ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣፍሪቃ ኣብ ፍኖት ቍጠባዊ ሓርነት ድያ ትስጕም ዘላ?

  2. ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን

    ዑስማን ሳልሕ - ጌዲዮን ጢሞቲዮስ

    ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምጽግዑ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ውሽጢ ትግራይ፡ ኣብ መንጐ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስቲን መሻርኽቱ ዝዀኑ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓትን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ፈለማ ኢዱ ከም ዝሓወስሉ'ዩ ዝንገር፡ ዋላ'ኳ ኣስመራ ብንጹር እንተዘይተኣመነትሉ ወይ እንተዘይከሓደቶን።

    ብወገን ኣዲስ ኣበባ'ውን እቲ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ዶባት እታ ሃገር ጥራይ ተሓጺሩ ከምዘይተርፍን ክሳብ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስ ክውርወር ከምዝኽእል'ዩ ክቃላሕ ጸኒሑ።

    ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ዘይምስምማዕ ብንቡርን ግሉጽን ዲፕሎማስያዊ ልዝብ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ንዘለዎም ዘይምቅዳው ክሳብ ዝትኮስ ኣብ ወውሽጦም ዓብዒቦሞ'ዮም ጸኒሖም- ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ'ዩ ነይሩ።

    ካብ 2023 ጀሚሩ ግን፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ክረምቲ 2018 ንዓለም መስተንክር ዝዀነ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ዝፈረሙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ጋግ ብዝተፈላለየ ኣገባብ በጨቕ ክብል ጀሚሩ።

    ቀንዲ ጠንቂ ግርጭታቶም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከምዝነበረ'ኳ ዝግለጽ እንተዀነ፡ ካልኦት ዝተገልጹን ዝተጐለበቡን ምኽንያታት ከምዘለዉ'ዮም ተንተንቲ ዝእምቱ።ምሉእ ትሕዝቶ፡ ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን

  3. ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንፂ ከተማ ሞያሌ ብዝምልከት ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ

    እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌን ዞባ ቦረናን "እናተጋደደ ዝመፅአ መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሸሊኾም ምእታውን ኢ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት ምምሕዳርን" ኰኒኑ።

    ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ እዩ እቲ ጎንፂ ተወሊዑ።

    መቕተልቲ ጓል 13 ዓመት ሰገን ስዒቡ ድማ እቲ ጎንፂ ተጋዲዱ።

    ካብ ብሓሙስ ጀሚሩ "ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሰነየ" ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝቐፀለ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

    መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሓዊሱ ብዙሓት ንብረታት ከም ዝተቓፀሉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

    ቢቢሲ ብዓርቢ ዘዛረቦ ሓደ ነባሪ፡ ኣብቲ ዕለት ጥራሕ፡ ዕጡቓትን ሰላማውያን ሰባትን ዝርከቡዎም፡ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ቢቢሲ ነዚ ቁፅሪ ብካልኦት ነፃ ምንጭታት ከረጋግፆ ኣይከኣለን።

  4. ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን

  5. ኦባማ፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ብ‘ዕሽነት’ ነቒፉ

    ኦባማ መደረ እንተስምዕ
    መግለጺ ስእሊ, ባራክ ኦባማ መደረ እንተስምዕ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ቅድሚ መንፈቕ መረፃ፡ ንሰልፊ ዲሞክራስያውያን ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ እዋን፡ ኲናት ኢራንን ልዑል ዋጋ መነባብሮን ብምልዓል፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ኣትሪሩ ነቚፉ።

    ኦባማ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኦሃዮ ኣብ ቅድሚ ዝተኣከበ ህዝቢ ዘሰመዖ መደረ፡ "እዚ መረፃ እንተወሓደ ንገለ ካብ ዕሽነት ናይዚ ምምሕዳር ንምግታእ፡ ፅቡቕ ዕድል ዝፈጥረልና'ዩ" ኢሉ።

    ብኣንፃሩ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ንዝኽተሎ ፖሊሲ ስደተኛታትን ቀረፅን ብምክልኻል፡ ንደገፍቱ "ኣብ ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ንርከብ" ክብል ንምምሕዳሩ ንኢዱ።

    እቲ ኣብ 3 ሕዳር ዝካየድ መረፃ መንፈቕ [midterm election]: ንዝተረፈ ዕድመ-ስልጣን ትራምፕ ኣየናይ ሰልፊ ንኮንግረስ ከም ዝቆጻጸሮ ዝውስን ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት መደባቱ ንምፍጻም ክሳብ ክንደይ ከምዘቕልሎ ወይ ድማ ከምዘኽብዶ ወሳኒ ፍፃመ እዩ።

    ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ትራምፕ
    መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ትራምፕ

    ድሮ ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ።

    ትራምፕ ትማሊ ቀዳም ኣብ ፍሎሪዳ ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ትራምፕ ድምጹ ሂቡ ኣሎ።

    ኦባማ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኦሃዮን ሚቺጋንን ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ንትራምፕን ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ዒላማ ብምግባር፡ እቲ ፕረዚደንት ንዋይት ሃውስ ዳግማይ ንምቁፅፃር፡ ዝገበሮ ፈተነ ኣላጊፁሉ።

    "ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ዘመንና ሪእናዮ ዘይንፈልጥ፡ ህውከት፣ ጭካነን ብልሽውናን ብቕዓት-ኣልቦን ምምሕዳርን፡ 'ይኣክል!' ክንብል ዕድል ኣለና"።

    ንህሉው ኩነታት ቁጠባ ትራምፕ ንባዕሉ ጥራይ ክውቀስ ከምዘለዎ ድማ ገሊጹ።

  6. ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዝላባዕ ዘሎ ናዕቢ ከተማታት ፈረንሳ

  7. ኦፌኮ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ንዘጋጠመ ጐንፂ ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ነቒፉ

  8. ካብ ዝፈረሰ ህንጻ ናይሮቢ፡ ክልተ ድሒኖም፡ ሓሙሽተ ገና ደሃዮም ኣይተፈልጠን

    ፍርስራስ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣለሻ ዛጊድ ደሃዮም ዘይተፈልጠ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ዝቕጽልሉ ዘሎ እዋን፡ ክልተ ሰባት ካብ ፍርስራስ ናይቲ ህንጻ ብህይወት ድሒኖም።

    እቲ በዓል 16 ወይ 18 ደርቢ [በዓል 16 ደብሪ] ህንፃ፡ ቅድሚ ምፍራሱ ናይ ምስንጣቕ ምልክት ኣርእዩ ምንባሩን ይንገር።

    ኣብ ላዕለዎት ደርብታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ህንፃ ይሰርሑ ዝነበሩ ዀይኖም፡ ብዓቢኡ ግን ከይተጎድአ ክወጹ ክኢሎም።

    እቶም ዝጠፍኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ኣብ ዝርከባ ድኳናት ከምዝነበሩ ይግመት።

    እዚ ፍጻመ ኣብ ኬንያ ብዛዕባ ፅሬት ደረጃታትን ስርዓታትን ህንጻ ስክፍታታት ኣስዒቡ ይርከብ።

    ፍርስራስ ህንፃ

    ፖሊስ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንበዓልናይ እቲ ህንፃን ሓላፍነት ዝተሰከመ ኮንትራክተርን ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    እቶም ብቐዳም ዝደሓኑ ክልተ ብህይወት ዝተረፉ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ፖሊስ ሓቢሩ።

    ካብቲ ፍሉይ ስሙ ኢስሊ ብዝብል ዝፍለጥ ከተማ ናይሮቢ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ዛጊድ ኣብ ውሽጢ ፍርስራስ ተደብዮም ክኾኑ ዝኽእሉ ንምድሓን ይፅዕሩ ኣለዉ።

  9. ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዝላባዕ ዘሎ ናዕቢ ከተማታት ፈረንሳ

  10. እስራኤል ኣብ መዓልቲ መረፃ ናብ ዌስት ባንክ ዘሳግሩ መስመራት ክትዓፅው እያ

    ናብ ዌስት ባንክ ዘሳግሩ መስመራት

    ኣብቲ ኣብ ዝመፅእ ሰሉስ ዝካየድ መረፃ፡ ኩሎም ብመሬት ናብ ዌስት ባንክ ዘሳግሩ መስመራት ከም ዝዕፀዉ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ።

    ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት’ውን፡ ናብ ኩሎም ሰፈራታት ከይኣትዉ ክኽልከሉ እዮም።

    ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ንኽልተ እስራኤላውያን ወተሃደራት ምቕታሎም ስዒቡ፡ እስራኤል ፅኑዕ ስጉምቲታት ድሕነት ትወስደሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ፡ እዞም ክልከላታት ተነቢሮም ዘለዉ።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ሰራሕተኛታት ፍልስጤም መረፃ ኣብ ዝካየደሉ ዝመፅእ ሰሉስ፡ ናብ ኢንዳስትርያዊ ዞባታት ሓዊሱ ናብ መላእ ጁዳን ሰማርያን ከምኡ’ውን ሩባ ዮርዳኖስ ክኣትዉን ክወፅኡን ከም ዘይፍቀደሎምን፡ ኩሎም ብመሬት ዘሳግሩ መስመራት ከም ዝዕፀዉን ኣፍሊጡ።

    እቲ ሰራዊት ወሲኹ፡ ዝበዝሑ ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ካብ ሎሚ ሰንበት ጀሚሩ ናብ ሰፈራታት እስራኤል ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎም ገሊፁ።

    እንተኾነ ኢንዳስትርያዊ ዞባታትን ኣዝዮም ውሑዳት ከባቢታትን ካብዚ ናይ ሰንበት ክልከላ ወፃኢ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

    ኣብ ሄብሮን ይፈርሱ ዘለዉ ኣባይትን ትካላት ንግድን

    ቅድሚ እቲ ሓማስ ብ07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሽሕ ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ንስራሕ ናብ እስራኤል ክኣትዉ ይፍቀደሎም ነይሩ።

    ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ግና ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ጥራሕ’ዮም፡ ናብ እስራኤል ኣትዮም ክሰርሑ ፍቃዶም ተመሊስሎም።

    ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ንኽልተ እስራኤላውያን ምቕታሎም ስዒቡ፡ ዓብይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከም ዝውሰድ ገሊፁ።

    በቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ወተሃደራት እስራኤል ዝቖሰሉ እንትኾኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓት ድማ ተቐቲሎም እዮም።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ሄብሮን ዝርከቡ ኣባይትን ትካላት ንግድን የፍርስ ኣሎ፤ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ስድራቤታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

  11. ንምንታይ ኢና ለይቲ ሰዓት 3:00 ካብ ድቃስና ንነቅሕ?

  12. ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 7 ሰባት ተቐቲሎም

    ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀብሪ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 7 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

    ብዓርቢ፡ ኣብ ግዝኣት ካራግ ኣብ ዝርከብ ሕሙድ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ተዅሲ ብውሕዱ 34 ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለዉ።

    መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ብመኪና ናብቲ ቤተክርስትያን ብምኻድ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተረኸቡ ሰባት ተዅሲ ከምዝኸፈቱ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

    ነቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን።

    ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማዘን ኣል-ፋራያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ነቶም "ጕጅለ ኣኽረርቲ" ኢሎም ዝገለጽዎም ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    ብኣንጻሩ ንጉስ ዮርዳኖስ ዳግማዊ ዓብደላ "እቶም ንካራክ ዒላማ ዝገበረ ግብረሽበራዊ ተግባር ዝፈጸሙ ብኸቢድ ክቕጽዑ እዮም" ኢሉ።

    መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤተክርስትያን
  13. ኣብታ ዓቢይ ሃብቲ እንስሳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ዋጋ ስጋ ስለምንታይ ከቢሩ?

  14. ኢትዮጵያ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ምኽረ-ሓሳባቱ ንህዝቢ ከየግሃደ ንፓርላማ ኣረኪቡ - ስለምንታይ?

  15. ማንቸስተር፡ ካብ ፈርጉሰን ክሳብ ካሪክ - ጸገማት ኣሰልጠንቲ ድዮም ምምሕዳራ?

  16. ኬንያ፡ ኣብ ናይሮቢ በዓል 16 ደርቢ ህንጻ ሃንደበት ፈሪሱ ጉድኣት ኣስዒቡ

    ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣብ ጥቓ እቲ ዝፈረሰ ህንጻ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ እስሊ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ እንተወሓደ 16 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ፈሪሱ፡ ብዙሓት ተጎዲኦም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።

    ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንዝደሓኑ ሰባት ንምድላይ ጻዕርታቶም ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ናይቲ ህንጻ ተደብዮም ክዀኑ ክምዝኽእሉ ይግለጽ።

    ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ገለ ሰራሕተኛታት እቲ ህንጻ ቅድሚ ምፍራሱ ክሃድሙ ከምዝኸኣሉ ገሊጾም።

    እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዝበልዎ፡ ገለ ካብኣቶም እቲ ህንጻ ቅድሚ ምፍራሱ ክናወጽ ተሰሚዕዎም። እንተኾነ ጠንቂ እቲ ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተፈልጠን።

    ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ዝመጸ ሓባራዊ ጕጅለ ጸጥታ ድማ ንስርሓት ህይወት ኣድሕን ንምክትታል ተዋፊሩ ኣሎ።

    ሰብመዚ ኬንያ ኣብ ናይሮቢ ከባቢ እስሊ፡ ወናኒ ናይቲ ዝፈረሰ ህንጻ ኣብ ምድላይ ይርከቡ'ለዉ።

    ኣመሓዳሪ ናይሮቢ ጆንሰን ሳካጃ ኣብቲ ከባቢ በቲ ፍጻመ ከይጽለዉ ዝሰግኡ ስድራ ሓበሬታ ይወሃብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    ዋና ሓላፊ ሓደጋ ዞባ ናይሮቢ ብራምዌል ሲሚዩ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ እቲ ህንጻ ክፈርስ ከሎ ክንደይ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ከምዝነበሩ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

    ገለ ካብቲ ታሕተዋይ ደርቢ ፍቓድ ንዘይተወሃቦም ንጥፈታት ይውዕል ከምዝነበረ ንሰበስልጣን ከምዝተሓበረ ይግለጽ።

    "ኣብ ገለ ታሕተዎት ደርብታት እቲ ህንጻ ፍቓድ ዘይብሉ ንጥፈታት ከምዝነበረ ተሓቢሩና ኣሎ። ገለ ሰባት ኣብኡ ንጥፈታቶም የካይዱ ነይሮም" ይብል ስሚዩ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ምምሕዳር እቲ ዞባ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ከምዝጀመረን፡ ኣድላዪ መሳርሒታት ናብቲ ቦታ ንምውዳብን ንምውፋርን ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎን ሓቢሩ።

    ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት
  17. ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ብዕጡቓት ፍልጤም ተቐቲሎም

    ሓደ ብረት ኣብ የማናይ ኢዱ ዝሓዘ ዕጡቕ

    ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ከምዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ኣብቲ ምስቶም ክልተ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ ካልኦት ሰለስተ እስራኤላውያን'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣፍደገ ከተማ ሄብሮን ኣብ ዝርከብ ነቚጣ ፍተሻ'ዩ ኣጋጢሙ።

    እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክልተ ዕጡቓት ኣብቲ ረጽሚ ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ገሊጾም።

    ብቕትለት ወተሃደራቱ ዝተቖጥዐ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ፡ እቲ ሰፈራታት እስራኤል ዝርከቦን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፍልስጤም ዘሎን ምዕራባዊ ገማግም ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣቱ ኣዚዙ'ሎ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕሉፋት እስራኤላውያን ሰፋሮ ኣብ ሓያሎ ቦታታት እቲ ገማግም ወጥሪ ፈጢሮምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን'ዩ እዚ ስጉምቲ ተወሲዱ ዘሎ።

    ኣብታ እቶም ዕጡቓት ሒዞማ ዝነበሩ መኪና ብርክት ዝበለ ተተኮስቲ ከምዝተረኽበ ሰራዊት እስራኤል ጠቒሱ።

    እዚ ሓድሽ ኲነታት ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ሓፈሻ ምርጫ እስራኤል ክጸልዎ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

    እቲ ንሻውዓይ ግዜ መራሒ እታ ሃገር ክኸውን ዝወዳደር ዘሎ ነታንያሁ ድሮ ነቲ ፍጻመ ክጉስጉሰሉ ጀሚሩ'ሎ። ጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን እስራኤል ሓደ ካብቶም ነታንያሁ ደገፍ ዝረኽበሎም ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት እዮም።

    ቀንዲ ተቐናቓኒኡን ኣብቲ ምርጫ ዝመርሕ ዘሎን ጋዲ ኢሰንኮት በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።

  18. ክልተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕርሻን ምህዞን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ተሸሊምም

    ክልተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕርሻ፡ ምዕባለ ገጠርን ውሕስነት መግብን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ካብ ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (FAO) ኣህጉራዊ ኣፍልጦን ሽልማትን ከም ዝረኸቡ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ኣቃሊሑ።

    ካብ ክልል ጋምቤላ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሓረስታይን በዓልቲ-ዋኒንን ሰናይት ገዛኸኝ፡ ኣብ 2026 ኣብ ስርዓታት መግቢ-ሕርሻ (Agrifood Systems) ምዕባለ ገጠርን ካብ ዝተረኽባ 100 ጀጋኑ ደቀንስትዮ FAO ክትስመ እንከላ፣ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ዝዀነ ኣዲሱ ፈቃዱ ኣንደታ ድማ፡ ኣብ መስርሕ ምድላው “እንሰት”ብዘምጸኦ ሓድሽ ምህዞ ናይ 2026 ሽልማት ዓወት ፋኦ (FAO Achievement Award) ተቐቢሉ።

    ካብ ክልል ጋምቤላ፡ ወረዳ መንገሽ ሓረስታይ ዝዀነት ሰናይት ገዛኸኝ፡ ብስርሓ ከም ሓረስታይ፡ ዋንነት ናይ ሕርሻዊ-ንግዲን መራሒት ማሕበረሰብን ኣፍልጦ ረኺባ።

    ኣደ ትሽዓተ ውሉዳት ዝዀነት ሰናይት፡ ንናይ ስድራ-ቤት ሕርሻኣ ናብ ዕፉን፡ ሩዝ፡ ሰሊጥን ቡንን ዘፍሪ እተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ትካል ብምስፋሕ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ጥሪት እናረብሐትን 20 ሄክታር መሬት ግራት ቡን ተመሓድርን ኣላ።

    ዋኒናታ፡ ሓደ መጥሓኒ እኽሊ፡ ቤት ብልዒን ከምኡ'ውን ንከባብያውያን ሓረስቶት ዘገልግል ትካላት መጻረዪ ሩዝን የጠቓልል።

    ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም - ፋኦ ከም ዝገለጾ፡ ስርሓ ካብ ሕርሻ ዝሓለፈ እዩ። ኣብ ማሕበረሰባ ንዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮን ተነቀፍቲ ጕጅለታትን ደጊፋ እያ።

    እዚ ድማ ንበይነን ቈልዑ ንዘዕብያ ኣደታት ኣገልግሎት ትራክተር ክረኽባ ብምሕጋዝን ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ዝተዋፈራ ደቀንስትዮ ብምድጋፍን ዘጠቓልል እዩ።

    ንሳ ንልዕሊ 600 ሓረስቶት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኵነታት ኣየር ዘገናዘበ ኣገባብ ሕርሻን ምዕቃብ ከባብን ዘሰልጠነት ክትከውን ከላ፡ ዋኒናታን ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታታን ድማ ንልዕሊ 500 መንእሰያት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኣሎ።

    ናይ ከባቢ ተበግሶታታ፡ ምፍራይን ምትካልን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ፈልሲ ቡን፡ ከምኡ’ውን ኣሽሓት ፈልስታት ተኽሊ ፍረታት (ፍሩታ) ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።

    እዚ ኣፍልጦ፡ ተጻዋርነት ዘለዎ፡ ኵሉ-ዝሓቘፈን ቀጻልነት ዘለዎን ስርዓታት መግቢ ኣብ ምህናጽ ደቀንስትዮ ዘለወን ተራ ዘጕልሕ እዩ ክብል FAO ገሊጹ።

    ተሸለምቲ
  19. ክታበት መንሽሮ፡ ኣብ ውልቀሰብ ዝተገበረ ፈተነ መንሽሮ ቆርበት (ሜላኖማ) ጽቡቕ ውጽኢት ኣርእዩ

    ብመፍረይቲ መድሃኒት ሞደርናን ኤምኤስዲን ዝማዕበለ ውልቃዊ (ፐርሰናላይዝድ) ክታበት መንሽሮ፡ ምስ ስሩዕ ሕክምና ኢሙኖተራፒ ተደሚሩ ምስ ዝወሃብ፡ መንሽሮ ቆርበት ናይ ምምላስ ወይ ሞት ናይ ምስዓብ ሓደጋ ብ42% ከም ዝንክዮ፡ ውጽኢት ሓደ ዓቢ ክሊኒካዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

    እዚ መጽናዕቲ ነቶም ብመጥባሕቲ ‘ቱመርስ’ ዝተኣለየሎም፡ ሜላኖማ ዝተባህለ ሓደገኛ ዓይነት መንሽሮ ቆርበት ዘለዎም ልዕሊ 1,100 ሕሙማት ዘሳተፈ እዩ።

    ኵሎም ተሳተፍቲ ኬይትሩዳ ዝበሃል፡ ስርዓት ምክልኻል ኣካላት ዋህዮታት መንሽሮ ፈሊዩ ንኽጥቅዕ ዝሕግዝ ናይ ኢሙኖተራፒ መድሃኒት ወሲዶም።

    ኣስታት ክልተ-ሲሶ ናይቶም ተሳተፍቲ ድማ፡ 'ኢንቲስመራን' ዝበሃል ፈተነኣዊ ክታበት እውን ተዋሂብዎም።

    እቶም ተመራመርቲ ከም ዝረኸብዎ፡ እቶም ነቲ ክታበትን ሕክምና ኢሙኖተራፒን ብሓባር ዝወሰዱ ሕሙማት፡ መንሽሮኦም ናይ ምምላስ ወይ ናይ ምልባዕ ዕድሉ ብዓቢኡ ትሑት እዩ ነይሩ።

    እቲ ሕማም ናብ ካልእ ክፋል ኣካላት ናይ ምልባዕ ሓደጋ ድማ፡ ምስቶም ኢሙኖተራፒ ጥራይ ዝወሰዱ ክነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብ38% ነክዩ ኣሎ።

    እዚ ክታበት’ዚ፡ ምስቲ ኣብ ገለ ክታበታት ኮቪድ-19 ዝውዕል ብዝመሳሰል ቴክኖሎጂ ኤም.ኣር.ኤን.ኤ (mRNA) እዩ ዝጥቀም።

    ይዅን እምበር ካብ ንቡራት ክታበታት ብዝተፈልየ፡ ነቲ ካብ ዕበይቶም ዝርከብ ጀነቲካዊ ሓበሬታ ብምጥቃም ንነፍሲ ወከፍ ሕሙም ብውልቂ ዝተዳለወ እዩ። ዕላማኡ ድማ ስርዓት ዑቝባ ኣካላት፡ ዋህዮታት መንሽሮ እንደገና እንተተመሊሶም ፈልዩ ከጥፍኦም ንምስልጣን እዩ።

    ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ስነ-ፍልጠታውያን ከም ዝብልዎ፡ እዚ ርኽበታት እዚ ንውልቃዊ ሕክምና መንሽሮ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ኣማኻሪት ሓኪም መንሽሮ ዝዀነት ፕሮፌሰር ፒፓ ኮሪ፡ ነቲ ውጽኢት ንኣገዳስነት ናይቲ ቴክኖሎጂ “መርትዖ” ክትብል ገሊጻቶ ኣላ።

    እዚ ኣገባብ እዚ፡ መንሽሮ ኵሊት፡ ፊሕኛን ሳምቡእን ሓዊሱ ካልእ ዓይነት መንሽሮ ኣብ ዘለዎም ሕሙማት እውን ይፍተን ኣሎ።

    ይዅን እምበር፡ እዚ ሕክምና እዚ ንሓፈሻዊ ህላወ ህይወት ዘመሓይሽ ምዃኑ ንምርግጋጽ ንዝነውሐ ግዜ ምክትታል ከም ዘድሊ ብምሕባር፡ ናጻ ዝዀኑ ክኢላታት ጥንቃቐ ክግበር ጸዊዖም ኣለዉ።

    ፕሮፌሰር ኣላን መልቸር ካብ ትካል መጽናዕቲ መንሽሮ፡ እቲ ውጽኢት “ኣዝዩ ዘደንቕ” እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ሜላኖማ ምርካብ ዓወት ግን እቲ ስትራተጂ ኣብ ኵሉ ዓይነት መንሽሮ ክሰርሕ እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ።

    ሞደርናን ኤምኤስዲን ነቲ ውጽኢት ምስ ተቘጻጸርቲ ኣካላት ይዛተያሉ ከም ዘለዋን፡ ምናልባት ኣብ ዝቕጽል ዓመት ነቲ ክታበት ፍቓድ ንምርካብ ክሓታ ከም ዝኽእላን ገሊጸን።

    እቲ መጽናዕቲ ንሕሙማት ንዝነውሐ እዋን ምክትታሉ ክቕጽል እዩ፤ እቲ ምሉእ ርኽበታት ድማ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ መንሽሮ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር። እዚ ውጽኢታት ክሳብ ሕጂ ብመዛኑ ኣብ ዝግምገም ሕክምናዊ መጽሔት ኣይተሓትመን።

    ሕክምና ዝግበረሉ ሰብ
  20. ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሞያሌ ብዝተወልዐ ግጭት ህይወት ሰባት ጠፊኡ፡ ብዙሓት ናብ ኬንያ ሃዲሞም