መግቢ ከም ኣጽዋር ኲናት፡ 266 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥሜት ወዲቖም

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 266 ሚልዮን ሰባት ንኸቢድ ዋሕዲ መግብን ጥሜትን ተቓሊዖም ከም ዘለዉን ቀንዲ ጠንቁ ድማ ደው ክብል ዘይከኣለ ውግእን ግጭትን ምዃኑ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ፈጻሚ ዳይረክተር እቲ ትካል ሉክ ሊንድበርግ፡ ብ28 ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕን ምዝንባል ዓለምለኻዊ መስመራት ቀረብን ነዚ ቅልውላው መሊሱ የብእሶ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ኣጠንቂቑ።

እዚ ዓለምለኻዊ ቅልውላው፡ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ሱዳን፡ መሶብ መግቢ እታ ሃገር ዝነበረት ዞባ ኣል-ጀዚራ ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ብምዕናዋን ዘራእቲ ብምርሳዩን፡ እቲ ዞባዊ ቍጠባ ብኸቢድ ተሃስዩ ይርከብ።

ብሰንኪ ኲናት ሱዳን ዝተፈጥረ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ናብተን ካብ ናይ ክሊማ ለውጥን ውሽጣዊ ግጭታትን እናተሓመሳ ዝመጽኣ ዘለዋ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ይፈስስ ኣሎ።

ኤርትራ'ውን ኣብዚ ተኣፋፊ ዞባ እትርከብ ብምዃና፡ እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስፍሓት ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ኵነታት ኣየር (ደርቂ)ን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ኵለን ሃገራት እቲ ዞባ ንተመሳሳሊ ቍጠባውን ማሕበራውን ብድሆታት ከም ዝቃላዓ ይገብር ከም ዘሎ ይግለጽ።

ብመሰረት መዐቀኒ ሕቡራት ሃገራት (IPC Phase 5)፡ 'ጥሜት' (Famine) ወግዓዊ ዝኸውን፡ 20 ሚእታዊት ስድራቤታት ፍጹም መግቢ ምስ ዝስእኑን ኣብ መዓልቲ ካብ 10,000 ሰባት ክልተ ብጥሜት ምስ ዝሞቱን ጥራይ እዩ።

ኣብዚ ክፍለ-ዘመን ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ቓዛን ሱዳንን እዚ ኣስካሕካሒ ደረጃ ጥሜት ተራእዩ ኣሎ።

ኣብቲ ብበንያሚን ናታንያሁ ዝምራሕ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ይዅን ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ መግቢ ናብ ሰላማውያን ሰባት ከይበጽሕ ብምዕጋት ከም `መሳርሒ ኲናት` ይውዕል ኣሎ ተባሂሉ ክስታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ተግባር'ዚ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ2018 ዘሕለፎ ውሳነ 2417 (መግቢ ከም ኣጽዋር ኲናት ምጥቃም ዝኽልክል ዓለምለኻዊ ሕጊ) ብቐጥታ ዝጥሕስ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምምዋል ዓለምለኻዊ ቈራጽነት ብኸቢድ ተዳኺሙ ይርከብ።

ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ንዂናት ዩክረይን፡ ንማእከላይ ምብራቕን ንዩክለሳዊ ዕጥቅታትን ትሪልዮናት ዶላራት ከፍስሳ እንከለዋ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ግና ህይወት ዘድሕነሉ ሒደት ቢልዮናት ዶላራት ሲኢኑ ሓገዛቱ ከቋርጽ ተገዲዱ ኣሎ።

ሃገራት ምዕራብ ብሰንኪ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር ረድኤት ናይ ምሃብ ድልውነተን እናዘሓለ ብምኻዱ፡ ንድኻታት ሃገራት ብዘይ ደጋፊ ክተርፋ ገዲዱወን ኣሎ።

ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመኵሮ ዓለም ከም ዘረድኦ፡ መግቢ ብምዕዳል ጥራይ ንሰባት ካብ ሞት ምድሓን ዘላቒ ፍታሕ ኣየምጽእን። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምስ ዝተፈላለያ ምኒስትሪታት ሕርሻ ብምዃን ስትራተጅያዊ ናይ መግቢ መሰረተ-ልምዓት ንምህናጽ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረ፡ እቲ ጸገም ግና ካብ ሱሩ ክፍታሕ ኣይከኣለን።

ሰላም ንምስፋን ዘተኣማምን መንገዲ ክንጸፍ እንተ ዘይክኢሉን ሓቀኛ ዘተ እንተ ዘይተኻይዱን ግና፡ ብሰብኣዊ ረድኤት ጥራይ ጥሜት ደው ክብል ኣይክእልን።

ኵሉ ወገን ኣድላዪ ስጕምቲ ወሲዱ ናይ ሰላም ውዕል ክሳብ ዘየተግበረ፡ እዚ ናይ ሚልዮናት ሰባት ናብ ጥሜትን ሞትን ዘምርሕ ዘሎ ጸልማት ጕዕዞ መኽተያ ኣይክህልዎን።

እቲ ብሰኑይ 26 ጥቅምቲ 2026 ከም ፈጻሚ ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኰይኑ ስርሑ ዝጀመረ ሉክ ሊንድበርግ፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኵነታት ኰይኖም ህይወት ንምድሓን ኣብ ግንባር ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘለዎ ልዑል ናእዳ ገሊጹ።