ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ
ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኢራን፡ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤል ዝሃበቶ ግብረመልሲ ብኸመይ'ዩ ቅጽበታዊ ኰይኑ?
ወተሃደራት እስራኤል፡ ንፍልስጤማዊ ቈልዓ ብጥይት ሃሪሞም ክሳብ ዝመውት ደው ኢሎም ምርኣዮም ዘረጋገጸ ቪድዮ
ኢማራት፡ ቱርኪን ስዑድያን ካብ ኢትዮጵያ እንታይ'የን ዝደልያ?
ኣመሪካ ንኢራን እንተኣጥቂዓ ክስዕቡ ዝኽእሉ ሸውዓተ ተኽእሎታት
ቦርድ ሰላም ትራምፕ፡ መን ተጸንቢሩ - ስለ ምንታይከ ኣካታዒ ኰይኑ?
'ሞት ምሓሸኒ፡ ጕዕዞ ሲኦል'ዩ ነይሩ' - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ
‘እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም ዳግማይ ከምዘይለዓል ክውቃዕ ይኽእል’ዩ’- ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ “እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም፡ ማልሳይ ከም ዘይለዓል ክውቃዕ ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም።
ኻሜኒ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ እዮም፡ ነዚ መጠንቀቕታ ሂቦም ዘለዉ።
ዶናልድ ትራምፕ ዋሽንግተን ምስ ኢራን ኣትያቶ ምስ ዘላ ውጥጥ ብዝዛመድ፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኩሉ ብዛዕባ ሓያልነት ሰራዊት ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ’ዩ።
ናብ ኢራን መራኽብ ኵናት ዘፀግዐት ኣመሪካ፡ ኢራን ንዝቐርቡላ ቅድመ ኩነታት ተቐቢላ ኣብ ስምምዕ እንተድኣ ዘይበፂሓ፡ ስጉምቲ ከም ዝውሰዳ ትራምፕ ምጥንቃቑ ይፍለጥ።
ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ “ፕረዚደንት ኣመሪካ ሰራዊቱ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይዛረብ። ሓደ ሓደ ግዘ እቲ ሓያል ዝተብሃለ ሰራዊት ከም ዘይለዓል ተገይሩ ክውቃዕ ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም።
እቶም ላዕለዋይ መራሒ ወሲኾም፡ ኣመሪካ ንመራኽብ ኵናት ናብ ኢራን ከም ዝለኣኸት ብተደጋጋሚ ትገልፅ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ “እተን መራኽብ ሓደገኛ መሳርሒ’የን፤ እንተኾነ እቲ ዝበለፀ ሓደገኛ፡ እዘን መራኽብ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ክጥሕላ ዝገብር መሳርሒ (ኣፅዋር) እዩ” ኢሎም።
ኣመሪካ ሰለስተ ኣዕነውቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝመርሓ፡ ኤፍ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ሓዊሱ 90 ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን 5,680 ሰራሕተኛታት ዝፀዓነት መርከብ ኣብርሃም ሊንከን፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ዞባ ወሽመጥ ከም ዝተዋፈረት እኳ እንተተገለፀ፡ ዛጊድ ኣብ ምስሊ ሳትላይት ኣይተራእየትን።
እታ መርከብ፡ ካብ ኢራን ኣስታት 700 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦማን ተራእያ ነይራ።
ኣመሪካ እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ነፈርቲ እትሽከም መርከብ ኲናት ዓለምና ዝዀነት 'USS Gerald R Ford' ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ከም ዝሰደደትን ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሰለስተ ሰሙናት ናብቲ ዞባ ክትበፅሕ ከም ትኽእልን ይግለፅ።
ምምፃእ ኣብርሃም ሊንከን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ምፅጋዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ዝውስኽ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብቲ ዞባ ወሰኽ ኣዕነውቲ፡ መራኽብ ውግእን ነፈርቲ ውግእን ኣመሪካ ምህላወን ኣረጋጊፁ’ዩ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓቢ ዘሎ ጻዕሪ ሽምግልና ቱርክን ዝገጠምዎ ብድሆታትን
ሱዳን፡ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓሙሽተ ውድባት ጾመ-ረመዳን ቅድሚ ምእታው ግጭት ደው ክብል ጸዊዖም
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ትግራይ እንታይ ኢሉ?
ሕቡራት ሃገራት ሓደጋ 'ፋይናንሳዊ ውድቀት' ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ዋና ጸሓፊ ኣጠንቂቑ
ሶማሊላንድ ንወዲ ትራምፕ ኣቕሪባትሉ ዘላ ናይ ወፍሪ ዕድላት እንታይ'ዩ?
ኣብ ተቓውሞ ኢራን ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ
ወጻእተኛታት ኣብ ሩስያ ንኽዋግኡ ብኸመይ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ 'ይታለሉ' ነይሮም?
ትራምፕ፡ ኢራን ንተቓወምቲ ብሞት እንተቐጺዓ 'ሓያል ስጕምቲ' ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ
ተቓውሞታት ኢራን - ካብ ናህሪ ዋጋታት ክሳብ ጻውዒት ንስርዓታዊ ለውጢ
ማዕበል ናዕቢ ዘበገሰ ቍጠባዊ ቅልውላው ኢራን፡ ምስ ምውሳኽ ዋጋታት ሃለኽትን ምጕዳል ዋጋ ባጤራን ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣብ ታሕሳስ 28 - 2025 ሪያል ኢራን ምስ ዶላር ኣመሪካ ምስ ተነጻጸረ ክብረወሰን ዝሓዘ ትሑት ደረጃ በጺሑ፤ ኣብ ግራንድ ባዛር ቴህራን ዝርከቡ ወነንቲ ድኳናት ኣድማ ኣካይዶም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ተቓውሞን ሰልፍታትን እናገደደን ናብ ልዕሊ 100 ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ኵለን 31 ኣውራጃታት ኢራን ከምዝተዘርግሐ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
ቍጠባዊ ተቓውሞታት እውን ቀልጢፉ ፖለቲካዊ ብምዃን፡ ብዙሓት ሰልፈኛታት ድሕሪ ናይ ኣስታት 50 ዓመታት ምሕደራ ስርዓተ ኣያቶላህ ክቕየር ጸዊዖም።
ንሰሙናት ኣብ ዝቐጸለ ሰልፊ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ከምዝተራእየ ይግለጽ።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ መላእ ሃገር 495 ሰልፈኛታት 48 ኣባላት ጸጥታ ከምዝሞቱ ከምዘረጋገጸ ገሊጹ።
ካልኦት 10,600 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ዝጸንሐ ናዕቢ ከምዝተኣስሩ እቲ ትካል ይሕብር።
ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ነቶም ጸረ መንግስቲ ዝዀኑ ሰልፈኛታት "ንፕረዚደንት ኣመሪካ ከሐጕሱ ዝጽዕሩ ፈጠርቲ ሽግር" ክብል ገሊጽዎም።
ይዅን'ምበር ትራምፕ ኣብ ሓደ ለይቲ፡ ኣመሪካ "ቅድሚ ዝርርብ ስጕምቲ ክትወስድ ክትግደድ ትኽእል እያ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኢራን፡ ኣመሪካ ዝዀነ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ
ህዝባዊ ተቓውሞ ኢራን፡ ትራምፕ 'ኣመሪካ ንምሕጋዝ ድሉውቲ እያ' ኢሉ
ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ
