BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

ዜናታት

  • ቀ/ም ኣብይ ኣሕመድ ንኤርትራን ህወሓትን ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንህወሓት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓሱ ከሲሱ፣ ከምኡ'ውን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂቡ "ኣዝዩ ከቢድ" ዝበሎ ሳዕቤናት ክመጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

  • ቀጥታ, ብሪጣንያ ንስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ ነፈርቲ ኲናት ከተዋፍር'ያ

    ትማሊ ቀዳም ኣብ መላእ ፈረንሳ፡ ኣንፃር ኣብ ኣብያተ ትምህርት ዘሎ ሕፅረት ናውትን፡ ምኽባር መነባብሮን ተቓውሞታት ተላዒሉ።

  • ብዛዕባ ሹመኛታት ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ንፈልጥ?

    ኣብ ትግራይ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነጀው ንብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቘፃፀረ መንግስቲ ፈደራል፡ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዝመርሕ ሞግዚት ምምሕዳር ከም ዘጣየሸ ብዓርቢ 06 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

  • ኣብ ስደት ዝነብር ነቓፊ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ተሰይፉ ተረኺቡ

    ንፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ብቕሉዕ ዝነቅፍን ኣብ ዩጋንዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ይነብር ዝነበረን ስሙይ ሙዚቀኛን ዩቲዩበርን ሮበርት ርእሱ ተቖሪፁ ተረኺቡ።

  • ካብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቐጥታ ስብከት እናኣመሓላለፈ መስቀል ወዲቕዎ ዝሞተ ካህን

    ኣብ እዋን ብቀጥታ ዝመሓለለፍ ዝነበረ ቅዳሴን ስብከትን ምስሊ እየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ዓቢ ናይ ዕንጨቲ መስቐል ኣብ ርእሱ ወዲቕዎ ዝሞተ ካህን፡ ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ጓያኪል ኢኳዶር ኣብ ሓዘን ኣእትይዎም ኣሎ። እዚ ፍጻመ ኣብ ማእከል ከተማ ኢኳዶር ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ብሰንበት ካህን ፓትሪስዮ ኣልፍሬዶ ሳንቸዝ ሞሊናሪ ተራ ቅዳሴ ሰንበትዩ ዘካይድ ነይሩ።

  • ማርኮ ሩብዮ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይልታትን እንታይ ኢሉ?

    ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ዓሚቝ ስክፍታ ከምዝፈጠረሉ ብምግላጽ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶባት ወተሃደራተን ብምጽጋዕ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ተኽእሎአን ከምዘዕብዮ ኣጠንቂቑ።

  • ኤርትራዊት ሓረስታይ ካብተን '100 ጀጋኑ ደቀንስትዮ' ተሰይማ

    ሓንቲ ኤርትራዊት ሓረስታይ ብውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) ካብተን "100 ጀጋኑ ደቀንስትዮ 2026" ተፈላጥነት ከም ዝረኸበት ንምኒስትሪ ሕርሻ ጠቒሱ፡ መርበብ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣመልኪቱ።

  • ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2026፡ ኤርትራ ብዘይ ደቂ ኣንሰትዮን ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን'ያ ክትሳተፍ

    ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብክልቲኡ ጾታ ኣብ ናይ ጁንየር፡ ትሕቲ 23 ከምኡ ከኣ ናይ ኢሊት ናይ ጽርግያን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር የካይድ። ሎሚ ዓመት ብዘይ ደቂ ኣንስትዮን ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ናብ ኬንያ ከተማ ኪሲሙ ተምርሕ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንምንታይ ብደቂ ኣንስትዮን ኣብ ኩሉ ካታጎሪ ከምኡ ከኣ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ክትሳተፍ ከምዘይመረጸት ዝተሓበረ ነገር የለን።

  • ትራምፕ፡ ንሩስያ ዝሓደገላ እገዳታት እንታይ'ዩ? ዩክረይን ከ እንታይ ኢላ?

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ዩክሬናዊ መዘንኡ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝነበረ ምትፍናን እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ጀሚሮም ተግባራውያን ክዀኑ ተሓሲቦም ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ ብርክት ዝበሉ እገዳታት ኣብ ግብሪ ከይውዕሉ ዓጊትዎም ኣሎ። እቲ እገዳታት ኣብ መስከረም ብባይቶ ኣመሪካ ጸዲቐ ብዶናልድ ትራምፕ ዝተፈረመ እዩ። እንተዀነ ዶናልድ ትራምፕ ብዓርቢ ምሸት ፈጻሚ ትእዛዝ ብምውጻእ፡ ንገሊኦም ምእጋድ ንሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ ዝጸባእ ምዃኑ ካብ ኣባላት ባይቶ ሓሳብ ምስተውሃቦ ነቲ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

  • ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ህይወት ስደትን - ቃለመሕትት ቢቢሲ ምስ ገዱ ኣንዳርጋቸው

    ገዱ ኣንዳርጋቸው ቅድሚ ካብ ሃገር ምውጻኡ፡ ኣብ መወዳእታ መስከረም ብሓድሽ ባይቶ ዝተተክአ ናይ ቀደም ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ክልላውን ፈደራላውን መንግስቲ ድማ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ነይሩ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ ለውጢ ተራ ካብ ዝነበሮም ሰባት ሓደ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ኣብ ስደት ይርከብ። ገዱ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ብዛዕባ ዘሕለፎም ውረድ-ደየብ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይሩ ኣሎ።

  • ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ድሌት ከምዘለዋ ኣፍሊጣ

    ሩስያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ፡ ናይ ምሽምጋል ተራ ክትጻወት ድልውቲ ምዃና ሓደ በዓል ስልጣን ሩስያ ገሊጹ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ኣሊሞቭ ንጋዜጣ ኢዝቨስቲያ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ፍቓደኛታት እንተኾይነን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ንምዝርራብ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።

  • ህወሓት ብዛዕባ 'ሞጕዚት ምምሕዳር'ን መዓርፎ ነፈርትን እንታይ ኢሉ?

    መንግስቲ ትግራይ ነቲ ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ዝተሰየመ 'መጕዚት ምምሕዳር' ከም ዘይቅበሎ ብምግላጽ፡ ውሳነታቱ ሕጋውነት ኰነ ተፈጻምነት ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።

ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።

ከይሓልፈኩም

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል

ትንታነ

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።

ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።

መዛነዪ

ዝያዳ ዝተነበ