ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈጸመ ሓድሽ መጠቃዕቲ 38 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 38 ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም።
ኣብታ ኣብ ወረዳ ሮቤ ትርከብ ከተማ እንደቶ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሓለፈ 10 ሲቪላውያን፡ ከምኡ'ውን 28 ኣባላት ሚሊሻ ምዃኖም ንድሕነቶም ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ካብቶም ግዳያት እቶም 37 ትማሊ ሓሙስ ወጋሕታ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ክቕተሉ እንከለዉ፡ እቲ ሓደ ቆሲሉ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ ሎሚ ዓሪፉ'ሎ።
ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሓበሬታ ንምርካብ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣይሰመረን።
ሰውራዊ ሰልፊ ህዝብታት ኢትዮጵያ (ኢህኣፓ) ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ 34 ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብቲ ከባቢ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ብምጥቃስ ሓቢሩ'ሎ።
ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝወጸ መግለጺ የለን።
ሓደ ነባሪ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ሎሚ ነቶም 34 ግዳያት ባሓባር ንምቕባር ምድላዋት ኣብ ምግባር ተጸሚዶም ነይሮም።
"ስነስርዓት ቀብሪ ንክንፍጽም ኩዕታ ጉድጓድ ኣብ ምዝዛም ንርከብ። ሕጂ ፍትሓት ጸሎት ይግበር ኣሎ" ኢሉ።
ብዘይካ ሓንቲ ጓል 70 ዓመት ጓልኣንስተይቲ፡ ኩሎም ደቂተባዕትዮ ምዃኖም'ውን እቲ ነባሪ ጠቒሱ።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምንጪ'ውን፡ ምስቲ ሎሚ ዝሞተ ግዳይ 38 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓዉ ዝተቐትለ ሰብ'ውን ገለ ካብቶም ግዳያት ሰላማውያን ምዃኖም ይዛረብ።
"ሓወይ ሓረስታይ እዩ። መንእሰይ'ዩ። ገና ወዲ 27 ዓመት'ዩ ዝኸውን። ካልእ ዝኾነ በደል የብሉን። ምስኡ ንደዋወል ኔርና፡ ሓያል ተዂሲ ነይሩ። ሃንደበት ተለፎኑ ተዓጽዩ" ይብል።
ብድሕሪኡ ሓዉ ከምዝተቐትለ መርድእ ከምዝበጽሖን፡ ካልኦት ቤተሰቡ ግዳያት ምዃኖም'ውን ሓቢሩ።
"እሞ ህዝቢ ሃሊቑ. . .ዝሰምዕ የለን፣ ንሓቂ ደው ዝብል የለን. . . ናይ ሽርካ'ውን ሰሚዕኩም ኣለኹም። ብፍላይ ኣብ ኣርሲ ዘሎ ክርስትያን እንታይ ከምዝገብር ኣይፈልጥን" ክብል ተስፋኡ ከምዝማህመነ የመልክት።
ኣብ ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ከምዝነበረን ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን እቲ ጸብጻባት ይሕብር።
ዛጊት ናይቲ መጥቃዕቲታት ቅትለታትን ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዙሓት ሲቪላውያን ዝተቐተልሉ ወረዳ'ውን ኣብቲ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ዞን እዩ ዝርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ጥራይ ህወይት ኣሽሓት ሲቪላውያንን ዕጡቓትን ከምዝሓለፈ ይግለጽ።
ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተባህሉ ዕጡቓት ተቓወምቲን ዘይስሩዓት ሓይልታት መንግስቲን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት 48 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ቅትለት ንምጽራይ "መንግስቲ ቅልኢጡፍ፡ ዘይሻራዊን ውጽኢታዊን መርመራ" ከካይድ'ውን እቲ ትካል ጸዊዑ ነይሩ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርሰትያን ብወገና፡ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ወረዳ ሽርካ ዝተቐትሉ ሰባት 46 ምዃኖም ኣፍሊጣ ኣላ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ሓደ መዋስንቲ ዝኾነ ወረዳ መርቲ ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ እታ ቤተክርስትያን ሓቢራ።
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሽርካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ በቶም "ሸኔ" ክብል ዝጽውዖም ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ዕጡቓት ፋኖ'ውን ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱ ገሊጹ ነይሩ።
ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ናይቲ ክልል ዝኾነ ሃይሉ ኣዱኛ ከምዝበሎ፡ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ 73 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
