ትራምፕ: መጻብቦ ሆርሙዝ "ሓድሽ ግዝኣት ኣሜሪካ እዩ" ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ዝተባህለ ናይ መሓበራዊ መራኸቢታት ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ሰእሊ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምኽባብ "ሓድሽ ግዝኣት ኣሜሪካ" ክብል ጽሒፉ።
ትራምፕ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ’ውን "ኣብ ቀረባ እዋን መጻብቦ ሆርሙዝ ግዝኣት ኣሜሪካ ኮይኑ ክእወጅ'ዩ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ፕረዚደንት "ኢራን ምስ ሰዓርናያ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ መሬት ኣመሪካ እዩ' ኢለ ክእውጅ እየ" ክብል እውን ተሰሚዑ እዩ።
ድሕሪ መደረ እቲ ፕረዚደንት ግን ብዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ፡ መደረ ትራምፕ "ዋዛ" እዩ ኢሉ ሓቢሩ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዓት ናይቲ መዘክር ምርድዳእ እንተዘይተግቢራ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ኣፍሊጡ።
ዋና ተደራዳሪ ኢራን ኣቶ ጋሊባፍ፡ እቲ ኣሜሪካ ዘንበረቶ ናይ ባሕሪ እገዳ፡ ናይ ነዳድን ንብረትን ማዓቀብ እንተዘይተልዒሉን፤ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እንተዘይተገቲኡን መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ገሊጹ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቀጠር ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ድርድር ክዛዘም ትጽበ ምህላዋ ኣፍሊጣ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ማጂድ ኣንሳሪ፡ እቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዝምልከት ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንዝካየድ ድርድር ንኽቕጽል ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ብብዝሒ ነዳድን ጋዝን ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ግጭት ንምንቅስቓስ መራኽብ ሓደገኛ ኮይኑ ኣሎ::




