ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ምያዝያ ድሕሪ ምኽያዱ እንታይ ስዒቡ?
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ብ8 ምያዝያ ኣብ ግብሪ ውዒሉ፡ እስራኤል ነቲ ስምምዕ እኳ እንተ ደጊፋቶ፡ “ንሊባኖስ ኣየጠቓልልን እዩ” ክትብል ግን ገሊጻ።
ናይ ኢራን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ፡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝግበር መጥቃዕትታት እንተ ቀጺሉ፡ “ጣዕሳ ዘስዕብ ግብረ-መልሲ” ከም ዝህብ ቃልኣትዩ።
ካብኡ ንነጀው፡ እቲ ዘተኣማምን ዘይኰኑ ምቍራጽ ተዅሲ ተፈቲኑ እዩ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኲናት ንከኽትም ዝግበር ስምምዕ ብዝምልከት ድማ እተሓላለኸ መልእኽትታት ክመሓላለፍ ጸኒሑ።
ካብኡ ንነጀው ዝነበረ ናይ ፍጻመታት ብቕደም ተኸተል ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤
- 8 ምያዝያ፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ዝጀመረሉ ዕለት፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ኣብ ሊባኖስ ን100 ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ኣዊጃ።
- በዚ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባትከም ዝቐተለ ሰበስልጣን ሊባኖስ ይገልጹ። ኣብዚ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት እቲ ዝሓያለ ነይሩ። ሓደ ምኒስተሪኢራን “ከቢድ ግህሰት” ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክብል ገሊጹዎ።
- 13 ምያዝያ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐ ምስ ፈሸለ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ማያዊ ዕጽዋ ጀሚራ።
- 16 ምያዝያ፡ ብትራምፕ ዝተኣወጀ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ግብሪ ውዒሉ፣ ንዓሰርተ መዓልታት ክጸንሕ ድማ ተወሲኑ።
- 17 ምያዝያ፡ ኢራን እቲ ኣብ እዋን ኲናት ብቴህራን ተዓጽዩ ዝነበረ መጻብቦ ሆርሙዝ ንንግዳውያን መራኽብ ዳግማይ ከም ዝተኸፍተ ገሊጻ። እዚ ክሳዕ 18 ምያዝያ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ቴህራን ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ኣመሪካ ማያዊ ዕጽዋ ነቲ መጻብቦ ክትዓጽዎ ምዃና ገሊጻ።
- 23 ምያዝያ፡ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ዝግበር ካልኣይ ዙር ዘተ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ቈጸራ ተታሒዝሉ። ትራምፕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝግበር ምቍራጽ ተዅሲ ንሰለስተ ሰሙን ከም ዝተናውሐ ገሊጹ።
- 24 ምያዝያ፡ ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃሬድ ኩሽነርን ምስ ኢራን ዘተ ንምክያድ ናብ ፓኪስታን ከም ዝቅንዑ ተገሊጹ ነይሩ፣ እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣመሪካ “ኵሉ ካርታታት” ኣብ ኢዳ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ነዚ ጕዕዞ ሰሪዙዎ። እዚ ዘረባኡ ዝመጽአ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ሃገሩ፡ “ኣመሪካ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ብሓቂ ዕትብቲ እንተዀይና ከተርኢ ከም ዘለዋ፡” ምስ ገለጸ እዩ።
- 3 ግንቦት፡ ትራምፕ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ ምዕጻዋ ዝተዓግታ መራኽብ መንገዲ ንምኽፋት ዝዓለመ ‘ስርሒትሓርነት’ ብዝብል ኣዊጁ።
- 5 ግንቦት፡ ይዅን እምበር፡ ኣመሪካን ኢራንን ናብ ስምምዕ ክበጽሓ ዝኽእላ እንተ ኰይነን ንምርኣይ እቲ ፕሮጀክት “ንሓጺር እዋን” ከም ዝቋረጽ ገሊጹ።
- 12 ግንቦት፡ ትራምፕ እቲ ንሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ “ከቢድ ናይ ህይወት ደገፍ” ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ቓሊባፍ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን፡ “ንዝዀነ ይዅን ጽንፈኝነት ምላሽ ክህቡን ትምህርቲ ከቕስሙን ድሉዋት፡” ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
- 24 ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ “ብብዝሒ ዝተዘተየሉ”ን ዝርዝራቱ ድማድሕሪ ሓጺር እዋን ክግለጽን ምዃኑ ገሊጹ። ሓደ ወሃቢ-ቓል ምኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ግናመርገጺ ኣመሪካን ኢራንን ምቅራረብ፡ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ስምምዕ ክግበር እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ።
- 6 ሰነ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ወሽመጥ መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንናይ ኢራን ድሮናታትን ናይ ራዳር መዓስከራትን ዒላማ ክገብሩ ከለዉ፡ ኢራን ድማ ናብ መዓስከራት ኣመሪካ ሚሳይላት ተኲሳ።
- 7 ሰነ፡ ኢራን ናይ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ “ሰሙን ምሉእ ንዝካየድ መጥቃዕቲታት ፈወንታ፡” ኢሉ ኣብዝጸውዖ ፍጻመ፡ ማዕበል ሚሳይላት ናብ እስራኤል ወርዊራ። እቲ ናይ ኢራን መጥቃዕትታት ዝመጽአ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቤይሩት ንዝርከቡ ናይ ሕዝቦላህ ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ።




