ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ዩጋንዳ ነበር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ
ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓስ ስታፍ ሰራዊት ዩጋንዳ ዝነበረ ሌ/ጀነራል ፒተር ኢለወሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ዝነበረ ጀነራል ኣንጻር መንግስቲ ምልዕዓል ከካይድ ሃቐነ ነይሩዎ ብዝብል'ዩ ተኣሲሩ ዘሎ።
ኣፈኛ ሰራዊት ክሪስ ማገዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጀነራል ኢለወሉ፡ ነታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘእቱ ነጥፈታት ብምስታፉ ከምዝተታሕዘ'ዩ ዝኸስስ።
ወዲ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ዝኾነ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ንወተሃደራዊ መዓርግ እቲ ጀነራል ከምዝገፈፎ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣፍሊጡ ነይሩ።
ጀነራል ኢለወሉ፡ ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ ሓደ ንምንጻል ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝተባህለ ዞባዊ ንጉስ እታ ሃገር ድሕሪ ዝወሰዶ ተሪር ስጉምቲ'ዩ ተፈላጥነት ረኺቡ።
ነቲ ተቓውሞታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ምድቋሱ ድማ'ዩ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ክኸውን ተመዚዙ።
ኣብ 2024 ኣመሪካ ምስ ዘይሕጋዊ ምርሻን ዝርከቦ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኣብ ልዕሊኡ እገዳታት ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር።
ኢለወሉ ኣንጻር መንግስቲ ምልዕዓል ንምፍጣር ኣጽዋር ሒዙ ከምዝተረኽበ'ዩ ጀነራል ሙሁዚ ከሲሱ ዘሎ።
"ኣብ ገዝኡ ብርክት ዝበለ ብረታትን ተተኮስትን ረኺብና ኣለና" ብምባል ኢዱ ክህብ ሒደት ሰዓታት ከምዝተዋህቦ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ጀነራል ኢለወሉ ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ቤተሰቡን ነቲ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝቐርበሉ ዘሎ ክስታት ነጺጐሞ ኣለዉ።
"ንዩጋንዳ የፍቅራ እዩ፡ ሕልሙ ድማ ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ክትህልዎ እዩ" ዝበለት ብዓልቲቤቱ ፓትሪሺያ ኣፖሎት ተቓውሞ ከልዕል ከምዘይሓስቦ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪባ።