ውሑድ ምስራሕ ንጥዕናና ጠቓሚዶ ይኸውን?

ካብ ድቃስ ክሳብ ጥዕና ከስዐ፡ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ ተባሂሎም ዝእምነሎም ቀለልቲ ልምድታት ብዙሕ ሳይንሳዊ ምርምር ይካየደሎም'ዩ።
ዓለምለኻዊ ትካል ጥዕና፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ጥዕና ዝወጽእ ወጻኢታት ኣብ 2029 ዋጋኡ 9.8 ትሪልዮን ዶላር ክኸውን ምዃኑ'ኡ ዝግምት።
ብዛዕባ ጥዕና ጽቡቕ መጽናዕቲ ዝተገብረሉ ዝውሃብ ምኽርታት ብዙሕ እኳ እንተሃለወ፡ ሓደ ሓደ እዋን እናሰፈሐን እናዓሞቐን ኣብ ዝኸደሉ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ልዕሊ ዓቐን ዝተሓላለኸን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ፕሮቲን ዋላ ኣብ እዋን እርጋን ጥዕናና ሕሉው ንልኸውን ሓጋዚኡ ድዩ ዋላስ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ እንወስዲኦ ንእርጋንና'ዩ ዘቀላጥፎ'ዩ?
ቁሪ ንነድሪ ይንክዮ ድዩ ወይስ ኣካላትና ንኽላመድ ድሕሪ ምንቅስቓስ ኣካላት ነድሪ የድልዮ? ጾም መፍትሕ ክብደት ሰብነት ድዩ ወይስ ካብቲ ልሙድ ምኽሪ ኣመጋግባ ንላዕሊ ውጽኢታዊ ኣይኮነን?
ኣብ ዙርያ ጥዕና ዘውሃብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ መልእኽቲ፡ ክንክን ጥዕናኻ ከም ዕዮ ገዛ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል።
ኣብቲ እንወስዶ ምኽሪ ናብ ዝቐለለ ኣገባብ ጥዕናን ጽቡቕ ሂወትን ክንምለስ ግዜኡ ድዩ?
ንጉደያት ምቕላል
መብዛሕትኡ ግዜ ጉዳይ ምብዛሕ ካብቲ ምኽሪ ጥዕና ዝወሃበሉ ኣገባብ እዩ ዝጅምር።
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቶም ንነገራት ኣቕልል ኣቢሎም ዝርእይዎን ብዘይጸቕጢ ዝሰርሑን እቶም ዝሓሸ ውጽኢት ዘመዝግቡ ምዃኖም'ዩ ዘረድኡ።
ስሉጥነት ምምስራሕ፡ ሓንጎል ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ብቐሊሉ ክምጠጥን ከሰላስልን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
መልእኽቲ ምልውዋጥ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝተሓላለኸ፡ ውጽኢታውነቱ ክጎድል ይኽእል።
ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሕክምና ዝተሓትመ ገምጋም ውጽኢታዊ ምኽሪ ጥዕና ዝድህስስ 40 መጽናዕትታት፡ ንምስርሑ ዝቐለለ ሓበሬታ፡ ውሱንን ወሰንትን ነጥብታትን ቀሊል ቋንቋን ዘለዎን ምዃኑ'ዩ ዝሕብር።
ስለዚ ንሕና ብዛዕባ ጥዕናን ስራሕን ሓበሬታ ኣብ እነመሓላለፍሉ ኣገባብ፡ ቀሊልን ሰብ ብቐሊሉ ክርድኦን ዝኽእልን ኣገባብ ክንጥቐምን ዝርዝራዊ ሓበሬታት ከነብዝሕ ከምዘይብልና'ዩ እቲ መጽናዕቲ ዝሕብር።

እቲ ቀንዲ ዘገድስ እንታይ'ዩ?
ምኽሪ ዝመሓላለፈሉ ኣገባብ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ተጋራጫዊ ምኽሪ ግን ምድንጋር ይፈጥር'ዩ።
ብርግጽ፡ ንጽቡቕ ጥዕና ዝኸውን ቀሊል ቀመር የለን – ስነ-ህይወትና፡ ከባቢና፡ ማሕበራዊ ኩነታትናን ተበጻሕነት ጸጋታትናን ኩሎም ነቲ ውጽኢታዊ ዝኾነ ክጸልዉዎ ይኽእሉ'ዮም።
ስለዚ፡ ንጥዕና ናብ መሰረታዊ ነገራት እንተ ኣውሪድናዮ፡ ገለ ካብቶም ቀለልትን ብመርትዖ ዝተደገፉን ኣገባባት ጽቡቕ ምህላውናን ብናይ ብሓቒ ለውጢ እንታይ'ዮም ዝሕግዙና ባዕልና ክንርድኦም ኣገዳሲ'ዩ።
እቲ ምኽንያት ከኣ ዋላ ድኣ ሓባራዊ ሮቋሒታት እንተሃለዉ፡ ብድምር ክንርእዮ እንከለና ግን ነቲ ሓደ መቹእ ዝዀነ ነገር ነቲ ሓደ ዘይክምእምኦ ስለዝኽእል፡ ንዓና እንታይ'ዩ ዝያዳ ዝምችኣና ከነለለዮ ከድልየና'ዩ።
ምስ ተፈጥሮ ግዜ ምሕላፍ
ኣብ ተፈጥሮ ግዜ ምሕላፍ ዘለዎ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናዊ ረብሓታት ኣብ ዝምልከት ሓያለ መጽናዕትታ'ዩ ተኻይዱ።
እቲ ውጽኢት ከኣ ሰባት ዝተወሰነ ሰዓታት ኣብ ኣዝዩ ልሙዕ ቦታ ወይ ቀጠልያ ሳዕሪ ኣብ ዘለዊ ቦታ ግዜኦም ምስ ዘሕልፍዎ ጸቕጦም ይጉድል፡ ናይ ምምዝዛን ዓቕሞም ይዓቢ ብዓቢ ከኣ ኣብ ውሽጦም ባህታ ከምዝስምዖም'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ 2025 ዝተገብረ ሜታ-ትንታነ፡ ሓጺርን ተደጋጋምን ኣብ ልሙዕ ቦታ ግዜኻ ምሕላፍ ምስ ኣወንታዊ ሳዕቤናት ዝተኣሳሰር ምዃኑን፡ እዚ ድማ ዋላ'ውን ብተዛማዲ ምስ ጽቡቕ ተፈጥሮ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ነሕለፍ ኣዝዩ ጠቓሚ ከም ዝዀነ'ዩ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕትታት ዝሕብር።

ጉዳይ ድቃስ
ዋላ ደቂስና እንከለና ሓንጎልን ኣካልናን ካብ ስራሕ ኣየቋርጽን'ዩ።
ዝኽሪ፡ ስርዓት ምሕቓቕ መግቢ፡ ስነ-ህይወታዊ መስርሓት ዋላ ደቂስና እንከለና ዘየቋርጽ መስርሓት ህይወት'ዩ።
ስሩዕ ድቃስ ምህላው ምስ ዝሓሸ ውጽኢት ጥዕና ዝተኣሳሰር ምዃኑ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ሓደ እኹል ሰብ ኣብ መዓልቲ ንሸሞንተ ሰዓታት ክድቅስ ኣለዎ ዝብል ነጥቢ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰማዕናዮ ምኽሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እቲ ሰዓታት ስሩዕን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓታት ዝደጋገምን እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ውጽኢቱ ከምቲ ንሓስቦ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ።
እዚ ማለት ንድቅሰሉን ንትስኣሉን ሰዓታት ስሩዕን ኣብ ሓሓጺር ግዜ ዘይቀያየርን እንተኮይኑ፡ ምስ ደቀስና ኣካላትና'ውን ርግእ ናይ ምባል ልምዲ የማዕብል'ዩ።
ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ

ጥዑይ ከስዐ ምህላው ሓደ ካብ ቀንዲ ምሉእ ጥዕና ክህልወና ዘኽእል'ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ካብ ዝጅመር ሓጺር ኣይገበረን።
ጁልያ ኤንደርስ ኣብ 2014 'Gut: The Inside Story of Our Body's Most Underrated Organ' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ ምስ ደረሰት፤ እቲ ዛዕባ ናብ ዝበዝሐ ኣገባቢ ከምዝበጽሕን ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ንኸልዕልዎን ደሪኻ'ያ።
ተመራመርቲ ኣብ መንጎ ማይክሮባዮም መዓንጣ፡ ኣመጋግባን ጥዕና ደቂ ሰባትን ዘሎ ዝተሓላለኸ ዝምድና ብዓሚቕም ዝያዳን ንምፍላጥ ምርምራቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።
ውህደታት ተኽሊ ሓደ ካብቲ ተገዳስነት ዘለዎ መዳያት ኮይኑ፡ ከም ፐፐርሚንትን ጅንጅብልን ዝኣመሰሉ ቀመማት ንስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ብኸመይ ክጸልዉ ከም ዝኽእሉ ዝድህስሱ መጽናዕትታት ብተደጋጋሚ መጽናዕትታት ዝካየዱ ኮይኖም፡ ገለ መጽናዕትታት ድማ ንፍሉይ ጉዳያት ምሕቃቕ መግቢ ክህልዎም ዝኽእል ረብሓታት ይሕብሩ።
እቲ ዝቐለለ እቲ ዝበለጸ'ዩ
ተራቀመርቲ ጥዕና ምህላው ዝተሓላለኸ ክኸውን ኣየድልዮን'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ኣለዎም።
መዓልታዊ ርእሰ-ሓልዮት ቅልል ዝበለ ንምግባሩ ክንዕልም ኣለና።
ምዓልታዊ ጥዕናና ንምሕላው እንገብሮ ተበግስቶታት እቲ ዝቐለለ እቲ ዝበለጸ ውጽኢትን መፍትሕን ከምዘምጽእ'ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
