ትግራይ: 'ባህገይ ኣብ ጠፈር'ዩ ነይሩ' - እተን ኵሉ ዝቐየራ ሽዱሽተ ዓመታት

ስእሊ ኣክሱማዊት የማነ
መግለጺ ስእሊ, ጓል 27 ዓመት መንእሰይ ኣክሱማዊት የማነ ሓንቲ ካብቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ትምህርቶም ዝበዀሩ መንእሰያት እያ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ዓለም ስነፍልጠት የድልያ፤ ስነፍልጠት ድማ ደቀንስትዮ። ኣክሱማዊት የማነ ተመሃሪት ካልኣይ ዓመት ዩኒቨርስቲ እንከላ፡ ናብ ሕልማ ዘጸግዓ ውሳነ ወሲና።

"ኣነ ናይ ፊዚክስ ሰብ'የ፡" ትብል ፍሽኽ እናበለት።

ኣብ ኣዳማ ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል 27 ዓመት መንእሰይ፡ ብሉጽ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ውጽኢት ብምምዝጋብ፡ ኣብ 2019 ናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣትያ፤ ፈለማ ኣብ ዓውዲ ምህንድስና ድማ ተመዲባ።

"ድልየተይ ግን ኣብ 'ስፔስ' እዩ ነይሩ፡" ትብል።

ህይወት ዩኒቨርሲቲ፡ ብሰሓቕ፡ ጽኑዕ ዕርክነት፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ብመጻኢ ተስፋ ዝተመልአ ምንባሩ ትዝክር።

"ብዙሕ ናይ ኢንዳስትሪ፡ ቴክኖሎጅን ፍልጠትን ሓሳባት'ዩ ነይሩ።"

ኣብ ስነፍልጠት ህዋ ዝነበራ ህርፋን ክትስዕቦ ቈራጽነት ስለ ዝነበራ፡ ጐድኒ ጐድኒ ኣብ ናይ ብሕቲ ኮለጅ ምሕደራ (ማኔጅመንት) እናተማህረት ካብ ምህንድስና ናብ ኣፕላይድ ፊዚክስ ቀየረት።

"ሽዑ ዓቕመይ ስለ ዝፈልጥ ተስፋ ነይሩኒ። ብፊዚክስ ከኣ ጐበዝ ስለ ዝነበርኩ ሓሳባት ነይሮምኒ - ብቐንዱ ኣብ ስፔስ ሳይንስ። መብዛሕትኡ ዘተባብዓኒ ዝነበረ ከኣ ቴክኖሎጅን ምርምርን'ዩ፡" ብምባል ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓያሎ ዕድላት ስነፍልጠትን ምርምርን ዝነበሮ ቦታ ምዃኑ ትዛረብ።

እቲ ዝሓሰበቶ መጻኢ ግን ተዀሊፉ፤ ትምህርታን ክትበጽሖ እትኽእል ዝነበረ ናይ ስራሕ ዕድላትን ደው ኢሎም። ድሕሪኡ ዝስዓባ ዓመታት ድማ ነዚ ተስፋ እዚ ፈቲነንኦ።

እዚ ዛንታ ብዙሓት መንእሰያትን ቈልዑን ክልል ትግራይ እዩ።

ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብቲ ክልል ዝተወልዐን ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዝለሓመን ኲናት ኣብ ልዕሊ ህይወት፡ ንብረት፡ ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላትን ካብ ዘብጽሖ ዕንወት ብዝሰገረ፡ ንውልቃዊ ህወይትን ውጥናትን ሓያሎ መንእሰያት ከም ዝጸለወ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መንእሰያት ይዛረቡ።

ምስ በሰላታትካ ምንባር

ብጥሪ 2025 ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ዕድሚኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ቈልዑ ብውሑድ ንሰለስተ ዓመታት ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድሎም ተሰናኺሉ'ዩ ይብል።

ካብዚ ብዝሰገረ 88% ትሕተ ቅርጺ ኣብያተ ትምህርቲ ተሃስዩ። ብ2024፡ ብሰንኪ ጥምየት ልዕሊ 200,000 ቈልዑ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝበዀሩ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቶም ዝተረፉ ድማ ጋባ በሊዖም ክመሃሩ ይቃለሱ ምንባሮም ቢቢሲ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ክዘዕብ ክኢሉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተራእየ ስእነት ሰላምን ጸጥታን፡ ምድኻም መሓውር መንግስቲ፡ ሕጽረት ባጀትን መሰረታዊ ቀረባትን፡ ኣብ ልዕሊ ኵለመዳያዊ መነባብሮን ማሕበራዊ ህልውናን እቲ ሕብረተሰብ ከቢድ ሃሰያ ከም ዘውረደ "መንእሰያት ብኸመይ ህይወቶም ክሰርዑ ይጽዕሩ ኣለው?" ክንብል ዝተወከስናዮም ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ኮሌጅ ሕክምናን ስነፍልጠትን መምህር ዝነበረ መኣርግ ኣለሙ፡ ኲናት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ደው ድሕሪ ምባሉ ናብ ስሩዕ ምምሃር ምስትምሃር ምምላስ ከቢድ ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ይዛረብ።

"በሰላታት ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት ከቢድ'ዩ፡" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ካብ ትምህርቲ ርሒቕካ ምጽናሕ ቀሊል ኣይኰነን፤ መንእሰያትን ቈልዑን ዝመሃርሉ ዕድል'ውን ኣይረኽቡን፡" ብምባል ብፍላይ በቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ህይወቶም ሰፊሕ ክፍተትን ደውታን ክፍጠር ከም ዝገበረ የረድእ።

"ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝነበሩ መንእሰያት ሕልምታቶም፡ ባህግታቶም ንኸይነብሩ ኣጸጊሙዎም። ብዙሓት ድማ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።"

መኣርግ ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮን ሕውየትን ስልጠናታት ይህብ
መግለጺ ስእሊ, ተሓላቒ ጥዕና ኣእምሮ መኣርግ ኣለሙ ሕሉፍ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ትግራይ መንእሰያት ብዙሕ ዝኸሰርሉ እዩ ክብል ይረዛብ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣክሱማዊት፡ ዕድመ ንእስነት እትመሃረሉ፡ እትሰርሓሉ፡ ስነልቦናውን ኣካላውን ህንጸት እተርእየሉ ግዜ'ዩ ክትብል ትገልጾ።

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓዲግራት 'Daughters of Charity' ኣብ ዝተባህለ ትካል መተሓባበሪ ፕሮግራማትን ተሓላቒ ጥዕና ኣእምሮን ዝዀነ መኣርግ ድማ፡ መንእሰይነት፡ "ናይ ቀጻሊ ሕልምታትካ ንኽትነብር ዝዀነ ምዕራፍ እተቐምጠሉ ዝዓበየ ምዕራፍ ክሊ ዕድመ'ዩ፡" ይብል።

ንሱ፡ መንእሰያት እቲ ክልል ግን ንዝሓለፉ ዓመታት ብሕጽረት ገንዘብ፡ ጸገማት ድሕነትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምርግጋእን ክሽገሩ ምጽንሖም ኣልዒሉ።

ነዚ ንምቅላል ኣብ ሕውየት በሰላ ኲናት ክነጥፉ ምጽንሖም ጠቒሱ።

"ወልፊ ኣብ ዘትሕዙ ዝተጸምዱ ሰባት ብዙሓት ኣለዉ፤ ኣብ መቐለ ኣብ መንገዲ ደቂሶም ዝልምኑ፡ ብሓባር ሽጋራ ዘትክኹ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ምርኣይ ከቢድ ነይሩ።"

ኣብቲ ክልል ድሕሪ ኲናት ዝስዓቦ ኵነታት፡ ብፍላይ ተነቀፍቲ ንዝዀኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ድኻታት ስድራቤታት ወይ ተመዛበልቲ ዘሕደሮ ጽልዋ ልዑል ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ ድማ "ንምዝመዛ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ስደትን፡" ከም ዘቃልዖም ጸብጻብ ኮምሽን ሕብረት ኤውሮጳ የርኢ።

ማሕበር መንእሰያት ትግራይ ኣብ መሰረታዊ ድልየታት መንእሰያት ትዅረት ገይሩ ብ2024 ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነብሩ 10 መንእሰያት እቶም 8 ዕዮ ዝሰኣኑ ከም ዝነበሩ የመላኽት።

12% መንእሰያት እቲ ክልል ኣካላዊ መጕዳእትን ጸገማት ጥዕናን ሓዊሱ ብኻልኦት ምኽንያታት ስራሕ ንምድላይ ኰነ ክሰርሑ ከም ዘይኽእሉ እውን ገሊጹ ነይሩ። በዚ መሰረት ኣስታት 54 ሚእታዊት መንእሰያት ካብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ለቒቘም ክኸዱ ድልየት ከም ዘለዎም ኣርእዩ'ዩ።

"ብድምር 53.7 ሚእታዊት ድኽነትን ስእነት ስራሕን ኰይኖም፡ ኣብ ከባቢኦም ህይወት ዝቕይሩ ነገራት ብዘይምፍጣሮምን ዕድል ብዘይምርካቦም መንእሰያት ካብቲ ክልል ክለቁ ይግደዱ ኣለው፡" ክብል እቲ ማሕበር ይገልጽ።

ስእሊ ክብሮም ወልደገብርኤል
መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዀነ ክብሮም ወልደገብርኤል፡ ሕጂ ንመንእሰያት ክፉት ዝዀነ ዕድላት ብዘይምህላዉ፡ ተስፋ ምስኣንን ዘይስሩዕ ስደትን ክርአ ምጽንሑ ሓቢሩ

ንሰላም ዝጽበዩዋ መንእሰያት

ኣክሱማዊት፡ ኲናት ትግራይ ደው'ኳ እንተ በለ ህይወት ከምቲ ዝወጠነቶ ኣይቀጸለን።

ብ2023 ናብ ኬንያ ናይሮቢ ስደተኛ ኰይና መጺኣ።

"እዚ ኵሉ እንተ ዘይፍጠር ብርግጸኝነት ኣብ ስፔስ ሳይንስ ምሃለኹ ኢለ ይሓስብ፡" ትብል።

ኬንያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ስደተኛታት ዘአንግዳ ሃገራት ኰይና፡ ካብ ግጭት፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሃድሙ ሰባት ተዕቍብ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኬንያ ልዕሊ 43,000 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕQWባን ከም ዘለዉ የመልክት።

ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዀነ ክብሮም ወልደገብርኤል፡ ሕጂ ንመንእሰያት ክፉት ዝዀነ ዕድላት ብዘይምህላዉ፡ ተስፋ ምስኣንን ዘይስሩዕ ስደትን ክርአ ምጽንሑ ሓቢሩ።

እዚኦም፡ "ማሕበረሰባዊ ህንጸትን ስነ-ልቦናዊ ሕውየትን ትዅረት ዘድልዮም ምዃኖም ዘርኢ'ዩ፡" ይብል።

ኣብ ስደት፡ ብዙሕ ተጻዊራ ትኸይድ ዘላ ኣክሱሚት፡ ሕጂ'ውን ዝሓሸ መጻኢ ኣሎ ኢላ ከም እትኣምን ትዛረብ።

ዋላ እኳ ሕልማ ንሽዱሽተ ዓመት ተቛሪጹ እንተ ጸንሐ፡ ሕጂ'ውን ሰባት ዝኽበርሉን ዕድላት ዝርእይሉን መጻኢ ክህሉ ከም ዝከኣል ትኣምን።

"ሰባት ዝኽበርሉን ሰላም ዝሰፈነሉን ዓዲ ክህሉ ተስፋ እገብር።"

እዚ ባህጊ ብዙሓት መንእሰያት ዘንጸባርቕ እዩ።

ክብሮም፡ "ብዙሕ'የ ዝምነ፤ ግን ሕዚ ዘድልየና ሰላምን ይቕሬታን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን፡" ኢሉ።