'ጉዳይ ወደብ ዓሰብ መሳርሒ ድርድር ክኸውን የብሉን` - ሰነተራት ኣመሪካ ንማርኮ ሩብዮ

ወደብ ዓሰብ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓሙሽተ ደሞክራስያውያን ሰነተራት ኣመሪካ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝዀነ ዓሰብ ብሓይሊ ንምቍጽጻር እትገብሮ ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብኣመሪካ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብንጹር ከፍልጥ ጸዊዖም።

እቶም ሰነተራት ሰሉስ ናብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ፡ ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ፡ ነዚ ንምቍጽጻር ህጹጽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክግበር ሓቲቶም።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዎም ድሌት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዕሊ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቅድሚ ሕጂ "በባሌም በቦሌም" [ብውዲ ይዅን ብግዲ] ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብና ዘይተርፍ እዩ ክብል ተሓንዩ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ "ሂብካ ምቕባል" ብዝብል መርሓ ምዃኑ ክዛረብ ተሰሚዑ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ተመሳሳሊ መግለጺ ዝሃበ ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰበስልጣን እውን፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ እንተ ዘይተዓዊቱ፡ "ወደብ ዓሰብ ናብ ኣደ ሃገራ" ምምላስ ዘይተርፍ ምዃኑ ክዛረቡ ጸኒሖም እዮም።

ብ9 ሕዳር ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝወጸ ሓተታ ግን፡ እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ክግበር ዝጸንሐ "ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት" ወይ "ቍጠባዊ ረብሓ" ብዝብል ምኽንያታት፡ ንዑኡላዊ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ "ብውዲ ወይ ብግዲ" ንምቊጽጻር ክግበር ዝጸንሐ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ንዓለምለኻዊ ሕጊታትን ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃን ዝጥሕስ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ እቶም ሓገግቲ ሕጊ ኣመሪካ፡ ዋሽንግተን "መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ንምእታው ዝገብሮ ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብኣመሪካ ደገፍ ወይ ተቐባልነት ከምዘይብሉ" ንጹር ክትገብር ኣለዋ ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንምጕዳል ኣብ ዝግበር ናይ ሽምግልና ጻዕርታት፡ ዓሰብ ከም መሳርሒ ድርድር ክቐርብ የብሉን ክብሉ ሞጒቶም።

ማርኮ ሩብዮ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራ እውን፡ "ንሰላም ዘለዋ ድሉውነት" ብምግላጽ "ኣብ ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ሕድገት ኰነ ዘተ ኣይትገብርን እያ" ክትብል ኣስሚራትሉ እያ።

ደብዳበ እዞም ሰነተራት፡ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ጸጥታዊ ቅልውላዋት ትገጥም ከምዘላ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሓይልታትን ዕጡቓት ጕጅለታትን ኣብ ትግራይ ዝግበር ኲናት፡ ምስ ሓይልታት ፋኖ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ክፋላት ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ምልዕዓል ዘጠቓልል ምዃኑ የረድእ።

ብተወሳኺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብቶም ግጭት ዘለዎም ከባቢታት ክልል ትግራይ ከምዝኣተዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ እዚ ኵነታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዝበተኾ የመልክት።

እዚ ኵነታት እዚ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንኤርትራ፡ ንሰፊሕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንዞባ ቀይሕ ባሕሪን ንቐንዲ መስመራት ኣህጉራዊ መራኽብን ዝህውኽ "ኣብ ብዙሕ ግንባራት ዝካየድ ግጭት" ክምዕብል ከምዝኽእል እቶም ሰነተራት ኣጠንቂቖም።

ኣብ ግብጽን ሱዳንን ዘሎ ዞባዊ ወጥሪ'ውን ኣተኲሮ ዝሃበ እቲ ደብዳበ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ካይሮን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብን ኲናት ሓድሕድ ሱዳንን ነቲ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ተወሳኺ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ካብቶም ካልኦት ለበዋታት፡ እቶም ሰነተራት ሓድሽ ዘተ ሰላም ክካየድ፣ ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት ክድልድልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክሰፍሕን ጸዊዖም።

ግጭታት ኣብ ዝቐጸለሉ ዘሎ ናይ ሕጂ ኵነታት፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ሓድሽ መሸጣ ኣጽዋር ደው ከተብል ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ካልኦት ተዋሳእቲ እቲ ዞባን ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋ ብምጥቃም፡ ወተሃደራዊ ጣልቃ ምትእትታው ከይህሉን ንዕጡቓት ጕጅለታት ዝግበር ደገፍ ኣጽዋር ደው ክብልን ሓቲቶም።

ኢትዮጵያ ድማ ናይ ዞባዊ ውክልና ኲናት መድረኽ ክትከውን ከምዘይብላ ኣመሪካ ብግልጺ ከተፍልጥ ኣለዋ ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ብላዕለዎት ኣባላት ኮሚቴ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ዝዀኑ ሰነተር ጂን ሻሂንን ሰነተር ክሪስቶፈር ኩንስን ሓዊሱ ብሓሙሽተ ሰነተራት ዝተፈረመ ደብዳበ ኣመልኪቱ፡ ካብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዕሊ ዝተዋህበ ርእይቶ የሎን።

ይዅን እምበር፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ ኲናት ትግራይ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሩብዮ ምስ ኤርትራ እናገደደ ዝመጸ ወጥሪ ብዅሎም ወገናት ክሃድእ፣ ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራን ዶብ ሰገር ወራር ከይፍጽማን ምዝኽኻሩ ይዝከር።

እዚ እዋናዊ መጸዋዕታ እቶም ሰነተራት ድማ ነዚ ኣብ ዋሽንግተን እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታ ዘንጸባርቕ እዩ።