መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝካየድ ኵሉ በረራታት ደው ኣቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Geez media
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበረ በረራታት "ንግዚኡ ምቍራጹ" ኣፍሊጡ።
ህወሓት ነቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ብበይናዊ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ስልጣን ብምእላይ ንምምሕዳር እታ ክልል ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብታ ክልል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብታ ክልል ኣብ ዝተፈለለያ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጸም ጸኒሑ'ዩ።
ምቍራጽ እዚ በረራታት፡ ዕጡቓት ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ድሕሪ ምቍጸጻሮም ስዒቡ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምውዳቕ "ንዅሉ ዝሓቘፈ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምምስራት ብዝብል ዕላማ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተባህለ ጥምረት ምምስራቶም ይዝከር።


