እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ብሪጣንያ ንስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ ነፈርቲ ኲናት ከተዋፍር'ያ

እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሑቲ ምስቲ ስዑዲ እትድግፎ ኣብ ደቡብ የመን ዘሎ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ኣብ ደማዊ ውግእ ተጸሚዱ ምህላዉ ይፍለጥ። ዕጡቓት ሑቲ ብ10ን 11ን ​​ጥቅምቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካሊድ ብዝፈጸሞ ክልተ መጥቃዕትታት፡ 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 300 ድማ ከምዝቖሰሉ ይዝከር።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዳግማይ ከምዝተመዘዘ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ናይ ፌስቡክ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።
  • እታ ዳኛ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ'ውን ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ "ሰላምን ዓለምለኻዊ ሕግን ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ጻዕርታት" ነቲ ሽልማት ክህባ ከምዝወሰነ እቲ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚተ ኖበል ኣፍሊጡ።
  • እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ "ብግዝያዊነት ተቛሪጹ" ዝጸንሐ ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ በረራታት ካብ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ባሕቲ ጥቅምቲ ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ይጠቅስ።
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ 9 ደቂኣንስትዮ ዝርከብዎ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቚሙ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ መዝነቶም ዝጸደቐ ኣባላት ካቢነ ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጥሩነህ ተሻገር ብዝጸንሖ መዝነት ክቕጽል ተሓርዩ ኣሎ።
  • ዕጡቓት ሑቲ ንክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣብሓ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ክልተ ሰባት ክሞታ እንከለዋ፡ ካልኦት 28 ቆሲሎም። ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ እውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፡ 8 ካልኦት ቈሲሎም ኣለዉ።
  • ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ወዲ 63 ዓመት ማዱሮን፡ ጓል 69 ዓመት ፍሎረስን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስቅያት ንምፍጻም ውዲት ኣሊሞም ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሎም ዘሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ስራሖም ክምለሱ ጻውዒት ቀሪቡ

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብፌደራል መንግስቲ ዝተመዘዘ ሞግዚት ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት ክልላዊ መንግስቲ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ናብ ስራሖም ክምለሱ ጸዊዑ።

    ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈ ፈጻሚ ኣካል መቐለ፡ ሎሚ 10 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ሰራሕተኛታታት ናብ ቦታኦም ክምለሱ ተላብዩ።

    "ዝኾነ [ሰራሕተኛ] ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተገለፀ ሰለስተ መዓልታት ሪፖርት እንተዘይገይሩ ብውልቁ ተሓታቲ ክኸውን እዩ" ክብል እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ፅሕፈት ዝርከቡ ኣተሓባበርቲ ምሕደራ ዓቕሚ ሰብ እውን፡ ናብ ትካላቶም ተመሊሶም ሪፖርት ዝገብሩ ሰራሕተኛታት ክምዝግቡ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።

    ኣብ ትግራይ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነጀው ንብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቘፃፀረ መንግስቲ ፈደራል፡ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዝመርሕ ሞግዚት ምምሕዳር ከም ዘጣየሸ ብዓርቢ 06 ጥቅምቲ 2019 (ግ) እዩ ዕላዊ ገይሩ።

    እዚ ስጕምቲ፡ ኣብቲ ክልል ጸጥታን ምርግጋእን ንምፍጣርን ንቐጻሊ መረጻ ባይታ ንምጥጣሕን ዝዓለመ ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ።

    “እቶም ተኣጊዶም ዝጸንሑ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቕጽሉ ምርግጋጽ” ሓደ ሓላፍነት ናይቲ ምምሕዳር እዩ።

    ብህወሓት ዝምራሕ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብግዝያውነት ዝተመዘዘ ሓድሽ ምምሕዳር "ሕጋውነት ኰነ ተፈጻምነት የብሉን" ክብል ብ6 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ እዩ።

    እቲ መግለፂ፡ እቲ ብፈደራል ዝተሰየመ "ምምሕዳር በዓል ሓደራ" ንትግራይ ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ኰነ ስልጣን ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ምስዚ ሓድሽ ኣካል ዝተሓባበር ዝዀነ ትካል "ሓላፍነት ክወስድ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ ይዝከር።

  2. ዓባይ ብሪጣንያ ንስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ ነፈርቲ ውግእ ከተዋፍር’ያ

    ዓባይ ብሪጣንያ ነታ ግዳይ መጥቃዕቲ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ትኸውን ዘላ ስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ 'ታይፉን' ዝተበሃላ ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ።

    እቲ ናይ ምክልኻል ተልእኾ፡ ንከተማታትን ትሕተ-ቅርጽን ስዑዲ ዓረብ ኣንጻር መጥቃዕቲ ኣየር ንምክልኻል ክሕግዝ እዩ።

    እዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣንዲ በርንሃም ተቐባልነት ዝረኸበ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነት ሪያድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ናይ ጸዓት ቦታታት መጥቃዕትታት ድሕሪ ምፍጻሙ’ዩ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ዌስ ስትሪቲንግ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጽሑፋዊ መግለጺ፡ "እዘን ነፈርቲ ኣብ ምክልኻል ኣበርክቶ ክገብራ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕቲ ኣይክፍጽማንን እየን" ኢሉ።

    ወተሃደራዊ ኣማኸርቲን፡ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲን ክትሰድድ ምዃና'ውን ለንደን ሓቢራ'ላ።

    ሑቲ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚሙ ይርከብ።

    እቲ ጉጅለ፡ ብ10ን 11ን ​​ጥቅምቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካሊድ ብዝፈጸሞ ክልተ መጥቃዕትታት፡ 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 300 ድማ ከምዝቖሰሉ ይዝከር።

    ግብጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተመሳሳሊ ደገፍ ነታ ንግስነት ክትህብ ምዃና ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣፍሊጡ ነይሩ።

  3. ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኬንያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 20 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኬንያ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሎሚ ናብ ከተማ ኤልዶሬት ዝኣተወ ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ማሹጃ (መዓልቲ ሓርበኛታት) ንምስታፍ እዩ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

    ኬንያ ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር፡ 20 ጥቅምቲ ዝኽበር መዓልቲ ማሹጃ፡ ኣብ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ልምዓትን እታ ሃገር ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጀጋኑ ዓመታዊ ዝጸንብል ዝግበረሉ እዩ።

    ሎምዘበን መዓልቲ ማሹጃ ብሃገር ደረጃ ኣብ ስታድዩም ኪፕቾጌ ኬይኖ ኤልዶሬት ንመበል 63 ግዜ እዩ ዝኽበር ዘሎ።

    ኣብይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ናብ ኬንያ ክበጽሕ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።

    ኣብ ላሙ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ መሰረት ፕሮጀክት ነዳድን ፔትሮኬሚካልን ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ብ20 መስከረም ኣብ ኬንያ ተረኺቡ ነይሩ።

  4. ኬንያዊ መራሒ ሓደ ጉጅለ እምነት ኣብ ሞት 190 ቆልዑ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ

    ሓደ መራሒ ሕሉፍ እምነት ዘለዎ ጉጅለ ዝኾነ ኬንያዊ፡ ብቕትለት ሓደ ብጹሕ ሰብ ዝርከቦም 191 ቆልዑ ገበነኛ ኾይኑ ተረኺቡ።

    ፖል ማከንዚ፡ እቶም ቆልዑ "ምስ ክርስቶስ ክራኸቡ" ምእንቲ ወለዶም ከጥምይዎም ብምእማን'ዩ ነቲ ገበን ፈጺምዎ።

    ትምህርቲ ውጉዝ ምዃኑን ዘመናዊ ሕክምና "ክፉእ" እዩ ብምባል'ውን ዝሰብኽ ዝነበረ'ዩ።

    ካልኦት 29 ብጾቱ ዝኾኑ መራሕቲ እቲ ጉጅለ'ውን ብቕትለት ናይቶም ግዳያት ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።

    ኩሎም ግን፡ ብሓይሊ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ብምግላጽ ነቲ ገበን ከምዘይወዓልዎ'ዮም ዝምጉቱ።

    ሰዓብቱ "ኣፈኛ የሱስ" ምዃኑ ከምዝኣምኑ፡ ነቲ ፍርዲ ዝሃበት ዳኛ ዳያና ሞካቸ ገሊጻ።

    ሓደ ካብቶም ምስኡ ዝተኸሰሱን በቲ ገበን ተፈሪዶም ዘለዉን ከምዝበሎ፡ማከንዚ "ዝኾነ ነቲ ናይ ጾም መምርሒ ዝተቓወመ፡ ተቐላሊዑን ተሃሪሙን ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ክግደድ" ምዃኑ የፈራርሖም ነይሩ።

    ኣብቲ እቶም ሰዓብቲ ዝነበርሉ ዱር ዝፍጸም ስነስርዓት ቀብሪ'ውን "መርዓ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነይሩ። እቶም ግዳያት "ምስ የሱስ ከምዝተመርዓዉ'ዩ ዝጽንበል" ነይሩ ክትብል እታ ዳኛ ኣብቲ መጋባእያ ተዛሪባ።

    ኣብ 2023 ኣብ ቀረባ ዝተቐብረ ልዕሊ 400 ሬሳታት ድሕሪ ምርካቡ'ዩ እቲ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

  5. ግብጺ ነታ ግዳይ መጥቃዕቲ ሑቲ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ደገፍ ከምትህብ ኣፍሊጣ

    ግብጺ ነታ ግዳይ መጥቃዕቲ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ትኸውን ዘላ ስዑዲ ዓረብ "ኣድላዪ" ዝኾነ ደገፍ ክትህብ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

    ምስታ ንግስነት ዘለዋ ምሕዝነት ደጊማ ዘረጋገጸት ካይሮ፡ "ሃገራዊ ጸጥታ ስዑዲ ካብ ናይ ግብጺን ዓረብን ሃገራዊ ጸጥታ ክንጸል ዘይክል ምትእስሳር" ከምዘለዎ ኣነጺራ።

    ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ትማሊ 18 ጥቅምቲ ምስ "ቤትምኽሪ ሃገራዊ ምልኻል" እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ ነቲ መርገጺ ወሲዱ ዘሎ።

    ኣብቲ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣል-ኢቲሓድያ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሚኒስተራት ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክንፍታት ሓይልታት ግብጺ ተረኺቦም ነይሮም።

    "ናይታ ሓፍቲ ዝኾነት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ጸጥታን ምርግጋእን፡ ከምኡ'ውን ጸጋታታ፡ ግዝኣታዊ ሓድነታን ቅዱስ እስላማዊ ቦታታትን ንምልኻል፡ ኩሉ ኣድላዪን ዝክኣልን ዓይነት ደገፍ" ንምሃብ እቲ ቤት ምኽሪ ከምዝወሰነ ኣፈኛ ፕረዚደንት ኣምባሳደር መሓመድ ኢል-ሸናዊ ሓቢሩ'ሎ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓይልታት ሑቲ ንመዓርፎ ነፈርቲ ርእሰከተማ ሪያድን ትካላት ነዳዲን ጋዝን ስዑዲ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ። ሓያለ ሰባት'ውን በቲ ብሚሳይላትን ድሮናትን ዝተፈጸመ ደብዳባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

    ሪያድ ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ንዓመታት ከተካይዶ ዝጸንሐት መጥቃዕቲ ኣየር ኣሐይላ ትቕጽሎ ከምዘላ ይግለጽ።

  6. ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ናብ ጎነጽ ድሕሪ ምቕያሩ፡ ማክሮን ህድኣት ክሰፍን ጸዊዑ

    ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ናብ ዕግርግር፡ ዘረፋን ምስ ፖሊስ ናብ ዝግበር ግጭትን ድሕሪ ምልዋጡ "ህድኣትን ስርዓትን" ክሰፍን ተማሕጺኑ። ካብ ቤተ-መንግስቲ ኤሊዘ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብሰንኪ ክብሪ ናብራ "ሕጋዊ ሕቶታት" ዘቕርቡ ዘለዉ ተቓወምትን ኣብ መንጎ እቶም ንጎነጽን ዕንወትን ተሓተቲ ዝዀኑ ኣካላትን ፍልልይ ከም ዘሎ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

    ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፍታት ኣስታት 550,000 ሰባት ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ ፖሊስ ድማ ኣስታት 2,400 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ። ማክሮን ኣብቲ ዕግርግር ኢድ ዘለዎም ኵሎም ናብ ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ፓሪስ፡ ማርሰይ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ጎነጽ ዝተወለዐ ኰይኑ፡ መካይንን ህንጻታትን ሓዊ ተወሊዕዎምን ሰፊሕ ዘረፋታት ከም ዝተፈጸመን ተሓቢሩ። እቲ ግጭት ብሰንበት’ውን ኣብ ገለ ክፋላት ፓሪስን ሊዮንን ብዝነኣሰ ደረጃ ቀጺሉ ውዒሉ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ፈረንሳ ሰባስትያን ሌኮርኑ ሰኑይ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ከካይድ እዩ። እዚ ህውከት’ዚ ቅድሚ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ መረጻ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዘዕሞቐ ኰይኑ፡ መራሕቲ ኣዝዮም ጸጋማውያንን የማናውያንን ፖለቲካዊ ሓይልታት ነንሓድሕዶም ንጎነጽ ተሓተቲ እናገበሩ ይወቓቐሱ ኣለዉ።

  7. ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከቡ ሰፋሮ እስራኤል፡ ንዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ኣጥቂዖም

    ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ዑደት ዘካይዱ ዝነበሩ ኣባላት ልኡኽ ዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ፡ ማስክ ብዝገበሩ ሰፋሮ እስራኤላውያን መጥቃዕቲ ተፈፂምዎም።

    ቤልጅየም ነቲ ኣብ ልዕሊ ዋና ሓላፊ ቆንስላን ካልኦት ልኡኻታን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኹናን እስራኤል ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከተቕርቦም ጸዊዓ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ "ጽዩፍ" ክብል ብምኹናን ነቲ ፍጻመ ይምርምሮ ከምዘሎ ገሊጹ።

    ይኹን'ምበር ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ "ብዛዕባ እቲ ፍፃመ ጥርጣረታት" ከምዘለዎን "ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጽልኢ ንምልዕዓል ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ" ምዃኑን ገሊጹ።

    እዚ መጥቃዕቲ፡ ​​ሓያሎ ፍልስጤማውያንን ሰኣሊት ዋሽንግተን ፖስት ሃይዲ ሌቪንን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሰፋሮ መጥቃዕቲ ምስ ተፈፀመ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ጥራይ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣብ ልዕሊ ሌቪን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ "ዘሰክፍን ንዕቀት ዝተመልኦን" ክብሉ ገሊፅዎ።

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ማይክ ሃካቢ እውን ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ ኣሎ።

    ሃካቢ "መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩ ፈራሓት ዝፍጸም ጽዩፍ ተግባር ራዕዲ" ኢሉዎ።

    ጽኑዕ መሓዛ እስራኤል ዝኾነ ሁካቢ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት “ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም" ኢሉ።

  8. ኣብ ፈረንሳ ህንጻታት ብሓዊ ኣብ ዝተቓፀልሉ ናዕቢ፡ ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

    ትማሊ ቀዳም ኣብ መላእ ፈረንሳ፡ ኣንፃር ኣብ ኣብያተ ትምህርት ዘሎ ሕፅረት ናውትን፡ ምኽባር መነባብሮን ተቓውሞታት ተላዒሉ።

    መንግስቲ ፈረንሳ፡ ኣብቲ “ዓመፅ ዝተሓውሶ ተቓውሞ” ዝበሎ ኣስታት 550 ሽሕ ሰባት ናብ ጎደናታት ከምዝወፁን ብውሕዱ 1200 ሰባት ከምዝተኣሰሩን ገሊጹ።

    ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ዝነበረ ግጭት ቀፂሉ፡ ክሳብ ምሸት ዝቐፀለ ዀይኑ፡ ፖሊስ እቶም ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ጋዝን ውዑይ ማይን ተጠቒሞም።

    ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገርን ኣብ ካልእ ቦታታትን ገዘፍቲ ህንጻታት ብሓዊ ተቓፂሎም።

    ብፍላይ ድማ ኣብታ ርእሰ ከተማ ሊሞጅስ ዝርከብ ናሕሲ ኣዳራሽ’ታ ምምሕዳር'ታ ከተማ ብኸፊል ዘዕነወ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።

    ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝምታ ከምዝተፈጸመን፡ ኣብ ኣዳራሻት ከተማን ትካላት ንግዲን ሰፊሕ ዕንወት ከምዘጋጠመን ተገሊፁ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሰባስቲያን ለ ኮርኖዋል፡ በቲ ግጭት 150 ኣባላት ፖሊስ ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።

  9. ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብረ ሓያሎ እገዳታት ኣልዒሉ

    ባይቶ ኣመሪካ (ኮንግረስ) ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ ወራር ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ተላዒሉ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ተጠቒሙ እዩ ነቶም እገዳታታት ኣልዒሉ ዘሎ።

    ትራምፕ ዓርቢ ምሸት ኣብ ዝፈረሞ ፈጻሚ ትእዛዝ፡ ገለ ካብቲ ምኽንያታት እቲ ስጕምቲ ን“ሃገራዊ ረብሓ” ምዃኑ ገሊጹ።

    ትራምፕ ነቲ እማመ ሕጊ ክኸውን ኣብ መስከረም እዩ ፈሪሙ። ካብ ጽባሕ ሰንበት ጀሚሩ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበር።

    እዚ ውሳነ ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ንዝህሉ ወጻኢታት ጸዓት ንምቅላል ዝሕግዝ ነዳዲ ካብ ሩስያ ከም ዝግዛእ ምግላጹ ስዒቡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ዝኸውን ዘሎ።

    እቲ ንኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ዘሰንበደ ውጥን ትራምፕ፡ ካብ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካንን ደሞክራትን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

  10. ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዛዕባ "ዞባዊ ጉዳያት" ብስልኪ ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።

    ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ማርኮ ሩቢዮ ሃገሩ ንኢትዮጵያ እትህቦ ደገፍ ከምዝቕጽል ቃል ከምዝኣተወሉ ኣሚቱ ።

    "ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ወሰንቲ ክልተኣዊን ሓባራዊን ጉዳያት ውጽኢታዊ ልዝብ ኣካዪደ።

    "ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ከምዝቕጽል ውሕስነት ምሃባ፡ ከምኡ'ውን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ዞባዊን ዓለማዊን ቀዳምነታት ንምሕያል ዘለና ሓባራዊ ተወፋይነትን ብሓጐስ እቕበሎ" ይብል እቲ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ መብርሂ።

    ብወገን ኣመሪካ ግን፡ ካብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ይዅን ማርኮ ሩቢዮ ወይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ዛጊት ዝወጸ መግለጺ የለን።

    ነቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ክልተ ዓመት ኣብ ምህዳእ ወሳኒ ተራ ዝነበራ ዋሽንግተን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ ከምዝተሓሳሰባ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

    እዚ ዝተባህለ ዝርርብ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ'ውን ናብ ሓደገኛ ወጥሪ ኩነተ-ኲናት ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

    ዋሽንግተን ምስ ኣስመራ ዝጸንሓ ሓርፋፍ ዝምድና'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምምሕያሽ ኣርእዩ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ምርኻቡ መርኣያ ሓድሽ ምዕራፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት'ዩ ነይሩ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወሲናቶ ዝጸንሐት እገዳታት ኣብዚ ዓመት ምልዓላ'ውን ካብ ኣስመራ ናእዳ ዝረኸበ ስጉምቲ'ዩ።

  11. ፕረዚደንት ኮንጎ ነበር ጆሴፍ ካቢላ፡ መራሒ ናይ መንግስቲ ንምእላይ ዝቃለስ ልፍንቲ ኰይኑ

    ፕረዚደንት ኮንጎ ነበር ጆሴፍ ካቢላ መራሒ ናይቲ ንመንግስቲ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝቃለስ ዘሎ ሓድሽ ጥምረት ተቓወምቲ ሓይልታት ኰይኑ ተሰይሙ።

    ግንባር ​​ዳግመ ምምስራት ሃገር (FRN) ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ “ምልኪ” ንምእላይ ዝጠልቡ "ሓይልታት ተቓውሞ" ​​ንምውህሃድ ዝዓለመ ከምዝዀነ ይንገር።

    ወዲ 55 ዓመት ካቢላ፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ክሳብ ብዘካትዕ ምርጫ ትሺሰኬዲ ስልጣን ዝሓዘሉ ጥሪ 2019፡ ንወላዲኡ ብምትካእ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ዝነበረ'ዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ነበር ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ተካኢኡ ትሺሰኬዲ ዘቕርቦም ነቐፌታ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

    ካቢላ ብክድዓት ሃገር ኣብ ዘይተረኸበሉ ንሞት ምስተፈርደ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ እቲ ሓድሽ ጥምረት ዝምስረት ዘሎ።

    እቲ ጥምረት፡ ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር M23 ዝጸንሐት ኣብ ምብራቓዊ እታ ሃገር ዝዓበየት ጎማ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ ነቲ ሓድሽ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

    መንግስቲ ኮንጎ ዛጊት ብዛዕባ’ዚ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

  12. ግራንድ ፕሪ ኣፍሪቃ፡ ርዋንዳ ውድድር ፎርሙላ 1 ከተአንግድ እያ

    ርዋንዳ፡ ውድድራት ግራንድ ፕሪክስ ኣፍሪቃ ብዝብል ዝጽዋዕ ውድድራት ንምእንጋድ፡ ምስ ፎርሙላ 1 (F1) ናይ 10 ዓመታት ውዕል ፈሪማ።

    ነዚ ስዒቡ እታ ሃገር "ካብ መጀመርታ 2030ታት" ጀሚራ ኣአንጋዲት እዚ ውድድር ክትከውን እያ።

    እዚ ውድድር፡ ድሕሪ 1993 ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ፈላማይ ፎርሙላ 1 ውድድር እዩ ክኸውን።

    'ግራንድ ፕሪ' ኣፍሪቃ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ንደቡብ 25 ማይልስ ርሒቑን ኣብ ጎኒ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማን ክካየድ እዩ ተወጢኑ ዘሎ።

    ፎርሙላ 1፡ እቲ ውድድር ስፖርት ኣብ ኣፍሪቃ ፕሮፋይሉ ንምብራኽ ዕድል ክፈጥረሉ ተስፋ ይገብር፡ ምኽንያቱ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዕዳጋ፡ ምስ ኤውሮጳ፡ ኤስያን ኣመሪካን ክነጻጸር እንከሎ ብተዛማዲ ዘይተዳህሰሰ እዩ።

    ርዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ብስፖርታዊ ምሕጻብ ተኸሲሳ ስለዝነበረት እዚ ውድድር ኣካታዒ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

    ርዋንዳ፡ ዝጸለመ ስም ንምጽራይ ልዑል ሽም ዘለዎም ስፖርታዊ ፍጻመታት ብምጥቃም ክትክሰስ ስለዝጸንሐት፡ እዚ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጅመር ውድድር ኣካታዒ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

  13. መራሕቲ ኢትዮጵያን እስራኤል ብስልኪ ተዘራሪቦም

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ እስራኤላዊ መዘናኡ በንጃሚን ነታንያሁ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።

    ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ምስ ነታንያሁ ዘካየዶ ልዝብ "ወሰንቲ ዞባዊ ምዕባለታት" ከምዘልዓሉ ጠቒሱ። እንተኾነ እቶም ምዕባለታት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ኣየስፈረን።

    ብወገን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ግን ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ዛጊት ዝተባህለ የለን።

    ኢትዮጵያ በዚ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭትን፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብዝቕጽል ዘሎ ጎነጽን ኣብ እትናወጸሉ ዘላ እዋን'ዮም እቶም መራሕቲ ብስልቲ ተዘራሪቦም ዘለዉ።

    ንዝጸንሖም ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ከምዝተረዳድኡ'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ ኣሚቱ።።

  14. ስዑዲ ዓረብ፡ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕትታት ሑቲን ግብረመልሲ ሪያድን

    ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ካብ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ዝወርዳ ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕትታት "ከቢድ" ምላሽ ክትህበሉ ምዃና ኣጠንቂቓ።

    ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር ልኡል ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ሳልማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተራእየ ፍጻመታት ከቢድ'ዩ። ግብረመልሲና ድማ ማዕሪኡ ከቢድ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።

    ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝቐጸለ ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻሊድ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሓደ ፓኪስታናዊ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    ብቐዳም'ውን ኣብ ካልእ ህንጻ (ተርሚናል) ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ቀቲሉ ነይሩ'ዩ።

    እቲ ደብዳባት ነቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊኦም ተካይዶ ዘላ "ጨካን ወራር" ሕነ ንምፍዳይ ዝተኻየደ ምዃኑ'ዩ ጉጅለ ሑቲ ዝምጉት። ብሰንበት ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓይልታት ስዑዲ፡ ሓደ ቆልዓ ከምዝሞተን ካልኦት ሽዱሽተ ከምዝቖሰሉን'ውን ሑቲ ጠቒሱ።

    ወተሃደራዊ ኣፈኛ ናይቶም ዕጡቓት ያሕያ ሳሪያ ብሰንበት ብቪድዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መዓርፎታት ነፈርቲ ሪያድን ዳማምን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምብራቕ ንዝርከብ ክልተ ትካላት ነዳዲን ጋዝን እታ ሃገር ዒላማ ዝበረ መጥቃዕቲታት ብድሮናትን ሚሳይላትን ከምዝተፈጸመ ምጥቃስ፡ ሕነ ናይቲ ብሓይሊ ኣየር ስዑዲ ዝተኻደ 124 ደብዳባት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    እንተኾነ፡ ሪያድ ብወገና እቲ ዳርባ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ክቕጽል ምዃና'ያ ተጠንቅቕ ዘላ።

    "ንሕና፡ ስዑዳውያን ደፋራት፡ ተዋጋእትን ቆራጻትን ህዝቢ ኢና" ዝበለ ሚኒስተር ጸዓት ልኡል ዓብዱል ዓዚዝ፡ "ነዚ ንሓልፎ ዘለና ክንሰግሮ ምዃንና ንዓለም ከነረጋግጸላ ኢና" ክብል ኣብታ ከተማ ንዝተጋብአ ዋዕላ ጸዓት ገሊጹ።

  15. ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኮማንድ ፖስት ከምዘይቕበሎ ገሊጹ

    ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት መንግስቲ ፌዴራል ክትጸንሕ ዝብል ኣንፈት ከምዝቃወም ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሰልፊ ሎሚ 02 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንሕግታት እታ ሃገርን ትግራይን ጨፍሊቑን ዝዀነ ሕጋዊ ደገፍ ከይጠቐሰን፡ እታ ካብ ወተሃደራዊ መቑሕ ህወሓት ገና ዘይደሓነት ትግራይ፡ መሊሱ ኣብ ትሕቲ ወተሃ መቑሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘእትዋ” ብልኡኻቱ ይገልጽ ከምዘሎ ይኸስስ።

    ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ- ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ንዝመጽእ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፈዴራል ክትመሓደር ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ጌታቸው፡ ምስ ዕጡቓት ህወሓት ክካየድ ዝቐነየ ኲናት ከምዘብቅዐ ብምእዋጅ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ "ኮማንድ ፖስት" መንግስቲ ፌዴራል ከምትእትፀንሕ'ዩ ምስ ሓደ ቲቢቤስ ዝተባህለ ቻነል ኣብ ዘካየዶ እዋናዊ ቃለመሕትት ኣአንፊቱ።

    ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ትዅረት ብቐንዱ ኣብ “ዛዕባ ተፈናቐልትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ከምኡ’ውን ዕሙቕ ሓሳባትን ብሄራዊ ሓልዮትን ዝጠልቡ ጉዳያት ብደቂቑን ብጥበብን” ምምኽኻር ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።

  16. ሶማልያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ ጸግዒ ከምዘይትወስድ ኣፍሊጣ

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሓሰን መሓመድ ዓሊ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ ሃገሩ "ዘይሻራዊት" ምዃና ገሊጹ።

    ብሰንበት 11 ጥቅምቲ 2026 ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "መርገጺ መንግስቲ ሶማልያ ሰላማዊን ዘይሻራዊን'ዩ" ኢሉ።።

    ሶማልያ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ታሪኻዊ፡ ጂኦግራፍያውን ሃይማኖታውን ርክብ ከምዘለዋ እውን ተዛሪቡ።

    ሞቓድሾ "ኣብቲ ዞባ ንዝረአ ምዕባለታት ብቐረባ ትከታተል ኣላ" ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ ሶማልያ ናይ ገዛእ ርእሳን ዞባውን ረብሓታታ ንምሕላው ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጹ።

    "ምስ ኩለን ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ኣለና። ኣብዚ መዳይ ዝተቐየረ ነገር የለን" ኢሉ።

    ሶማልያ፡ ብ4 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ግብጺ ኢል ዓሌሚን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን፡ መርገጺ ናይተን ብሰንኪ ግድብ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክርክር ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን ብምድጋፍ፡ ኣብ ስግረ-ዶባዊ ሩባታት ዝምልከቱ ኣህጉራዊ ሕግታት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ መግለጺ ኣውጺኣ ነይራ።

    ኣብቲ ዋዕላ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ተሳቲፎም ምንባሮም ይዝከር።

    ኣርባዕቲአን ሃገራት ኣብ መግለጺአን መሰል ናጽነት ምጉዓዝ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጠቒሰን፡ ምሕደራን ምቁጽጻርን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ብሕታዊ ሓላፍነት ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ከምዝዀነ ኣነጺረን።

    ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን ዝወጸ መግለጺ እተን ኣርባዕተ ሃገራት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ስግኣትን ግጭታትን ፖለቲካውን ሰላማውን ፍታሕ ክግበረሉ ጸዊዐን ነይረን።

  17. ሶማልዊት ስደተኛ ኣባል ባይቶ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና

    ሳጋል ዓብዲ ዋሊ ዝተባህለት ተወላዲት ሶማልያ ስደተኛ ንሰልፊ ዕዮ ወኪላ፡ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ተዓዊታ።

    ንሳ፡ ኣብ ባይቶ ብሪጣንያ ዝተመርጸት ፈላመይቲ ተወላዲት ሶማል ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ኣላ። እታ ጓል 42 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ቅድሚ ሕጂ ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሰር ኬር ስታርመር ተታሒዙ ዝነበረ መንበር ሆልቦርንን ሴንት ፓንክራስን እያ ተዓዊታ ዘላ።

    ሳጋል ዓብዲ ዋሊ ኣብ 1990ታት ካብ ሶማልያ ምስ ስድራኣ ናብ ብሪጣንያ ዝመጸት ኮይና፡ ኣብ ሰሜናዊ ለንደን ከባቢ ካምደን'ያ ዓብያ።

    ኣብ ግንቦት 2026 ድማ መራሒት ቤት ምኽሪ ካምደን ኮይና ተመሪጻ።

    ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፃ፡ ሰልፊ ዕዮ ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘለዎ ጽኑዕ ርክብ ኣጉሊሓ።

    ቅድሚ መራሒት ቤት ምኽሪ ምዃና፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ካምደን ሓላፊት ልምዓት ኣባይቲ እያ ነይራ።

    ድሕሪ ምዕዋታ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ፡ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘለዋ ዓሚቕ ተወፋይነት ገሊጻ፡ ናብራ ሰባትን ስድራቤቶምን ንምምሕያሽ መዓልታዊ ከም እትሰርሕ ገሊጻ።

    "ቅልውላው ኣባይቲ ምስ ረኣኹ እየ ናብ ፖለቲካ ኣትየ" ትብል።

  18. ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዳግማይ ተሸይሙ

    ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዳግማይ ከምዝተመዘዘ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ናይ ፌስቡክ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብ ሎሚ 10 መስከረም 2026 ጀሚሩ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዳግማይ ከገልግል ምዃኑ እቲ መልእኽቲ ይጠቅስ።

    ንኽልተ ዓመት ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ዘገልገለ ኣቶ ጌታቸው፡ ካብ 3 ሚያዝያ 2017 (ግ) ጀሚሩ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣማኻሪ ምኒስተር ኰይኑ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተሸየመ ይፍለጥ።

    ዝሰርሓሎም መንግስታዊ ሓላፍነታት

    • ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዳይረክተር ፓብሊክ ዲፕሎማሲ
    • ኣብ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ዳይረክተርነት ናብ ዋና ዳይረክተርነት ደይቡ
    • ምኒስተር ጉዳያት መራኸቢታት መንግስቲ
    • ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር (ኣብ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ)
    • ኣብ ኣላማጣ ተመሪጹ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣትዩ ነይሩ።

    ጌታቸው ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምራቑ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብመምህርነት ዝተጸምበረ ኰይኑ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህር ሕጊ ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣገልጊሉ።

    ኣብ ፈለማ 1990ታት [ግእዝ] ብዝረኸቦ ዕድል ትምህርቲ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ካልኣይ ዲግሪ (ማስተርስ) ክረክብ ዝበቕዐ ኰይኑ፡ ዳግማይ ናብቲ ብመምህርነት ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመልሰ።

    ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ብመምህርነት ነዊሕ ኣይጸንሐን፣ ኣብ 1997 ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ስለ ዝተሸመ ናብ ኣዲስ ኣበባ ግዓዘ።

    ካብ ሞያ መምህርነት ወጺኡ ናብ ፖለቲካን መንግስታዊ ስልጣንን ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓላፍነት ዘገልገለ ኰይኑ፡ ብፍላይ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስትርን ነዊሕ እዋን ዝሰርሓሎም እዮም።

  19. ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ሕጂ'ውን ዒላማ መጥቃዕቲ ሑቲ ይኸውን

    የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ዜጋታት እታ ንግስነት ተቐቲሎም።

    እቶም ግዳያት፡ ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ዒላማ ኣብ ዝገበረ ክልተ መጥቃዕትታት'ዮም ተቐቲሎም።

    ካልኦት ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገርን ወጻእተኛታትን ቆሲሎም ከምዘለዉ'ውን ሰብመዚ ሲቪል ኣቬሺን እታ ንግስነት ሓቢሮም ኣለዉ።

    እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንሓንቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ስዑዲ ከምዝሃረመ እቲ መግለጺ የመልክት።

    ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ብምውሳድ፡ ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተኮሱ ገሊጾም ኣለዉ።

    ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን ሓደ ሱዳናዊ ዝርከቦም ሰለስተ ወጻእተኛታት ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሞይቶም ምንባሮም ይዝከር።

    ወተሃደራዊ ኣፈኛ ናይ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲታት "ግብረመልሲ ናይቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝፈጸመቶ ወራር እዩ" ብምባል "ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 60 ደብዳባት ኣየርን መጥቃዕቲ ሚሳይላትን" ከምዝተፈጸመሎም ተዛሪቡ።

    እታ ንግስነት ነቶም ኣንጻሮም ዝዋግኡ ዘለዉ በቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝርከብ መንግስቲ የመን ዝምርሑ ሓይልታት ትድግፍ ምህላዋ'ውን ንዕጡቓት ሑቲ ካብቲ ዘቖጥዖም ዘሎ ምዃኑ ኣይሓብኡን።

  20. ሽልማት ኖበል ሰላም ንኣፍሪቃዊት ሓላፊት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነበር ተዋሂቡ

    ሓላፊት ሰባዊ መሰላት ህቡራት ሃገራት ነበር ናቪ ፒለይ ሽልማት ኖበል ሰላም 2026 ተዓዊታ።

    እታ ዳኛ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ'ውን ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ "ሰላምን ዓለምለኻዊ ሕግን ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ጻዕርታት" ነቲ ሽልማት ክህባ ከምዝወሰነ እቲ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚተ ኖበል ኣፍሊጡ።

    ጓል 85 ዓመት ፒለይ፡ ንዓሰርተታት ዓመት ኣብ ዝቐጸለ መዝነታታ ንከም ናይ ርዋንዳ፡ ሚያንማርን ቓዛን ዝበሉ ዓበይቲ ጉዳያት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኣብ ምድናይን ምውሳንን ዝተሳተፈት እያ።

    እታ ናይ ሕጊ ምርቕቲ ዝኾነት ፒለይ፡ ነቶም ኣብ ሃገራ ኣንጻር ኣፓርታይድ ዝቃለሱ ዝነበሩ ፍሉጣት ተቓለስቲ ብምጥባቕ'ያ ብኣጋኡ ሞያኣ ኣማዕቢላ።

    ኣቦመንበር ሽማግለ ኖበል ወኖርወይ ጆርገን ዌትነ ፍሪድነስ ከምዝበሎ፡ ኣበርክቶኣ "ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣገዳሲ" እዩ ነይሩ።

    ንሳ መበል 5ይቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ተዓዋቲት ኖበል ኮይና ኣላ። ፍሉጥ ተቓላሳይ ኣንጻር ኣፓርታይድን፡ ፈላሚ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን ነልሰን ማንዴላ፡ ከምኡ'ውን ኣፓርታይድ ከብቅዕ ኣፍደገ ዝኸፈተ ናይ መወዳእታ ፕረዚደንት ናይቲ ንውሑዳን ጸዓዱ ዝውክል ዓሌታዊ መንግስቲ ዝነበረ ኤፍ-ዳብሊው ደክለርክን ሓደ ሽልማት ኖበል ሰላም 1993 ምምቓሎም ይፍለጥ።

    ቅድሚኦም'ውን ፍሉጥ ተሓላቒ መሰላት ዝነበረ ጳጳስ ኣንግሊካዊ ቤተክርስትያን እታ ሃገር ዝነበረ ደዝሞንድ ቱቱ (1984)፡ ከምኡ'ውን ሓደ ካብ ፈለምቲ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ (ኤ-ኤን-ሲ) ኣልበርት ሊቱሊ (1961) ነቲ ሽልማት ተቐቢሎም ነይሮም'ዮም።