ኣብ ኣመሪካ ታሪኽ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለዎም መንእሰያት ፖለቲከኛታት

ምንጪ ስእሊ, Melat/BBC/Ilhan/Abdul El-Sayed
ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለዎም መንእሰያት ሓድሽ ናይ ለውጢ ማዕበል የንጸባርቑ ኣለዉ።
ካብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት እታ ኣህጉር ዝመንጨዉ እዞም ፖለቲከኛታት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ታሪኻዊ ዓወታት ብምምዝጋብ፡ ኣብ ፈደራላውን ከባብያውን መንግስታት ሓያል ጽልዋ ኣብ ምሕዳር ይርከቡ።
እዞም ፖለቲከኛታት፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክሳብ ጐደናታት ከተማታት ብምውራድ ዘካየድዎ ጐስጓስ፡ ንሓድሽ ወለዶ መረጽቲ ዘነቓቕሐን ናብ ዓወት ዘሰጋገሮምን ኰይኑ ኣሎ።
ሜላት ኪሮስ፡ ድምጺ ጀነረሽን ዜድ ኣብ ኮሎራዶ

ምንጪ ስእሊ, The Denver Post via Getty Images
ካብዞም ታሪኽ ዝሰርሑ ዘለዉ መንእሰያት ሓንቲ፡ እታ ኣብ መበል 29 ዓመት ዕድሚኣ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ (ኮንግረስ) ዝተመርጸት ሜላት ኪሮስ እያ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ገና ቈልዓ ከላ ናብ ኣመሪካ ዝኣተወት ሜላት፡ ኣብ ከተማ ደንቨር ግዝኣት ኮሎራዶ እያ ዓብያ።
ንሳ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናብዚ ላዕለዋይ ባይቶ ዝተመርጸት ፈላመይቲ ናይ ጀነረሽን ዜድ (ጀን-ዚ) ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ኣላ።
ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ፖለቲካዊ ተመኵሮ ዘይነበራ እኳ እንተዀነት፡ ኣብ መባእታዊ መረጻ ሰልፊ ደሞክራስያውያን ንቐዳማይ ዲስትሪክት ኮሎራዶ ብምውካል ዓቢ ዓወት ኣመዝጊባ።
ሜላት ኣብ ጐስጓሳ፡ ከም ክብሪ ዋጋ መነባብሮ፡ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ኣድማሳዊ ክንክን ህጻናትን 'ሜዲኬር ንዅሉ'ን ዝኣመሰሉ ንመንእሰያት መረጽቲ ኣገደስቲ ዝዀኑ ጉዳያት እያ ኣማእኪላ።
ብደሞክራስያውያን-ሶሻሊስት ኣመሪካ እትድገፍ ሜላት፡ ሓድሽ ኣዋጅ ስደተኛታት ክስረዝን ኣመሪካ ንእስራኤል እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከብቅዕን`ውን ጸዊዓ።
ብፍላይ ብዛዕባ ኲናት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘስመዓቶ ተሪር ነቐፌታ ቀልቢ ብዙሓት ስሒቡ እዩ። ሜላት ነቐፌታኣ ናብ መንግስቲ እስራኤል`ምበር ናብ ህዝቢ ኣይሁድ ዘቕነዐ ከምዘይኰነ ኣነጺራ እያ።
ጆይ ንጉሰ፡ ብዓቢ ዓወት ናብ ኮንግረስ ዝተመልሰ ኤርትራዊ

ምንጪ ስእሊ, house.gov
ኣብታ ሜላት ዝተመርጸትላ ግዝኣት ኮሎራዶ፡ ኤርትራዊ መበቈል ዘለዎ ደሞክራስያዊ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጆይ ንጉሰ እውን፡ ኣብ ካልኣይ ዲስትሪክት ብልዕሊ 75 ሚእታዊት ድምጺ ብምዕዋት ንሓሙሻይ ግዜኡ መንበሩ ዓቂቡ ኣሎ።
ነታ ሓዳስ ሪፓብሊካዊት ተወዳዳሪት ኬሊ ኣን ዴኒሰን ብምስዓር ዝተዓወተ ንጉሰ፡ ኣብ 2018 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኮንግረስ ካብ ዝምረጽ ንደሓር፡ ሓደ ካብቶም ዝለዓለ ጽልዋ ዘለዎም ፖለቲከኛታት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
"ማእከል ውጽኢታዊ ሓገግቲ ሕጊ" ኣብ 2025 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ንንጉሰ ካብ ልኡኻት ባይቶ ኮሎራዶ እቲ ዝለዓለ ውጽኢታዊ ሓጋጊ ሕጊ፡ ብደረጃ ኮንግረስ ካብ ዘለዉ ደሞክራስያውያን ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዕዎ ነይሩ።
ንጉሰ ኣብ መግለጺ ዓወቱ፡ "ትውክልትን ደገፍን ህዝቢ ካልኣይ ዲስትሪክት ምርካብ ብሓቂ ዓቢ ክብሪ እዩ፡" ብምባል፡ "ነዛ ዓባይ ግዝኣትና ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ምውካል ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ዝለዓለ ክብሪ ኰይኑ፡ ብሓባር ንዘመዝገብናዮ ኵሉ ዓወታት ድማ ብልቢ እዀርዕ፡" ኢሉ።
ኣብዚ ሓሙሻይ ናይ ስራሕ ዘመኑ፡ ንጉሰ ተፋሰስ ማያትን ህዝባዊ መሬትን ኮሎራዶ ኣብ ምሕላው፡ ምክልኻል ባርዕ ጫካ ኣብ ምስፋሕ፡ ምሕዳስ ሕጊ ስደተኛታት፡ ዋጋ መነባብሮ ኣብ ምጕዳልን "ኣብ ዋሽንግተን ተሰሪቱ ዘሎ ብልሽውና ኣብ ምውጋድን" ዘካይዶ ጕዕዞ ብቐጻልነት ከም ዘራጕድ ኣነጺሩ ኣሎ።
ማቴዎስ ሳምሶን፡ ኣብ ጆርጅያ ዝደመቐ ታሪኻዊ ዓወት

ምንጪ ስእሊ, Mathewos/fb
ካብ ኮሎራዶ ናብ ጆርጅያ ምስ እንሰግር ድማ ካብ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ወለዲ ዝተወልደ ወዲ 27 ዓመት ማቴዎስ ሳምሶን፡ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግዝኣት ጆርጅያ ብምውካል ኣብዚ ናይ ሕዳር መረጻ መስተንክራዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ወለዱ ካብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሎም ኣብ 1980ታት ናብ ኣመሪካ ዝተሰደዱ ኰይኖም፡ ማቴዎስ ግን ኣብ ኣትላንታ እዩ ተወሊዱን ዓብዩን።
ነቲ ሪፓብሊካዊ መወዳድርቱ ዝዀነ ቶሪ ባላም ብምስዓር ንመበል 58 ዲስትሪክት ጆርጅያ ክውክል ዝተመርጸ ማቴዎስ፡ ፈላማይ ጸሊም ኣባል 'ደሞክራስያውያን-ሶሻሊስት ኣመሪካ' ኰይኑ ኣብቲ ባይቶ ታሪኽ ክሰርሕ እዩ። ማቴዎስ፡ መሃንዲስ ሶፍትዌርን ተጣባቒ ማሕበረሰብን ኰይኑ፡ ልክዕ ከም ሜላት ኪሮስ ኣብ 'ሜዲኬር ንዅሉ'ን ዋጋ መነባብሮ ኣብ ምጕዳልን ዘተኰረ ጐስጓስ እዩ ኣካይዱ።
ብፍላይ ድማ ዓበይቲ ትካላት ንኣባይቲ ብብሕቲ ምቍጽጻር ከቋርጻን፡ ርትዓዊ ዋጋ ዘለዎም ኣባይቲ ንነበርቲ ክቐርብን ዝብል ገስጋሲ ኣጀንዳታቱ ንብዙሓት መረጽቲ ከም ዝስሕብ ገይሩ እዩ።
ዓብዱል ኤል-ሰይድ፡ ታሪኻዊ ዓወት ኣብ ሚቺጋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ግብጻውያን ስደተኛታት ወለዲ ዝተወልደ ወዲ 42 ዓመት ዶክተር ዓብዱል ኤል-ሰይድ ድማ ፈላማይ ኣስላማይ ሰነተር ኣመሪካ ኰይኑ ተመሪጹ ኣሎ።
ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ሓድሽ ሰነተር ሚቺጋን ኰይኑ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፍጸመሉ፡ ነቲ ኣንጻሩ ጐስጓስ ዘካየደ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ኣብ ቅድሚኡ ቃለ-መሓላ ክፍጽም ምዃኑ ብዋዛ ጠቒስዎ እዩ።
እዚ ኣብ ኣመሪካ እተወልደ ደሞክራት፡ ካብ ዓቃባውያን ማዕከናት ዜናን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን 'ንማሕበር ኣሕዋት ኣስላም ይድግፍ እዩ' ዝብል ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ክስታት ብትሪ ክነጽግን ክብድህን ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ ናይ ዓወት ጽምብል ንዝተኣከበ ህዝቢ ብግብጻዊ ዓረብኛ ኣደማምጻ፡ "ስመይ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ኤል-ሰይድ ይበሃል" ክብል ዝተዛረቦ ቃል ድማ ንመንነቱ ብኣድናቖት ዝገለጸሉ ህሞት ነይሩ።
እዚ ዓረብኛ ስሙ ብሓያሎ ተቓወምቱ ናይ መጥቃዕቲ ዒላማ ኰይኑ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ንሱ ግን ብማሕበራዊ መራኸቢታት (ብፍላይ ቲክቶክ) ኣቢሉ ንመንእሰያት መረጽቲ ብምስሓብ ዓወት ኣመዝጊቡ።
እዚ ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ነበር፡ ኣብ ከም 'ሜዲኬር ንዅሉ'ን ርትዓዊ ዋጋ ዘለዎም ኣባይትን ዘተኰረ ገስጋሲ ኣጀንዳታት ዘቕረበ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ`ውን ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።
ኣድሪያን ቦኣፎን ኣብ ግዝኣታት ዝተመዝገበ ዓወትን

ምንጪ ስእሊ, Inc via Getty Images
ኤል-ሰይድን ሜላትን ማቴዎስን በይኖም ኣይነበሩን። ካልኣይ ወለዶ ጋናዊ ኣመሪካዊ ዝዀነ ወዲ 32 ዓመት ኣድሪያን ቦኣፎ፡ ነቲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ባይቶ ዝጸንሐ ገዲም ኣባል ኮንግረስ ስቴኒ ሆየር ብምትካእ፡ ንሓሙሻይ ዲስትሪክት ኮንግረስ ሜሪላንድ ክውክል ተመሪጹ ኣሎ።
ኣብ ቨርጂንያ ተወሊዱ ኣብ ፕሪንስ ጆርጅ ካውንቲ ሜሪላንድ ዝዓበየ ቦኣፎ፡ ወለዱ ካብ ጋና ናብ ኣመሪካ ዝተሰደዱ እዮም።
ንሱ ኣብ ከባብያዊ ፖለቲካ ብምስታፍ፡ ኣብ ባይቶ ከተማ ቦዊ ኣገልጊሉ፡ ኣብ 2023 ድማ ልኡኽ ተወካሊ ሜሪላንድ ኰይኑ ሰሪሑ ነይሩ።
ኣብ መግለጺ ዓወቱ፡ ንመረጽቱ ምውካል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምጕዳል ፈደራላዊ ስራሕ፡ ምውሳኽ ወጻኢታትን ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወስዶ ዘሎ ስጕምትታትን ኣመልኪቱ ጐስጓስ ኣካይዱ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መንግስታውን ከባብያውን ፖለቲካ ዝተዓወቱ ካልኦት መንእሰያት እውን ኣለዉ። ካብዚኣቶም፡ ኣብ ናይጀርያ ተወሊዱ ብህጻኑ ናብ ኣመሪካ ዝገዓዘ ወዲ 27 ዓመት ጁንየር ኤዜኦኑ፡ ኣብ ባይቶ ግዝኣት ቴክሳስ መንበር ቅድሚ ምዕታሩ፡ እቲ ዝነኣሰ ኣባል ባይቶ ከተማ ግራንድ ፕረሪ ኰይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ጓል 34 ዓመት ናይጀርያዊ መበቈል ዘለዋ ካሮል ካዚም፡ ኣብ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል ግዝኣት ፔንስልቨንያ ዝነበራ መንበር ዓቂባ ኣላ። ብሓፈሻ ኣብዚ መረጻ፡ እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ናይጀርያዊ መበቈል ዘለዎም ሕጹያት ዓወት ኣመዝጊቦም ኣለዉ።
ኢልሃን ዑመር፡ ኣብ ውሽጢ መዕበል ፈተናታት ዝጸንዐ መንበር

ምንጪ ስእሊ, Rep.Ilhan Omar
ልክዕ ከም ጆይ ንጉሰ፡ ናብ ኮንግረስ ንሓሙሻይ ግዜኣ እትምለስ ዘላ ገዲም ፖለቲከኛ ድማ ተዋላዲት ሶማልያ ዝዀነት ጓል 44 ዓመት ኢልሃን ዑመር እያ።
ኢልሃን ኣብ ልዕሊኣ ፈደራላዊ መርመራ ይካየድ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ መረጻ እውን ተዓዊታ ኣላ።
ወከልቲ ፈደራል ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ቤታ ፈቲሾም ዝነበሩ ኰይኖም፡ ንሳ ነዚ ስጕምቲ ኣካል እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝካየድ ምንግልታዕ ምዃኑ ገሊጻ።
ዝዀነ ገበን ከም ዘይፈጸመት እትገልጽ ኢልሃን፡ ክሳብ ሕጂ ብዝዀነ ክሲ ኣይቀረበትን።
ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2018 ናብ ኮንግረስ ዝተመርጸት ኢልሃን፡ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ባይቶ ዘገልገላ ፈላሞት ኣስላም ደቂ ኣንስትዮ ኰይና፡ ብተደጋጋሚ ዒላማ ነቐፌታ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኰይና ጸኒሓ እያ።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ንሶማልያ ሓዊሱ ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግላጽ ዘነኣእስ ቃላት ተጠቒሙ ብምባል ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ኣብ ጥቅምቲ፡ ተወላዲ የመን ዝዀነ ኣማኻሪኡ ኣመር ጋሊብ፡ እቲ ፕረዚደንት ደጊም ከምዚ ዓይነት ቋንቋ ካብ ምጥቃም ክቝጠብ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ካብ ዋሽንግተን ናብ ኣፍሪቃ፡ ዝፈጠሮ ናህሪ
እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝተመዝገበ ታሪኻዊ ዓወታት፡ ካብ ስግር ኣትላንቲክ ኰይኖም ንዝዕዘቡ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት፡ ሓድሽ ወለዶ መራሕቲ እንታይ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ተስፋ ዘስነቐ ዓቢ ምልክት ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርከቡ ተጠቀምቲ ነዚ ውጽኢት መረጻ ከም ዓቢ ምንጪ ምትብባዕ ይርእይዎ ኣለዉ።
ብፍላይ ድማ ኣብተን ኣብ 2027 ሃገራዊ መረጻ ከካይዳ ትጽቢት ዝግበረለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከም ናይጀርያን ኬንያን ንዝርከቡ መንእሰያት፡ ኣብ ሃገሮም ናይ ለውጢ መሪሕነት ንምምጻእ ዓቢ ድርኺትን ናህርን ፈጢሩ ይርከብ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
