ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ
ኢራንን እስራኤልን ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ምያዝያ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ ንፈለማ እዋን ናብ ሓድሕድ መጥቃዕቲታት ድሕሪ ምእታወን ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ የርኢ ኣሎ።
ዋጋ ናይቲ ዓለምለኻዊ መምዘኒ ዝዀነ ነዳዲ ብሬንት ብ4.5 ሚእታዊት ወሲኹ። ዋጋ ሓደ ባረል 97.30 ዶላር በጺሑ።ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብ4.3 ሚእታዊት ወሲኹ ናብ ከባቢ 94.50 ዶላር ክብ ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ውግእ ክሰጋገር ድዩ ገና እኳ ዘይተፈልጠ እንተዀነ፡ ነጋዶ ግና ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ነዳዲ ከጋጥም ዝኽእል ስግኣታት ኣብ ግምት የእትውዎ ከም ዘለዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጄምስ ኩክ ናይ ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጂያጂያ ያንግ ገሊጹ።
ሎሚ ዕዳጋታት እስያ ሓያል ምንቍልቋል ዘርኣየ ኰይኑ፡ ከም ናይ ደቡብ ኮርያ ኮስፒ ዝበሉ ዓበይቲ መለክዒታት ቍጠባ ብዓቢ ደረጃ ብምውራድ ብ8 ሚእታዊት ኣንቈልቊሎም ኣለዉ።