ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓደነትን ጐረባብተን ከኽብራ ኣለወን - ኣመሪካ

  2. ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ

    ኣቢይ ኣሕመድ፡ ማርኮ ሩቢዮ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዛዕባ "ዞባዊ ጉዳያት" ብስልኪ ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።

    ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ማርኮ ሩቢዮ ሃገሩ ንኢትዮጵያ እትህቦ ደገፍ ከምዝቕጽል ቃል ከምዝኣተወሉ ኣሚቱ ።

    "ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ወሰንቲ ክልተኣዊን ሓባራዊን ጉዳያት ውጽኢታዊ ልዝብ ኣካዪደ።

    "ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ከምዝቕጽል ውሕስነት ምሃባ፡ ከምኡ'ውን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ዞባዊን ዓለማዊን ቀዳምነታት ንምሕያል ዘለና ሓባራዊ ተወፋይነትን ብሓጐስ እቕበሎ" ይብል እቲ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ መብርሂ።

    ብወገን ኣመሪካ ግን፡ ካብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ይዅን ማርኮ ሩቢዮ ወይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ዛጊት ዝወጸ መግለጺ የለን።

    ነቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ክልተ ዓመት ኣብ ምህዳእ ወሳኒ ተራ ዝነበራ ዋሽንግተን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ ከምዝተሓሳሰባ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

    እዚ ዝተባህለ ዝርርብ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ'ውን ናብ ሓደገኛ ወጥሪ ኩነተ-ኲናት ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

    ዋሽንግተን ምስ ኣስመራ ዝጸንሓ ሓርፋፍ ዝምድና'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምምሕያሽ ኣርእዩ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ምርኻቡ መርኣያ ሓድሽ ምዕራፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት'ዩ ነይሩ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወሲናቶ ዝጸንሐት እገዳታት ኣብዚ ዓመት ምልዓላ'ውን ካብ ኣስመራ ናእዳ ዝረኸበ ስጉምቲ'ዩ።

  3. ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጸገም ዘቃልዐን ዘሎ መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ

  4. ሓዳርና ናብ ፍትሕ የምርሕ ከምዘሎ ኣቐዲሞም ዝርኣዩ ሓሙሽተ ምልክታት

  5. ትግራይ፡ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ደብረጽዮን ናብ ደብረጽዮን - ዳግማይ ኲናትን ዘይተመለሱ ሕቶታትን

  6. ፕረዚደንት ኮንጎ ነበር ጆሴፍ ካቢላ፡ መራሒ ናይ መንግስቲ ንምእላይ ዝቃለስ ልፍንቲ ኰይኑ

    ፕረዚደንት ኮንጎ ነበር ጆሴፍ ካቢላ

    ፕረዚደንት ኮንጎ ነበር ጆሴፍ ካቢላ መራሒ ናይቲ ንመንግስቲ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝቃለስ ዘሎ ሓድሽ ጥምረት ተቓወምቲ ሓይልታት ኰይኑ ተሰይሙ።

    ግንባር ​​ዳግመ ምምስራት ሃገር (FRN) ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ “ምልኪ” ንምእላይ ዝጠልቡ "ሓይልታት ተቓውሞ" ​​ንምውህሃድ ዝዓለመ ከምዝዀነ ይንገር።

    ወዲ 55 ዓመት ካቢላ፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ክሳብ ብዘካትዕ ምርጫ ትሺሰኬዲ ስልጣን ዝሓዘሉ ጥሪ 2019፡ ንወላዲኡ ብምትካእ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ዝነበረ'ዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ነበር ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ተካኢኡ ትሺሰኬዲ ዘቕርቦም ነቐፌታ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

    ካቢላ ብክድዓት ሃገር ኣብ ዘይተረኸበሉ ንሞት ምስተፈርደ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ እቲ ሓድሽ ጥምረት ዝምስረት ዘሎ።

    እቲ ጥምረት፡ ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር M23 ዝጸንሐት ኣብ ምብራቓዊ እታ ሃገር ዝዓበየት ጎማ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ ነቲ ሓድሽ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

    መንግስቲ ኮንጎ ዛጊት ብዛዕባ’ዚ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

  7. ብዘስካሕክሕ ቅትለት ኤርትራዊት ዝተኸሰሰ ሰብ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ

  8. ግራንድ ፕሪ ኣፍሪቃ፡ ርዋንዳ ውድድር ፎርሙላ 1 ከተአንግድ እያ

    ኣብ ጥቓ ኪጋሊ ዝርከብ ሓድሽ ትራክ ውድድር

    ርዋንዳ፡ ውድድራት ግራንድ ፕሪክስ ኣፍሪቃ ብዝብል ዝጽዋዕ ውድድራት ንምእንጋድ፡ ምስ ፎርሙላ 1 (F1) ናይ 10 ዓመታት ውዕል ፈሪማ።

    ነዚ ስዒቡ እታ ሃገር "ካብ መጀመርታ 2030ታት" ጀሚራ ኣአንጋዲት እዚ ውድድር ክትከውን እያ።

    እዚ ውድድር፡ ድሕሪ 1993 ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ፈላማይ ፎርሙላ 1 ውድድር እዩ ክኸውን።

    'ግራንድ ፕሪ' ኣፍሪቃ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ንደቡብ 25 ማይልስ ርሒቑን ኣብ ጎኒ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማን ክካየድ እዩ ተወጢኑ ዘሎ።

    ፎርሙላ 1፡ እቲ ውድድር ስፖርት ኣብ ኣፍሪቃ ፕሮፋይሉ ንምብራኽ ዕድል ክፈጥረሉ ተስፋ ይገብር፡ ምኽንያቱ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዕዳጋ፡ ምስ ኤውሮጳ፡ ኤስያን ኣመሪካን ክነጻጸር እንከሎ ብተዛማዲ ዘይተዳህሰሰ እዩ።

    ርዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ብስፖርታዊ ምሕጻብ ተኸሲሳ ስለዝነበረት እዚ ውድድር ኣካታዒ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

    ርዋንዳ፡ ዝጸለመ ስም ንምጽራይ ልዑል ሽም ዘለዎም ስፖርታዊ ፍጻመታት ብምጥቃም ክትክሰስ ስለዝጸንሐት፡ እዚ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጅመር ውድድር ኣካታዒ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

  9. 'ብህይወት ክንወፅእ፡ ተስፋ ኣይነበረናን' - ፍሉይ ቃለመሓትት ኮሎኔል ተወልደ ምስ ቢቢሲ

  10. 'ክልተ ኣሓተይ ስኢነ'፡ ምስክርነት ካብ ሓደጋ ጃልባ ጅቡቲ ዝደሓኑ ኢትዮጵያውያን

  11. ካብ ምድረበዳ የመን ክሳብ ኣህጉራዊ መድረኻት፡ ስትራተጅያዊ ስግኣት ዝፈጠረ ኲናት

  12. ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዓደንቲ ወርቂ ዘጋጠመ እንታይ'ዩ?

  13. ሰሓብቲ ንምዃን ዝሕግዙ 5 ቀለልቲ ሳይንሳዊ ለበዋታት

  14. መራሕቲ ኢትዮጵያን እስራኤል ብስልኪ ተዘራሪቦም

    ኣቢይ ኣሕመድን በንጃሚን ነታንያሁን

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ እስራኤላዊ መዘናኡ በንጃሚን ነታንያሁ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።

    ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ምስ ነታንያሁ ዘካየዶ ልዝብ "ወሰንቲ ዞባዊ ምዕባለታት" ከምዘልዓሉ ጠቒሱ። እንተኾነ እቶም ምዕባለታት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ኣየስፈረን።

    ብወገን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ግን ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ዛጊት ዝተባህለ የለን።

    ኢትዮጵያ በዚ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭትን፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብዝቕጽል ዘሎ ጎነጽን ኣብ እትናወጸሉ ዘላ እዋን'ዮም እቶም መራሕቲ ብስልቲ ተዘራሪቦም ዘለዉ።

    ንዝጸንሖም ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ከምዝተረዳድኡ'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ ኣሚቱ።።

  15. ስዑዲ ዓረብ፡ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕትታት ሑቲን ግብረመልሲ ሪያድን

    ንሰማይ ዝዓርግ ሃልሃልታን ጸሊም ትኪን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሪያድ
    መግለጺ ስእሊ, ሑቲ ንመዓርፎ ነፈርቲን ትካላት ነዳዲን ጋዝን ስዑዲ ዒላማ ዝገበረ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ከካይዱ ቀንዮም እዮም

    ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ካብ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ዝወርዳ ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕትታት "ከቢድ" ምላሽ ክትህበሉ ምዃና ኣጠንቂቓ።

    ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር ልኡል ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ሳልማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተራእየ ፍጻመታት ከቢድ'ዩ። ግብረመልሲና ድማ ማዕሪኡ ከቢድ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።

    ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝቐጸለ ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻሊድ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሓደ ፓኪስታናዊ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    ብቐዳም'ውን ኣብ ካልእ ህንጻ (ተርሚናል) ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ቀቲሉ ነይሩ'ዩ።

    እቲ ደብዳባት ነቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊኦም ተካይዶ ዘላ "ጨካን ወራር" ሕነ ንምፍዳይ ዝተኻየደ ምዃኑ'ዩ ጉጅለ ሑቲ ዝምጉት። ብሰንበት ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓይልታት ስዑዲ፡ ሓደ ቆልዓ ከምዝሞተን ካልኦት ሽዱሽተ ከምዝቖሰሉን'ውን ሑቲ ጠቒሱ።

    ብመኪና ዝጓዓዙ ዕጡቓት ሑቲ
    መግለጺ ስእሊ, ንምዕራባዊ ክፋል የመን ዝቋጻጸሩ ዕጡቓት ሑቲ ናብ ደቡብ ገጾም ክግስግሱ ምጽንሖም ይፍለጥ

    ወተሃደራዊ ኣፈኛ ናይቶም ዕጡቓት ያሕያ ሳሪያ ብሰንበት ብቪድዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መዓርፎታት ነፈርቲ ሪያድን ዳማምን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምብራቕ ንዝርከብ ክልተ ትካላት ነዳዲን ጋዝን እታ ሃገር ዒላማ ዝበረ መጥቃዕቲታት ብድሮናትን ሚሳይላትን ከምዝተፈጸመ ምጥቃስ፡ ሕነ ናይቲ ብሓይሊ ኣየር ስዑዲ ዝተኻደ 124 ደብዳባት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    እንተኾነ፡ ሪያድ ብወገና እቲ ዳርባ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ክቕጽል ምዃና'ያ ተጠንቅቕ ዘላ።

    "ንሕና፡ ስዑዳውያን ደፋራት፡ ተዋጋእትን ቆራጻትን ህዝቢ ኢና" ዝበለ ሚኒስተር ጸዓት ልኡል ዓብዱል ዓዚዝ፡ "ነዚ ንሓልፎ ዘለና ክንሰግሮ ምዃንና ንዓለም ከነረጋግጸላ ኢና" ክብል ኣብታ ከተማ ንዝተጋብአ ዋዕላ ጸዓት ገሊጹ።

  16. ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኮማንድ ፖስት ከምዘይቕበሎ ገሊጹ

    ሎጎ ሳልሳይ ወያነ

    ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት መንግስቲ ፌዴራል ክትጸንሕ ዝብል ኣንፈት ከምዝቃወም ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሰልፊ ሎሚ 02 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንሕግታት እታ ሃገርን ትግራይን ጨፍሊቑን ዝዀነ ሕጋዊ ደገፍ ከይጠቐሰን፡ እታ ካብ ወተሃደራዊ መቑሕ ህወሓት ገና ዘይደሓነት ትግራይ፡ መሊሱ ኣብ ትሕቲ ወተሃ መቑሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘእትዋ” ብልኡኻቱ ይገልጽ ከምዘሎ ይኸስስ።

    ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ- ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ንዝመጽእ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፈዴራል ክትመሓደር ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ጌታቸው፡ ምስ ዕጡቓት ህወሓት ክካየድ ዝቐነየ ኲናት ከምዘብቅዐ ብምእዋጅ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ "ኮማንድ ፖስት" መንግስቲ ፌዴራል ከምትእትፀንሕ'ዩ ምስ ሓደ ቲቢቤስ ዝተባህለ ቻነል ኣብ ዘካየዶ እዋናዊ ቃለመሕትት ኣአንፊቱ።

    ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ትዅረት ብቐንዱ ኣብ “ዛዕባ ተፈናቐልትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ከምኡ’ውን ዕሙቕ ሓሳባትን ብሄራዊ ሓልዮትን ዝጠልቡ ጉዳያት ብደቂቑን ብጥበብን” ምምኽኻር ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።

  17. ሶማልያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ ጸግዒ ከምዘይትወስድ ኣፍሊጣ

    መራሕቲ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሓሰን መሓመድ ዓሊ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ ሃገሩ "ዘይሻራዊት" ምዃና ገሊጹ።

    ብሰንበት 11 ጥቅምቲ 2026 ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "መርገጺ መንግስቲ ሶማልያ ሰላማዊን ዘይሻራዊን'ዩ" ኢሉ።።

    ሶማልያ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ታሪኻዊ፡ ጂኦግራፍያውን ሃይማኖታውን ርክብ ከምዘለዋ እውን ተዛሪቡ።

    ሞቓድሾ "ኣብቲ ዞባ ንዝረአ ምዕባለታት ብቐረባ ትከታተል ኣላ" ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ ሶማልያ ናይ ገዛእ ርእሳን ዞባውን ረብሓታታ ንምሕላው ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጹ።

    "ምስ ኩለን ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ኣለና። ኣብዚ መዳይ ዝተቐየረ ነገር የለን" ኢሉ።

    ሶማልያ፡ ብ4 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ግብጺ ኢል ዓሌሚን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን፡ መርገጺ ናይተን ብሰንኪ ግድብ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክርክር ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን ብምድጋፍ፡ ኣብ ስግረ-ዶባዊ ሩባታት ዝምልከቱ ኣህጉራዊ ሕግታት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ መግለጺ ኣውጺኣ ነይራ።

    ኣብቲ ዋዕላ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ተሳቲፎም ምንባሮም ይዝከር።

    ኣርባዕቲአን ሃገራት ኣብ መግለጺአን መሰል ናጽነት ምጉዓዝ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጠቒሰን፡ ምሕደራን ምቁጽጻርን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ብሕታዊ ሓላፍነት ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ከምዝዀነ ኣነጺረን።

    ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን ዝወጸ መግለጺ እተን ኣርባዕተ ሃገራት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ስግኣትን ግጭታትን ፖለቲካውን ሰላማውን ፍታሕ ክግበረሉ ጸዊዐን ነይረን።

  18. ናብ ትግራይ ዝተጓዕዙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ፈደራል እንታይ ይብሉ?

  19. ትራምፕ ካብ ሩስያ ነዳዲ ንምዕዳግ ዝገበሮ ስምምዕ ብርቱዕ ተቓውሞ ገጢምዎ

  20. ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም 139 ስደተኛታት ብዝጠሓለት ጃልባ ህይወቶም ስኢኖም