ኤርትራ፡ ጻዕሪታት መንጐኛነት ኣብ ዝስምዓሉ ልኡላውነታ 'ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይኣቱ' ኣነጺራ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea/Office of the prime minister - ethiopia
ኣብዚ ቅንያት ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ "ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት" ይካየድ ከም ዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን፡ ኤርትራ ብዛዕባ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዘተ ከም ዘይትኣቱ ዳግማይ ኣረጋጊጻ።
ኣብዚ መዳይ ተበግሶ መንግስታት ሩስያን ቻይናን ክጥቀስ ቀንዩ እዩ።
ብ9 ሕዳር ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝወጸ ሓተታ፡ መንግስቲ ኤርትራ "ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" እታ ሃገር "ዘይግሃስ፡ ኣብ ዋጋ ዕድጋ ዘይኣቱን ፍጹምን" ምዃኑ ኣነጺሩ።
እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ ነቲ "ቀጻሊ ምትኹታዂን ዘንቀደ ዘመተን" ኢሉ ዝገለጾ ተግባራት እናሃለወ ክነሱ፡ "ልዑል ትዕግስትን ግትኣተ-ነብስን" ከም ዝተኸተለት ኣመልኪቱ።
እቲ ሓተታ፡ "ኤርትራ፡ ንሰላም ዘለዋ ድሉውነት ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ኣብ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ሕድገት ይኹን ዘተ ኣይትገብርን እያ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብቲ ኣብ 2022 ዝተዛዘመ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንነጀው ዝተበላሸወ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝያዳ ስግኣታት ኣብ ዝፈጠረሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ኣንጻር ህወሓት ዝተኻየደ ኲናት መሻርኽቲ'ኳ እንተ ነበራ፡ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ድፍኢትን ዝተፈጥረ ፍልልያት ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘይምትእምማን እናጐልሐ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
"ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት" ወይ "ቍጠባዊ ረብሓ" ብዝብል ምኽንያታት፡ ንልኡላዊ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ "ብውዲ ወይ ብግዲ" ንምቊጽጻር ብወገን ኢትዮጵያ ክግበር ዝጸንሐ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት፡ ንዓለምለኻዊ ሕጊታትን ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጥሕስ ምዃኑን፡ እቲ እዋናዊ ሓተታ ኣስፊሩ'ሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ኤርትራ ንምርካብ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝተፈላለየ ትረኻታት ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት እውን፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ዝረኸበትሉ መስርሕ "ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ፍትሕ" ምዃኑ ጠቒሱ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት እንተፈሺሉ፡ "ዓሰብ ናብ ኣደ ሃገራ ንምምላስ" ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ኢሉ ዘቐመጦ ሓይሊ ምጥቃም ከም ኣማራጺ ክገልጽ ተሰሚዑ'ሎ።
ኣብ መወዳእታ መዓልታት ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሞስኮ ዝተኻየደ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን "ድሌት እንተ ኣርእዮም"፡ ኣብ መንጎኦም ዘተ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣቐዲሙ፡ ብ21 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኢትዮጵያ "ክልተኦም ወገናት ብቕንዕና ዝኣምንሉ ዘዛቲ ጉዳይ የሎን፡" ብምባል፡ ጽኑዕ መርገጺኡ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ "ፍጹምን ዘይግሃስን" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ብዛዕባ ልዑላውነታ ዘተ ከም ዘይትገብር ኣነጺሩ።
ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ድማ ዝዀነ ርክብ ከምዘይተገብረ እዩ ዝፍለጥ።
ብኻልእ መዳይ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጕሉሕ ቍጠባውን ስትራተጅያውን ረብሓታት ዘለዋ ቻይና እውን፡ ምስ ክልቲኡ መንግስታት ርክባታ ኣሐይላ ቀንያ ኣላ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ሁ ቻንግቹን ብ 5 ሕዳር ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ፤ ኣብቲ ርክብ ድማ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ዞባዊ ርግኣት፡ ልምዓትን ክልተኣዊ ምትሕብባርን ዘትዮም።
ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቴዎስ እውን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጕዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነ ሊዩ ሺያንፋ ብ4 ሕዳር ርክብ ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብዚ ርክብ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት ከምዝተዘራረቡ እዩ ዝፍለጥ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና፡ ሃገሩ ሰላም ንምድንፋዕ ዘለዋ "ተወፋይነት" ኣረጋጊጹ።
እዚ ርክባት'ዚ፡ ኣካል ናይቲ ቻይና ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ እትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትን ናይ መንጐኛነት ተበግሶን ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
እንተዀነ ሩስያ ትዅን ቻይና፡ ብወግዒ ዘቕረብኦ ናይ መንጐኛነት ማዕቀፍ እኳ እንተዘየለ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ዞባውያን ተንተንትን ግን ነዚ ርክባተን ከም ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግጭታት ወጥሪ ንምህዳእ ዝግበር ሰፊሕ ጻዕርታት ገይሮም ይርእይዎ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ናይ ኤርትራ ሓተታ፡ ኣስመራ ንሃገራዊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝምልከት ሕቶታት ካብ ማዕቀፍ ዘተ ወጻኢ ገይራ ከም እትርእዮ ብንጹር ኣቐሚጡ ኣሎ።
እዚ መግለጺ፡ ኤርትራ ንሰላማዊ ዝምድናታት ክፉትቲ ምዃና፡ እንተዀነ ንመሰረታዊ ሃገራዊ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተባሂሉ ንዝእመን ዝዀነ ይዅን መስርሕ ዘተ ንምስታፍ ፍቓደኛ ከም ዘይኰነት ዘመላኽት እዩ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
