ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ መዓርፎታት ነፈርቲ ዝተፈጸመ ደብዳባት ሑቲ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ
ዕጡቓት ሑቲ ንክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣብሓ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ክልተ ሰባት ክሞታ እንከለዋ፡ ካልኦት 28 ቆሲሎም። ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ እውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፡ 8 ካልኦት ቆሲሎም ኣለዉ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣንጻር እቶም ብስዑዲ ዝድገፉ ሓይልታት ደቡብ የመን ኣብ ዝዋግእሉ ዘለዉ እዋን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዘሎ።
ኣብቲ ኣብ ኣብሓ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተቐትላ ክልተ ግዳያት፡ ዜጋታት ሞሮኮን ኣልጀሪያን ምዃነን ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሺን ስዑዲ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ዝተቐተለ ድማ ሱዳናዊ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ወተሃደራዊ ኣፈኛ ሑቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ንክልቲኡ መጥቃዕትታት ከምዝፈጸምዎ ተኣሚኑ።
እቶም ዕጡቓት ብረቡዕ'ውን ነቲ ኣብ ደቡብ የመን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ኣካይዶም ነይሮም።