ወጥሪ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናበይ ከምርሕ ይኽእል - ኣብ ዶባትከ መን'ዩ ዘሎ?
![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)
ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝዋሰንኦ ኣስታት 750 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ መሬታዊ ዶብ'ዩ ዘለወን።
እዚ ዶብ ኣብ ባይታ ብግቡእ ስለ ዘይተመልከተ ከኣ ብዙሕ ግዜ ንሓድሕደን "ይግብኣኒ እዩ!" ብዝብልኦ መሬት ክሰሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን ግን እቲ ዝያዳ ዘሰሓሕበንን ሱዳን ንኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ከይዳ ክትከሳ ዘብጽሐን ጉዳይ መበገሲኡ እቲ ዘይተመልከተ ዶብ ኣይኰነን።
መንግስቲ ሱዳን፡ "ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ስቪላዊ ትካላትን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን መጥቃዕቲ ፈጺመን፡" ብዝብል ክሲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣቕሪቡ'ሎ።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ብኢመይል ዘቕረቦ ሕቶ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸበን።
ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ መንግስቲ ሱዳን ዝቐርበሉ ዘሎ ተደጋጋሚ ክስታት ብምንጻግ፡ ሽዱሽተ ዲፕሎማት ሱዳን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጽኡ ብ3 ሕዳር ከም ዝሓበሮም ጠቒሱ።
እዚኦም፡ ኣብታ ኣብ ጥቃ ዶብ ሱዳን እትርከብ ከተማ ኣሶሳ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ሱዳን ዝሰርሑ ዝነበሩ'ዮም።
ነዚ ስዒቡ፡ ሱዳን ብ4 ሕዳር "መንግስቲ ሱዳን ንወከልቱ ካብ ኣሶሳ ብምስጓግ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ገዳርፍ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ኣዚዙ፡" ክብል ጸብጺቡ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቡዎ ርእይቶ የለን።
ቀጻሊ ምክሳስ ኢትዮጵያን ሱዳንን
ሱዳን፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣትያ።
ነዚ ስዒቡ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም።
ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ ክብል ይገልጾ።
ሱዳን፡ ብ30 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሓያሎ ግዝኣታት ሱዳን ኣብ ዝርከባ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጸዓትን ዝሃረመ መጥቃዕቲ ድሮናት ኢድ ኣለዋ ትብል፤ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ እቲ ክሲ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን።
ቅድሚ ሕጂ ግን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ወይ መሬታ ንመጥቃዕቲ ክጥቀምሉ ፈቒዳ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ዝነጸገቶ ኰይና፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ከም እተኽብር ኣፍሊጣ ነይራ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ሚሳይላት ዝተዓጥቃ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ድሮናት ካብ መሬት ኢትዮጵያ ብምብጋስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ትካላትን ትሕተ ቅርጽ መጥቃዕቲ የካይዳ ከም ዘለዋ ዝገልጽ ክሲ'ዩ የቕርብ።
እቲ ምኒስትሪ ነዚ ዘረጋግጽ ሰነዳትን ናይ ሳተላይት መርትዖታትን ናብተን ኣህጉራውያን ትካላት ከም ዘእተወ ሓቢሩ ኣሎ።
3 ሕዳር 2026'ውን ሰራዊት ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ድሮን ናብ ውሽጢ መሬት ሱዳን ምስ ኣተወት ሃሪሙ ከም ዘውደቓ ኣፍሊጡ።
መግለጺ ሰራዊት ሱዳን፡ እታ ድሮን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዞባ ብሉ ናይል ምስ በጽሐት ሃሪሙ ከም ዘውደቓ'ዩ ዝሕብር።
![ጀነራል ዓ ብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን [ኣብ ማእከል ዘሎ] ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ንዳዕመ ስሪዕ ከምዝስዕሮም ብርእሰ ተኣማንነ ት'ዩ ዝገልጽ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2199/live/3732ab80-dc09-11f1-a701-fddedf244c16.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ ገለ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ደገፍ ይህቡ ነይሮም ብምባል ክትከስስ ጸኒሓ እያ።
ኣብዚ እዋን መንጐ ጥምረት ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውግኣት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኢትዮጵያ - ሱዳንን ኤርትራን ነቶም ዓለወኛታት ይድግፋ ኣለዋ ክትብል ከሲሳ እያ። ክልአቲን ሃገራት ነቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ክብላ ይነጽግኦ።
ካብ 23 መስከረም 2026 ጀሚሮም መንግስቲ ፌደራልን ህወሓት ኣብ ቅሉዕ ኲናት'ዮም ተጸሚዶም ዘለዉ፤ እዚ ናብ ኤርትራ'ውን ከይልሕም ዓቢ ስግኣት'ዩ ዘሎ።
ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፡ "ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወይ'ውን እዚ ምስ ህወሓት ዘሎ ኲናት እንተሰፊሑ፡ መንግስቲ እትዮጵያ ካብዞም ሓይልታት እዚኦም ብሱዳን ኣቢሉ ክመጽኦ ዝኽእል ስግኣት ንምውጋድ እንተስ ብቐጥታ ወይ'ውን ብመንገዲ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣቢሉ ክሳብ ገዳርፍን ከሰላን ናይ ምቍጽጻር ድሌት ክህልዎ ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።
ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብሸነኾም፡ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ህዝቢ ዝወርድ መጥቃዕቲ ከም ዘየካይዱን ዕላማታቶም ወተሃደራዊ ዒላማታት ሰራዊት ሱዳን ጥራይ ምዃኑን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዶባታ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሓደ ምስጢራዊ መሰልጠኒ ማእከል ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝሃነጸት ሮይተርስ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ለካቲት 2026 ዘካየዶ መርመራ ጸብጺቡ ነይሩ።
እዚ መዓስከር ወተሃደራዊ ጕጅለ ዳዕመ-ስሪዕ፡ ኣሽሓት ተዋጋእቲ ወተሃደራት ዘሰልጥነሉ ምዃኑን ብኢማራት ከም ዝምወልን ይገልጽ። ኢትዮጵያን ኢመራትን ግን ነዚ ነጺገንኦ።
ዳዕመ ሰሪዕ ግን ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ድሮናትን ካልኦት ወተሃደራዊ ንዋትን ደገፍ ከም ዝግበረሎም ሰራዊት ሱዳን ብተደጋጋሚ ጥርዓን የስምዕ ነይሩ'ዩ፤ ነዚ ዘረጋግጽ መርትዖታት'ውን ተረኺቡ'ዩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ካብ 15 ለካቲት ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2026 ጥራይ ልዕሊ 187 ድሮናት ልዕሊ 70 ግዜ ዶብ ሱዳን ከም ዝተጠሓሰ'ዩ ዝሕብር።
ብሓፈሻ ካብ ለካቲት ክሳብ ሕጂ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ውሸጢ መሬት ሱዳን ብዝፈጸማኦ ደብዳብ ብውሕዱ 484 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይሕብር፤ ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።
ወጥሪ ኢትዮጵያን ሱዳንን ግን ኣብዚ ጥራይ ዝተሓጸረ ኣይኰነን። ኢትዮጵያ ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ምህናጻ፡ እተን ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ቀረብ ማየን ካብዚ ፈለግ ዝምርኰሳ ሱዳንን ግብጽን ሕጕሳት ኣይኰናን።
ሱዳን ግብጽን ምህናጽ ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ንሃገራዊ ድሕነትን ሓደጋ ምዃኑ ብምግላጽ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰ'ዩ ብምባል'የን ዝማጐታ።
"ግብጺ ኣብ ዛዕባ ግድብ ህዳሰ ምስ ዘለዋ ሕቶ ተተሓሒዙ'ውን ግብጺ ንኢትዮጵያ ብነፈርቲ ይዅን ብኻልእ ኣገባብ ንምህራም ንኸይትፍትን፡ ነቲ ዘለዋ ስግኣት ኣብ ውሽጢ መሬት ሱዳን ንምምካኑ ንሱዳን ክሃርማ ተኽእሎ ኣሎ። ሱዳን'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኲናት ከይኣወጀት ንከም ህወሓትን ካልኦት ዕጡቓት ኢትዮጵያን ብምድጋፍ ጥራይ ከተካይዶ ትኽእል'ያ፡" ይብል ዓብዱራሕማን።
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዲ ካይደ ቡራል'ውን በዚ ይሰማማዕ።
"ሱዳን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ክትድግፍ እንከላ፡ ኣዲስ ኣበባ ድማ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ማእከላት ስልጠና ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ዳዕመ ሰሪዕ ብድጋፍ'ያ ትኸሰስ፡" ይብል።
ኣስዒቡ "እቲ ወጥሪ ኣብ ክንዲ ናብ ቀጥታዉ ወተሃደራዊ ግጭት ክልቲአን ሃገራት ናብ ናይ ውክልናን ኲናትን ፖለቲካዊ ጽልዋን ከዘዙ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ፡" ኢሉ።
ውዕላት ዘመነ መግዛእቲ
![መራሒ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሕመድቲ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/576f/live/3babd790-dc09-11f1-b441-2b33b063138f.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዶባት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣካታዒ እዩ፤ ኢትዮጵያ ብዞባ ኦጋዴን ኣብ 1977 ምስ ሶማልያ ናብ ኲናት ኣትያ ነይራ። ኣብ 1998 ባድመ ብዝተባህለት ኣካታዒት ዓዲ ምስ ኤርትራ ናብ ዶባዊ ውግእ ኣትያ።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ውግእ ስዒቡ ግን እቲ ከባቢ ብወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝተትሓዘ ይግለጽ።
ድሕሪ ኲናት 1998፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንነዊሕ እዋን ደቂሱ ዝጸንሐ ዝርርብ ዳግማይ ክትንስእ ገይረን፤ እቲ 744 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ዶባተን ክምልከት ድልየት ኣርእየን።
ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳን ኣብ 1902 ኣብ ሞንጐ ሃጸይ ምኒሊክን ኣብቲ እዋን ንሱዳን ትገዝእ ዝነበረት ብሪጣንያን'ዩ ተፈሪሙ።
ኣብ 1903 እቲ ዶብ ኣብ ዝተሰኣለሉ ግን ኢትዮጵያ ምስኣል እቲ ዶብ ብዘይህላወ ኢትዮጵያ ዝተገበረ'ዩ ብምባል ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ነይራ'ያ።
ሱዳንን ኢትዮጵያን ነቲ ናይ 1902 ውዕል ከም ዘለዎ ኣብ 1972 ክቕበለኦ'ኳ እንተተሰማማዓ፡ ብድሕሪኡ እቲ ዶባ ኣብ ባይታ ክምልከት ዘኽእል ዝወሰዳኦ ተበግሶ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ሰፊሕ ቦታታት ዘሰሓሕበን ቦታታት ኣለወን።
ሓደ ካብኡ ከኣ ኣብ መንጐአን ዝርከብ ኣል-ፋሽጋ ዝብሃል ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት'ዩ። እዚ እቲ ንምፍትሑ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዝጸንሐ ጕዳይ እዩ። ኣልፋ-ሽጋ ብወገን ኢትዮጵያ ምስ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝዳወብ ኣብ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ካብ 250 ክሳብ 600 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ልሙዕ ናይ ሕርሻ ቦታ'ዩ።
ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፡ ነዚ ዘሎ ወጥሪን ዝጸንሐ ምስሕሓብን ኣብ ግምት ብምእታው ኢትዮጵያን ሱዳንን "ናብ ኲናት ከምርሓ ይኽእል'የን፡" ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ይዛረብ።
ዓብዱራሕማን፡ "ከም ኣልፋሽጋ ዝኣመሰለ ቦታታት ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታ'ዩ፤ ኣብዚ እዋን እቲ ቦታ ኣብ ኢድ ሱዳናውያን'ዩ ዘሎ። እንተዀነ ኢትዮጵያ ናይ ይግብኣኒ'ዩ ተቕርቦ ሕቶታት ኣሎ፡" ብምባል እዚ ንባዕሉ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።
ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዲ ካይደ ቡራል ብወገኑ እዘን ሃገራት ናብ ቀጥታዊ ኲናት ክኣትዋ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ'ዩ ዝሕብር።
"ህሉው ዓቕሚ መንግስቲ ሱዳን እንተርኢና ድኹምን፡ ምስቲ ዘለዎ ኲናት ሓድሕድን ውሽጣዊ ቅልውላውን'ዩ ዝቃለስ ዘሎ። ይዅን'ምበር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት [ኢትዮጵያን ሱዳንን] ዘሎ ወጥሪ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ናይ ውክልና መልክዕ ዘለዎ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣማኻሪ ፖለቲካውን ጉዳያት ወጻእን ልኡላዊ ቤት ምክሪ ሱዳን ኣምጃድ ፋራድ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል "መንግስቲ ሱዳን ንልኡላዊ መሬቱ ናይ ምክልኻል መሰሉ ንምሕላው ውፉይ ምዃኑ ይፍለጥ፤ ምስ ኢትዮጵያ ግን ናብ ቅሉዕ ኲናት ንዘይምእታው ኵሉ ዝከኣሎ ጻዕሪ ይግብር ኣሎ፡" ኢሉ።
እቲ ሕጂ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕበን ዘሎ ግን፡ ጉዳይ ኣልፋሽጋ ኣይኰነን።
እተን ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ዘለዋ ከተማታት ሱዳን መን'ዩ ሒዙወን ዘሎ?

ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብቲ ሱዳን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝራኸባሉ ሩባ ተኸዘ ክሳብ እቲ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝራኸባሉ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ንሰለስቲኡን ሃገራት ዘራኽብ መስመር ዝዝርጋሕ ኣስታት 750 ኪሎ ሜተር መሬታዊ ዶባ'ዩ ዘለወን።
ብሓፈሻ እቲ ቀንዲ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ ሞንጎ ዳዕመ ሰሪዕን ሰራዊት ሱዳንን ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ዞባ ብሉ ናይል ክሳብ ሰለስተ ዞባታት ኮርዶፋንን ዞባ ዳርፉርን ዝዝርጋሕ'ዩ።
ኣብ ዞባ ብሉ ናይል ግንባራት ኣል ባደራካ፡ ባኮሪ፡ ገይሳንን ኩርሙክን ኣብ ዞባ ኮርዶፋን ባሩን ኣልባስያን፡ ኣብ ዞባ ኮርዶፋን ካዉዳ፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ከኣ ኡም ባሩ፡ ኮርኖይን ኣቡ ሳሩጅን እቲ ቀንዲ ግንባራት ኰይኑ ዘሎ ቦታታት'ዩ።
ኣብ ውሽጢ መሬት ሱዳን ናብ ዶባ ኢትዮጵያ ዝቐረባ ከኣ ሓያለ ከተማታት ሱዳን'የን ዘለዋ።
ካብዚ ብምብጋስ እታ ካብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ውሽጢ ሱዳን ንሸነኽ ምዕራብ 120 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ገዳርፍ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን'ያ እትርከብ።
ናብ ደቡብ ሸነኽ ኣብ እንኸደሉ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝቐረበት እትረኽባ ከተማ ዳማዚን'ያ።
ከተማ ደማዚን ርእሰ ከተማ ዞባ ብሉ ናይል ኰይና ካብ ኣባይ ዝፈሰሰ ማይ ዝሓልፈላን ዓቢ መመንጨዊ ጸዓት ዘለዎ ዲጋ ዘለዋን ካብ ዶብ ኣስታት 80 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዀይና እዛ ከተማ እዚኣ'ውን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን'ያ እትርከብ።
ልክዕ ኣብ ዶባ ኢትዮጵያ ሱዳን ኣብ ዞባ ብሉ ናይል እትርከብ ሓውሲ ከተማ ኩርሙክ ከኣ ካብ 12 ነሓሰ 2026 ጀሚሮም ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕን ብዓብልዓዚዝ ኣል ሂሉ ዝምርሑ ምንቅስቃስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን-ሰሜን [SPLM-N] ሒዞማ ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
እዛ ከተማ እዚኣ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር፡ ሓንሳብ ሰራዊት ሱዳን፡ ሓንሳብ ከኣ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕን ክሕዝዋ ዝጸንሑ ስትራቴጂካያዊት ሓውሲ ከተማ'ያ።
ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ ያቡስ ከኣ ካብ 2011 ኣትሒዞም ሰራዊት ምንቅስቃስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን-ሰሜን'ዮም ሒዞማ ይርከቡ፤ እንተዀነ ሰራዊት ሱዳን'ውን ነዚ ቦታ እዚ ንምሓዝ ተደጋጋሚ ፈተነታት ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።
ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም "ዳርጋ ኵሉ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ክፋል ናይ ሱዳን ኣብ ኢድ ሰራዊት ሱዳን'ዩ ዘሎ፡" ይብል።
ብምስዓብ "ቀንዲ ደጀን ወይ መደበር ዳዕመ ሰሪዕ ምዕራብ ሱዳን'ዩ፡ እዚ ስለ ዝዀነ ካብ ደጀኑ ኣዝዩ ርሒቑ ይዋጋእ ስለ ዘሎ ከምቲ ዝደልዮ ኣድማዒ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡ ኣብ ምብራቅ ሱዳን ዝዀነ ህዝባዊ ደገፍ የብሉን፡" ኢሉ።
ዳዕመ ሰሪዕ ብጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ ከም ዝምራሕ ይፍለጥ።
ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ምብራቅ ሱዳን ኲናት ከካይድ እንተዀይኑ፡ ካብቲ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዘሎ ደጀኑ ኣዝዩ ስለ ዝርሕቕ፡ ንኢትዮጵያ ከም ደጀኑ፡ መደበር ተዓሊሙን ቀንዲ መስመር ቀርቡን ገይሩ ይጥቀመላ ምህላዉ'ዩ ዝገልጽ።
"በዚ ድማ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክስታቱ ዘልዕል ዘሎ፡" ይብል ዓብዱራሕማን።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
