ኢትዮጵያ ንመጥቃዕቲ ሳይበር ዝተቓለዐት ድያ?

ኢትዮጵያ ንመጥቃዕቲ ሳይበር ዝተቓለዐት ድያ?
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ፈረንሳ ዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ዲጂታላዊ ናይ ድሕነት ስግኣታት ካብ ኮምፒተራትን መርበባት ሓበሬታን ሓሊፉ፡ ንመዓልታዊ ህይወት ሰባት ብቐጥታ ክጸሉ ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኣማኢት ሱፐርማርኬታት ዝርከቡ ስርዓታት መዝሓሊ (ፍሪጅታት) ካብ መጠን ንላዕሊ ክውዕዩ ብምግባር፡ ብሚልዮናት ዩሮ ዝቝጸር ቀረብ መግቢ ክበላሾ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ተመሳሳሊ ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።

እዞም መጥቃዕትታት ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ዝሕብር መረጋገጺ እኳ እንተ ዘይተረኸበ፡ ኣብ ንግዳዊ ትካላት፡ ኣገልግሎት ቀረብ መግብን ኣውቶማቲካዊ ናይ ኢንዱስትሪ ስርዓታትን ንዘሎ ሳይበራዊ ተቓላዕነት ዘጕልሕ እዩ።

ዋና ዳይረክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ (INSA) ትእግስት ሓሚድ፡ "ንጡፍ ዜጋ ንውሑስ ሃገር" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኸበረ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ ወርሒ ሳይበራዊ ድሕነት ኣብ ዘበሰረትሉ እዋን፡ ቍጽርን ጽልዋን ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ብደረጃ ዓለምን ሃገርን ብዓቢዩ ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጻ።

ንሳ፡ ብደረጃ ዓለም ብሰንኪ ሳይበራዊ ገበናት ዝስዕብ ዓመታዊ ቍጠባዊ ክሳራ፡ ካብ 9.5 ትሪልዮን ክሳብ 10.5 ትሪልዮን ዶላር ከም ዝበጽሐ ኣመልኪታ።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ናይ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈተነታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 71,000 ናይ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈተነታት ከም ዝተመዝገበ ገሊጻ።

መጥቃዕቲ ሳይበር እንታይ እዩ?

ሳይበራዊ ገበን (ስርሰራ)፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓታት ኮምፒተር፡ መኽዘን ሓበሬታ (ዳታቤዝ)፡ መርበብ ሓበሬታ (ዌብሳይት) ወይ መርበብ ርክብ (ኔትወርክ) ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ዲጂታላዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ፡ መስራትን ዳይሬክተርን ማሕበር ሳይበራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ዶክተር ብርሃኑ በየነ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝረኣዩ ቀንዲ ዓይነታት ሳይበራዊ ገበናት ድማ፡ ምዝማት ሓበሬታ (Data Breach)፡ ብኢመይል ዝፍጸም ምትላል (Phishing)፡ ጐዳኢ ሶፍትዌር (Malware) ከምኡ'ውን መተሓላለኺ ሶፍትዌር (Ransomware) እዮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት እቲ ዓውዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ስግኣት ሳይበራዊ ገበን እውን ብተመሳሳሊ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ የረድኡ።

ዶር

ስለምንታይ እዩ መጥቃዕቲ ሳይበር ወሲኹ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶክተር ብርሃኑ፡ ምውሳኽ ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ምስ ሓያሎ ቴክኖሎጂያውን ጂኦፖለቲካውን ለውጥታት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ይገልጽ።

ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ድማ ምቅልጣፍ ዲጂታላዊ ምዕባለ፡ ምስፍሕፋሕ ኪነታዊ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ - AI)፡ ምብዛሕ መጥቃዕትታት መተሓላለኺ ሶፍትዌር (ራንሰምዌር)፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝረአ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ሰብ-ተኮር ናይ ምትላል ሜላታትን (Social Engineering) ኣብ ብልሓተኛታት (ስማርት) መሳርሒታት ዝረአ ድሩት ናይ ድሕነት ውሕስነትን ይርከብዎም።

ብፍላይ ኪነታዊ-ብልሒ ንሳይበራዊ መጥቃዕትታት ንምፍጻምን ንምክልኻልን ኣብ ኣገልግሎት ምውዓሉ፡ ነቲ ኵነታት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ገይርዎ ኣሎ።

ዶክተር ብርሃኑ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዓለምና ዝካየዱ ኲናታት ኣብ ክልተ፡ ማለት "ቅሉዓትን ስዉራትን" ተባሂሎም እንተ ተመዲቦም፡ "እቲ ስዉር ኲናት ይገድድ" ክብል የረድእ፤ እዚ ድማ ኣብ ዳታን ሳይበራዊ ድሕነትን ዝተመርኰሰ ምዃኑ የብርህ።

ሰብ-ተኮር ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ካልእ ዓቢ ስግኣት ምዃኑ ዝገለጸ ዶክተር ብርሃኑ፡ ገበነኛታት ናይ ሰባት ባህርያትን ድኽመታትን ብምጽናዕ ዘካይድዎ ምትላል ዝያዳ ልሙድን ንምክልኻሉ ኣጸጋምን እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዶክተር ብርሃኑ፡ ምስጡር ዲጂታላዊ ባጤራን (ክሪፕቶካረንሲ) መርበባት ሓበሬታን ካልእ ቀንዲ ዒላማታት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ እቲ ፍሉጥ ትካል ክሪፕቶካረንሲ ዝዀነ 'ባይናንስ' (Binance)፡ ኣስታት 6.3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዲጂታላዊ ባጤራ ዝጸለወ ስርቂ ከም ዘጋጠሞ ኣዘኻኺሩ።

ምስጡር ዲጂታላዊ ባጤራ ብሕቡእ ዝፍጸም ገንዘባዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝዀነ፡ ንተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ኣዝዩ ተቓላዒ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣካላት ክለለዩ ይኽእሉ ድዮም?

ብመሰረት ኣተሓባባሪት መደብ ማሕበር ሳይበራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ማቲልዳ ጆቫኒ፡ ብመንገዲ ዲጂታላዊ መርመራ ገበን (ዲጂታላዊ ፎረንሲክስ)፡ ምንጪ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ኣገባብን ካብቲ መጥቃዕቲ ተጠቃሚ ዝኸውን ኣካልን ምልላይ ይከኣል እዩ።

እንተዀነ፡ ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ዘለዎም ዓለምለኻዊ ባህሪ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝተዘርግሑ መተኣናገድቲ (ሰርቨራት) ምጥቃሞምን መንነት ዝሓብኡ ናይ ቴክኖሎጂ መሳርሒታት ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዕሉን፡ መንነት ናይቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣካላት ንምልላይ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ኣድራሻታት ኣይ-ፒ (IP addresses)፡ ኣስማት ዓውዲ (Domain names) ከምኡ'ውን ምርመራ ኮድ ጐዳኢ ሶፍትዌር (Malware code analysis)፡ ምንጪ ናይቲ መጥቃዕትን ፈጻሚኡን ንምልላይ ክሕግዙ ዝኽእሉ ቀንዲ ረቛሒታት እዮም።

መንነት እቶም ገበነኛታት ንምፍላጥ ድማ ዝተጠቕምሉ ኣገባብ መጥቃዕቲ፡ ኣብቶም ናይ ምትላል መልእኽትታት (Phishing) ዝተጠቕምሉ ቋንቋን እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ሰዓታትን ብምምርማር ኣገደስቲ ፍንጪታት ምርካብ ይከኣል።

ይዅን'ምበር፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣካላት መገዲ ንምስሓት ኰነ ኢሎም ኣሰር ካልእ ጕጅለ ክገድፉ ስለ ዝኽእሉ፡ ክኢላታት ነቲ ኵሉ ቴክኒካውን ባህርያውን ፍንጪታት ብምውህሃድ እዮም መንነት ናይቲ ገበነኛ ዝውስኑ።

ስርሰራ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ እዩ?

ብመሰረት ክኢላታት ማሕበር ሳይበራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ካብቲ ዘስዕቦ ፋይናንሳዊ ክሳራ ንላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነት፡ ቍጠባ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ማሕበራዊ ምርግጋእን ከቢድ ዕንወት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

እቶም ክኢላታት ከም ዘረድእዎ፡ ዘመናዊ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ንባንካዊ ኣገልግሎታት ካብ ምዝራግ ሓሊፉ፡ ንመርበባት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከሰናኽል ይኽእል እዩ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምዝርጋሕ ኣብ ልዕሊ ስርዓታት ጥዕና መጥቃዕትታት ክፍጽሙን ማሕበራዊ ጎነጽ ከስዕቡን ከም ዝኽእሉ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

ዓለምለኻውያን ክኢላታት ብወገኖም፡ ካብቲ ኣብ ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን ዝካየድ ውግእ፡ እቲ ብዲጂታላዊ መንገዲ ዝፍጸም ሳይበራዊ ኲናት ዝያዳ ኣዕናዊ እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎ የረድኡ።

ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ተቓላዒት እያ?

ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታላዊ ምስግጋር (ዲጂታላይዘሽን) እናተቐላጠፈ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዒላማ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ወሰንቲ መሰረተ-ልምዓታት እናወሰኹ ይመጹ ኣለዉ።

ካብ መንጎ እዚኦም ድማ መመንጨዊታት ሓይሊ ኤለክትሪክን ዲጋታትን፡ ትካላት ጥዕና፡ ባንካውን ናይ ክፍሊትን ስርዓታት፡ መርበባት ተሌኮሙኒኬሽን፡ ኣገልግሎታት ኣቪየሽንን ናይ መንግስቲ ስርዓተ-ሓበሬታን ይርከብዎም።

ብፍላይ ድማ ምውሳኽ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኢንተርነት፡ ኣገልግሎት ሞባይል ባንኪንግን ምስፍሕፋሕ ዲጂታላዊ ኣገባብ ክፍሊትን፡ ንሳይበራዊ ድሕነት ቀዳምነት ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ።

እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኣቶ መጠንቀቕታ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ዜጋታት እንተ ወሓደ ንሰለስተ መዓልታት ዝኸውን ቀረብ መግብን ማይን ከዋህልሉ መኺራ።

ጃፓን ብተመሳሳሊ፡ ዜጋታት ንሰለስተ መዓልታት፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ኣገደስቲ ቀረባት ክኽዝኑ ኣተሓሳሲባ ኣላ፤ እዚ ድማ ካብ ሕዳር 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ መምርሒ ድልውነት ሓደጋታት እዩ።

ጀርመን፡ ሽወደን፡ ኖርወይን ፊንላንድን እውን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተመሳሳሊ ናይ ድልውነት ምኽሪታት ይህባ ኣለዋ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ፈደራላዊ ኤጀንሲ ምሕደራ ህጹጽ እዋናት (FEMA)፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት እንተ ወሓደ ንሰለስተ መዓልታት ዝኣክል መግቢ፡ ማይን ካልኦት ኣገደስቲ ቀረባትን ከዋህልል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ይመክር ነይሩ።

ብመሰረት ክኢላ ሳይበራዊ ድሕነት ዶክተር ብርሃኑ፡ እዘን ሃገራት ንዜጋታተን፡ ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ወይ ካልኦት ህጹጻት ሓደጋታት ምስ ዘጋጥሙ ርእሶም ንምክልኻል ዘኽእል ናይ መጠንቀቕታን ድልውነትን ሓበሬታታት ይህባ ኣለዋ።

እንተዀነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይን ኣቐዲምካ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽትታት ንምትሕልላፍን ዘኽእል ዝማዕበለ ስርዓት ከም ዘየለ ብምሕባር፡ ካብተን ሃገራት ተመኵሮታት ክውሰድ ኣተሓሳሲቡ።

ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ንምንካይ፡ ቴክኖሎጂያዊ መፍትሒታት ጥራይ እኹል ከም ዘይኰነ ዝመኽሩ እቶም ክኢላታት፡ ንቕሓት ህዝቢ ምዕባይ፡ ትካላዊ ድልውነትን ድልዱል ፖሊሲታትን ምህላው እውን ወሳኒ ምዃኑ የረድኡ።

ማቲልዳ ብወገና ክውሰዱ ዝግበኦም ጥንቃቐታት ኣብ ዝገለጸትሉ እዋን፡ ሳይበራዊ ንቕሓት ምዕባይ፡ ንሰራሕተኛታት ቀጻሊ ስልጠና ምሃብን ስሩዕ ናይ ድሕነት መርመራ (ኦዲት) ምክያድን ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሳ። ብተወሳኺ፡ ጽኑዕ ፖሊሲታት ሳይበራዊ ድሕነት ምትግባር፡ ምልክታት መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ምሕባርን ወሰንቲ መሰረተ-ልምዓታት ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ሓለዋ ከም ዝኣትዉ ምግባርን ከም ዘድሊ መኺራ።

ኣብ ልዕሊ ሱፐርማርኬታት ፈረንሳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብሰንኪ ሳይበራዊ ገበናት ዝበጽሕ ጕድኣት ኣብ ስርቂ ሓበሬታ (ዳታ) ጥራይ ዝተሓጽረ ከም ዘይኰነ ዘርኢ እዩ።

ዲጂታላዊ ስርዓታት ኣካል ቍጠባ፡ ሰንሰለት ቀረብ መግቢ፡ ትካላት ጥዕናን ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን፡ ሳይበራዊ ድሕነት ናይ ቴክኖሎጂ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ልምዓትን ልኡላውነትን ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሃገራት ኣፍሪቃ ዲጂታላዊ መሰረተ-ልምዓታተን ኣብ ዘስፍሓሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣንጻር ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ድልዱል መከላኸሊ ምህናጽ፡ ንመጻኢ ቍልፊ ብድሆ ኰይኑ ክቕጽል እዩ።