ቀጥታ , 'እወ ንሰላም፡ ኣይፋል ንኲናት፡ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ

ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝተገብረ ሰልፊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ክኽበር ጻውዒት ቀሪቡ። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ንምግሃስ ተስምዖ ዘላ ምፍርራሕ ክኹንኖ'ውን ጻውዒት ቀሪቡ።

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢትዮጵያ መበል ሓምሸይቲ ዓባይ ቍጠባ ኣፍሪቃ ኰይና፡ ኣብ ናብራ ዜጋታት ግና እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

    ኢትዮጵያ ንመለክዒ ድምር ውሽጣዊ ፍርያታ (GDP) ብምምሕያሽ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነበራ መበል ታሽዓይ ደረጃ ብሓንሳእ ናብ መበል ሓምሻይ ከም ዝደየበት ዕላዊ ገይራ ኣላ።

    ብ4 ሕዳር 2026 ምኒስትሪ ሃገራዊ ስትራተጂ ምስ ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ብምትሕብባር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ቍጠባ ብ59.2 ሚእታዊት ወሲኹ 201.42 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ (24.03 ትሪልዮን ብር) ከም ዝበጽሐ የመልክት።

    ኣብ ባጀት ዓመት 2025/26 ድማ እዚ ቍጽሪ ናብ 31.86 ትሪልዮን ብር (210.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ክብ ክብል ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

    ይዅን'ምበር፡ እዚ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ናይ 59% ወሰኽ፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን ድኽነትን ክነጻጸር እንከሎ፡ ንተራ ዜጋታት ዘደናግር ኰይኑ ይርከብ፤ ምኽንያቱ፡ ኣብ ዕዳጋታትን መነባብሮ ዜጋታትን ዝተራእየ ቅጽበታዊ ለውጢ የሎን።

    ብመሰረት እዚ ሓድሽ ምትዕርራይ፡ ኢትዮጵያ ንሞሮኮን ኬንያን ብምቕዳም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ናይጀርያን ኣልጀርያን ተኸቲላ መበል ሓምሸይቲ ዓባይ ቍጠባ ኰይና ኣላ።

    ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ድማ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን መበል ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

  2. ኢትዮጵያ ንመጥቃዕቲ ሳይበር ዝተቓለዐት ድያ?

    ኢትዮጵያ ንመጥቃዕቲ ሳይበር ዝተቓለዐት ድያ?

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ፈረንሳ ዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ዲጂታላዊ ናይ ድሕነት ስግኣታት ካብ ኮምፒተራትን መርበባት ሓበሬታን ሓሊፉ፡ ንመዓልታዊ ህይወት ሰባት ብቐጥታ ክጸሉ ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኣማኢት ሱፐርማርኬታት ዝርከቡ ስርዓታት መዝሓሊ (ፍሪጅታት) ካብ መጠን ንላዕሊ ክውዕዩ ብምግባር፡ ብሚልዮናት ዩሮ ዝቝጸር ቀረብ መግቢ ክበላሾ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

    ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ተመሳሳሊ ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።

    እዞም መጥቃዕትታት ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ዝሕብር መረጋገጺ እኳ እንተ ዘይተረኸበ፡ ኣብ ንግዳዊ ትካላት፡ ኣገልግሎት ቀረብ መግብን ኣውቶማቲካዊ ናይ ኢንዱስትሪ ስርዓታትን ንዘሎ ሳይበራዊ ተቓላዕነት ዘጕልሕ እዩ።

  3. ዋሽንግተን፡ ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ዝበለቶም ሰለስተ ሰባት ትኸስስ

    ዋሽንግተን፡ ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ዝበለቶም ሰለስተ ሰባት ትኸስስ

    ምኒስትሪ ፍትሒ ኣሜሪካ ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ዝበለቶም ሰለስተ ውልቀሰባት ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ተኸታታሊ ውዲት ከምዝተሳተፉ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊኦም ክሲ ከምዝመስረተ ኣፍሊጡ።

    እቲ ምኒስትሪ፡ ሰለይቲ ኢራን "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝርከብ መደበር ኣየር ዒላማ ብምግባር ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝሓሰቡ" ገሊጹ።

    ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ሰባት ዜግነት ኢራንን ዒራቕን ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ኒውዮርክ ኮይኑ ምስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ሰባት ይራኸብ ነይሩ ብምባል ይኽሰስ።እቶም ካልኦት ክልተ ተኸሰስቲ ካብ ውሽጢ ኢራን ተመሳሳሊ ስራሕ ከምዝተዋህቦም ይጥርጠሩ።

    ኢራን ምስቲ ኣብ ጥቓ እቲ መደበር ሓይሊ ኣየር ፌርፎርድ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝኾነ ምትእስሳር ከምዘይብላ ኣትሪራ ነጺጋቶ ኣላ፡ ምስቲ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር ድማ 7 ሰባት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

    ተወሳኺ፡

  4. ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ድሕሪ 9 ዓመት ብዝለዓለ ውፅኢት ዝተመረቓ ሰለስተ መሓዙት ደኳትር

    ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ድሕሪ 9 ዓመት ብዝለዓለ ውፅኢት ዝተመረቓ ሰለስተ መሓዙት ደኳትር

    ዩኒቨርስቲ መቐለ : 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም [ግ] ኣብ መበል 17 ዙር ካብ ዘመረቘም ሓካይም፡ ሰለስተ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገባ መሓዙት ደቂ ኣንስትዮ ይርከበአን።

    ዶክተር መብርሂት ግርማይ፡ ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ነጥቢ ብምምዝጋብ፡ ማእኸላይ ነጥቢ 3.92 ኣምፂኣ ተመሪቓ።

    ዶክተር ኤደን ወርቅነህ ድማ 3.90፡ ዶክተር እመቤት በሪሁ 3.77 ነጥቢ ኣመዝጊበን።

    እተን ሰለስተ ዶኳትር፡ ኣብታ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ኲናት ተሸሚማ ዝፀንሐት ክልል ዝዓበያ እየን።

    እቲ ዩኒቨርስቲ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ንሰለስተ ዓመት ምምሃር ኣቋሪፁ ምንባሩ ይዝከር።

    መጀመርታ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19ን ካብኡ ድማ ብሰሰንኪ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ፡ ከም ንቡር ንሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ዝወስድ ትምህርቲ ሕክምና፡ ትሸዓተ ዓመት ክከታተላ ተገዲደን።

  5. ሱዳን፡ ብጀዱ መሓመድ ዝምርሑ 120 ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሮም

    ናብ ሰራዊት ሱዳን ዝተጸንበሩ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ምስ ኣጽዋሮም

    ኣብ ሱዳን፡ 20 ወተሃደራውያን መካይን ዝዓጠቑ 120 ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ካብቲ ጕጅለ ተፈንጪሎም ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ እታ ሃገር ንዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ኢዶም ከም ዝሃቡ ተገሊጹ።

    ወግዓዊ ወኪል ዜና ሱዳን ሱና ከም ዝሓበሮ፡ ብጀዱ መሓመድ ሓሚድ ሾቓር ዝምራሕ እዚ ካብ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተፈንጨለ ጕጅለ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣገልግሎት ሓፈሻዊ ስለያን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ትማሊ ሰሉስ 10 ሕዳር 2026 ናብ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ብወግዒ ተጸንቢሩ።

    ሾቓር ነቲ ዝወሰድዎ ናይ ምፍንጫል ስጕምቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣመራርሓ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ "ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ ምቍጽጻር ኣጥፊኡ ኣሎ፡" ክብል ገሊጹ።

    ኣስዒቡ ድማ ገለ ኣዘዝቲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ካብ ደጋውያን ኣካላትን ኣብቲ ውድብ ካብ ዝንቀሳቐሱ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታትን ትእዛዝ ይቕበሉ ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ተቓውሞ ኣንጻርቲ "እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታትን በደላትን፡" ምዃኑ ኣስሚርሉ።

    ናጻ መርበብ ሓበሬታ 'ኡልትራ ሱዳን' ብወገኑ፡ እዚ ዕጡቕ ጕጅለ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ብምብጋስ እዩ ኣብቲ ደቡባዊ-ምብራቓዊ ዞባ ብሉ ናይል ንሰራዊት ሱዳን ኢዱ ሂቡ ክብል ጸብጺቡ።

    ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ እዚ ዝተገልጸ ምፍንጫል ዛጊት ዝሃብዎ ወግዓዊ ርእይቶ የሎን። እንተዀነ፡ እዚ ተርእዮ እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተራእየ ተኸታታሊ ምፍንጫላት ኰይኑ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ላዕለዎት ኣዘዝትን ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ተፈልዮም ናብ ሰራዊት ሱዳን ዝጽንበርሉ ዘለዉ እዋን ምዃኑ ይግለጽ።

    ተወሳኺ፤

  6. ልዕሊ 12 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኣሜሪካ ካብ መደበር ዓባይ ብሪጣንያ ወጺአን

    ልዕሊ 12 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኣሜሪካ ካብ መደበር ዓባይ ብሪጣንያ ወጺአን

    ልዕሊ 12 ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ፡ ምስ ኢራን ብዝተኣሳሰር ጸጥታዊ ፍጻመ ብዝብል ጥርጣረ ካብ ራፍ ፌርፎርድ መደበር ኣየር ብሪጣንያ ወጺአን።

    ዎልስትሪት ጆርናል ከም ዝጸብጸቦ፡ ናይዚ ሰሙን ምውጻእ ንተወሳኺ ስግኣት ኢራን ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ቢቢሲ ግን ነዚ ትረኻ ብናጻ ኣየረጋገጸን።

    መንግስቲ ብሪጣንያ፡ መደበራት ኣየር ብሪጣንያ ውሑሳት ምዃኖምን ጸጥታኦም "ቀዳምነት ዝወሃቦ" ምዃኑን ኣፍሊጡ።

    ቢቢሲ ቨሪፋይ ትማሊ ሶኑይ 10 ዓበይቲ ነፈርቲ ውግእ USAF KC-135 ካብ መደበር ሓይሊ ኣየር ክወጻ ክርኢ ክኢሉ።

    ካልኦት ካብቲ መደበር ዝወጻ ክልተ ነፈርቲ፡ ፈለማ ናብ ጀርመንን ኢጣልያን ዝርከባ መደበራት ኣመሪካ እየን ዓሊበን ነይረን።

    ኣስታት 3000 ወተሃደራዊ ኣባላት ኣብታ ካብ ለንደን ንሰሜን ኣስታት 130 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ራፍ ሚልደንሃል ዓስኪሮም ኣለዉ።

    እቲ መደበር መብዛሕትኡ ግዜ ንነዳዲ ምምላእን ጽገናን ዝውዕል እዩ።

    ተወሳኺ፤

  7. ኢጣልያ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስ ተወፋይነት የብለንን ክትብል ነቒፋ

    ምኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ጒዶ ክሮሰቶ

    ምኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ጒዶ ክሮሰቶ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕነት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ንምሕያል ዛጊት ጭቡጥ ስጕምቲ ኣይወሰዳን ክብል ነቒፉ።

    ክሮሰቶ ኣብ መስከረም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2024 ዘቘሞ ልኡኽ ሓለዋ ባሕሪ ንኸሐይል ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ። እዚ ልኡኽ፡ ነቶም ኣብ የመን ዝንቀሳቐሱን ብኢራን ዝድገፉን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ዝተጀመረ እዩ።

    እቲ ምኒስተር ምስ ወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለመሕተት፡ "ክሳዕ ሕጂ ዝረኣኽዎ ጭቡጥ ለውጢ የሎን፡" ኢሉ። እንተዀነ፡ ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካያ ካላስ፡ ነቲ ጠለብ ኢጣልያ ብግቡእ ከም እትርድኦ ገሊጻ።

    ካላስ ነቲ ናይ ምኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ነቐፌታ ተኸቲላ ን27 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ እቲ ልኡኽ ውጽኢታዊ ንክኸውን ካብ 10 ንላዕሊ መራኽብ ኲናት ከም ዘድልዮ ብምሕባር፡ እተን ሃገራት ዘለወን ኣበርክቶ ከዕብያ ጸዊዓ።

    ጋዜጣ ኢጣልያ 'ኢል ሶለ 24 ኦረ' ከም ዝጸብጸበቶ፡ ኣብ መንጎ እተን ኣባላት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክሳዕ ሕጂ ፍረ ኣየምጽአን። ሓደ ካብቲ ጠንቂ ድማ ውሱን ወተሃደራዊ ዓቕሚ ዘለወን ገለ ሃገራት ንመራኽበን ናብቲ ቦታ ንምውፋር ድልዋት ብዘይምዃነን እዩ።

    ክሮሰቶ፡ "ሲሶ ናይቲ ወፍርታት ኤውሮጳ ኣብ ኣበርክቶ ኢጣልያ ዝተመርኰሰ እዩ። ካባና ኣዝየን ዓበይቲ ዝዀና ሃገራት ግና ካብኡ ኣዝዩ ዝተሓተ ኣበርክቶ እዩ ዘለወን፡" ኢሉ።

    ኣስዒቡ ድማ፡ "ኣብዞም ልኡኻት ወፍሪ ምግባር ቅኑዕ እንተዀይኑ፡ ኵለን ሃገራት ከከም ዓቕመን ብተመጣጣኒ መንገዲ ከበርክታ ኣለወን፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

    ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ወጥሪ፡ ንዓለማዊ ንግድን ቀረብ ጸዓትን ኣገደስቲ መስመራት ንዝዀኑ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብን መጻብቦ ሆርሙዝን ብምዕጋቱ፡ ወጻኢታት መጓዓዝያ ባሕሪ ክብ ንኽብልን ናህሪ ዋጋታትን ቍጠባዊ ጸቕጥን ክውስኽን ገይሩ ኣሎ።

    ማሕበር ወነንቲ መራኽብ ኢጣልያ 'ኣሳርማቶሪ' ከም ዘመልከቶ፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ካብቲ ኢጣልያ ምስ ደጋዊ ዓለም እተካይዶ ንግዲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ ብዝርከብ መትረብ ስወጽ ኣቢሉ ዝሓልፍ እዩ።

    ኣብ ቀረባ እዋን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብን ስትራተጅያዊ ትካላትን ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ኣብ ዘሐይልሉ ዘለዉ እዋን፡ ስዑዲ ዓረብ’ውን ኣብ የመን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ሑቲ ደብዳብ ነፈርቲ ምፍጻም ትቕጽል ኣላ።

    ተወሳኺ፤

  8. ሰላም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ቀጥታዊ ፈነወና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

    ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሓበሬታትን ዜናን ክነቕርበልኩም ኢና።

    ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ክትከታተሉና እንተደሊኹም፡