እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ , ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ናይ ሩስያ መገሻኡ ተመሊሱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንሱ ዝመርሖ ልኡኽን ኣብ ሩስያ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ብምጻሕ ወዲኡ ሎሚ ንጉሆ ናብ ኤርትራ ከምዝተመለሱ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል በኤክስ ኣፍሊጡ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ዲ.ኣር.ሲ ኮንጎ ብዝሒ ሞት ብሰንኪ ኢቦላ 5 ሽሕ ሓሊፉ

    ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኢቦላ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት፡ 5 ሽሕ ከምዝሓለፈ ኣሃዛት መንግስቲ የመልክቱ።

    ካብተን 26 ግዝኣታት እታ ሃገር እተን ሸሞንተ በዚ ቫይረስ ዝተጠቕዓ እንትኾና፡ ልዕሊ 10,300 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ተረጋጊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝጀመረ ለበዳ ኢቦላ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ኣዝዩ ቀታሊ ምዃኑ ሰብመዚ ህዝባዊ ጥዕና ይገልጹ። ኣብዚ ሕዚ እዋን መጠን ሞት እቲ ቫይረስ 48.6 ሚኢታዊ ኮይኑ ኣሎ።

    መረዳእታ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እትርከብ ግዝኣት ኢቱሪ፡ ማእከል'ቲ ለበዳ ኮይና ትቕጽል ኣላ።

    እቲ ክልል፡ ጎንፂ ዝበዝሖ ከባቢ ብምዃኑ ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ገይሩዎ ይርከብ።

    ኣብ ኬንያ፣ ናይጀርያን ኡጋንዳን እውን በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡ ይዝከር።

    ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ፡ ኣብ ታሪኽ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ መበል 17 ሓደገኛ ፤ ኣብ ዓለም ድማ ካልኣይ እዩ።

  2. ጉጅለታት 'ኪዳን ንህልውና' ኣብ ካልኣይ መግለፂኦም እንታይ ኢሎም?

    ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንዅሉ-ዝሓቍፍ "መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምቛምን ዝዓለመ እዚ ሓድሽ ኪዳን፡ ድሕሪ ምምስራቱ ናይ መጀመርታ ዕላዊ ኣኼባ ከምዘካየደ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

    እቲ 'ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና' ወይ 'ምሕዝነት ንህልውና' ብዝብል ዝተፈጠረ ምትእኽካብ፡ ሸውዓተ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝሓቖፈ ዀይኑ፡ ካብ ዘይተፈልጠ ቦታ እዩ መግለፂ ሂቡ ዘሎ።

  3. ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ብምኹናን መንግስቲ ብግቡእ ክምርምሮ ጸዊዓ

    ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብግቡእ ተመርሚሩ እቶም ፈጸምቲ ገበን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲታ።

    ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብቀዳም ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ኣብ ኣርሲ ብደይ መደይ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዝምልከቱ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ብናይ ቀደም ምምሕዳራዊ ድልድል ዞባ ኣርሲ ዝብሃል ዝነበረ በዚ ናይ ሕጂ ኣሰያይማ ከኣ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ዝነብሩ ነበርቲ ብዝተፈጸመ መጥቓዕትታት ልዕሊ 60 ሰባት ምቕታሎም ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዲ ቤተ ክትርስትያን ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

    እታ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ መጥቃዕቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ምዃኑን ተኸተልትን ኣባላትን እታ ቤተ ክርስትያን ቀንዲ ዒላማ ምዃኖም ብምምልካት፡ መንግስቲ ቅትለት ንጹሃት ሰባት መወዳእታ ክገብረሉን መሰል ዜጋታት ናይ ህይወትን ናጽነት ኣምልኾን ክሕሉ ጸዊዓ።

    ኣመሪካ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣመሪካ "ብሃይማኖት፡ ብሄር ወይ ፖለቲካ ተደሪኾም ዝፍጸሙ መጥቓዕትታት ኣትሪራ ትኹንኖ" ድሕሪ ምባል፡ ከምቲ ኣብ ኣርሲ ዝፈተጸመ "ዘስካሕኽሕ መጥቓዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ጉጅለ ደው ክብል ኣለዎ" ክትብል ድማ ተማሕጺና።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡

  4. ጀርመን: ተቓውሞታት ናብ ኣዕናዊ ናዕቢ ተቐዪሩ ድንኳናት ተዘሚተን

    ብሰንኪ ዋጋ መነባብሮ ዝተልዓለ ተቓውሞ ጀርመን፡ ናብ ናዕቢ ኣምሪሑ ኣብ ከባቢ ፍራንክፈርት ዝርከባ ድኳናት ተዘሚተን።

    ብዘይካ'ታ ፋይናንሳዊ ማእከል ጀርመን ዝዀነት- ፍራንክፈርት፡ ኣብ ከተማታት በርሊን፡ ኮሎንን ሃምቡርግን ናይ ናዕቢ ተርእዮታት ከምዝተራእየን፡ ፖሊስ ውዑይ ማይ ተጠቒሞም ነቶም ናዕበኛታት ከምዝበተኑዎምን ገሊጾም።

    ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣቐዲሞም ኣብቲ ብዓቢኡ ሰላማዊ ዝነበረ ሰልፍታት ተጸንቢሮም ነይሮም።

    ብጉጅለ ጎስጓስ ጀን ዜድ ረገልት - ማለት "ሓላፍነት ጄን-ዜድ"፡ ዝተወደቡ ተቓውሞታት፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ትሑት ምወላ፡ ልዑል ዋጋ መነባብሮ፡ ምጉዳል ወጻኢታት መንግስትን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ተቓውሞኦም ንምግላጽ እዮም።

    ኣብ ጀርመን ዝጀመማር ዘሎ ናዕቢ፡ ኣብ ፈረንሳ ብተመሳሳሊ ብመንእሰያት ዝምራሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ'ዩ።

    እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ መጀመርታ ሰላማዊ ዝነበረ ዀይኑ፡ ለይቲ ናብ ናዕቢ እናምረሐ ከይዱ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡

  5. ሰላም ከመይ ሓዲርኩምን ውዒልለኩምን፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣህጉራዉን ዓለምለኻውን ዜናታት ኣብ ገገዜኡ ናባኹም ከነብሎ ኢና ምሳና ጽንሑ

  6. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ናይ ሩስያ መገሻኡ ተመሊሱ

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ንሱ ዝመርሖ ልኡኽን ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ጻንሒት ወዲኡ ሎሚ ንጉሆ ናብ ኤርትራ ከምዝተመለሱ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል በኤክስ ኣፍሊጡ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስን ልኡኹን ኣብ 3ይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ንኽሳተፉ'ዮም ናብ ሩስያ ኣመሪሖም ቀንዮም።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ከምኡ’ውን ካልኦት ሓድሕዳዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ሰፊሕ ዝርርብ ከምዘካየደ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ኣኼባ፡ ኤርትራን ሩስያን ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ቴክኖሎጂ፡ ዕደናን ሕርሻን ዘለወን ምትሕብባር ንምድልዳል ምስምመዐን'ውነእ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስን ልኡኹን ምስ ሚኒስተር መጓዓዝያ ሬስያ ዲሚትሪ ያርዶቭ ብምርኻብ'ውን ኣብ ምዕባይ ትሕተ ቅርጺ ልምዓት ፕሮጀክትታት መጓዓዝያ መሬት፣ ባሕርን ኣየርን ሰፊሕ ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ከምዝዘተዩ ክፍለት ተካኢሉ ኣሎ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡