ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. 'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ

  2. ባብ ኣል-መንደብ፡ ምቍጽጻር ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝያዳ ቅልውላው ዝፈጥር ድዩ?

  3. ክሳብ ኣሕዋት ምዃነን ዝፈልጣ ንዓሰርታተት ዓመታት ትኽ ትንፋስ መሓዙት'የን ነይረን

  4. ኤኣይ ኣብ ወዲሰብ ዝፈጠሮ ከቢድ ስግኣትን ሓድሽ ዝተውሃበ መጠንቀቕታን እንታይ'ዩ?

  5. ኣብ የመን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 1400 ሰባት ናብ ጂቡቲ ሃዲሞም

  6. ካልኣይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋታይ ባሎን ዲ ኦርሲ ይርከብዶ ይኸውን?

  7. ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጕያ ነዊሕ ርሕቐት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝሐሻ ድየን?

  8. ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?

  9. 11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?

  10. ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018

  11. ኢድካ ብሓመድ ምጽያቕ ኣብ ሳምንታት ጥዕናኻ ዘመሓይሽ ተፈጥሮኣዊ ምስጢር

  12. ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ስግኣት፡ ሑቲ ኣብ ባብ ኤል-መንደብ ዘለዎም ቍጽጽር የዕብዩ

  13. ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን

  14. መራሕቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ግእዝ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ

  15. ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ንማያት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ሞካን ዙቑርን ተቘጻጺሩ

  16. ልዕሊ 600 እሱራት ብምሕረት ክልቀቑ እንከለዉ 28 ይቕረታ ብዘይምሕታቶም ተሪፎም

  17. ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?

  18. ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ

  19. ጽምብል ቅዱስ ዮሓንስ ንሰላምን ራህዋን

  20. ኬንያ፡ ብሰንኪ መምርሒ ንግዲ ተሸጊሮም ዝጸንሑ ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምምዝጋብ ትሰርሕ

    ብሩንዳውያን ቦርሳታቶም ኣብ ኤምባሲኦም ተኣኪቦም ይርኣዩ

    መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ንኡሳን ንግዳዊ ስራሓት ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታት ንምክልኻል ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ ዝተፈጥረ ስግኣት ንምህዳእ፡ ኣብታ ሃገር ሰነድ ዘይብሎም ዜጋታት ቡሩንዲን ካልኦት ተቐማጦ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከም ዝምዝግብ ኣፍሊጡ።

    ፕረዚደንት ሩቶ ከም ኣብ ጐደናታት ዝካየዱ ንግዲታት ንኡሳን ድኳናትን ዝኣመሰሉ ስራሓት ንዜጋታት ኬንያ ጥራይ ክዕቀቡ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ወጻእተኛታት ነቲ ንጥፈታት ደው ከብሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣቐሚጡ ነይሩ።

    እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ቡሩንዲ ጸቕጥን ስግኣትን ብምፍጣሩ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ኤምባሲኦም ተሰሪዖም ሰነዳት ክሓቱ ተራእዮም እዮም።

    ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኬንያ ቻርለስ ኦዊኖ፡ እቶም ሰነድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብኤምባሲታቶም ኣቢሎም ኵነታቶም ከዐርዩ ጻውዒት ኣቕሪቡ፤ እቲ መስርሕ ምምዝጋብ ክሳብ ዝዛዘም ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ገይርካ ከም ዝውሰድ ገሊጹ።

    መንግስቲ ኬንያ ብተወሳኺ፡ ወጻእተኛታት ነጋዶ ፍቓድ ስራሕን ንግድን ንምምላእ ናይ 90 መዓልታት ግዜ ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝዀነ ዓይነት ምፍርራሕ ከይፍጸም ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኬንያ ኮሪር ሲንግኦይ፡ እቲ ናይ ፕረዚደንት ትእዛዝ ብጌጋ ርድኢት ከም ዝፈጠረ ብምጥቃስ ብሰንኩ ንዝበጽሐ መግፋዕቲ ይቕረታ ሓቲቱ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቡሩንዲ ኤድዋርድ ቢዚማና ብወገኑ፡ ኬንያ ንድሕነት ዜጋታት ቡሩንዲ ተሓታቲት ምዃና ኣተሓሳሲቡ፡ እዚ ጉዳይ ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ከየሕድር ምስ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EAC) ተዘራሪቡ ኣሎ።