ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ጊኒ ንእተካይዶ ጸወታ ምድላዋት ትገብር ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Nega W/ghergis
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ጊኒ ንእተካይዶ ጸወታ ዘድሊ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ሓደ ጕጅለ ናብ ርእሰ-ከተማ እታ ሃገር ኮናክሪ ከም ዝኣተወ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እዚ ብፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ሴካፋን ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ዝምራሕ ልኡኽ፡ ኣብ ኮናክሪ ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣንን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ጊኒን ናይ ምድላው ኣኼባታትን ዘተን የካይድ ኣሎ።
እቲ ግጥም ብ12 ሕዳር ክካየድ ዝተመደበ ኰይኑ፡ ጕዕዞ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ካብ 7 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ኣርባዕተ ጕጅለታት ተኸፋፊሉ ናብ ኮናክሪ ክፍጸም እዩ። ኵሉ ምድላዋት እቲ ግጥም ድማ ብዝተወጠነሉ መንገዲ ብጽቡቕ ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጊኒ፡ ላይበርያ፡ ኮትዲቯር፡ ኣንጎላ፡ ጋናን ናይጀርያን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንሃገራዊት ጋንታኦም ምዉቕ ኣቀባብላ ንምግባር ይዳለዉ ኣለዉ። ተቐማጦ ኮናክሪ ዝዀኑ ኤርትራውያን ድማ ንኸተማኦም ብባንዴራ ሃገሮም ብምስላምን መካይን ብምስሊ እታ ጋንታ ኣሰሊፎም ኣብ ጐደናታት ብምዝዋርን ናይ ደገፍ ሃዋህው ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ተወሳኺ፤



