ኢትዮጵያ ሱ-35 ምዕጣቓ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ጽልዋ ይፈጥር?

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኢትዮጵያ 12 ዘመናውያን ሱ-35 ነፈርቲ ወግእ፤ ኣብ ቀጻሊ እውን ኣርባዕተ ኤስ-400 ስርዓተ-መከላኸሊ ኣየር ከም እትረክብ ክግለጽ ቀንዩ ኣሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ነዘን ኣብ መንጎ ራብዓይን ሓምሻይን ወለዶ ተዋጋእቲ ነፈርቲ ኲናት ዝርከባ ዘመናውያን ነፈርቲ ምዕጣቓ፡ "ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ" ከም እትኸውን ጠቒሱ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ኢትዮጵያ ነዘን ነፈርቲ ኲናት ዝዓጠቐት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣልጀርያ ጥራይ ምዃና እዩ ዝንገር።

ብዛዕባ'ዘን ብዙሕ ክዝረበለን ዝቐነየ ነፈርቲ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ምኩር መራሕ ነፋሪት ኲናትን ኣሰልጣንን ካፕተን ተሾመ ተንኮሉ፡ ኢትዮጵያ ነዘን ዘመናውያን ነፈርቲ ምዕጣቓ ከም ዘደንቖ ይገልጽ።

ካፕተን ተሾመ ካብ 1981 (1973 ዓ.ም.ግ) ኣትሒዙ ን22 ዓመታት ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብኣብራርነት ነፋሪት፡ ኣሰልጣንነትን ሓላፊ ማእከል ስልጠና ተዋጋእቲ ነፈርቲ (ስኳድሮን) ኰይኑ ዘገልገለ፤ ከምኡ'ውን ኣብ ሕብረት ሶቭየት እውን ሚግ 23 ዘብርር ዝነበረ ምኩር ክኢላ ሓይሊ ኣየር እዩ።

"ኣብዚ ሞያ ከም ዘሎ ሰብ መጠን፡ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዓይነት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክትዓጥቕ ከላ ዘምጽኦ ረብሓ ብቐሊሉ ይርዳኣኒ እዩ፡" ይብል ካፕተን ተሾመ።

"እዘን ሱ-35 ነፈርቲ፡ ኣብ ቅድሚአን ሓምሻይ ወለዶ ነፈርቲ ኲናት ብምህላዉ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ኣቭዬሽን እኳ እንተዘይኰና፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣዝዩ ቅልጡፍን ውድድር ዝመልኦን ዘመነ ቴክኖሎጂ ኣቭዬሽን ስዒበን ዝመጻ "ናይ 4ን 5ን ወለዶ" ነፈርቲ ብምዃነን ግን ልዑል ኣገልግሎት ከም ዝህባ የረድእ።

ባህሪያት ሱ-35 ክገልጽ እንከሎ ድማ "ብናይ ምትዕጽጻፍ ዓቕመን፡ ኣጽዋር ብምስካም፡ ብሪኽ ብናይ ምድያብ ዓቕሚ፡ ካብ ርሑቕ ዒላማ ምልላይ፡ ከምኡ'ውን ብፍጥነተን ዝፍለጣ ኣዝየን ዘመናውያን ነፈርቲ እየን" ይብል።

ብተወሳኺ "እቲ መራሕ ነፋሪት ነቲ ዒላማ ብዓይኑ ምርኣይ ከየድለዮ፡ እቲ ራዳር እንተድኣ ርእዩ ኣነጻጺርዎን ሚሳይል እንተተኲሱን፡ ነቲ ዒላማ ደልዩ ዝሃርም ቴክኖሎጂ ዘለዎ ምዃኑ" ቴክኖሎጂታት ሓይሊ ኣየር ብቐረባ ዝከታተል ካፕተን ተሾመ ይገልጽ።

ንመራሕ ነፋሪት "ኵሉ ነገር ኣዝዩ ቀሊል" ካብ ምግባር ሓሊፈን፡ ናይ ምትኳስን ምህራምን ሓይለን እውን "ልዑል" ዝዀና ዘመናዊያን ነፈርቲ ምዃነን፡ ቅድሚ ሕጂ ካብተን ንሱ ዘብርረን ዝነበራ ዓይነት ሚግ ነፈርቲ ኣመና ዝተፈልያ ቀጺለን ካብ ዝመጻ ናይ ዝተፈላለየ ወለዶ ተዋጋእቲ ነፈርትን ብምንጽጻር የረድእ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘመነ ቀዳማዊ ሃጸይ ሃይለስላሰ ድሕሪ ምቛሙ፡ ብቕልጡፍ እናዓበየ መጺኡ ኣብ ዘመነ ደርግ "ኣዝዩ ገዚፍ" ዝበሃል ደረጃ በጺሑ ከም ዝነበረ ካፕተን ተሾመ ይገልጽ።

"ኣብ ዘመነ ጃንሆይ ሒደት እኳ እንተዀና፡ ኣብ ናይ ኣየር ንኣየር ውግእ (Dogfight) ጸላኢኦም ብምውዳቕ ዝተፈልጡ ውጽኢታውያን ኣብረርቲ ነይሮም እዮም። ኣብ ዘመነ ደርግ ድማ፡ ኣዝዩ ግዙፍ፡ ብዙሕ መዓስከራት ኣየር ዝነበሮ፡ ምግጥጣም ነፈርቲ ብባዕሉ ዝሰርሕ፡ ንኢትዮጵያ ዘይኰነስ ንኣፍሪቃ ዝኣክል ገዚፍ ሓይሊ ዝተፈጥረሉ እዋን እዩ ነይሩ" ክብል ነቲ ዝሓለፈ እዋናት ዘለዎ ኣድናቖት ይገልጽ።

ድሕሪኡ እቲ ሓይሊ ኣየር "ውድቀት ኣጋጢምዎ እዩ" ዝብል ካፕተን ተሾመ፡ "ነቲ ውድቀት ሓሊፉ ሎሚ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ኣብዚ ደረጃ ምብጻሑ ከም ክኢላ ኣዝዩ እዩ ኣደኒቑኒ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

'ኣብቲ ዞባ ልዕልነት ክፈጥራ ይኽእላ እየን'

ካብቲ ኢትዮጵያ ዘላቶ ዝተሓላለኸን ብዙሕ ውድድር ዘለዎን ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ብምብጋስ፡ ሓይሊ ኣየር ምዝማን "ግዴታ" ምዃኑ እዩ ዝኣምን።

"ኣብ ግዜ ጃንሆይ እቶም ንጉስ ኣቐዲሞም እዮም ነዚ ዝተረድእዎ፤ ነቲ ሓይሊ ኣየር ክምስርቱ ከለዉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን፤ ኣብ ዘገርም መሰረት ኣንቢሮም፡ ካብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ሓይሊ ኣየር ፈጢሮም እዮም ሓሊፎም" ይብል።

ሕጂ እቲ ሓይሊ ኣየር ዳግም ብምብርባር ዘመናዊ ሱ-35 ክሳብ ምዕጣቕ ምብጻሑ "ኣብቲ ዞባ ልዑል ላዕለዋይነት ዝፈጥር እዩ" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

እዚ ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ሓሊፉ "ንዝዀነ ኣካል ከሰናብድ ይኽእል እዩ፤ ሃገራት ስግኣት ክፈጥረለን ይኽእል እዩ" ክብል እውን ገሊጹ። ብፍላይ ምስ ማይ ሩባ ኣባይ ብዝተኣሳሰር ምስ ኢትዮጵያ ንዘመናት ኣብ ዘይምርድዳእ ንዘላ ግብጺ ብምጥቃስ "ንሳቶም እውን ይዳለዉ፡ ኢትዮጵያ እውን ትዳሎ" ድሕሪ ምባል፡ እንተዀነ ኢትዮጵያ "ንመጥቃዕቲ ወይ ተጻብኦ ዘይኰነስ ንርእሰ-ምክልኻል" እኹል ምድላው ክትገብር ከም ዘድሊ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ ዝተረከበተን 12 ሱ-35 ነፈርቲ ንሓይሊ ኣየር ዓቢ እታው እኳ እንተዀና፡ እታ ሃገር ዘላቶ ዞባ ግን "ዝተሓላለኸ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘለዎ" ብምዃኑ፡ ተወሰኽቲ ነፈርቲ ኲናት ከም ዘድልያኣ ይኣምን።

ንነዊሕ ዘመናት እቲ ዞባ "ልዑልን ዝተሓላለኸን ጂኦ-ፖለቲካዊ ጸገም ዘለዎ እዩ" ዝብል ካፕተን ተሾመ፡ በዚ መንጽር ኢትዮጵያ "ርእሳ ተኸላኺላ፡ ግዝኣታዊ ሓድነታን ሃገራዊ ረብሓኣን ኣኽቢራ ንምቕጻል ኣብ ልዑል ወጥሪ እያ ዘላ" ክብል ነቲ ኵነታት ይገልጽ። ስለዚ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ ብቕልጡፍ እናዓበየ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዘመን ኣምጽኦ ምድላው ምግባር "ግዴታ" ምዃኑ ይምጕት።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ "ተነቀፍቲ" ክብል ዝገለጾም ትካላት ልምዓት ዘለዋን ምስ ብዙሓት ጐረባብታ ክትነጻጸር እንከላ ዓባይ ሃገርን ብምዃናን፡ ዓቕሚ ሓይሊ ኣየራ እውን በቲ መጠን ክዓብን ክዝምንን ከም ዘለዎ ይመክር።

'ሓይሊ ኣየር ኣዝዩ ክቡር ትካል እዩ'

ብኻልእ ወገን ሓይሊ ኣየር ኣዝዩ ልዑል ወጻኢ ዝሓትት ትካል ምዃኑ ይገልጽ። ዋላ'ኳ እተን 12 ሱ-35 ነፈርቲ ዝተገዝኣሉ ዋጋ ብመንግስቲ ብዕሊ እንተዘይተገለጸ፡ ዋጋ ሓንቲ ሱ-35 ነፋሪት ብውሕዱ ካብ 80 ሚልዮን ዶላር ንላዕሊ ምዃኑ ናይቲ ዓውዲ መረዳእታታት የመልክቱ።

ወጻኢታት እተን ነፈርቲ፡ ምስቲ ዝጥቀማሉ ኣጽዋር፡ ንመራሕቲ ነፈርቲ ንምስልጣንን ንመተካእታ ኣቕሑ ዝወጽእን ተደሚሩ ነቲ ዓውዲ ኣዝዩ ክቡር ከም ዝገብሮ ካፕተን ተሾመ ይገልጽ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ ኢትዮጵያ ሱ-35 ነፈርቲ ምርካባ ብዝምልከት ካብ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ሞያውያን በረራን ካልኦት ክኢላታት ሓይሊ ኣየርን ናይ ምስልጣን ስራሕ ክስራሕ ምጽንሑ ጠቒሱ።

ይዅን እምበር፡ ሕጂ ሱ-35 ነፋሪት ኲናት ከብርሩ ዝኽእሉ ክኢላታት እታ ሃገር ኣፍርያ እንተዀይና ብዕሊ ኣይገለጸን።

ከምዚ ዓይነት ዘመናውያን ነፈርቲ ንምብራር ልዑል ስልጠና ከም ዘድሊ ዝጠቐሰ ካፕተን ተሾመ፡ ነዛ ነፋሪት ከብርሩ ዝኽእሉ ካብ ታሕቲ ጀሚሮም ብቕደም-ተኸተል ብስልጠና ብምሕላፍ ኣብቲ "ልዑል ተዋጋኢ ስኳድሮን" ክካተቱ ዝኸኣሉ ምዃኖም የረድእ።

"ሓደ ኣብራሪ ኣሰልጢንካ ንዕማም ብቑዕ ንምግባር፡ ብናይ ወጻኢ ባጤራ ሚልዮናት እዩ ዝውድእ። 10 መንእሰያት ንስልጠና ኣእቲኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምብራር ደረጃ ንምብጻሕ ምናልባት ሓደ-ክልተ እንተረኺብካ ኣዚኻ ዕድለኛ ኢኻ።

ነዘን ተዋጋእቲ ነፈርቲ ኣብ ምብራር ዝበጽሑ መራሕቲ ነፈርቲ ምርካብ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ኣተኣማማኒ በራሪ ኣሰልጢንካ ንምውጻእ ክሳብ 7 ዓመት ዝወስድ ስልጠና የድሊ" ኢሉ።

ካብቲ ንስልጠና ዘድሊ ወጻእን ግዜን ሓሊፉ፡ እዘን ዘመናዊ ዝትኵሳኦ ሚሳይላት ምድላው ሓዊሱ ነታ ነፋሪት ንምንቅስቓስ ኣዝዩ ልዑል ገንዘብ ዝሓትት ምዃኑ ብምጥቃስ "ሓይሊ ኣየር ኣዝዩ ክቡር ትካል እዩ" ክብል ይገልጾ። "ክቡር እዩ ግን ከኣ ሃገር ክትሕሉ ኣለካ፣ ብዝዀነ መንገዲ ህልውና ሃገር ክሕሎ ኣለዎ" ክብል ድማ ኣተሓሒዙ ይገልጽ።

'ኲናት ሓይሊ ኣየር ይጅምሮ፡ ሓይሊ ኣየር ይዛዝሞ'

ብውሑድ ወጻኢ ዝፈረያ ናይ ውግእ ድሮናት ኣብዚ እዋን ኣብ ኲናታት ብልዑል ደረጃ ኣብ ጥቕሚ ይውዕላ ብምህላወን፡ ኣብ ውግኣት ድማ ልዑል ለውጢ ይፈጥራ ኣለዋ።

ከምዚ ዓይነት ብቐሊል ወጻኢ ልዑል ውጽኢት ከምጽእ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ድሮን እናሃለወ፡ ንዘመናውያን ነፈርቲ ኲናት ልዑል ዋጋ ምውጻእ ክሳብ ክንደይ ኣዋጻኢ እዩ ንዝብል ዝቐረበ ሕቶ ክምልስ እንከሎ ካፕተን ተሾመ፡ ድሮናት ከም ዘለዋ ኰይነን ኣብ ዘመናዊ ኲናት ቀንዲ ተራ ዘለዎ ሓይሊ ኣየር ምዃኑ ግን የረድእ።

"ሎሚ ከም ቀደም ወተሃደራት ኣሰሊፍካ፡ ብረት ኣዕጢቕካ እትዋግኣሉ ዘመን ኣይኰነን። ኲናት ሓይሊ ኣየር እዩ ዝጅምሮ፤ ሓይሊ ኣየር ድማ ይዛዝሞ" ይብል። "ሓይሊ ምድሪ ኣብ መወዳእታ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ይኣቱ እምበር፡ ኲናት ዝመርሐ፡ ዝዋጋእን ዝስዕርን ዘሎ ሓይሊ ኣየር እዩ።"

ኣዝዩ ብቐሊል ወጻኢ ተዳልየን ብዙሕ ዕንወት ዝፈጥራን ቴክኖሎጂታት ድሮን እውን እንተዀነ ኢትዮጵያ "እተፍርየሉ ደረጃ" ምብጻሓ ይጠቅስ።

ይዅን እምበር ብድሮናት ጥራይ ውጽኢታዊ ምዃን ከም ዘይከኣል የረድእ። "ሓንቲ ነፋሪት ብሓደ ሰብ፡ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ከተውርዶ ትኽእል ጸላኢ ናይ ምጥፋእ ሓይሊ፡ ምናልባት ሓደ ሓይሊ ምድሪ ብዝተፈላለየ በጦሎኒ ካብ ዘጥፍኦ ዝዓበየ እዩ" ክብል ኣብ ውሽጢ ኲናት ሓይሊ ኣየር ብዛዕባ ዝህልዎ ተራ የረድእ።

ኢትዮጵያ 12 ዘመናውያን ሱ-35 ነፈርቲ ኲናት ካብ ሩስያ ዝተረከበት፡ ምስ ጐረቤታ ኤርትራ ኲናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝዓረገሉ እዋን እዩ።

ሩስያ፡ "ፍቓደኛታት እንተዀይነን" ንኽልተአን ሃገራት ንምሽምጋል ድልውቲ ምዃና ገሊጻ እያ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ እዘን ነፈርቲ፡ ኢትዮጵያ ርእሳ ንምክልኻልን ክሊ ኣየራ ንኸይድፈር እትገብሮ ቅድመ-ምድላው ምዃኑ ተዛሪቡ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ወሲኹ "እዚ ዓቕሚ እዚ እንተዘይሃኒጽና ኣብ ከባቢና ከም ሃገር ህልውናና ኣብ ሓደጋ እዩ" ኢሉ።