ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢትዮጵያ ካብ ሩስያ ሱ-35 ዝተባህላ ነፈርቲ ኲናት ተቐቢላ

    ኣቢይ ኣሕመድን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጀነራል መርዳሳን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ነቲ ወግዓዊ ምርካብ እናተቐበሉ ኣብ ቅመሚ ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ

    ኢትዮጵያ ካብ ሩስያ ዝኣዘዘተን ሱ-35 ዝተባህላ ነፈርቲ ኲናት ከምዝተረከበት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

    እተን 12 ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ኣቐዲሙ ምስ ሩስያ ብዘስተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ከምዝተረከብውን'ዩ ኣቢይ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ ዘሎ።

    "ምስ መንግስቲ ሩስያ ብዝገበርናዮ ስምምዕ መሰረት ሎሚ 12 ሱ-35 ናይ 4++ ትውልዲ ነፈርቲ ውግእ ተረኪብና ኣለና።

    "ነቲ መሓዛይ ዝኾነ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነተን ነፈርቲ ኲናት ካብቲ ዝተሰማማዕናሉ ናይ ግዜ መቓን ብሓደ ዓመት ኣቐዲሙ ክንርከበን ንዘርኣዮ ተወፋይነት ዘለኒ ምስጋና ክገልጸሉ እፈቱ" ይብል ኣቢይ ኣብቲ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ ሓበሬታ።

    ነተን ነፈርቲ ዝዓቐጠቐት ኢትዮጵያ ኣብ "ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ መሪሕ ቦታ ሒዛ" ከምዘላ'ውን እቲ ናብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ተሓንዩ።

    "እዚ ዝህነጽ ዘሎ ኩነተ ድልውነት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ንወራር ኣቐዲማ ክትከላኸል ዕድል ዝህባ'ዩ" ድማ ኢሉ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኤስ-400 ዝተባህለ ኣርባዕተ ምዕቡል ጸረ-ኣየር ሚሳይላት ካብ ሞስኮ ክትቅበል ምዃና'ውን ጠቒሱ'ሎ።

  2. ኢትዮጵያ ብዙሓት ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ከምዝዓደገት ኣፍሊጣ

  3. ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ 30 ዓመታት ስርሑ ኣብ ሶማልያ ይዓጹ

    ልኡኽ መሰጋገሪ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ )

    እቲ ኣብ ሶማልያ ንሰላም፡ ህንጸት ሃገርን ዕርቅን ክድግፍ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘካየዶ ጕዕዞ፡ ቀዳም 31 ጥቅምቲ 2026 ስርሑ ብወግዒ ክዓጹ እዩ።

    ልኡኽ መሰጋገሪ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ (UNTMIS)፡ ናይ ክልተ ዓመት ዕዮኡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ እዩ ዝዛዝም።

    ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ልኡኽ ከየሐድሶ ዝወሰነ፡ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ገዛእ ርእሱ ናይ ሰላምን ህንጸት ሃገርን መስርሕ ምሉእ ሓላፍነት ክወስድ ብዝሓተቶ መሰረት ኰይኑ፡ ዕማማት እቲ ልኡኽ ድማ ናብ ትካላት ሶማልያን ኣብታ ሃገር ድሮ ዝነጥፉ ዘለዉ ትካላት፡ ማዕከናት ገንዘብን መደባትን ሕቡራት ሃገራትን ክሰጋገር እዩ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝተመዝገበ ምዕባለ ብምንኣድ፡ ነዚ ውጽኢት ኣብ ምምጻእ ኣበርክቶ ንዝገበሩ፡ ብፍላይ ድማ ንተኸታተልቲ ፍሉያት ልኡኻቱን ሰራሕተኛታት እቲ ልኡኽን ኣመስጊኑ።

    ጉተረዝ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዘገልግልሉ ዝነበሩ እዋን ህይወቶም ንዝሰኣኑ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኽርን ክብርን ሂቡ።

    ጉተረዝ፡ ሶማልያ ገና ከበድቲ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ሰብኣውን ቍጠባዊ ልምዓትን ብድሆታት የጋጥማ ከም ዘሎ ብምእማን፡ እቲ ዛጊት ዝተረኽበ ዓወታት ምእንቲ ከይባኽን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ደገፉ ከየቋርጽ ጸዊዑ።

    እዚ ድማ ኵሉ ዝሓቍፍ ፖለቲካዊ ዘተን ዕርቅን ንቕድሚት ምግፋሕ፡ ጽኑዓት ትካላት ምህናጽ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምሕላው፡ ከምኡ'ውን ኣንጻር'ቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ግብረ-ሽበራዊ ጕጅለ ኣልሸባብ ጽኑዕ ስጕምቲ ምውሳድ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣረዲኡ።

  4. ኣብ ሞያሌ ብዝተልዐ ግጭት፡ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ሃዲሞም

    ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ሞያሌ ካብ ዝተወልዐ ግጭት ሃዲሞም ናብ ኬንያ ዝሰገሩ ሰባት ብግምት 36 ሽሕ ከም ዝበፅሑ ትካል ዩኤንኤችሲኣር ኬንያ ኣፍሊጡ።

    ካብቶም ህይወቶም ንምድሓን ናብ ኬንያ ዝሰገሩ ሰባት ዝበዝሑ ደቂኣንስትዮ፣ ህፃናትን ከም ዝኾኑ እቲ ትካል ገሊፁ።

    ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ ግጭት ተወሊዑ። እቲ ግጭት ድማ ሓደ ሰሙን ኣቑፂሩ ቀፂሉ ኣሎ።

    ካብ ብሓሙስ ጀሚሩ "ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሰነየ" ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝቐፀለ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

    ኣብ ሞያሌ ብዝተልዐ ግጭት፡ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ሃዲሞም
  5. ኤርትራ 'ዘዛቲ ጉዳይ የሎን' ኣብ ዝበለትሉ፡ ሩስያ ንኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንምሽምጋል ጻውዒት ኣቕሪባ

    ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝጅምር ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ዝሳተፉ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ድሌት እንተ ኣርእዮም"፡ ኣብ መንጎኦም ዘተ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና ሩስያ ኣፍሊጣ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ነዚ ዝበለ፡ ቅድሚ'ቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ፡ ትማሊ ሰሉስ 27 ጥቅምቲ 2026 ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዝመጽኡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት እዩ።

    ኣብዚ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጥቅምቲ ዲፕሎማስያዊ ርክቦም ብምሉእ ካብ ዘቋርጹ ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓደ መድረኽ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ናብ ሞስኮ ከም ዝኣተወ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ። ኢሳያስ ኣብቲ ዋዕላ ካብ ምስታፍ ብተወሳኺ፡ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክልተኣውን ካልኦት ናይ ሓባር ጉዳያትን ዘተ ከካይድ ትጽቢት ከም ዝግበር ተገሊጹ ኣሎ።

    ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ሎሚ ረቡዕ ወጋሕታ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ሞስኮ ከም ዝኣተወ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።ምሉእ ዛንታ ኣብዚ ኣንብቡ

  6. ኤርትራ 'ዘዛቲ ጉዳይ የሎን' ኣብ ዝበለትሉ፡ ሩስያ ንኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንምሽምጋል ጻውዒት ኣቕሪባ

  7. ካብ ኣርሲ ክሳብ ሞያለ፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ህይወት 85 ሰባት ዝቐዘፈ ደማዊ መጥቃዕትታት ኢትዮጵያ

  8. ኣብ ሞያሌ ብዝተወልዐ ግጭት፡ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ሃዲሞም

  9. ኢትዮጵያ፡ ጠንቂ ግጭት ኦሮሞን ሶማሊን ኣብ ሞያለ እንታይ'ዩ?

  10. ሰለስተ ግዜ ካብ ሞት ዘምለጠ ጀነራል ዮሃንስ መን እዩ? ስለምንታይከ 'መዲድ' ተባሂሉ?

  11. ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ሞስኮ ኣትዩ

  12. ጀነራል ዮሃንስ መዲድ ተማሪኹ ድዩ ኢዱ ሂቡ - ሓይልታት ትግራይ እንታይ ይብል?

  13. ሃሪ ኬን ተዓዋቲ ባሎን ዲ'ኦር ኰይኑ፡ ጽምኢ 25 ዓመታት እንግሊዝ ኣርውዩ

    ሃሪ ኬይን ንጽዋእ ባሎን ዲ'ኦር እናሰዓመ

    ኣጥቃዓይ ባየር ሙኒክ ሃሪ ኬን፡ ድሕሪ ማይክል ኦወን ኣብ 2001፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ነቲ ክብ ዝበለ ናይ ዓለምና ብሉጽ ተጻዋታይ ሽልማት (ባሎን ዲ'ኦር) ዝዓተረ ቀዳማይ እንግሊዛዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።

    ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ሪያል ማድሪድ ኪልያን ምባፔ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ስጳኛዊ ኮኾብ ባርሴሎና ላሚን ያማል ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

    እቲ ወዲ 33 ዓመት ኣጥቃዓይ ነዚ ሽልማት ክዓትር ዘብቅዖ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዘርኣዮ መዘና ኣልቦ ናይ ሸቶ ምቝጻር ብቕዓት እዩ።

    ኬን ንኽለቡን ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ኣብ ዘካየዶም 65 ጸወታታት 73 ሸቶታት ብምምዝጋብን ሸሞንተ ንሸቶ ዝዀና ኳዓሳሱ ብምቕባልን፡ ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ እቲ ሊዮነል ሜሲ ኣብ 2011-12 ዘመዝገቦ ታሪኻዊ ቍጽሪ፡ ዝለዓለ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣሎ።

    ብተወሳኺ፡ ካብ 1981 (ካርል-ሃይንዝ ሩመኒገ) ንነጀው ነዚ ሽልማት ዝወሰደ ቀዳማይ ተጻዋታይ ባየር ሙኒክ ኰይኑ ተመዝጊቡ።

    እዚ ዓወት ኬን ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ኩዕሶ እግሪ ክብረታት - ዋንጫ ዓለም ይዅን ሻምፕዮንስ ሊግ ከይዓተረ ነዚ ክብሪ ምብጻሑ እዩ።

    ኣብ ክልቲኦም ውድድራት ኣብ ፍርቂ ፍጻመ እኳ እንተ ወደቐ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጀርመን ድርብ ዋንጫታት ብምዕታርን ብውልቃዊ ብቕዓቱ ድማ ንዝነበረ ናይ ሸቶታት ክብረ-ወሰን ብምስባሩን ንመወዳድርቱ ክቕድሞም ክኢሉ።

    ኬን ነዚ ዓወቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ መጀመርታ ናይ ሞያይ ጕዕዞ፡ ከምዚ ሕጂ ዘለዉ ገለ ተጻወቲ ንብሉጽነት ክበቅዕ እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ብዙሕ ሰብ ኣይነበረን፡ ምናልባት ኣነ’ውን ኣይሓሰብክዎን። እቲ ዝሓለፍክዎ ውረድ-ደይብን ዘርኣኽዎ ጽንዓትን ግና ክሳዕ’ዚ ደረጃዚ ከብጽሓኒ ክኢሉ፡” ክብል ገሊጹ።

    ኣሰልጣኒ እንግሊዝ ቶማስ ቱኸል ብዓወት ኬን ዝተሰምዖ ሓበን ክገልጽ እንከሎ፡ ልኡል ዊልያም ድማ ነቲ ተጻዋታይ “ብሉጽ መራሕን መስተንክራዊ ተጻዋታይን፡” ክብል ንኢድዎ።

    ኬን ነዚ ክብሪ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንምድጋም’ውን ድሮ ኣብዚ ሓድሽ ዓመተ-ውድድር ኣብ 16 ጸወታታት 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ብሓያል ነቒሉ ኣሎ።

    ይዅን’ምበር፡ እቶም ገና ኣብ መጀመርታ ዕድመኦም ዘለዉ ላሚን ያማልን ኪልያን ምባፔን፡ ኣብ ክለባቶም ዘርእይዎ ዘለዉ ብሉጽ ብቕዓት፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይዚ ሽልማት ቀንዲ ተቐናቐንቲ ከም ዝዀኑ ዘመልክት እዩ።

  14. ግብጺ፡ ‘ብግዲ ዝጽዓን ኵነታት’ ከም ዘይትቕበል ኣል-ሲሲ ኣጠንቂቑ

    ኣል ሲሲ ኢዱ እናኣወጣወጠ

    ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሃገሩ ኣብ ማይ ናይል ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን ሓደ-ወገናዊ ምቍጽጻር ኰነ ድሕነት ማያ ዝፈታተን ‘ብግዲ ዝጽዓን ኵነታት’ ፈጺማ ከም ዘይትቕበል ብምግላጽ ንኢትዮጵያ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

    ኣል-ሲሲ ኣብ መኽፈቲ መበል ትሽዓተ ሰሙን ማይ ካይሮ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ዝዀነ ይዅን ኣካል ንግብጺ ‘ብግዲ ዝጽዓን ኵነታት’ ንምቕባል ዘገድድ ውሳነ ከሕልፍ ዝገብሮ ፈተነ ከም ዝፈሽል ገሊጹ።

    “ሓደ ፈለግ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሓንቲ ሃገር ስለ ዝመንጨወ ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ሃብቲ ማይ ሓደ-ወገናዊ ምቍጽጻር ንኽትገብር መሰል ኣይህባን እዩ፡” ዝበለ ሲሲ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ንተፈጥሮኣዊ ሃብታ ናይ ምምዕባል መሰል እኳ እንተለዋ፡ እዚ መሰል ግና ንጐረባብቲ ሃገራት ብዘይጐድእ መንገዲ ክትግብር ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ።

    እዚ ሓድሽ መጠንቀቕታ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 14 ዓመታት ዝሰረሐቶ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ብመስከረም 2025 ብወግዒ ድሕሪ ምምራቓ እዩ።

    እቲ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ዝወደአን ኣስታት 5,150 ሜጋዋት ኤለክትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዘለዎን ግድብ፡ ንኢትዮጵያ ንቝጠባዊ ዕቤታ ወሳኒ ፕሮጀክት እዩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ናይ ሰለስተ-ወገን ዘተ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ደርቂ ማይ ብዝምልከት ቀያዲ ስምምዕ ክፈጥር ኣይከኣለን።

    ግብጺ ንልዕሊ 98 ሚእታዊት ማያ ካብ ፈለግ ናይል ስለ እትረክብ፡ እቲ ግድብ ንሕርሻኣን ድሕነት ምግቢ ህዝባን ከይሃሲ ስግኣት ኣለዋ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ግድብ ንጐረባብቲ ንምጕዳእ ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

    ኣል-ሲሲ ብወገኑ፡ ግብጺ ድሕነት ማያ ንምሕላው ጽኑዕ መርገጺ ከም ዘለዋ እናሓበረ፡ ምስ ኵለን ሃገራት ተፋሰስ ናይል ብዘተን ብኣህጉራዊ ሕግን ዝምራሕ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ንምፍጣር ኢዳ ዝተዘርግሐ ምዃኑ ኣረዲኡ።

    ቀጺሉ፡ ፈለግ ናይል ዘሰሓሕብ ዘይኰነስ ዘተኣሳስር ክኸውን ብምጽዋዕ፡ ሃገራት ካብ ሓደ-ወገናዊ ስጕምቲ ወጺአን ናብ ሓባራዊ ምትሕብባር ክሰጋገራ ጸዊዑ።

  15. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ሞስኮ ኣቐኒዑ

    ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተመርሐ ልኡኽ

    ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 28 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሳልሳይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ፡ ሰሉስ ወጋሕታ ናብ ሞስኮ ከም ዝገሸ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

    እቲ ዋዕላ ኣብ ጉዳያት ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ጸዓት፡ ሕርሻ፡ ውሕስነት መግብን ጸጥታውን ምትሕብባር ዘተኰረ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

    እዚ ሩስያ እተካይዶ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር እናዓበየ ብዝመጽእ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር፡ ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምዕማቝ ኣብ እትደልየሉ ዘላ እዋን እዩ።ምሉእ ዜና፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ሞስኮ ኣቐኒዑ

  16. ዮርዳኖስ፡ ሕነ መጥቃዕቲ ቤተ-ክርስትያን ንምፍዳይ ኣብ ሶርያ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኣካይዳ

  17. ሶማልያ፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠነ ኮሎነል ሸሪፍ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኰይኑ ከም እተሸየመ ተገሊጹ

    ኮሎነል ሸሪፍ

    ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንኮሎነል መሓመድ ዓብደልቓድር "ሸሪፍ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕርን ሓለዋ ገማግም ባሕርን እታ ሃገር ገይሩ ከም ዝሸየሞ ናጻ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

    ብመሰረት ከም ሆርን ኦብዘርቨርን ሶማሊ ስትሪምን ዝኣመሰላ ማዕከናት፡ ኮሎነል ሸሪፍ ኣብ ቦታ ብሪጋደር ጀነራል ዓብዲወሃብ ዑመር እዩ ክትካእ።

    እዚ ዜና ንወተሃደራዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ዝወጽአ እኳ እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ብመንግስታውያን ማዕከናት ዜና ሶማልያ ብዕሊ ኣይተነግረን።

    ዝተዘርግሐ ወተሃደራዊ መረዳእታ ከም ዘነጽሮ፡ ኣብ ሞቛድሾ ዝተወልደ ኮሎነል ሸሪፍ ኣብ የመን ካብ ዩኒቨርሲቲ ዓደን ብቛንቋታትን ስነ-ጽሑፍን ናይ ባችለር ድግሪ ዘለዎ ኰይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ መደበር ስልጠና ሓይሊ ባሕሪ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰደ እዩ።

    እቲ ዝወሰዶ ስልጠና፡ ወተሃደራዊ መሪሕነት፡ ምምራሕ መራኽብ፡ ኣጠቓቕማ ጂፒኤስን ፍሉይ ስልጠና ኮማንዶን ዘጠቓልል እዩ። ብተወሳኺ፡ ቋንቋታት ሶማሊኛ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛን ትግርኛን ብብቕዓት ዝዛረብ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ዞባ ስሉጥ ወተሃደራዊ ርክብ ንምፍጣር ክሕግዞ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

    እዚ ሹመት ብወግዒ ምስ ዝረጋገጽ፡ ኮሎነል ሸሪፍ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ወሲዱ ናብ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ስልጣን ዝመጽአ ካልኣይ መኮነን ክኸውን እዩ።

    ቅድሚኡ፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠነ ብሪጋደር ጀነራል ዓብዲሪዛቕ መሓሙድ ሓጂ (ብ"ቃሎምቢ" ዝፍለጥ) ብመጋቢት 2026 ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሶማልያ ኰይኑ ተሸይሙ ነይሩ እዩ። በዚ ድማ፡ ቀንዲ ጨናፍር ሰራዊት ሶማልያ ዝዀኑ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኣብ ኤርትራ ብዝሰልጠኑ መኮንናት ክምርሑ እዮም።

    እዚ ለውጢ፡ ክፍሊ ናይቲ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሰራዊት ሶማልያ ንምህናጽን መዋቕር መሪሕነቱ ንምጥንኻርን ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕ ምትዕርራይ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

    ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2024ን 2026ን ነቶም ናይ ቅድም ብምትካእ ሓደስቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊ ምድርን ተሸይሞም ነይሮም እዮም።

    እቲ ሓዲሽ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ፡ ነቲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ናይ ምሕላው ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ዝጽበየሉን ሓይሊ ባሕሪ ውጽኢታዊ ንክኸውን ፍሉይ ስልጠናን ስርሒታዊ ደገፍን ኣብ ዘድልየሉን ወሳኒ መድረኽ እዩ ስልጣኑ ዝረክብ ዘሎ። እዚ ሹመት ድማ እታ ሃገር ኣብ ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን ርእሳ ንኽትከላኸል እትገብሮ ዘላ ጕዕዞ ዘንጸባርቕ እዩ።

  18. ቅዱስ ሲኖዶስ 60 ኣመንቲ ምቕታሎም ኣረጋጊጹ፡ ተሓታቲኸ መን እዩ?

  19. ንእሱራት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብዝምልከት ንኮምሽን ኣፍሪቃ ዝቐረበ መጸዋዕታ

  20. ነታንያሁ፡ ንሻብዓይ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ክምረጽ ይኽእል ድዩ - ዝለዓሉ ሕቶታት?