ትግራይ፡ ናብን ካብን መቐለ ዝግበር በረራታት ዳግማይ ክጅምር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Airlines
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናብን ካብን ትግራይ ዘካይዶ በረራታት ዳግማይ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ "ብግዝያዊነት ተቛሪጹ" ዝጸንሐ ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ በረራታት ካብ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ባሕቲ ጥቅምቲ ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ይጠቅስ።
"ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ ስሩዕ በረራታት ካብ 1 ጥቅምቲ 2019 ከምዝጅምር ብዓቢ ሓጐስ ይገልጽ።
"ኣብ ቀረባዅም ናብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኻድ ወይ ናብ ናይ ስልኪ ማእከልና 6787 ብምድዋል ምዝገባ ክትሕዙ ከምእትኽእሉ ከነፍልጥ ንደሊ" ይብል እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ።
እቲ መገዲ ኣየር ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዳግም ዝተወልዐ ግጭት፡ ናብ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝገብሮም በረራታት ካብ 13 መስከረም 2019 (ግእዝ) ጀሚሩ ደው ከምዘበለ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰለስቲአን ከተማታት ዝርከቡ መዓርፎታት ነፈርቲ ተቖጻጺሮሞ ነይሮም።
እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ መዓልታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ትግራይ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓትን ብምትሕብባር ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩ ይዝከር። ብህወሓት ዝምራሕ ነቲ ክልል ከመሓድር ዝጸንሐ ምምሕዳር'ውን ካብታ ከተማ ከምዝወጸ ኣፍሊጡ ነይሩ።




















