ኦባማ፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ብ‘ዕሽነት’ ነቒፉ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ቅድሚ መንፈቕ መረፃ፡ ንሰልፊ ዲሞክራስያውያን ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ እዋን፡ ኲናት ኢራንን ልዑል ዋጋ መነባብሮን ብምልዓል፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ኣትሪሩ ነቚፉ።
ኦባማ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኦሃዮ ኣብ ቅድሚ ዝተኣከበ ህዝቢ ዘሰመዖ መደረ፡ "እዚ መረፃ እንተወሓደ ንገለ ካብ ዕሽነት ናይዚ ምምሕዳር ንምግታእ፡ ፅቡቕ ዕድል ዝፈጥረልና'ዩ" ኢሉ።
ብኣንፃሩ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ንዝኽተሎ ፖሊሲ ስደተኛታትን ቀረፅን ብምክልኻል፡ ንደገፍቱ "ኣብ ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ንርከብ" ክብል ንምምሕዳሩ ንኢዱ።
እቲ ኣብ 3 ሕዳር ዝካየድ መረፃ መንፈቕ [midterm election]: ንዝተረፈ ዕድመ-ስልጣን ትራምፕ ኣየናይ ሰልፊ ንኮንግረስ ከም ዝቆጻጸሮ ዝውስን ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት መደባቱ ንምፍጻም ክሳብ ክንደይ ከምዘቕልሎ ወይ ድማ ከምዘኽብዶ ወሳኒ ፍፃመ እዩ።
ድሮ ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ።
ትራምፕ ትማሊ ቀዳም ኣብ ፍሎሪዳ ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ትራምፕ ድምጹ ሂቡ ኣሎ።
ኦባማ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኦሃዮን ሚቺጋንን ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ንትራምፕን ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ዒላማ ብምግባር፡ እቲ ፕረዚደንት ንዋይት ሃውስ ዳግማይ ንምቁፅፃር፡ ዝገበሮ ፈተነ ኣላጊፁሉ።
"ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ዘመንና ሪእናዮ ዘይንፈልጥ፡ ህውከት፣ ጭካነን ብልሽውናን ብቕዓት-ኣልቦን ምምሕዳርን፡ 'ይኣክል!' ክንብል ዕድል ኣለና"።
ንህሉው ኩነታት ቁጠባ ትራምፕ ንባዕሉ ጥራይ ክውቀስ ከምዘለዎ ድማ ገሊጹ።