እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንውሓት ዕድመና ብዘይረአ ሓይሊ ይጽሎ ድዩ?
ማግኔታዊ ሓይሊ-መሬት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘለዎ ዘይርአ ጽልዋ፡ ክሳብ ክንደይ ቀልጢፍና ንኣርግ ኣብ ምውሳን ዓቢ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ዝተኻየደ እዚ ምርምር፡ ብፍላይ ደቂ ሰባት ናብ ወርሕን ማርስን ንምጕዓዝ ኣብ ዝሸባሸብሉ ዘለዉ እዋን፡ ንጥዕና ጠፈርተኛታት ዝምልከት ሓደስቲ ሕቶታት ዘልዕል ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
እዚ ሓድሽ ርኽበት፡ ማግኔታዊ ሓይሊ-መሬት (ማግኔቲክ ፊልድ) ምስ መስርሕ እርጋን ዋህዮታትና ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።
ካብዚ ዘይርአ ሓይሊ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ጕድለት ዘለዎም ዋህዮታት፡ ብ20 ሚእታዊት ዝነውሐ ዕድመ ከም ዘሕለፉ ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ናብ ጠፈር ንዝግበር ነዊሕ ጕዕዞታት ይዅን ምስ እርጋን ንዝተኣሳሰሩ ሕማማት ብዝበለጸ ንምርዳእ ሓድሽ ኣንፈት ዘርሕው ስጕምቲ እዩ።
እቲ ፈተነ ብኸመይ ተኻይዱ?
ተመራመርቲ ነዚ ምስጢር ንምፍታሽ፡ ጀነቲካዊ መዋቕረን ምስ ናይ ደቂ ሰባት ኣዝዩ ዝመሳሰል ኣብ ፍረታት ዝረኣያ ደቀቕቲ ሃመማታት እዮም ተጠቒሞም።
ስነ-ፍልጠት ንዘመናት ኣብ ፍረታት ዝረኣያ ደቀቕቲ ሃመማታት ከም መርኣያ ደቂ ሰባት ገይሩ ዝጥቀመለን ምኽንያት፡ ኣብ ዋህዮታተን ዝካየዱ መሰረታዊ መስርሓት ምስ ናትና ዳርጋ ተመሳሰልቲ ስለ ዝዀኑ እዩ።
ተመራመርቲ ኣብዚ ፈተነ ዝተጠቕምሎም ሃመማታት ኣብ ክልተ ጕጅለታት ዝተመቕሉ እዮም ነይሮም።
እቶም ቀዳሞት ፍጹም ጥዑያት ክዀኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ግን ልክዕ ከምቶም ኣብ ደቂ ሰባት ዘጋጥሙ ናይ እርጋን ሕማማት፡ 'ፒንክ1' ዝተባህለ ጕድለት ዘለዎ ጂን ዝተዓደሉ እዮም።
እዚ ዝተበላሸወ ጂን ድማ ነቶም ከም ባትሪታት ወይ ሞተራት ዋህዮታትና ኰይኖም ዘገልግሉ 'ማይቶኮንድርያ' ብንቡር ከይሰርሑ ዝዓግት እዩ።
ተመራመርቲ ንገለ ካብዘን ሃመማታት ኣብ ውሽጢ ፍሉይ መከላኸሊ ማግኔታዊ ዋልታ ብምዕጻው፡ ምስቶም ኣብ ንቡር ናይ ደገ ሃዋህው ዝተቐመጡ ኣነጻጺሮሞም።
እቲ ዘገርም ውጽኢት እንታይ ኣርእዩ?
እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ኣዝዩ ዘገርም እዩ ነይሩ።
እቶም ናይ ፒንክ1 ጕድለት ዝነበሮም (ሕሙማት) ሃመማታት፡ ምንቅስቓሶምን ምድያቦምን እኳ እንተ ደኸመ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መከላኸሊ ዋልታ ምስ ተቐመጡ ግን ዕድመኦም ብኣስታት 20 ሚእታዊት ወሲኹ ተረኺቡ።
ይዅን`ምበር፡ እቶም ጥዑያት ሃመማታት ካብ ማግኔታዊ ሓይሊ-መሬት ዕቝባ ምስ ተገብረሎም፡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝሓሹ ኰይኖም እኳ እንተ ተረኽቡ፡ ዝነውሐ ዕድመ ግን ኣይነበሮምን።
እዚ ድማ ማግኔታዊ ሓይሊ ምዕጋት ንዅሉ ሰብ ብቐጥታ ዕድመ የናውሕ ማለት ዘይኰነስ፡ እቲ ሓይሊ ምስ ጥዕና ማይቶኮንድርያ (ሞተራት ዋህዮታትና) ተኣሳሲሩ ኣብ መስርሕ እርጋን ዝተሓላለኸ ተራ ከም ዝጻወት ዘመልክት እዩ።
ካብዚ ዘይርአ ሓይሊ ምህዳም ይከኣልዶ?
ካብዚ ሓይሊ'ዚ ምህዳም ልክዕ ከም ኣብ ውሽጢ ገዛ ምዕቋብ ቀሊል ኣይኰነን።
ነቲ መጽናዕቲ ብሓባር ዝመርሐት ፕሮፌሰር ሊዛ ቻክራባርቲ፡ "ምሉእ ህይወትና ኣብ ውሽጢ ማግኔታዊ ሓይሊ መሬት ኢና እነሕልፎ፡" ትብል።
ንሳ ወሲኻ፡ "እዚ ሓይሊ ብኣካላትና፡ ብህንጻታት፡ ብዋህዮታትናን ኣብዛ ፕላኔትና ብዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ህያው ፍጡርን ሰሊኹ ይሰርጽ እዩ። እንተዀነ፡ እዚ ዘይርአ ሓይሊ ንኣሰራርሓ ዋህዮታትና ብኸመይን ክሳብ ክንደይን ከም ዝጸልዎ ብዘገርም መንገዲ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና፡" ኢላ።
ማግኔታዊ ሓይሊ-መሬት ብዓቢዩ ኣብ ደጋዊ ሕመረት እታ ፕላኔት ብዝዘውር ዝፈሰሰ ሓጺን እዩ ዝፍጠር። ናብ ጠፈር ርሒቑ ብምዝርጋሕ ድማ ንጸሓያዊ ንፋስን ንጐዳኢ ጨረርታን ብምምካት፡ ንመሬት ንህይወት ምችውቲ ኣብ ምግባር ዓቢ ተራ ይጻወት።
ስደተኛታት ኣዕዋፍ እውን እንተዀኑ፡ ኣብ ነዊሕ ጕዕዞታቶም ኣንፈት ንምፍላጥ በዚ ሓይሊ እዮም ዝምርሑ።
እዚ ንጠፈርተኛታትን ንደቂ ሰባትን እንታይ ትርጕም ኣለዎ?
እዚ ርኽበት ብፍላይ ኣብ መጻኢ ናብ ጠፈር ንዝግበር ጕዕዞ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ።
ኣካል እቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ሕጹይ ዶክተር ጃኮብ ሪድ፡ "ኵሎም ህያዋን ፍጥረታት ብንቡር ንኽሰርሑ ማግኔታዊ ሓይሊ የድልዮም ድዩ ኣየድልዮምን ዝብል ሕቶ ዛጊት ብዕምቈት ኣይተመለሰን፡" ይብል።
ንኣብነት፡ ናብ ወርሒ ወይ ፕላኔት ማርስ ንምብጻሕ ነዊሕ ጕዕዞ ዘካይዱ ጠፈርተኛታት፡ ካብቲ መከላኸሊ ማግኔታዊ ሓይሊ-መሬት ወጻኢ ንነዊሕ ኣዋርሕ ክጸንሑ እዮም።
እዚ ድማ ኣካላቶም ካብቲ ህይወት ዝማዕበለሉ ተፈጥሮኣዊ ሃዋህው ወጻኢ ንሓደስቲ ጸጋማት ጥዕና ጸናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ የመልክት።
ይዅን`ምበር፡ ተመራመርቲ እዚ ፈተነ ኣብ ሃመማታት ጥራይ ዝተራእየ ብምዃኑ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ተመሳሳሊ ሳዕቤን ይህልዎ ድዩ ኣይህልዎን ንምርግጋጽ ገና ብዙሕ ምርምር ከም ዘድሊ የዘኻኽሩ።