ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ህርፋን ወደባት ክሳብ ዘይሓደገት ዘተ ከም ዘየሎ ኣፍሊጣ

ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም ኣብ ሕቡራት ሃገራት መደረ እናኣስመዐት
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዑላውነት ኤርትራ ብዘየማትእ መንገዲ ክሳብ ዘይተቐበለን ናይ ምስፍሕፋሕ ባህጉ ብግልጺ ክሳብ ዘይሓደገን፡ ኣስመራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዘተ ኰነ ርክብ ከም ዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ።

እዚ ጽኑዕ ቅዋም ዝንጸባረቕ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ወጥሪ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።

ብፍላይ ኣብ መወዳእታ 2023፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ብቐጥታ ክትበጽሕ ከም ዘለዋ ብምዝራቡ፡ ስዒቡ ድማ ኣብ ጥሪ 2024 ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ መዘከርታ ስምምዕ ብምፍራሙ፡ እቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም እናማህመነ ከም ዝመጽአ ይግለጽ።

ቀዋሚት ልእኽቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ነዚ ናይ ኤርትራ ቅዋም ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጓንግ ኮንግ ብንጹር ከም ዘመሓላለፈትሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣስፊራ።

"ምስ መሪሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝዀነ ደረጃ ንዝግበር ዘተ፡ ቅድሚ ኵሉ ኣዲስ ኣበባ ንምፍርራሕን ምውጥዋጥ ሓይሊን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክትሓድጎ፡ ከምኡ'ውን ናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብዘየማትእ መንገዲ ክትቅበል ኣለዋ፡" ክትብል እታ ኣምባሳደር ጽሒፋ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ፡ "ብውዲት ዝተዳለወ" ዲፕሎማስያዊ ርክባት የካይድ ኣሎ ክትብል ከሲሳ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ "ኤርትራ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ሓዊሳ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ሓይልታት ትድግፍ እያ፡" ዝብል ክሲ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

ይዅን`ምበር፡ ዛጊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብኣምባሳደር ሶፍያ ዝቐረበ ሓድሽ ጠለብን ክስን ብወግዒ ዝሃቦ ምላሽ የሎን።

_______________________________________

ቀንዲ ፍጻመታት ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን (2018 - 2026)

2018: መራሕቲ ክልተአን ሃገራት ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኵነታት ኲናት ብምዝዛም ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ፈሪሞም።

2020-2022: ክልተአን ሃገራት ኣብ ኲናት ትግራይ ኣንጻር ህወሓት ብሓባር ተሰሊፈን።

መወዳእታ 2023: ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብቐጥታ ምብጻሕ ከም ዘድልያ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ስግኣትን ወጥሪን ፈጢሩ።

2024: ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ መዘክር ብምፍራማ፡ ምስ ሶማልያን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን ሓድሽ ቅልውላው ተወሊዱ።

2026: ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪን ዳግማይ ውግእ ከይባራዕ ስግኣትን ከም ዘሎ ጽብጻት ይሕብሩ።

_______________________________________

ድፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ቻይና

ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ወጥሪ ንምዝሕሓል ቻይና እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ይቕጽል ኣሎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቴዎስ፡ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊዩ ዢያንፋ ብምርኻብ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘራሪቡ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ከም ዝገለጾ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን "ሃናጺ ተራ" ክትጻወት ምዃና እቲ ልኡኽ ኣረጋጊጹ።

እዚ ዲፕሎማስያዊ ጕዕዞ ቻይና ድንገት ዝተኸስተ ኣይኰነን።

ቻይና ኣብ ጂቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ኰይና፡ ብመንገዲ መደብ "ሓደ ቅናት፡ ሓደ ጐደና" ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓበይቲ ቍጠባዊ ወፍርታት ኣካይዳ እያ።

ስለዚ፡ እዚ ወጥሪ ናብ ኲናት እንተዓሪጉ ኣብ ልዕሊ ቍጠባዊ ረብሓታታ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዘሕድር፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ንምስፋን ትጽዕር ምህላዋ ተንተንቲ ይገልጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሁ ቻንግቹን፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ናብ ኤርትራ ክበጽሕ መደብ ኣለዎ። እቲ ልኡኽ ናብ ጂቡቲን ግብጽን እውን ክበጽሕ እዩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝተሓላለኸ ቅልውላው

ምብጻሕ ሰበስልጣን ቻይና ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውጥሪ ከም ዝነገሰን ርግኣት እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎን ጸብጻባት ኣብ ዝወጽሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

እዚ ዝማዕብል ዘሎ ወጥሪ ግን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣብ ኣዝዩ ተነቃፊ ምዕራፍ እዩ ዝርከብ። ብሓደ ወገን፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ብዝፈረመቶ ስምምዕ ምኽንያት፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ዘሎ ዝምድና ሻሕኪሩ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ጐረቤት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ነቲ ዞባ ብዝያዳ የናውጾ ኣሎ። ብፍላይ ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ውሽጢ ሱዳንን ጥቓ ዶባትን ብድሮን ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕትታት፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ወጥሪ`ውን እናዓረገ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ዅሉ ተደማሚሩ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደገኛ ቅልውላው ረጊጹ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።