ ዝነበርና ቅጽበት ድማ፡ እታ ድሮን ሃንደበት ተዅሲ ኣውሪዳትልና፡" ኢሉ።
ንድሕነቱ ብምስጋእ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ካልእ ምንጪ ቢቢሲ ብወገኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ወዴሳ ዲማ ኣብ እትበሃል ቦታ፡ ምሸት ሰዓት 10:00 ከም እተፈጸመን እታ ድሮን ክልተ ግዜ ደብዳብ ከም ዘካየደትን ገሊጹ።
ወሲኹ፡ "እቲ ዝወረደ ዕንወት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ወዲ ሰብ ምዃንካ እትጽይነሉ እዋን እዩ። እቶም ሰባት ብሰንኪ 'ገዳ ኮማንዶ' ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ፡ ዓርቢ 6 ሕዳር እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ብውሕዱ 36 ሰባት ሞይቶም እዮም፡ ኣብ ዝባን ዝተሓዝሉ ህጻናት እውን ይርከብዎም፡" ኢሉ።
ካብቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ሸሞንተ ህጻናትን ቈልዑን፡ ሓሙሽተ ነፍሰ-ጾራት ዝርከባአን 17 ኣደታት፡ ሰለስተ ዓይነ-ስዉራን መነኮሳትን ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዀኑ ሰለስተ ዓበይቲ ሰባትን ከም ዝርከብዎም ዝሓበረ እቲ ምስክር፡ መንነቶም ክፍለ ዘይከኣለ ብደብዳብ ዝተበታተኑ ሰባት እውን ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ካብቲ ከቢድ ደብዳብ ኣብ ዝባን ኣደታቶም ዝተሓዝሉ ክልተ ህጻናት ብተኣምር ከም ዝደሓኑ ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ። ሓንቲ ህጻን ኣብ እግራ መውጋእቲ እኳ እንተ ኣጋጠማ ብህይወት ክትተርፍ ከላ፡ ሓደ ህጻን እውን ካብ መንጎ እተን ዝሞታ ኣደታቶም ብህይወት ተረኺቡ ኣሎ።
ህጹጽ ቀብርን ዝተኸልከለ ሕክምናን
ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ዝሰኣነ ሓደ ነባሪ ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ደብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ ንጽባሒቱ ቈሲሎም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራቤት ሓዉ ሒዙ ናብ ሕክምና ከም ዘምርሐ ገሊጹ።
"ኵሎም እቶም ዝተቐትሉ ንጹሃን እዮም። ካብ መጥቃዕቲ 'ገዳ ኮማንዶ' ሃዲሞም ናብ ዓዶም ብእግሮም ይጓዓዙ ዝነበሩ እዮም። እዚ ግፍዒ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሓደስቲ ሓራሳትን ህጻናትን እዩ ተፈጺሙ፡" ዝበለ እዚ ምስክር፡ ሓዉ ምስ ክልተ ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ከም እተቐትሉን ነቶም ዝቘሰሉ ካልኦት ኣርባዕተ ኣዝማዱ ድማ የሐክም ከም ዘሎን ኣረዲኡ።
ኣብቲ ከባቢ ብውሕዱ 16 ዝቘሰሉ ሰባት ከም ዝረኣየን እኹል ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡን ወሲኹ ተዛሪቡ።
ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ብወገኑ፡ እቶም ተመዛበልቲ ብወረዳ ኪረሙ ኣቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ጎጃም ንምስጋር ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶም ገሊጹ።
እቲ ምስክር ቀጺሉ፡ "ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ነቶም ዝተቐትሉ ሰባት ኣብ ጫካ ኲዒትና ኢና ቀቢርናዮም፤ ልክዕ ከም ኣራዊት እዮም ተደርብዮም ነይሮም። ንጽባሒቱ ንግሆ ኢና ሬሳታቶም ኣልዒልና ብጅምላ ዝቐበርናዮም። ህዝቢ ሰምቢዱ ስለ ዝነበረ ተሰኪምካዮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ንምውሳድ እውን ፈሪሕና፡" ኢሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካልእ ነባሪ እውን፡ ዕድመኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዀኑ ሸሞንተ ህጻናት ዝርከብዎም 36 ሰባት ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ቀበሌ ወዴሳ ዲማ ብጅምላ ከም ዝተቐብሩ ኣረጋጊጹ።
እቲ ነባሪ፡ "ናብ ቤተ-ክርስትያን ንምውሳድ እንተ ተኣኪብና ደጊምና ከይንህረም ስለ ዝፈራሕና ኢና ኣኪብና ዝቐበርናዮም። እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ እውን ድሮናት ክዝንብያ ሓዲረን እየን፤ ሕጂ'ውን ምድላው የካይዳ ኣለዋ" ክብል ስግኣት እቲ ከባቢ ኣረዲኡ።
ዝተሓላለኸ ውጥረት ምዕራብ ኦሮሚያ
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ እቲ ክልል ዝርከባ ወረዳታት ኣቤ ዶንጎሮ፡ ኪረሙን ጊዳ ኣያናን፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ንዓመታት ዝቐጸለ ጸገም ጸጥታ ኣለወን።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (OLA) ካብ 2018/2019 ኣትሒዙ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዕጥቃዊ ግጭት ከካይድ ጸኒሑ እዩ። ክልላውን ሰበስልጣን ነቲ "ሸኔ" ብዝብል ስም ዝጽውዕዎ ዕጡቕ ጕጅለ ንምድኻም ተደጋጋሚ ወተሃደራዊ ወፍርታት የካይዱ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብቲ ከባቢ ብስም ፋኖ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፡ ሚሊሻታት ከባቢ ከምኡ'ውን ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎም ሓይልታት ምህላዎም ነቲ ቅልውላው ዝያዳ ሓላሊኽዎ ይርከብ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብተን ሰለስተ ወረዳታት ብዕጡቓት ፋኖ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ብዙሓት ከም እተመዛበሉን ሃብትን ንብረትን ከም ዝተዘምተን ነበርቲ ንቢቢሲ ኦሮምኛ ገሊጾም ነይሮም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ገዳ ኮማንዶ' ዝተባህለ ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ ፍሉይ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም እኳ እንተ ገለጹ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ግን ብስም ገዳ ኮማንዶ ዝተወደበ ሓይሊ ከም ዘየሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣማኻሪ ሰላምን ጸጥታን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ዝዀነ ጀነራል ሃይሉ ጎንፋ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ገዳ ኮማንዶ ዝበሃል ውዳበ የብልናን" ምባሉ ይዝከር።
ግብረ-መልሲ ሰበስልጣንን ሚዛናውነትን
ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ፡ ኣብ ሰለስተአን ወረዳታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝቐንዐ መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኣቶ ሃይሉ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ "ተዛረብቲ ኣምሓርኛ ዝዀኑ ሸኔን ተዛረብቲ ኦሮምኛ ዝዀኑ ሸኔን" ኣብቲ መጥቃዕትታት ተሻረኽቲ እዮም ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ (6 ሕዳር 2026) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኰነ ካብ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ቢቢሲ ዘካየዶ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ወሃብቲ-ቓል ክልተኦም ትካላት ንዝቐረበሎም ናይ ተለፎን ጻውዒትን ናይ ጽሑፍ ሕቶታትን መልሲ ኣይሃቡን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዛዕባ ዝካየዱ መጥቃዕትታት ድሮን ኣብ ዝህቦ ወግዓዊ መግለጺታት፡ እቲ ስጕምቲ ንዕጡቓት ሓይልታት ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን ሰላማውያን ሰባት ከይጕድኡ ዝለዓለ ጥንቃቐ ከም ዝግበርን እዩ ዝገልጽ።
እንተዀነ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን (ኢሰመኮ) ዓለምለኻውያን ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየዱ ናይ ኣየርን ድሮንን ደብዳባት ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ይዀኑ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ከስምሩሉ ጸኒሖም እዮም።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ኣብ ኪረሙ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ድሮንን ዝወረደ ጕድኣትን ብናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
