ንእሱራት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብዝምልከት ንኮምሽን ኣፍሪቃ ዝቐረበ መጸዋዕታ

ኣቶ ዓወት መብርሂ እናሃበ
መግለጺ ስእሊ, ኣካያዲ ስራሕ ፔን ኤርትራ ኣብ ስደት ኣቶ ዓወት ፍስሃየ፡ ነቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ እቶም ን25 ዓመታት ብዘይ ዝዀነ ርክብ ተኣሲሮም ዘለዉ 12 ኤርትራውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ማሕበር ጸሓፍቲ ዓለም - ፔን ኢንተርናሽናል - መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ 2001 ኣብ ልዕሊ እቶም ብጕጀለ-15 ዝፍለጡ ተቓወምቲ መንግስቲ ዝተወስደ ማእሰርቲ ስዒቡ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብዝምልከት ዝተውሃበ ውሳነታት ኮምሽን ከም ዘየኽበረ ብምኽሳስ፡ ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ (ACHPR) ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተረረ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዑ።

ነዚ ኣብ ዝመልከት ኣብቲ ካብ 12 ክሳዕ 21 ጥቅምቲ ኣብ ዳካር ርእሰ ከተማ ሰኔጋል ኣብ ዝተኻየደ መበል 89 ስሩዕ ኣኼባ ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ መደረ ዘስመዐ ኣካያዲ ስራሕ ፔን ኤርትራ ኣብ ስደት ኣቶ ዓወት ፍስሃየ፡ ነቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ እቶም ን25 ዓመታት ብዘይ ዝዀነ ርክብ ተኣሲሮም ዘለዉ 12 ኤርትራውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ብዝምልከት ንዘሕለፎ ውሳነታት "ተኸታታሊ ዘይምኽባር" ክብል ዝገለጾ ጉዳይ እቲ ኮምሽን ፍታሕ ክገብረሉ ጸዊዑ።

ፔን ኢንተርናሽናል ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም እሱራት ኣብ መስከረም 2001 መንግስቲ ናጻ ፕረስ ኤርትራ ብምዕጻው ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ፖለቲካውያን ነቐፍትን ኣብ ዘካየዶ ማእሰርቲ ከም ዝተታሕዙ ገሊጹ።

እቲ ትካል ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ብመስከረም 2001 ናጻ ፕረስ ኤርትራ ክዕጾ እንከሎ ዝተኣስሩን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ብወግዒ ዘይተፈልጠን 12 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብዘይ ክስን ፍርድን ተሓይሮም ዝርከቡ ኰይኖም፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ዳዊት ይስሓቕ፡ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ (ማቹ)፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ሳህለ ጸጋዘኣብ (ወዲ-ኢታይ)፡ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ስዒድ እድሪስ (ኣቡ ዓረ)፡ ስዩም ጸሃየ፡ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ እዮም።

ብመሰረት ፔን ኢንተርናሽናል፡ እዞም እሱራት ምስ ጠበቓታት፡ ኣባላት ስድራቤቶም፡ ሕክምናዊ ክንክንን ከም ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ናጻ ተዓዘብትን ንኸይራኸቡ ተኸልኪሎም እዮም።

ኣቶ ዓወት ንኮምሽን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንሳቶም ካብቶም ኣብ ዓለም ንነዊሕ እዋን ዝተኣስሩ ጸሓፍቲ እዮም" ብምባል፡ ማእሰርቶም ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ግዱድ ምስዋር ዝቝጸር ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

ፔን ኢንተርናሽናል ከም ዝገለጾ፡ ስድራቤት እቶም እሱራት ብዛዕባ ኣበይ ምህላዎም፡ ኵነታት ጥዕናኦም ወይ ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝዀነ ይዅን ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይረኸቡን።

እቲ ትካል ነቲ 'ዓንቀጽ 19 ኣንጻር ኤርትራ' ብዝብል ዝፍለጥን ኤርትራ ንሓያሎ ድንጋገታት ቻርተር ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ከም ዝጠሓሰት ዘረጋገጸን ናይ 2007 ታሪኻዊ ውሳነ ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ኮምሽን፡ እቶም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ወይ ፍትሓዊ ፍርዲ ክረኽቡን ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዝተነብረ እገዳ ክልዓልን ጸዊዑ ነይሩ እዩ።

ፔን ኢንተርናሽናል፡ ኤርትራ ነዚ ውሳነታትን ድሕሪኡ በቲ ኮምሽን ዝወጸ ምኽረ-ሓሳባትን ኣብ ግብሪ ከም ዘየውዓለቶ የረድእ።

እቲ ትካል ነቲ ኤርትራ ዘርኣየቶ ዘይምኽባር ሕጊ ብዕሊ ክስንዶን ብግህዶ ክዅንኖን፣ እቶም እሱራት ብህይወት ከም ዘለዉ መርትዖ ክሓትትን፣ ከምኡ'ውን ፍሉይ ጸብጻቢ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ናይቲ ኮምሽንን ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ዝርከብዎም ናጻ ተዓዘብቲ ክበጽሕዎም መንግስቲ ከፍቅድ ጸቕጢ ክገብርን ንኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ 'ባህሊ ዘይተሓታትነት' ክብል ዝገለጾ ኵነታት ንምፍታሕ ተወሳኺ ናይ ተሓታትነት ኣገባባት ኣብ ግምት ከእቱ ኣተሓሳሲቡ።

ኣቶ ዓወት፡ "ተኣማንነት ናይቲ ኣፍሪቃዊ ዞባዊ ስርዓት ሰብኣዊ መሰላትና፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ውሳነታቱ ንምትግባር ዘለዎ ሓይሊ እዩ ዝምርኰስ፡" ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ናጻ ሚድያን ፖለቲካዊ ተቓውሞን ጽኑዕ እገዳታት ክገብር ጸኒሑ እዩ። ሰበ-ስልጣን ብዛዕባ እቶም ኣብ 2001 ዝተኻየደ ማእሰርቲ ዝተታሕዙ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃቡን፤ ምስተን ትካላት እውን ኣይተሓባበሩን።

ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ክሳብ እዚ ዜና ዝሕተመሉ እዋን፡ ብዛዕባ እዚ ናይ መወዳእታ መግለጺ ፔን ኢንተርናሽናል ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃቡን።