እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንመላእ ሽወደንን ኤርትራውያንን ዘሰንበደ ቅትለትን ማእሰርቲ ጥርጡራትን
በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሽወደን ዝተፈጸመ ኣሰንባዲ ቅትለት ሳባ ጸሃየ ኣብራሃም ዝተጠርጠሩ መንእሰያት ኣብ ቀይዲ ክጸንሑ ተወሲኑ።
እታ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ ብዓርቢ 16 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ንጡፍ ስፖርታዊ ስራሕ እንከላ'ያ ተቐቲላ።
ጸብጻባት ዜና እታ ሃገር ከምዝበልዎ፡ ሳባ ሰራሕተኛ ምምሕዳር ርእሰከተማ ስቶክሆልም ዝነበረት ኮይና፡ ግቡእ ዕድላት ንዘይረኸቡ ቆልዑን መንእሰያትን ዘገልግል ስፖርታዊ ንጥፈታት ኣብ ምድንፋዕ ኣብ ሶልበርጋ (ኣልቭዮ) ዝተባህለ ከባቢ ተመዲባ ትሰርሕ ምንባራ ይፍለጥ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝበልዎ እቶም ብቅትለታ ተጠርጢሮም ዘለዉ መንእሰያት፡ 16 ዓመት ከምኡ'ውን 17 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኮይኖም፡ ትማሊ ሰሉስ ክሶም ብወግዒ ተኒግሩዎም ኣሎ።
"ብቅትለትን ከቢድ ገበን ብረትን" ተኸሲሶም ከምዘለዉ ዝሓበረ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ሉቃስ ቲገርስትራንድ፡ ነቲ ቅትለት ብሓባር ከምዝፈጸምዎ'ዩ ክምጉት ጀሚሩ ዘሎ።
ኣፍኖብላደት ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብወገኑ ከም ዝጸብጸቦ፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ሳልሳይ ትሕቲ 18 ዕድመ መንእሰይ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ።
ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ብሞት ሳባ ዝተሰምዖ ሓዘን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝገለጸ ኣፍቶንብላደት ይጠቅስ።
"ሳባ፡ ኣብ ህይወት እቶም ዝረኸበቶም መንእሰያትን ቆልዑን ለውጢ ከተምጽእ'ያ ትደሊ ነይራ። ኣዝያ ውፍይቲን ፍትውቲን መሳርሕቲ እያ ነይራ" ይብል እቲ ምምሕዳር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኣማኢት ንዝቝጸሩ ቆልዑን መንእሰያትን ከምዝሓገዘትን ምስግንቲ ምንባራን'ዩ ዝንገረላ ዘሎ።
ብዓርቢ ምሸት፡ ሃንደበት ኣብ ዝተወደበ ጸወታ ክዑሶ እግሪ ንምክያድ ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምኻዳ ድማ'ያ ተቐቲላ።
እቲ ገበን ኣብ ነበርቲን ስድራቤታትን ከባቢ ኣልቭስዮ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ስንባደን ስግኣትን ፈጢሩ ኣሎ።