ንሓደ መንእሰይ ብስሕለት ዝቐተለ ኤርትራዊ፡ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ንሓደ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ብኻራ ወጊኡ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ካብ መተግበሪ ኪነታዊ-ብልሒ (AI) ሕጋዊ ምኽሪ ክሓትት ዝቐነየ ቀታሊ፡ ናይ ዕድመ ምሉእ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።

ኣብ ለንደን ከባቢ ግሪንፎርድ ዝነብር ሙሳ ሳልሕ፡ ብ2 ታሕሳስ 2025 ኣብ ቻትሃም፡ ኬንት፡ ኣብ እዋን ፍርቂ ለይቲ ገንዘብ ንምዝማት ኣብ ዝፈተነሉ፡ ንሃርሊ ፐርዲው ሸውዓተ ሳዕ ብኻራ ወጊኡ ብምቕታሉ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ሳልሕ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝገለጸ ፖሊስ ኬንት፡ ብሓባር ይነብርሉ ኣብ ዝነበሩ ገዛ ገንዘቡ ንምስራቕ ነቲ ግዳይ ኣብ ሽቓቕ ክዓጽዎ ፈቲኑ። ፐርዲው ግን ብዝወረዶ ከቢድ መውጋእቲ ኣብ ሕቝፊ ጥንስቲ ኣፍቃሪቱ ከሎ ህይወቱ ሓሊፋ።

ደያኑ ሳክስቢ ኣብ ቤትፍርዲ ሜድስቶን ክራውን ኣብ ዘስምዕዎ ውሳነ፡ እዚ ወዲ 19 ዓመት ሳልሕ ብውሑዱ 25 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጐን ከም ዘለዎ በይነምሉ።

ኣብቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝተሓበረ፡ ሳልሕ ልዑል ደረጃ ዘለዎም ሓደገኛታት ዕጸ-ፋርስ ንምሻጥ እዩ ናብ ቻትሃም መጺኡ ነይሩ። ናብ ለንደን ተመሊሱ ንኣፍቃሪቱ ንምርኣይ ድማ ንመጓዓዝያ ታክሲ ዝዀኖ ጥረ ገንዘብ ይደሊ ነይሩ።

ሳልሕ፡ ነታ ነቲ ግጭት ደው ንምባል ኣብ መንጎ ዝኣተወት ጥንስቲ ዝነበረት መጻምድቲ ፐርዲው ሄዘል ጋድስደን`ውን መጥቃዕቲ ክፍጽመላ ፈቲኑ ነይሩ።

ፖሊስ ኬንት ከም ዘፍለጦ፡ ሳልሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ ሞባይሉ ምስ ተፈተሸ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝወጽኡ ሓበሬታታትን ሕጋዊ ምኽርን ንምርካብ ንሓደ ናይ ኪነታዊ-ብልሒ መተግበሪ ይሓትት ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ።

ጋድስደን ኣብቲ ኣብ ቤትፍርዲ ዘስምዓቶ ናይ ግዳይ ቃል መግለጺ፡ "ነቲ ዝፈጸምካዮ በደል ፈጺመ ይቕረ ክብለሉ ኣይክእልን እየ። ኣዒንተይ ሰም ኣብ ዘበልክሉ ግዜ፡ ናብታ ብጭካነ ህይወት ሃርሊ ዝቐዘፍካላ ለይቲ እየ ዝምለስ። ንሃርሊ ካብ ቤተሰቡ፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ካብ ገና ዘይተወልደ ውላዱ ኰሊፍካዮ ኢኻ፡" ኢላ።

ጠበቓታት ሳልሕ ብወገኖም፡ ሳልሕ ህይወት ሰብ ብምጥፍኡ "ጣዕሳን ፍርሕን" ከም ዝተሰምዖን ፈጺሙ ናይ ምቕታል ዕላማ ከም ዘይነበሮን ተማጕቶም።

ብመሰረት መብርሂ ጠበቓታቱ፡ ሳልሕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዘይተወሰነ ግዜ ናይ ምንባር ፍቓድ ዝነበሮ ኰይኑ፡ ማእሰርቱ ምስ ወድአ ድማ ናይ ምስጓግ ስጕምቲ ክውሰደሉ እዩ።

መርማሪ ፖሊስ ኬንት ኣላስተር ዎርተን፡ እቲ ቀታሊ፡ "ንቤተሰብን ኣዕሩኽትን እቲ መንእሰይ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ስብራት ልብን ደርብይዎም እዩ፡" ብምባል፡ "ስምዒትና ምስቶም ኣብ ኵሉ እቲ መስርሕ ምጽራይን ቤትፍርድን ዝነኣድ ጽንዓትን ክብርን ዘርኣዩ ፈተውቲ ሃርሊ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ቤትፍርዲ ድማ ቍሩብ ቅሳነትን ፍትሒ ከም እተረጋገጸ ዝገልጽ ስምዒትን ከምጽኣሎም ተስፋ እገብር፡" ኢሉ።

ቤተሰብ ፐርዲው ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ከምቲ ዝነበሮ ዘሐጕስ፡ ፈቃር፡ ለዋህን ዓብን ሰብ ኰይኑ ክዝከር፡" ከም ዝደልዩ ሓቢሮም።