`ድሮን ናይ ዝደኸመ ጕልበት እያ` - ዶ/ር ምሉጌታ ብዛዕባ ጽልዋ ድሮን እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Dr. Mulugeta
ብናይ ቃልሲ ስሙ ጫልቱ ብዝብል ዝፍለጥ ዶ/ር ምሉጌታ ገ/ህይወት፡ ኣብ ዓለምለኸ ፒስ ፋውንዴሽን [WPF] ተመራማሪ ድሕነትን ሰላምን ኰይኑ ንነዊሕ ግዜ ሰሪሑ።
ኣብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ንበረኻ ወፂኡ ነይሩ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ መቐለ ናብ በረኻታት ቆላ ተምቤን ዝተደፍእሉ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ታንክታቶምን ከበድቲ ኣፅዋራቶእምን ከይተጥቕምሉ ዝዓነወሉ ኩነታት ድማ ብዓይኑ ርእዩ።
ሕዚ፡ ኣብ ሎንደን ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ [ዕዱም] ፕሮፌሰር ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ምሉጌታ፡ ብፍላይ ኣብ ተዘክሮታት እቲ ዝሓለፈ ኲናትን ፅልዋታት ድሮንን፡ ምስ ጋዜጠኛ የማነ ናግሽ ቅድም ክብል ዝገበሮ ዕላል እነሆ፤
ቢቢሲ፡ ከም ሓደ ተመራማሪ ፀጥታ፡ ናይ ውግእ ድሮን ብኸመይ ኢኻ ትገልፆ?
ዶ/ር ምሉጌታ፡ ብሓፈሻ ድሮን፡ ናይ ዝደኸመ ጉልበት እዩ። ድሮን ንናይ ውግእ ነፋሪት ድጋፍ ይህበ፡ ካብ ሰማይ ዝትኰስ ሓዊ ድማ ይሽከም። ሓበሬታ ዝእክብን ዝቈፃፀርን መሳርሒ ኣለዋ። ነፋሪት ውግእ ብጣዕሚ ክባር እያ፤ ክባር ዝገብራ ድማ ሰብ ስለ እትሽከም እዩ። 97/98 ምኢታዊት ዋጋ ነፋሪት ውግእ፡ ኣብ ውሽጣ ሰብ ስለዝኣቱ እዩ። እቲ ሰብ ካብ ውሽጣ ክወፅእ እንከሎ ትረክስ። ንኣብነት ኢራን እተፍርየን ዘላ ኣዕንያ እትዓኑ- 'ሸሃደ' ካብ 20,000 ክሳብ 30,000 ዶላር እዩ ዋጋኣ፡ 2,000/3,000 ኪሎሜትሮ ተጓዒዙ ተጥቅዕ።
ካልኣይ፡ ካብ ናይ ነፋሪት ስርዓት ዝፈልያ ምኽንያት ኣሎ። መጀመርታ ሰርቫይላነስ ትሰርሕ። ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ [ኮኦርዲናት] ከምዚ ዝበለ ኣካል ኣሎ ዕጥቂ ኣሎ ኢላ ተፅንዕ ኢሉ ሪፖርት ይገብር።
እዚ ሪፖርት እዚ መፂኡ ናብ ውሳነ ዝህብ ኣካል፡ ይመሓላለፍ። ነዚ ውሳነ እዚ ተቐቢላ ድማ መጥቃዕቲ እትፍፅም ካልእ ነፋሪት ድማ ኣላ።
ኣብ መንጎ ናይ ግዜ ሃጓፍ ኣሎ፤ ኣብ መንጎ እቲ ነገር ዝረአየሉን ነፋሪት ተላዒላ ኣብ ልዕሊ ዒላማ መጥቃዕቲ እትፍፀመሉ ግዜን ኣፈላላይ ኣሎ። ኣብ መንጎኡ ምልውዋጣት ኣሎ፤ ድሮን ነዚ ክፍተት እያ ትመልእ።
ሓበሬታ መርካብ ጥራይ ዘይኰነስ ሽዑ ንሽዑ መጥቃዕቲ'ውን ትፍፅም።
ቢቢሲ፡ ስለዚ፡ ምናልባት ምስ ነፋሪት ተናቢባ እትሰርሐሉ ኣጋጣሚ'ውን ኣሎ ማለት ድዩ?
ዶ/ር ሙሉጌታ፡ ከከም ዓይነተን እየን። ንስለላ [ዳህሳስ] ጥራይ ክትጥቀመለን ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝእከብ ሓበሬታ ንዝዀነ ዕላማ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
እንተደሊኻ ንነፋሪት ትጥቀመሉ፡ እንተደልያ ድማ ባዕላ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ትጥቀመሉ። ሰብ ዝዝውራ ነፋሪት ትጥቀም እንተዄንካ ግን ናይ ግዜ ክፍተት ይፍጠር። ኣብ መንጎ እቲ ሓበሬታ ዝእከበሉን ኣብ መንጎ እቲ ትእዛዝ ዝመሓላለፈሉን። ኣብዚ ግዜ እቲ ታርጌት ክንቃሰቐስ ይኽእል።
ስለዚ ዘይክሰርሕ ይኽእል ማለት እዩ፤ እዛ ናይ ድሮን ቴክኖሎጂ ነዚኣ እያ ፈቲሓ፤ ኣብኣ ናብኣ ዒላማ ተጥቅዕ።
ኣብ መሬት ኴንካ፡ ኣብ ስክሪን ኮፍ ኢልካ እናረኣኻያ፡ ነቲ ታርጌት እናረአኻ፡ ኣብኣ እናሃለየት ዒላማ ተጥቅዕ። ኣብ መንጎኡ መረዳእታ ምእካብን መጥቃዕቲ ምፍፃምን ዘሎ ግዜ ተፅብቦ።
በዚ ምኽንያት ነቲ ውፅኢታዊነት [ኢፊሸንሲ] ትውስኸሉ፤ እዚ ብልጫ ኣለዋ።
ሓደ ድኹም ጐድኒ ግን ኣሎዋ። ሰብኣዊ ኣካል የብሉን፤ ኣዝዩ ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል። ንስኻ ብኣሸሓት ኪ.ሜትሮ ኣብ እስክሪን ኴንካ ኢኻ ትቈፃፀራ። ነፋሪት ዝዝውር ፓይሎት ግን ባዕሉ ተላዒሉ፡ እናረእየ እዩ ዝትኩስ።
ሕዚ ደብዳበ ዕዳጋ ሓውዜን እንተሪእኻ፡ እቶም ፓይሎታት መፂኦም እቲ ሓደ እናሃደነ እቲ ካልእ እናጥቅዐ እዮም ውዒሎም። ዝተኣከበ ሰብ እናረእየ እዩ ብነፋሪት ጨፍጪፉ። ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክትወስድ ኣዝዩ ጭካነ ዝተመልኦ ውሳነ ምውሳን የድሊ፤ ግን እናረእየ እዩ ገይሩዎ።
ድሮን ክኸውን እንከሎ ከምዚ ዓይነት ናይ ሰብ ምትንኻፋት የብሉን፤ ሳዕቤን ናይቲ ብኣሸሓት ኪሎሜትሮ ርሒቕካ እትትኩሶ ዘለኻ ኣፅዋር ኣብ መሬት ኣይትሰምዖን። ከምዚ ዳርጋ ባምቡላ ወይ ድማ ቁማር [ቶት ወይ ድማ ቪድዮ ጌም] ትፃወት ዘለኻ ዓይነት እዩ። ስለዚ ሰብኣዊ ተሳትፎ የብሉን።
ቢቢሲ፡ ስለዚ ከምኡ እንተዀይኑ፡ ካብቲ ካልእ ወገን እንታይ ኣማራፂታት ኣለዎ?
ዶ/ር ሙሉጌታ፡ ብናተይ ርእይቶ፤ ድሮን ክበሃል እንተሎ፡ ብኽልተ ገፅ እየ ዝርእዮ። እቲ ሓደ ተዋጋኣይ ድሮን ሒዙ ክሰርሕ እንከሎ፡ ክልተ ኣማራፂ እዩ ዝህልወካ።
እቲ ሓደ ኣማራፂ ንስኻ'ውን ድሮን ምውናን እዩ። መከላኸሊ ምሓዝ ወይ ድማ ብድሮን እተጥቀዓሉ መንገዲ ምድላው እዩ። እዚ ዝከኣል እዩ።
እቲ ካልኣይ ኣማረፂ መከላኸሊ መንገድታት ምጥቃም እዩ። ድሮናት ሙቐት እየን ዘጫንዋ። እኩብ ሙቐት ዘለዎ ድማ ሓፂን እዩ።
ስለዚ ከምዚ ዘለዎ፡ ታንኪ መድፍዕ መኪና ዝኣመሰለ እኩብ ሓፂን ነገር፡ ብቐሊሉ ፈሊኻ ክውቕዑ ዝኽእሉ ዒላማታት እዮም።
ስለዚ ብዙሕ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ፡ እዚ ኮላተራል ዳሜጅ [ሰላማውያን ሰባትን ትካላትን ንሓደጋ ዘሳጥሕ] ኩነታት ምውጋድ። እዚ ከይከውን፡ ኣፅዋራት ውግእ ካብቲ ኣዝዩ ተዃሳሓይ ዝዀነ ከባብታት ኣርሒቕካ ምቕማጥ እዩ፥።
ብዙሕ ግዜ እቶም ኣርምታት ከምኡ ኣይገብሩን፤ ኩሉ ነገር ዝኽወል እዩ ዝመስሎም፤ ኣብ ህዝቢ ውሽጢ ምቕማጥ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ኣንጎሎታት ከተማ ሓቢእኻ ምቕማጥ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየዱ መጥቃዕቲታት ድሮን፡ ሓደ ካብቶም ዒላማታት ማእከላት ትምህርቲ እዮም ነይሮም፡ እዚዶ ይኸውን እቲ ምኽንያታት?
ዶ/ር ሙሉጌታ፡ ሓበሬታ የብለይን፡ ቤት ትምህርት ይውቃዕ ከም ዘሎ እሰምዕ እየ፤ ስለምንታይ ዝብል ግን ኣይፍልጥን።
እዚ መንግስቲ እዚ ግን፡ `እዚ ወተሃደራዊ ዒላመ ኣይኰነን` ኢሉ ተጠንቂቑ ዝወፍር ኣይኰነን። ካብ ስሕተቱ ዝመሃር'ውን ኣይኰነን፤ ንዕዳጋ ዝተኣከበ ህዝቢ ንምድብዳብ ንደሓር ዝብል ኣይኰነን።
ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመት [ዝሓለፈ] ኲናት፡ 600,000 ዜጋታትና ሃሊቘም እዮም። ብኢድ ሰብ እዮም ሃሊቖም። ብትእዛዝ መንግስቲ እዮም ጠፊኦም።
ስለዚ እዚኣቶም ቤት ትምህርት ከይቃፀል፡ መንግስታዊ ትካል ከይቃፀል ኢሎም ዝሓልዩ፤ ቤት ትምህርት ዘጥቀዑ ብረት ስለዘለዎ ወይ ድማ ወተሃደራት ስለዝጥቀመሉ ጥራሕ እዩ ዝብል ግምት የብለይን።
[መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣፅዋር ድሮን ንዕጡቓት ጥራይ ዒላማ ከምዝገብር ብምግላፅ፡ ነቶም ክስታት ክነፅጎም ይስማዕ]
ግን ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ውግእ ክትገብሮም ካብ ዝግበኣካ፡ ጥንቃቐታት ሓደ እዙይ እዩ ዝኸውን።
እዚ ኣብ ኣንጐሎ ሓቢእኻ ገለ ዝሽፈን የዀነይ። ብሙቐት እየን ዘፀናትያ፡ ስለዚ መከላኸሊ እንድሕር ዘይብልካ፡ ክትውቃዕ እትኽእል እንተዄንካ፡ ብውሕዱ 'ኮላተርላ ዳሜጅ' ከይመፅእ፡ ካብ ከተማ ወፃኢ ካብ እኩብ ሕብረተሰብ ዘለዎ፡ ካብ ህዝባዊ መሰረተ-ልምዓት ወፃኢ፡ ከተቕምጥ ትፍትን ማለት እዩ።
ኣብቲ ናይ 2020-22 ወግእ፡ ኣጋ ደሓር ክትኣታተቶ ጀሚሩ ዝነበረ ነቲ ከቢድ ሙቐት ከዝሕል ዝኽእል ራሕሲ ዘለዎ ጉልባብ ምጥቃም፡ ብማይ ምዝፍዛፍ ነይሩ።
እቲ መሰረታዊ ነገር ግን፡ ነዚ ዓይነት ውግእ ተዳሊኻ ምፅናሕ እዩ፤ ወይ ክትዕጠቕ ኣላካ፡ ወይ ድማ ካልእ መከላኸሊ ኣየር ክህልወካ ኣለዎ። ወይ ድማ ንኸምዚ ዝበለ ውግእ ኣይተዳለኻን ማለት እዩ።
ነቲ ሕብረተሰብ'ውን ተወሳኺ ሓደጋን ዕንወትን እዩ ዝዕድመሉ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ብግብሪ ክርአ ከሎ፡ እቲ ዝሓለፈ ኩነታት ዝድገም ዘሎ እዩ ዝመስል፣ ኣብቲ እዋን ንስኻ'ውን ኣብኡ ኣብ በረኻ ስለዝነበርካ ፅልዋ ድሮን ብኸመይ ኢኻ ትዝክሮ?
ዶ/ር ሙሉጌታ፡ ኣብ ናይ 2020/21 ኣነ ዝዝክሮ፡ ኣይተደላናን ዝብል እዩ።
መጀመርያ፡ ብዙሕ ኣፅዋር ብዙሕ ሓጭን እዩ ነይሩና፡ እቲ ስትራተጂ ድማ ንፀላኢ ካብ ርሑቕ ጀሚርካ እናዳኸምካ ምኻድ ዝብል እዩ ነይሩ።
ኣብ ብዙሕ ቦታ ናይ ምክልኻል ዕርድታት ሰሪሕኻ፡ ናይ ፀላኢ ሓይሊ ክንዲ ዝተኽኣለ ተዳኺሙ ክኣቱ ምግባር ዝብል እዩ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ናብ ህዘባዊ ቃልሲ ክቕይር እንከሎ፡ ዓቕሚ ዘለዎ ሓይሊ ምፍጣር፡ ዝብል እዩ እቲ ሓፈሻዊ ስትራተጂ።
ገለ ዝተረኽባ ታንክታት ነይረን፡ ብመካናይዝድ ዝተደገፈ ውግእ ክንገብር ውጥን ነይሩና፤ ተራ ብተራ እዩ ኣጥፊኢወን።
ብዘተተለመ መንገዲ እዩ፡ መጀመርያ ታንክታትና፡ ካብኡ ድማ መዳፍዕና ዒላማ ገይሩዎም።
መዳፍዕና፣ ሮኬታትና፡ ኩሉ ከበድቲ ኣፅዋራት ምጥቃዕ ጀሚሩ። ቀፂሉ ዕጥቅና ኣፅዋር ተተኳሲ፡ ካብኡ ድማ ነዳዲ ዒላማ ምግባር ጀሚሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ነዘን ናይ ኮማንዶ መኻይን ምእራይ ጀሚሩ።
ካብኡ ብመኪና ምንቅስቓስ ናብ ዘይንኽእለለሉ ደሰረጃ ተበፂሕና። ስለዚ ኩሉ ነገር ስኢንና።
ብእግርና ምንቅስቐስ ጀሚርና ነይርና።
ኣብ መጀመርታ ፅዑቕ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ መስ በፅሐና፡ በዚ መንገዲ ክንቅፅል ኣይንኽእልን ኢልና፡ ታክቲክ ቀዪርና፡ ናብ 'ተንቀሳቓሲ ውግእ ቀዪርና'፣ ብኸምኡ ድማ ሓድሽ ሓይሊ ምእካብ ጀሚርና።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ብምኽንያት እቲ ዝተፈፀመ ግፍዕታት፡ ናይ ምዕራባውያን ተፅዕኖ መፂኡ፡ እተን መንግስቲ ዝጥቀመለን ዝነበራ ድሮናት ድማ ናይ ልቓሕ ስለዝነበራ [ናይ ኢሜራትሰ እየን ነይረን] ኣሽዑ ኣልዒሎም ወሲዶምዎን።
ተመሊሰን ዝመፅኣ ኣብ ደብረብርሃን አከባቢ ምስ በፃሕና እዩ፤ ኣሽዑ'ውን ተመሳሳሊ ክሳራ እዩ በፂሑና። ሰራዊትና ክምለስ እንተሎ ኣብ መንገዲ ብዙሕ መጥቃዕቲ እዩ በፂሑዎ። ብዙሕ ኣፅዋር'ውን ኣብ መንገዲ ተሪፉ።
እቶም ሕዚ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ካብዚ ተሞክሮ ትምህርቲ ወሲዶም ይዀኑ እዮም ዝብል ግምት ነይሩኒ።
ድሮንን ፀረ ድሮንን ክትዕጠቕ ኣለካ ወይ ድማ ነዚ ዝምክት መከላኸሊ መንገዲ ክትክተል ኣለካ። ኣተሓሕዛ ዕጥቅኻን ኣቀማምጣ ሰራዊትካን'ውን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ።
ሕዚ ከምኡ ይኽውን ኣለዎ ድዩ፤ በቲ ዝተለመደ ነገር ምኻድ ኣይከኣለን። ብዙሕ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ምግባር የድሊ፡ ሕዚ ከምኡ ይኸውን ኣሎ ድዩ፤ ኣይፈልጥን - ኣብኡ'ውን ሰለዘየለኹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቢሲ፡ ከቢድ መጥቃዕቲ ድሮን ምስ በፅሐኩም 'ብእግሪ ምንቅስቓስ ጀሚርና ነይርና' ኢልካኒ'ሞ፡ ዝዀነ ብዓይንኻ ዝረእኻዮ ተዘክሮ ኣለካዶ?
ዶ/ር ምሉጌታ፡ ብዙሕ እዩ፤ ብፍላይ ክንወፅእ ከለና ኣብ ከባቢ ሃገረሰላም ኣብ ነጋሽ ኣፅዋርና ምስተቓፀለ፡ ነዊሕ ብእግርና ተጓዒዝና፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓዴት እንከለና ዝተኣከበ ነዳዲ ክቃፀል ብዓይነይ ርእየ። በብመንገዱ ከምኡ ብዙሕ ብዓይንና ሪእና ኢና።
ቢቢሲ፡ ከም ሓደ ኣባል ኣመራርሓ ነበር፡ ዒላማ ድሮን ዝዃንካሉ ኣጋጣሚ ነይሩዶ?
ዶ/ር ሙሉጌታ፡ ኣጋጣሚ ኰይኑ ብድሮን ገጢሙኒ ኣይፈልጥን፤ ብነፋሪት ግን እወ፡ ብዙሕ ግዜ ዒላማ ኰይና ነይርና።
ብመሰረቱ፡ እቲ ናይ ድሮን ቴክኖሎጂ ነዚ ተንቀሳቓሲ ሓይሊ ዝኸውን ኣይኰነን፤ ማለት ድሮን ክትመፅእ ከላ ትሰምዓ ኢኻ ትርእያ ኢኻ።
ቢቢሲ፡ ካብ ነፋሪት ብኸመይ ኢኹም ትፈልዩ ነይርኩም?
ዶ/ር ሙሉጌታ፡ ናይ ውግእ ነፋሪት ድምፂ ፈጣንን ሓያልን እዩ። ናይ ድሮን ድማ ቅጥን ዝበለ እዩ ግን ካብ ርሑቕ ይስማዕ እዩ፣ ፈሊኻ ክትፈልጣ ትኽእል ኢኻ። ደቃቕ ኰይና ብዓይንኻ ብርሑቕ ንርእያ ነይርና፤ ሓደ ግዜ እንድሕር ሪእኻያ ኩሉ ግዜ ድምፃ ሰሚዕኻ ክተፈልያ ትኽእል ኢኻ። ከም ናይ ውግእ ነፋሪት ብፍጥነት መፂአ ዘይሓሰብካዮ ደብዲባትካ እትኸይድ ኣይኰነትን፤ በዚ ምኽንያት እየ ንተንቀሳቓሲ ዒላማ ብዙሕ ውፅኢታዊ ኣይኰነትን ዝብለካ ዘለኹ።
ቢቢሲ፡ ምናልባት እቲ ግጭት ዝቕፅል እንተዀይኑ፡ ብኣንፃር'ቲ ዘሎ ሓድሽ ኣሰላልፋታት፡ እቲ ውግእ ናብ ናይ ድሮን [ሰማይ] ውግእ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?
ዶ/ር ሙሉጌታ፡ እዚ'ኳ ኣብ ስራሕ ዘለዉ እዮም ክዛረብሉ ዘለዎም። ናይ ድሮን ውግእ እንተኣጋጢሙካ ግን ብድሮን ኢኻ ክትዳሎ ዘለካ እዩ፤ እዚ ሓደ ተዅሲ እዩ፡ እዚ እንድሕር ዘይትኽእሎ ውግእ ኰይኑ ካልእ ኣማራፂ ኢኻ ትርኢ።
ስልትነን ስትራተጂን ውግእ ከምኡ እናበለ እናማዕበለ እዩ ኣብዚ በፂሑ። ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ዘሎ፡ ዛንታ ዳዊትን ጐልያድን፡ ሓደ ስልቲ እዩ።
ወተሃደራዊ ጠበብቲ ሓደ ናይ ወተሃደራዊ ስልቲ ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ፤ ሓፂን ምስ ተረኽበ ድማ፡ ሓፂን ዝተዓጥቀ ሰብ ይስዕር ዝብል ነይሩ። ክሳዱ፡ ርእሱ፡ ደረቱ፡ ኣዕፅምቱ፡ ብርኩ ብረት ተኸዲኑ. .ጐራዴ ሒዙ ክኸይድ እንከሎ፡ ስለዙ ኣብቲ ናይ ሓፂን ቴክኖሎጂ ምስ መፅአ 'ሄቪሊ ኣርምድ' ኰይንካ ምርካብ ነይሩ።
እዚ ናይ ሕዚ ድማ ብጐራዴን ብሓፂንን ዘይሕለፍ ምዃኑ እዩ ዘርእየካ። እዞም ድኹማት ዝበሃሉ ሰባት ካልእ መካኒዝም ፈጢሮም፤ ተንቀሳቓሲ ምዃን ማለት እዩ፤ ዳዊት ከምኡ እዩ ገይሩ፤ ወንጭፉ ሒዙ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይንቀሳቐሽ ነይሩ።
እቲ ዓውደ ውግእ ከምኡ እናበለ ናብ ፈረሰኛ መፂኡ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሞተረኛ [መካናይዝድ] ውግእ ከምኡ እናበለ እዩ ኣብዚ በፂሑ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ ሐዚ ከይዱ ከይዱ፤ እታ ብብዙሓት ሚልዮናት እትቝፀር ነፋሪት፡ ብዋግኣ ዀነ ብመጠና ክትኣምኖ ናብ ዘይተኽእእል ናብ ድሮን መፂኡ፤
ዋግኣ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ዒላማ ምንፃርን ዒላማ ምግባርን ዘሎ ርሕቐት ድማ ዘፅብብ ቴክኖሎጂ መፂኡ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
